ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ በዓለ ጽንሰታ ለማርያም

ዕለት8 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓመታዊ በዓለ ጽንሰታ

ብላቲን ስርዓተ ኣምልኾ ሎሚ ዕለት 8 ታሕሳስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዘይ ኣዳም ሓጢኣት ተጸንሰት ዝብል ናይ ቤተ ክርስቲያን ሃመናዊ ናይ እምነት ውሳኔ መሰረት ክብረ በዓለ ጸንጸታ ለማርያም ምኽንያት፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከምቲ ብናይ ቤተ ክርስትያን ባህሊ ኣብ ቅርዓት ስፓይና ኣብ ዘሎ ናይ ንጽሕት ድንግል ማርያም ሓልወልቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብናይ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሮማ ቤት ምኽሪ ምሕደራን ከንቲባን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ብናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ተሰንዮም ንኽብር ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ቁኑን ዕንባባ ኣንቢሮም ናይ ሕልና ጸሎት ኣዕሪጎም ነቶም ኣብቲ ቅርዓት ንዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ስብከት ናይ ምቕራብ ስነ ስርዓት ከምዘይተፈጸመን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣመልኪቱ፡ ቅዱስነቶም ብግሎም ልክዕ ሰዓት ሸውዓተ ንጐሆ ዕለት 8 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናብ ቅርዓት ስፓይና ብምኻድ ኣብ ትሕቲ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም ቁኑን ዕንባባ ኣንቢሮም፡ ክብረቶም ንማርያም ገሊጾምን ናይ ግሊ ጸሎት ኣዕሪጎም ሮማን ተቐማጦ ሮማን ንማርያም ኣወኪፎም ምስ ኣብቅዑ፡ ሮማ ናብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ዓቢይ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይግሊ ጸሎት ኣዕሪጎም ኣብቲ ባዚሊካ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቤተ ጸሎት ዘልደቱ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ምስ ኣብቁዑ ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካም ከምእተመልሱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

08 December 2020, 13:28