ስለ ሰላም ኣብ ሮማ ዝዓረገ ጾሎት ሕብረት ስለ ሰላም ኣብ ሮማ ዝዓረገ ጾሎት ሕብረት 

ባህሊ ሓልዮት ከየጥረኻ ሰላም ክርከብ ዘይከኣል እዩ! መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ ንዓለምለኸ ዕለተ ሰላም

ዓመት መጸ ባሕቲ ጥሪ ጎርጎርሳውያን ዓለምለኸ ዕለተ ሰላም ክትከውን ብቤተክርስትያን ካብ ትውሰን እነሆ 54 ዓመት ኰይኑስ ወትሩ ነዛ ዕለት እዚኣ ዝኸውን መልእኽቲ ብኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ይጸሓፍ። ንባሕቲ ጥሪ 2021 ዓምፈ ዝምልከት እውን ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብ ዓለምና ባህሊ ሓልዮት እንተጥሪና ሰላም ክንረክብ ከምእንኽእል ኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን ነዚ ስለዘደንፍዕ ብሶላ ወይውን ኮምፓስ ሰላም ዓለምና እዩ ኢሎም።

ዜና ቫቲካን!

እዚ ዕለተ ሰላም እዚ ብፍላይ ናይ ካቶሊካዊት ቤተክርስትስያን ብምዃኑ ቅዱስነቶም ንዓለምለኸ ማሕበረሰብስ ይኹን ንነፍሲወከፍ ነባሪ እዛ ዓለምና ዝኾነ ባህሊ ሓልዮት ከደንፍዑ ነዚ ከኣ ብመንገዲ ሕውነትን ፍትሕን ኣብ መንጎ ግለሰባትን ማሕበራትን ሕዝብን ሃገራትን ሰላም ብምስፋን ክገብርዎ ጻውዒት ኣቅሪቦም።

ቅዱሰንቶም ኣብ መልእኽቶም ‘ባህሊ ሓልዮት ከይጥረኻ ሰላም ክርከብ ማለት ዘበት እዩ’ እንክብሉ ነቲ ዝመጽእ ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓምፈ ንመበል 54 ግዜኡ ዝዝከር ዘሎ ዓለምለኸ ዕለተ ሰላም ዘቅረብዎ ሰፊሕ ምሕጽናታ ትማሊ ዕለት 17 ታሕሳስ 2020 ዓም ንምሉእ ዓለም ካብ ቫቲካን ከምዝተላእከ ቅድስት መንበር ኣፍሊጣ።

እዚ ጻውዒት ቅዱስነቶም ‘ናይ ኩሎም ብሓባር ዝግበር እናተደጋገፍካን ንኩሉ ዘጠቃልልን ኰይኑ ቀንዲ ዕላማኡ ከኣ ንክብርን ሠናይን ናይ ኩሎም ደቂሰባት ንምክልኻል ቃል እትኣትወሉን ሓልዮትን ርሕራሔን ክተርኢ ከኣ ሠናይ ፍቃድካ እትገልጸሉ በዚ ከኣ ንዕርቅን ምፍዋስ ኣቊሳልናን እትሰርሓሉ ንካልኦት እተኽብረሉን እትቅበለሉን ሓባራዊ ሓልዮት እተደንፍዓሉን ጒዕዞ ክግበር’ ጻውዒቶም የቅርቡ። ነዚ ቀንዲ መጋበሪ ዝኸውን መሪሕ ዝኸውን ከም ቡሶላ ክንጥቀመሉ እንኽእል ከኣ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ከም መምርሒ ማሕበርሰብኣዊ ናብራ እተቅርቦ ኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብእንግሊዝ ሶሻል ዶክትሪን ኦፍ ዘ ካቶሊክ ቸርች ዝብል ምዃኑ ገሊጾም።

ኣብ ታሪኽ ምልስ ኢልና ምስ እንምልከት እዚ ዕለት እዚ ንካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ሕዳሴ ተልእኮ ቤተክርስትያንን ተኸቲሎም በዓል ሠናይ ዝኽሪ ር.ሊ.ጳ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብ1967 ዓም ካብቲ እትስዕባ ዝነበረት ዓመት ማለት ካብ ባሕቲ ጥሪ 1968 ዓም ጀሚርካ ዓመት መጸ ርእሰ ዓመት ጎርጎሮስያዊ መራሕ ዕለት ማለት ባሕቲ ጥሪ በዓለ እመ እግዚአብሔር ቅድስት ድንግል ማርያም ዓለም ለኸ ዕለተ ሰላም ክኸውን ወሲኖም። ካብታ ዕለት እቲኣ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ከኣ ዓመት ዓመት ዳርጋ ንምሉእ ዓመት ዝኸውን መልእኽታት ሰላም ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ይቀርብ። እዚ ትማሊ ወግዓዊ ዝኾነ ንዓመተ 2021 ዓምፈ ዝቀርብ መልእኽተ ሰላም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ከኣ መበል 54 መልእኽቲ እዩ።

ኣርእስቲ መልእኽቲ ሰላም ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንሎምዘመን ‘ባህሊ ሓልዮት ጐዳና ሰላም’ ዝብል ኰይኑ ከምቲ ልሙድ ናብ ርእሰ ብሔራት ሃገራትን መንግሥታትን መራሕትን ሓለፍትን ዓለምለኸ ድርጅታትን ማሕበአራትን ከምኡ እውን ንመንፈሳውያን መራሕቲ ተኸተልቲ ዝተፈላለየ እምነታትን ኰይኑ ንኩሎም ሰብ ጽቡቅ ድላይ ዝኾኑ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝተጻሕፈት ኣብ መእተዊ ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። ንመእተዊ ስዒቡ ኣብ ዝቀርብ ቀዳማይ ትሕዝቶ ምስ እንምልከት ካብዚ ንመላእ ዓለም ጅሆ ሒዙ ዘሎ ለበዳ ኮቪድ 19 እንመሃሮም ጉዳያት ይህልውዶ ይኾኑ ንዝብል ሕቶ ዝምልሹ እንክመስሉ ‘ካብ ለበዳ እንመሃሮም ትምህርታት’ ብዝብል ኣርእስቲ ይኸፍትዎ።

ካብ ለበዳ ሕማም እንመሃሮም ትምህርታት!

ቅዱስነቶም ኣብ መኽፈቲ መልእኽቶም ንዘሎናዮ ኩነታት ብምትንታን ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ 19 ንኩሉ ከመይ ገቢሩ ከምዝጸለው ምናዳ ንኩነታት ጥዕና መላእ ዓለምና ኣብ ሰፍ ዘይብል ዓዘቅቲ ቅልውላው ኣብ ርእሲ ምእታው ንኩሉ ኣብ መንጎ ደቂሰባትስ ይኹን ኩሉ ፍጡር ንዘሎ ርክብ ብምጽላው ኣብ ቅልውላው ስለዘእተዎ  ቈጺርካ ዘይውድኡ ጸገማት ፈጢሩ። ቅልውላው ከባቢ ሕጽረት መግቢ ቅልውላው ቊጠባ ስደትን ኣስዒቡ ንብዙሓት ሰፍ ዘይብል ሓዘንን ስቃይን ኣስዒቡ። ቅዱስነቶም እዚ ጸገማት እዚ ናብ ኩሎም ፖሎቲካውያን መራሕትን ግላውያን ኣውፈርትን ንሓገዝ ክዕጠቁ ምናዳ ኸኣ እዚ ዝበሃል ዘሎ ክትባት ኮቪድ 19 ናብ ኩሎም ንክባጻሕ ዘይተሓለለ ጻዕርን ደገፍን ክገብሩ እቲ መሠረታዊ ተክኖሎጂካዊ ምዕባሌ ምናዳ ኣብ ሓልዮት ሕሙማትን ድኻታትን ቀንዲ ተኣፈፍቲ ክፍሊ ሕብረተሰብናን ክገብሩ ጻውዒት የቅርቡ።

ቅዱስነቶም ማዕረ ማዕረ ለበዳ ኮቪድ 19 ዝረኣዩ ካልኦት ጸገማት እውን ይጠቅሱ። እዚ ጸገማት እዚ ከኣ ካብ ዝተፈላለዩ ጸበብቲ ሃገራውነትን ዓሌታውነትን ሌላን ጉሌላን ጀሚርካ ክሳብ ውግኣትን ግጭታትን ኰይኖም እዚኦም ከኣ እንትርፊ ሞትን ዕንወትን ካልእ መኽሰብ ከምዘይብሎም የብርሁ። እዚ ኣብ 2020 ዓምፈ ዘጓነፈ ጸገማት ሓደ ጉዳይ ብግዲ ከምዘድሊ የግህድ። እዚ ከኣ ሓልዮት እዩ። ስለነንሕድሕድና ክንተሓላለ ስለ ከባቢናን ተፈጥሮን ክንሓሊ በዚ ከኣ ሓልዮት ዝመልኦ ሕውነት ሕብረሰብና ክንፈጥር ሓደራ ይብሉ። ስለዚ ይብሉ ቅዱስነቶም ስለዚ ንሎምዘመን ‘ባህሊ ሓልዮት ጉዳና ሰላም’ ብዝብል ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ ሰላም ነዚ ዓብሊሉ ሒዙና ዘሎና ባህሊ ሸለልትነትን ንዓይ ይጥዓመኒ እምበር ብዛዕባ ኣሕዋተይን ኣሓተይን ከባቢየይን ተፈጥሮን ኣይዓጠንን ዝብል መንፈስን መኽሰብ ንዘይብሉ ኩሉ ጉሓፍ ዝብል ባህሊ ምጉሓፍ ክሳብ ሰብ ከይተረፈ ናብ ምጒሓፍ ገኒኑ ዘሎ ባህሊ ኣሊና ባህሊ ሓልዮት ክነደንፍዕ እሞ ብጐዳና ሰላም ክንምርሽ ንጽዋዕ። እዚ ከኣ ካብዚ ወሪዱና ዘሎ ቅልውላው ለበዳ ኮቪድ 19 እንመሃሮ ቀንዲ ትምህርቲ ምዃኑ ገሊጾም።

ምዕባሌ ሥነ ሓሳብ ባህሊ ሓልዮት ኣብ ቤተክርስትያን!

ቤተክርስትያን ካብ ትምስረት ጀሚራ ባህሊ ሓልዮት ከምእተደንፍዕ ንምግላጽ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመነ ኢየሱስ ምልስ ኢሎም ብቃል ወንጌል ሓደራ ዝተዋህበን በታ ሽዑ ዝተወልደት ቤተክርስትያን ጀሚሩ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ባህሊ ሓልዮት ቀንዲ መለለዩ ቤተክርስትያን ምዃኑ ይትንትኑ።

መምርሒ ቤተክርስትያን ዝኾነ ቅዱስ መጽሓፍ ኣብ ምጅማሩ እግዚአብሔር ንዓለምን ኣብኡ ንዘሎ ኩሉን ምስ ፈጠረ ንኣቦና ኣዳም ‘ነታ መሬት ክሓርሳን ክዕቅባን’ ከምዘረከቦ ኦሪት ዘፍጥረት ብሰፊሑ ይገልጽ። እንተኾነ ሓጢኣት ኣብ ዓለም ምስ ኣተው እታ ቀታል ሓው ዝኾነ ቃኤል ንእግዚአብሔር ‘ኣነ ሓላው ሓውይዶ ኰይነ’ ክብል ዝመለሻን እግዚአብሔር ዝበሎን ነፍሲወከፍና ሓላው ሓውናን ሓውትናን ነንሕድሕድና ክንተሓላለ ግቡእና ከምዝኾነን የብርህ። ኣብዚ ምናልባት ሕነ ምፍዳይ ፍትሒ ምውጻእ ናትና ከይመስለና ግን እግዚአብሔር ነቲ ቀታል ሓው ዝኾነ ቃኤል እውን ከይተረፈ ከምዝሓልየሉን ከምዝሕልዎን እንክገልጽ ነፍሲወከፍ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ሓጢኣተኛ ይኹን ጻድቅ ብዘየገድስ ዘይድምሰስ ክብሪ ከምዝለዎ እዚ ኸኣ ክሕሎ ከምዘለዎ የብርሃልና። ኣብ ፍጥረት ምልስ ምስ እንብል ኩሉ ፍጥረት ብዕረፍቲ ሰንበት ይዛዘም። እዛ ዕለት እዚኣ ንመስርዕ ተፈጥሮ ኣዕሪፍካ ኩሉ መሳርዑ ንክሕዝ ማሕበራዊ ስርርዕስ ይኹን ንድኻታት ዝግበር ሓልዮት ከምኡ እውን ኢዮቤል ብምእዋጅ እታ ክትሕረስ ሓደራ ዝተዋህበት መሬት ካብ ሕርሻ ክተዕርፍ ባሮት እውን ሓራ ክወጹ ዝኾነ ዕዳ እውን ክስረዝ ከመይ ገቢርካ ዳግመ ስርርዕ ከምዝግበር የሰተምህር። እዚ ኩሉ እንታይ ይምህረና ኢሎም ዝሓተቱ ቅዱስነቶም እዚ ኩሉ ዝምረና ፍጥረት ኩሉ ነንሕድሕዱ ዝተጠናነገ ምዃኑ ቅርዑይ ሓልዮት ሓድሕድ ከምዘድሊ በዚ ገቢሩ ከኣ ምስ ተፈጥሮ ዘሎና ሕውነትን ርክብን እውን ካብዚ ፈሊኻ ዘይረኤ ምዃኑ በዚ ከኣ ሕውነትን ፍትሕን ምትእምማን ሓድሕድን ክነደንፍዕ ንጽዋዕ ኢሎ።

እግዚአብሔር ኣቦና ንዘመደ ኣዳም ዘርእዮ ፍቅርኸስ ኣብ ግልጸት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ይዛዘም። ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ነጸብራቅ ፍቅሪ ኣቦኡ ብምዃን ንሱ ከምቲ ዘፍቅረናን ዝሓልየልናን ንሕና እውን ነንሕድሕድና ከምኡ ክንገብር ሓደራ ሃበና። እቶም ቀድማት ተኸተልቲ ኢየሱስ ዝነበሩ ክርስትያን ከኣ ንዘለዎም ኩሉ ብምክፋል ምናዳ ኣብ ጽጉማትን ድኻታትን ፍሉይ ሓልዮት ብምግባር ማሕበረክርስትያን ዘቦኡ ኩሉ ንዝኾነ መርሓባ ኢሉ ዝቅበል ሓላዪ ማሕበር ምዃኑ ብግብሪ ይነብሩ ነበሩ።

ሎሚ ከም ሎሚ እዛ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝቆመት ማሕበር ንግድነታት ዘመደ ኣዳም ንምርዳእ ብዙሕ መዕቆቢ ሕሙማንን ገዛውቲ ድኻታትን ዘኽታማትን መቀበሊ ቤት ኣልቦን ንነጋዶን ገያሾን ጽላል ዝኾኑ ትካላትን ኣቊማ ንሓደራ መሥራቲኣ ብግብሪ ትነብሮ ኣላ። ቋንቋ ሓልዮት ትርጉሙን ኣገባቡን ንምግላጽ ከኣ ኅብረሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝብል ሰፊሕ ሰነድ ከም መምርሒ ሂባ ባህሊ ሓልዮት ትምህር ኢሎም።

ኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን - ቋንቋ ሓልዮት!

ባህሊ ሓልዮት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብሰፊሑ ኣብ ኅብረተሰብኣዊ ትህምርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተጠርኒፉ እንክርከብ እዚ ከኣ ብትህምህርቲ ሃይማኖተ አበውን ብሩህ ምስክርነት እምነትን ዝሃብተመ ምዃኑ ዝገለጹ ቅዱስነቶም ‘እዚ ባህሊ እዚ ማለት ባህሊ ሓልዮት ትርግታ ልቢ ኅብረተሰባኣዊ ትምህርቲ ቤተክርስትያን እዩ` ኢሎም። እዚ ትምህርቲ እዚ ከም ሰዋስው ወይውን ሕጊ ቋንቋ  ባህሊ ሓልዮት ከገልግል ዝኽእል ኣምር ኰይኑ ናይ ነፍሲወከፍ ክብሪ ንምድንፋዕን ምስ ድኻታትን ተኣፈፍቲ ኣባላት ኅብረሰብ ምድግጋፍ ዝፈጥርን ንሓባራዊ ሰናይ ነገርን ንተፈጥሮ ንምክልኻል ሻቅሎት ከምዝሓድርን ይገብር ኢሎም።

ቤተ ክርስትያን እትእመኖን እትምህሮን መግለጺ ክብሪ ወዲሰብ ንምዕባሌ ዘመደ ኣዳም ብምሉኡ የጠቃልል። ‘ኣካል ክንብል እንከሎና ወትሩ ብዛዕባ ርክብ ምስ ካልኦት እምበር ንውልቀሰብ ነጺልካ ምምልካት ኣይኮነን። እዚ ከኣ ምቅባል እምበር ምንጻግ ከምዘየለ ኣብሪሁ ነቲ ፍሉይን ዘይድገምን ግለሰብን ዘገሃስ ክብሩን እምበር ምዝመዛ ኣይድግፍን። ነፍሲወከፍ ወዲሰብ ወይ ጓልሰብ ከም ኣካል ክቡር ስለዝኾነ ብዝህቦ ወይውን እትህቦ ጥቅሚ ብምንም ተኣምር ኣይምዘነኑን።

እዚ ብሶላ ዝበልናዮ መሪሕ ቤተክርስትያን ዝገልጽ ኅብረሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝኾነ ኅብረተሰብኣዊ ኣመላኽታስ ይኹን ፖሎቲካውን ቁጠባውን ኣመለኻኽታ ሕይወት ደቂሰባት ምሉእ ትርጉሙ ዝረኽበሉ ኣብ ኣገልግሎት ሓባራዊ ሠናይ ነገር ተዋፊሩ ደቂሰባት ብምልኣትን ብዝቀለለ መንግድን ፍጽምና ሕይወት ንክረኽቡ የረጋግጽ።

ነዚ መምርሒ እዚ ኣብ ዘሎናዮ ኩነት ለበዳ ኮቪድ 19 ምስ እነምጽኦ ኩልና በዚ ለበዳ እዚ ኣንፈትና ዘጥፍኣናን ኣብ ሓንቲ መርከብ ከም እርከብ ኰናሉ ኣብ ዘሎና ኩልና ብሓንሳብ ክንቀዝፍ ይዕድመና። እዚ ዝኾነሉ ከኣ ማንም ሰብ በይኑ ኣብ ድሕነት ክበጽሕ ዝኽእል የልቦን። ኣብ ርእሲ እዚ ብሓባር ምስራሕ ኅብረሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሓደራ ዝብለና ከኣ ምድግጋፍ እዩ። ነፍሲወከፍና ሓላፍነት ኣሕዋትን ኣሓትን ስለዘሎና ክንደጋገፍ ኣሎና። ነዚ ናይ ኩሉ ፍጥረት ምጥንናግ ነቲ ኣብ ላውዳቶ ሲ ስቡሕ ኣንተ እትብል ሓዋርያዊት መልእኽቲ እውን ተገሊጹ ኣሎ።

እዚ ኩሉ ዘጒልሖ እንተልዩ ነቲ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ሓገዝ ደልዮም ዘቅርብዎ ገዓር ከምኡ እውን እታ ሓባራዊት ገዛና ዝኾነት ተፈጥሮ እተሰምዖ ገዓር ሰሚዕና ክንሓልየሎም ግድነት ከምዘሎና እዩ። ምስ ኩሉ ፍጡር ዘሎና ዓሚቚ ውህደት እንተደኣ ርሕራሔን ድንጋጼን ሓልዮትን ጐዲልዎ ሓቀኛ ክኸውን ኣይክእልን እንክብሉ ነቲ ቀደም ዝበልዎ ይደግሙ። ቀጺሎም ከኣ ሰላም ፍትሒ ከምኡ እውን ንፍጡር ዘበለ ኩሉ ዝግበር ሓልዮት ክንፈላልየን ዘይንክእል ሰለስተ መምርሒ ምዃነን እውን ይገልጹ።

ኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን መራሒ ብሶላ!

ቅዱስነቶም ንሓሳብ ሓልዮት ብምቅጻል ኣብዚ ዘመንና ዝረኤ ናብ ጥቅሚ ጥራይ ዘተኰረ ባህሊ ጥቅምን ረብሓን ንዘይብሉ ጐሓፍ ዝብል ናይ ምጒሓፍ ባህልና ምልስ ኢሎም እዚ ቀንዲ ምኽንያት ዘይማዕርነት ሃገራት ስለዝኾነ ናብ መንግሥታዊ መራሕትን ዓለምለኸ ድርጅታትን ኣውፈርቲ ርእሰማልን ሊቃውንትን መሃርትን ኰስኰስትን ዘተኰረ መልእኽቲ ከምዚ ክብሉ ይጽሕፉ። ንኩሉ ሥራሖም ከም መምርሒ ቡሶላ ንኅብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተጠቀሙ። ንዝበለጸ መጻኢ ዘመደ ኣዳም ዝኸውን ሓባራዊ መንገዲ ክሕብረኩም ኣብዚ ዓውለማውነት ዝተቆጻጸሮ ዓለም መውጽኢ ክኾነኩም እዩ። ነፍሲወከፎም እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሱ ሰብ መዚ ነዚ ብሶላ እዚ ኣብ ኢዶም ምስ ዝሕዙ ነዚ ዘሎ ኅብረተሰብኣዊ ዘይምዕሩይነት ክስዕሩ ከምዝኽእሉ የረጋግጹ።

ርግጽ እዩ ዓለምለኸ ሰብኣዊ ሕግታት ክሕለው ኣለዎም! ምናዳ ኣብቲ ንሕጻናትን ሰብኡትን ኣንስትን ምኽንያት ዓቢ ስቃይ ኣብ ዝኾኑ ግዜ ግጭትን ውግእን ክሕለው ኣለዎም። ከክንዲ ንግጭታት ሓደ ነባራዊ ኩነት ገርካ ምምልካት ልብናን ኣተሓሳስባናን ለዊጥና ብምድግጋፍን ብሕውነትን ስለ ሓቀኛ ሰላም ክንሰርሕ ኣሎና ኢሎም።

ኣጽዋር ውግእን ሰላምን!

ቅዱስነቶም ካብዚ ቀጺሎም ዝዝክርዎ እቲ ናይ ምሉእ ዓለምና ሃብቲ ዝጽንቅቅ ዘሎ ጉዳይ ኣጽዋር ውግእ እዩ። እንተኾነ እዚ ወጻኢ እዚ ምናዳ ንኒክለሳዊ ኣጽዋር ዝወጽእ ክንዲ ንውግእ ቀዳምነት ንውሕስነት ግለሰባትን ንምድንፋዕ ሰላምን ኩለንትናዊ ምዕባለን ቃልሲ ተጻይ ድኽነትን ንኩሉ ሓልዮት ጥዕና ንምፍጣርን ሂብካ እንተዝስራሓሉ ምሓሸ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዓለምለኸ ወይውን ዓውለማዊ ማዕከን ፈጢርካ ነቲ ኣብ ኣጽዋር ውግእን ምሳኡ ዝተታሓዘ ነገራትን ዝግበር ወጻኢ ንጥሜት ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእን ዝደኸያ ሃገር ንክምዕብላ ኣበርክቶ ንምግባርን እንተዝውዕል ክንደይ ጽቡቅ ነሩ።

ንሰላም ምኲስኳስ!

ባህሊ ሓልዮት ምጥራይን ምድንፋዕን ሱቊ ቢልካ ዝርከብ ዘይኮነስ ጒዕዞ ኲስኰሳ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም እዚ ኲስኰሳ እዚ ኣብታ ከመይ ኢልካ ከም እትነብርን ምስ ካልኦት መንፈስ ክብሪ ዝመልኦ ርክብ ከመይ ቢልካ ከም እትፍጽም እትመሃረሉ መሠረት ኲስኰሳ ዝኾነ ሥድራቤት ኢና እንመሃሮ ኢሎም። ቀዳመይቲ ቦታ ኲስኰሳ ሥድራቤት ኰይና ቀጺሎም ዝመጹ ኣብያተትምህርቲ መካነ ጥበባት ማለ ዪኒቨርሲታት ከምኡ እውን ናይ መራኸቢ ብዙሓን መጋበሪታት ስለዝኾኑ እምነታትን መራሕቲ እምነታትን ነዚ ሜላ እዚ ክጥቀሙሉ እንተኾነ ንመሰል ነፍሲወከፍ ግለሰብን ቋንቋን ብሔርን ማሕበረ እምነትን ክሕልው ኣለዎም ኢሎም። ምናዳ ኣብዚ ዘመንና ዘመደ ኣዳም ብማዕበል ግዝያዊ ቅልውላው ተጠቂዕሉ ኣብ ዘሎ ግዜ ህዱእን ሰላማውን ኩነት ንምርካብ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ውሕስነት ሰብኣዊ ክብርን ብሶላ መሠረታውያን ዕላማታት ማሕበረሰብን ርግጸኛ መንገዲ ንክንክተል ንኩልና ዝሕግዝ እዩ።

ቅዱስነቶም መልእኽቶም እንክዛዝሙ ንካልኣት ሸለል በል ናይ ዝብል ፈተና ፈጺሙ ከሸንፈና ዘይብሉ ጉዳይ ኰይኑ ዕለት ዕለት ጭቡጥን ግብራውን ብዝ|ኾነ መንገዲ እቲ ሓደ ስለ እቲ ሓደ ዝግደሰሉን ሓልዮት ዘርእየሉን ማሕበረሰብ ንምቋም ንቃለስ ኢሎም። 

ብድምጺ ንምክትታል!

 

18 December 2020, 12:08