ዕለት 20 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ካምፒዶሊዮ - ኣብ ናይ ሮማ ከንቲባ ሕንጻ ፊት ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ርክብን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም ዕለት 20 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ካምፒዶሊዮ - ኣብ ናይ ሮማ ከንቲባ ሕንጻ ፊት ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ርክብን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም  

ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ቅዱስ ኣንድርያስ ሓይሊ ግብረ ሰናይ ኣብ እዋን ከቢድ ጸገም

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድሪያስ ንናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩምን ኣብጽሓኵምን መልእኽቶም፥ እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ኣብ ዘመናት እናዓበየ ከምዝመጸን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ናይ ቍስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ እንድርያስ ሓዋርያ ናብ  ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶስክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ሓድነት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኩርት ኮኽ ዝምራሕ ናይ  ሃገረ ቫቲካን ልኡካን ኣብ ኢስጣምቡል ኣብ ዝተበዓለ ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድሪያስ ከምዝሓበሩ እውን ልኡኽ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካርሊስ ሓቢሮም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ሰላም ዘተ ምክያድ ዝከኣል እዩ! ይዅን ደኣ እምበር ሰብኣዊ ፍጥረት ንሓድ ሕዱ ከም ሓውን ሓብት እንተድኣ ዘይተረኣኣየን ዘይተቐባበለን ውግእ ንምውጋድ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ንርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ኵላዊ ሕይወት  ዘይጥርጥር እዩ፡ ቅዱስነት ኣብቲ ናብ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ኢስጣንቡል ቅዱስ ጊይርጊስ ቤተ ክርስቲያን በርጠለመዎ ቀዳማዊ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድርያስ ሓላዊ ቅዱስ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ነቲ ጉባኤ ዘንበቡ ኣብቲ ብዕሎት ናይ ቫቲካን ልኡኻን መሪሖም ዝተሳተፉ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ውህደት ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤተ ምኽሪ ኣቦ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ኮርት ኮኽ ክኸምዝኾኑ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።

ውግእን ዝተመንዝዔ ሕይወትን

ዕለት 20 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ካምፒዶሊዮ - ኣብ ናይ ሮማ ከንቲባ ሕንጻ ፊት ኣብ ዝርከብ ቅርዓት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ኵለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ ናይ ሓባር ርክብን ጸሎትን ምእንቲ ሰላም በርጠለመዎስ ቀዳማዊ እውን ተሳቲፎም ከምዝነበሩ ዝሓበሩ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፡ ኣብቲ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክንየው እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዕን ዝረአዩ ዝተፈላለዩ ውግኣትን ብሓሳብን ብመንፈስን ብዘስምዕዎ ቃልን ንኹሎም ከምዝሓቖፉን፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘኪሮም፡ ሰላም ንምንቕቓሕን ንምትብባዕን ብብሔራውን ብዓለም ለኻውን ደረጃ ዝካየዱ ተበግሶታት ኣገዳስን ኣድላይን እዩ፡ ኩሉ ሰብኣዊ ፍጥረት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ክርአአይ ሕድ ሕዳዊ ሓላፍነት ከምዘለዎ ዘይስቆሮ እንተድኣ ኮይኑ ዓመጽን ውግእን ፈጺሙ ደው ክብልን ክውገድን ዝከኣል ኣይኮነን ከምዝበሉ ኣፍሊጦም።

ኣሕዋት ኣቢያተ ክርስቲያን

ቅዱስነቶም ብቐዳምነት ሕውነት ምስ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ ዝነበርዎ ተመክሮ ዘኪሮም፡ እዚ ተመርኮ እዚ ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ዝነበረ ምቅርራብን ምርድዳእን ቅድሚ ኣቢያተ ክርስቲያን ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ምእመናን ዝነብሮ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ኣዘኻኺሮም፡ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቅድሚ ሚእቲ ዓመት ዘውጸኦ ዓዋዲ መልእኽት ጠቒሶም፥ “ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣብ ፍቕሪ ኣስተንፍሶ ገይረን ኣብ ልዕሊ ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ፍርዲ ፍቕሪ ከቐድማ እንከለዋ እቲ ዘለወን ዘይምርድዳእን ምስሕሓብን ክጉድልን እናበለ እውን ከይህሉ ይገብራ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ይሕብሩ።

ሓድነትን ውህደትን ሸቶ እዩ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ቅዱስ እንድሪያስ ንናይ ቁስጥንጥንያ ፓትሪያርክ ብጹዕ ወቅዱስ በርጠለመዎስ ቀዳማዊ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንቋዕ ሓጐሰኩምን ኣብጽሓኵምን መልእኽቶም፥  እቲ ኣብ መንጐ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያንን ዘሎ ርክብ ኣብ ዘመናት እናዓበየ ከምዝመጸን ይኹን ደኣ እምበር ናብ ሓድነት ከይብጻሕ ዝገብሩ መሰናኽላት ብሓባር ኣብ ሕድ ሕዳዊ ናይ ፍቕሪ ጉዕዞን ኣብ ቲዮሎጊያዊ ዘተን ተሰጊሩ ኩሉ ዘርኢ ሰብ ኣብ ሓደ ኣካልን ኣብታ ሓንትን እንኰን ቅድስትን ቤተ ክርስትያን ርእሰ ማእዝን ኣብ ዝኾነ ቅዱስ ቁርባን ዝንበር ምሉእ ሱታፌ ዳግም ከምዝምለስ እምነተይ እዩ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ደ ካሮሊስ ኣፍሊጦም።

01 December 2020, 16:47