ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ሕብረተሰብ እግዚኣብሔር ምስ እተርሕቕ ሰብ ጥፉእ ይኸውን ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ሕብረተሰብ እግዚኣብሔር ምስ እተርሕቕ ሰብ ጥፉእ ይኸውን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ሕብረተሰብ እግዚኣብሔር ምስ እተርሕቕ ሰብ ጥፉእ ይኸውን

ሃይማኖታት ሕውነታውነት ንምሕናጽን ኣብ ሕብረተሰብ ፍትሒ ንምክልኻልን ኣዚዩ ክቡር ዝኾነ ግደ ዘቕርባ ከምዝኾና እምንቶና እዩ

ዕለት 18 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ቋንቋ ጀርመን ኣብ ተጠቃሚ መንበረ ጥበብ ናይ ቲዮሎጊያ ተመሃሮ ዝውክል ጉጅለ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም ሕውነት ዝዓሰሎ ቅኑዕ ዓለም ኣብ ምህናጽ ሃይማኖታት ዘለወን ግደ ልዑል ምዃኑ ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣብቲ ንሃይማኖት ቦታ ዘይህብ እናኾነ ኣብ ዝኽየድ ዘሎ ዓለም ኣብ ሕይወት ኣገዳስነት እግዚኣብሄርን ብቃልን ተግባርን ዝነበር እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ዝወሃብ ምስክርነት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ቀለመንጦስ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ኢየሩሳሌም ገዳመ ንዋመ ብጽእተ ድንግለ ማርያም ኣብ ዝርከብ ቋንቋ ጀምርመን ተጠቃሚ መንበረ ጥበብ ቲዮሎጊያ ዝተዋጽኡ ሰላሳ ተመሃሮ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንክኸውን እንከሎ፥ ንካቶሊካውያንን ናይ ፕሮተስታንትን ተመሃሮ ቲዮሎጊያ ኣብ ኢዮርሳሌም ኣብ ዝርከብ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ናይ ትምህርቲ ዘመን መባእታ ንቅዱስ መጽሓፋዊ ስፍራን ምስ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ንምርኻብን ምስ ኣይሁዳውን እስላማውን ዓለም ንምርኻብ ዝድግፍ ዓቢይ ዕድል እዩ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት እቲ ንይቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ትምህርቲ ዘመን መኸፈቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ምዃኑ ተሪፉ ኣብ ሮማ ጳጳሳዊ ቅዱስ ኣንሰልም መንበረ ተቕዋም ክኸውን ንፈለማ ግዜ ምዃኑን እዚ ኸኣ እቶም ተመሃሮ ምስ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክራኸቡ እውን ዕድል ከምዝፈጠረሎም ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ ሃይማኖታት ሓላፍነት ኣብ ሕብረተሰብ እግዚኣብሔር ህልው ምግባር እዩ

ዋላኳ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ኣብ ቅድስቲ መሬት ብኣካል ተረኺብና ክንነብሮ ዝግብኣና ዝነበረ ተመክሮ ኣብ ‘መሬት ስደት’ እንነብሮ ኣሎና እንክብል ኣባ ኒኮደሙስ ሽናበል ኣባ ገዳም በነዲክታውያን ከምዝበለዎ፡ ቅዱስ ኣቦና ኣዘኻኺሮም እቶም ተመሃሮ ኣብ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ትምህርቶም ቅዱስ መጽሓፍ ከዕሙቑን ምስ እዚ ተተሓሒዙ እውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ንሓድነት ኣሚቱ ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ምስ ተፈላለያ ሃይማኖታትን ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ብዕሙቑን ተላብዮም እዚ ሓደ ናይቲ ተቕዋም ናይ ትምህርቲ መርሓ ግብሪ እውን ምዃኑ ገሊጾም፥ ኣብዚ መዳይ’ዚ እውን ሮማ እተወፍዮ መኻእልቲ ኣለዋ፥

ኣብቲ ንሃይማኖታት ቦታ ዘይረኽበሉ ምስ ዝመስል ዓለም ኣብ ዘተ ንምእታዊ ሓደ ናይ ዕዮታትኵም ሓላፍነት እዩ፡ ምስ ኵሎም ኣመንቲ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምእንቲ ንመላእ ሕብረተሰብ ረብሓ እግዚኣብሔር ህልው ምግባር ኣገዳስነቱ ኣፍልጦ ብምሃብ እንካፈሎ ናይ ሓባር ዕዮንን ሓላፍነትን እዩ፡ ሃይማኖታት ሕውነታውነት ንምሕናጽን ኣብ ሕብረተሰብ ፍትሒ ንምክልኻልን ኣዚዩ ክቡር ዝኾነ ግደ ዘቕርባ ከምዝኾና እምንቶና እዩ፡ ብኻልእ መዳይ ብዝተፈላለዮ ድርኾታት እግዚኣብሔር ካብ ሕብረተሰብ ንምእላይ ምስ ዝድለይ ጣዖታት ኣብ ምምላኽ ከምዝዕረብን ብዝቐልጠፈ ከኣ ሰብ ገዛእ ርእሱ ከምዘጥፍእ ንኣና ንጹር እዩ።

ኣብ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ብመንፍስ ናብ ቤተ ልሄም ንነግድ

ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቶም ተመሃሮ፥ ኣብቲ ናይ ቲዮሎጊያ ተቕዋም ዝወሃብ ትምህርቲ ኣብ ናይ መንፈሳውን ሰብኣውን ሕንጸት ጉዕዞ ኣገዳሲ ዝኾነ ምዕራፍ እዩ፡ ብዝቐልጠፈ እዋን ከኣ ናይ ቅዱስ መጽሓፍ ቅዱሳት ስፍራ ብቐረባ ንምፍላይ ክኽእሉ ከምእተመነዩን፡ ናይ እግዚኣብሔር-ምሳና መሰኻኽሩ ክኾኑ ተላብዮም ናብ ናይ እግዚኣነ ልደት ምስ እነማዕደው “ኵላትና ናብቲ በዓቲ ቤተ ልሄም ብመንፈስ መንፈሳዊ ንግደት ንፍጽም” እንክብሉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ.፥ ካብ ሕብረተሰብ እግዚኣብሔር ምስ እተርሕቕ ሰብ ጥፉእ ይኸውን
19 December 2020, 22:20