ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ካብ ቅዱስ ዮሴፍ ብትሕትና ፍቓድ እግዚኣብሔር ንኽንነብር ንመሃር

ግደ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ መደብ ምድሓን እግዚኣብሔር፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ Patris corde - ብልቢ ኣቦ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ

ዕለት 9 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ለጊስም ምስ ኣብቆዑ ዕለት 8 ታሕሳስ ንንባብ ዝበቐዔ ብልቢ ኣቦ ብዝብል ኣርእስቲ ዘመሓላለፍዎ ዛዕባ ቅዱስ ዮሴፍን ዝኣወጅዎ ዓምት ቅዱስ ዮሴፍን እናሓሰቡ፥ “ኣብዚ እዋን እዚ ቅዱስ ዮሴፍ ንቤተ ክርስቲያን ክሕልዋ ኣማልድነቱ ንለምን” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ዮሴፍ ሓላዊ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝብል ኣርእስቲ ዝተወሃበሉ ዝኽሪ መበል 150 ዓመት ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብልቢ ኣቦ ብዝብል ኣርእስቲ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ለጊሶምን ዓመት ቅዱስ ዮሴፍ ከምዝኣወጁ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ብብሂል ዝተመሓላለፈ ናይ ሕይወቱ ታሪኽን ተልእኾኡን ተክለ ሰብነቱን ብጽማሬ መልክዕ ከምዘብርሁን ዕለት 8 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ተክለ ሰብነት ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማእከል ኣብ ዝብል ሓሳብ ተመስሪቶም፥

እግዚኣብሔር ንቕዱስ ዮሴፍ እቲ ኣዚዩ ክብሩ ዝኾነ ጸጋ ብሓላፍነት ሃቦ፥ ኢየሱስን ማርያምን፡ ንሱ ኸኣ ብእምነት ምሉእ ብምሉእ ነዚ ሓላፋነት እዚ ብትዓትን ብሓልዮትን ብኣቦ ልቢ ምዕዙዝን እዙዝን ኮነ፡ ሓልዮቱ ንቤተ ክርስቲያን ኣብዚ እዋን’ዚ ንምሕጸንን ብትሕትና ፍቓድ እግዚኣብሔር ንምኽዋን ካብኡ ንመሃር!

ከምዝበሉን የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ናይ ኢየሱስ ሓላዊ - ኣቦ ዘማእከለ ዝኣወጅዎ ዓመት ዕለት 8 ታሕሳስ 2021 ዓ.ም. ዝዛዘም ከምዝኾነን ነዚ መሰረት ብምግባር ጳጳሳዊ መንበረ ንስሓ ናይ ቅዱስነቶም ድላይ መሰረት ገይሩ ኣብዚ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ ዓመት፥ ምስጢረ ንስሓን ሱታፌ ኣብ ቅዱስ ቁርባንን ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ጸሎት ሓሳብን ኩነት ዘንበረ ናይ ምሉእ ስርየት ሓጢኣት ኣዋጅ ከምዘቕረበ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስ ዮሴፍን ኣቦነትን

ግደ ቅዱስ ዮሴፍ ኣብ መደብ ምድሓን እግዚኣብሔር፥ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ Patris corde - ብልቢ ኣቦ ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ፥ “ቅዱስ ዮሴፍ ብሕዝበ ክርስቲያን መላእ ዓለም ወትሩ ፍቝር እዩ” ኣብ ዓለም ንስሙ ዝተወከፉ ኣቢያተ ክርስቲያንን ገዳማትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ማሕበራት ሕውነትን ኤቅለሳውያን ማሕበራትን ኣብ ናይ ቅዱስ ዮሴፍ መንፈሳውነት ኣስተንፍሶ መሰረት ዝቖማን ብዙሓት ቅዱሳት ነዚ ቅዱስ’ዚ ዘለዎም ኣኽብሮት ዝምስክሮ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ስለዚ ቅዱስ ዮሴፍ ገዛእ ርእሱ ኢማእከላዊ ገይሩ ኢየሱስን ማርያምን ኣብ ሕይወት ክምእክሉ ዝገበረ ብምዃኑ፡ ኣብነት ኣቦነት እዩ፡ እቲ ዘሕዝን ግን ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብታ ሓዋርያዊት መልእኽቶም - ብዙሓት ኣቦ ከምዘይብሎም ዘኽታማት ኮይኖም ምርኣይ እዩ፡ ኣብነት ኣቦነት ዮሴም፥ ኣቦታት ደቃቶም ናብ ናይ ሕይወት ተመክሮ ዘሰንዩ ክም ናይ ገዛእ ርእሶም ንብረት ዝወንኖ ዘይብሉ ናይ ምምራጽ ብቕዓት ክህልዎም ናጻን ኣካልነትን ክስምዖም ኣብ ምግባር እዩ ክዓብዩ ዘለዎም፡ እቲ ሓዋርያዊት መልእኽቲ ናይ ቅዱስነቶም፡ ሎሚ ካብ ቀደም ኣብቲ ልዑል ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ኣቦነት ዘማእከል እዩ። ዓለም ኣቦታት ዘድልዮ ክነሱ ኣቦነት ይነጽግ፥ ይነጽግ ክበሃል እንከሎ ውላድ ከም ንብረት ምዋናንን እቲ ናትካ ባዶነት ናብኡ ከተወስጠሉ ምፍታን ዘመላኽት እዩ፥ (ኣቦ ነቲ ውላድ)፡ እዚ ኣልቦ ኣቦነት እዩ፡ ኣቦ ኮለካ ኣልቦ ኣብ ምዃን ዘስምዕ እዩ፡ ሓላፍነት - መዝነት መላኽነት ማለት ኣይኮነን፡ ኣገልግሎት ግሊያውነት ማለት ኣይኮነን ምጽንናዕ ምዕብላል፡ ግብረ ሰናይ ተመጽዋትነት ሓይሊ ዕንወት ማለት ኣይኮነን፡ ጸዋዕታ ካብ ተወፋይነት እዩ ዝብገስ፡ ኣብ ናይ መስዋዕትነት ሞጐት ደው ዝብል ከምዘይኮነ የብርሁ።

ቅዱስ ዮሴፍ ዕለት 8 ታሕሳስ 1870 ዓ.ም. ፒዮስ ታሽዓይ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓላዊ ቅዱስ ኣንክብሉ ከምዝሰመይዎምን 16 ዓመት ቅድሚ እዚ እዋጅ እዚ ዕለት 8 ታሕሳስ 1854 ዓ.ም. ባዕሎም ፒዮስ ታሽዓይ ጽንሰታ ለማርያም - ማርያም ብዘይ ሓጢኣት ኣዳም ተጸንስት እንክብሉ ነዚ ሃምነን እምነት ቢሎም ከምዝደንገጉን እዚ ኣብ መንጐ ዮሴፍን ማርያምን ኢየሱስ ዘሎ ብርቱዕ ስኒት ዘመላኽት እዩ፡ እዚ ምሉእ ስኒት’ዚ ኣብ በዓል ቅድስቲ ናዝራዊት ስድራ ቤት ኣብ እዋን በዓለ ልደት ንጹር እዩ።

10 December 2020, 19:02