ተመስገን ኢልካ ምኽኣል ንዓለምና ዝሓሸ ይገብሮ! ተስፋ ኸኣ የስንቆ! ር.ሊ.ጳ

‘ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ። መንፈስ ኣይተጥፍኡ።’ (1ተስ 5.16-19)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ሎሚ ብዛዕባ ጸሎት ምስጋና ክንምልከት ኢና። ነዚ መበገሲ ዝኾነና ከኣ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዝተጠቅሰ ፍጻሜ ክንወስድ ኢና። ኢየሱስ ኣብ ጒዕዞ እንከሎ 10 ለምጻማት ይቅበልዎ እሞ ‘ኢየሱስ መምህር ራሕርሓልና’ እናበሉ ከአ ይልምንዎ (ሉቃ 17,13)። ከም እንፈልጦ ብለምጺ ዝሓመሙ ሰባት ኣብ ርእሲ እቲ ስቃይ ሕማም ማሕበራው ተነጽሎን ሃይማኖታው ተነጽሎን ይውሰኾ ነበረ። በቃ ካብ ኩሉ ዝተነጸሉ ነበሩ። ማንም ይቀርቦም ኣይነበረን። ኢየሱስ ግን ንክራኸቦም ኣየማትአን። ሓንሳእ ሓንሳእ ነቲ ሕጊ ዝእዝዞ ሰጊሩ ተጻይ እቲ ሕጊ ክግበር ንዘይነበሮ ብምግባር ነቲ ሕሙም ይትንክፎ ይሓቊፎ እውን እሞ የሕውዮም ነበረ። ኣብዚ ፍጻሜ እዚ ግን ምትንኻፍ የለን። ርሕቀቱ ሓልዩ ከይዶም ኣብ ቅድሚ ካህን ክቀርቡ ይዕድሞም (ኁ. 14) ከም ሕጊ ኦሪት ከኣ ካህናት ምሕዋይ ወይውን ምንጻሕ ሕሙም ብሓቂ እንተተፈጺሙ ዘረጋግጹ ነበሩ። ኢየሱስ ዋላ ሓንቲ ኣይብልን። ንጸሎቶም ሰሚዑ ነቲ ክርሕራሓሎም ዝገዓርዎ ገዓሮም ተቀቢሉ ብኡ ንብኡ ናብ ካህናት ይሰዶም።

እቶም ዓሠርተ ለምጻማት ይተኣማመኑ! ክሳብ ዝሓውዩ ተዓኒዶም ኣብኡ ደው ኢሎም ኣይተረፉን! ይተኣማመኑ እሞ ብኡ ንብኡ ጉዕዞኦም ይጅምሩ እሞ ብዓሠርቲኦም ገና ኣብ መንገዲ እንከለው ይሓውዩ። እቶም ካህናት ከኣ ከም ዝሓወዩ ኣረጋጊጾም ካብቲ ተነጽሎ ወጺኦም ንቡር ሕይወቶም ክመርሑ መፍቀዱሎም ነሮም። እንተኾነ ኣብዚ ሓደ ኣገዳሲ ጉዳይ ይፍጸም! ካብቲ ጒጅለ እንኮ ንበይኑ ቅድሚ ናብ ካህናት ምኻዶም ስለ እቲ ዝተዋህቦ ጸጋ ንኢየሱስ ከመስግንን ክብሪ ንእግዚአብሔር ክህብን ንድሕሪት ይምለስ። ሓደ ጥራይ እንክምለስ እቶም ዝተረፉ ትሽዓተ መንገዶም ይቅጽሉ። ኢየሱስ ከኣ እቲ ሰብ እቲ ሳምራዊ ከምዝነበረ ማለት ብኣይሁድ ከም ኣረማውያን ዝቊጸሩ ዓሌት ከምዝነበረ ይምልከት። ሽዑ ኢየሱስ ‘ብጀካ እዚ ኻልእ ዝዓሌቱስ ንኣምላኽ ክብሪ ኺህብ እተመልሰዶ የልቦን፡ ኢሉ መለሰ’ (ሉቃ 17,18)። እዚ ታሪኽ እዚ ብሓቂ ልብኻ ዝትንክፍ ታሪኽ እዩ።

እዚ ታሪኽ እዚ ንዓለምና ኣብ ክልተ ጉጅለ ይኸፋፍል ክንብል ንኽእል። ዘመስግንን ዘየመስግንን ማለት ነቲ ዝተዓደሎ ጸጋ ከም ሓደ ብግዲ ዝግብኦ ገሩ ዝግምትን ኩሉ ጸጋ ምዃኑ ኣሚኑ ብምስጋና ዝቅበልን። ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቊ. 2638 ‘ዝኾነ ፍጻሜን ዝኾነ ግድነትን ናይ ምምስጋን ምኽንያት ክኸውን ይኽእል’ ቢሉ ይጽሕፍ። ጸሎት ምስጋናኸስ ወትሩ ካብዚ እዩ ዝጅምር ማለት ኩሉ ብጸጋ እግዚአብሔር ከምዝብገስ ፈሊጥካ ምምስጋን እዩ። ቅድሚ ምሕሳብ ምምሃርና ዝተሓሰብና ኢና። ኣብ ልብና ዝኾነ ድላይ ቅድሚ ምቅጃል ዝተደለና ኢና። ንሕይወት በዚ መንጽር እዚ እንተተመልኪትናያ ጸጋ እግዚአብሔር መሪሕ ዕለታዊ ሕይወትና ክኸውን ይጅምር። ኣብ መነባብሮ ብዙሕ ግዜ የቀንየለይ ኢልና ምምስጋ ንዝንግዕ።

ንዓና ንክርስትያን ንጸጋ ምስጋና ዝለዓለ ሽም ዝሓበ መሠረታዊ ምሥጢር ቤተክርትያን ኣሎና። እዚ ከኣ ቅዱስ ቊርባን ወይውን ኣኰቴተ ቊርባን እንብሎ ምስጋና ቊርባን እዩ። ኤውካርስትዮን እትብል ነዚ ምሥጢር እትገልጽ ቃል ግሪኽ ትርጉማ ምስጋና ማለት እዩ ቊርባን ከስ ምስጋና እዩ። ክርስትያን ዘበሉ ከም ኩሎም ኣመንቲ ሕይወት ስለዝጸገዎም ንእግዚአብሔር ይባርኹ። ምንባር ማለት ከኣ ነዚ ጸጋ እዚ ምቅባል ማለት እዩ። ምንባር ማለትከስ ተቀቢልካ ምኽኣል ማለት ሕይወት ምቅባል ተቀቢልካ ምኽኣል እዩ። ኩልና እንውለደሉ ምኽንያትከስ ሓደ ንሕይወትና ዝሓሰበን ዝደለየን ዝፈቀደን ስለዘሎ እዩ። ብሕይወት እንክነብርከስ እዚኣ ሓንቲ ካብቲ ዝርዝራት ዕዳ ሕይወትና እያ። ክስቈሩና ዘለዎም ዕዳታት እዮም። ኣብ ሕይወትና ክንዮ ማንም ሰብ ብጸጋኡ ብንጹሓት ኣዕይቲ ዝምልከተና ንሱ እዩ። ብዙሕ ግዜ ኰስኰስቲ መማህራን ትምህርቲ ክርስቶስን ክንዮ እቲ ዝሕተትዎ ወይውን ክገብርዎ ዝግብኦም ብዘይ ዓቀን ከወፍዩ ይረኤ። እዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ሕልና ምስጋና ከምዝጸርጽ ገሮም። ምሕዝነት እውን ወትሩ ክነመስግነሉ ዝግብኣና ጸጋ እዩ።

እዚ ወትሩ ክነመስግነሉ ዘሎና ጸጋ፡ ክርስትያን ምስ ኩሎም ዝካፈሎ ኰይኑ ክሳብ ናብ ኢየሱስ ይልዕል። ኣብ ወንጌላት ተመልኪቱ ከምዘሎ ኢየሱስ ብጥቃኦም ክሓልፍ ከሎ ምኽንያት ሓጐስን ክብሪ ንእግዚአብሔር ምዃኑ በቶም ዝረኽብዎ ዝነበሩ ይግለጽ። ብዛዕባ ልደት እንረኽቦም ታሪኻት ካብቲ ብምጽኣት መድሓኒ ዘስፍሖ ልቢ ብዝቀርቡ ናይ ምስጋና ጸሎታት ሃብታማት እዮም።  ንሕና እውን ኣብዚ ዓቢ ደስታ እዚ ክንሳተፍ ዝተጸዋዕና ኢና። ነዚ ፍጻሜ ናይዞም ዝተመልክትናዮም ዓሠርተ ለምጻማት እውን የዘኻኽረና። ርግጽ እዩ ኩሎም ሕይወቶም ናብ ንቡር ተመሊሱ ጥዕና ብምርካቦም ሕጉሳት ነበሩ ማለት ካብቲ ዝነበሮም ናይ ዘመና ውሸባ ዝመስል ብሓይሊ ዝተገብረሎም መወዳእታ ዘይብሉ ተነጽሎ ሓራ ወጺኦም። እንተኾነ ካብ መንጎ እዚኦም ሓደ ጥራይ እዩ ኣብ ርእሲ እዚ ሓጐስ እዚ ሓጐስ ዝውስኽ። ክንዮ ሓጐስ ምሕዋዩ ምስ ኢየሱስ ብምርካቡ ኣጸቢቁ ይሕጐስ። ካብቲ ሒዝዎ ዝነበረ ሕማም ጥራይ ኣይኮነን ዚሓዊ እንታይ ደኣ ዝተፈቅረ ምዃኑ ርግጽነት ይረክብ። ሕመረት እቲ ታሪኽከስ እዚ እዩ። ኣብ እተመስግነሉ ግዜ የቀንየለይ ኣብ እትብለሉ ግዜ ርግጽነት ዝተፈቀርካ ምዃንካ  ትገልጽ። ንዓለምና ዝገዝእ ሓይሊኸስ ፍቅሪ ምስ ረኽብካ እዩ። ዳንተ መንግሥተ ሰማይ ኣብ ዝብል ጽሑፉ 33.145 ‘ፍቅሪ ንጸሓይን ንከዋኽብትን ዘንቀሳቅስ ሓይሊ እዩ’ ይብል ነበረ። በዚ ከምዚኸስ ህላዌና ኣብዚ ዓለምዚ ሱቊ ኢልና ንየው ነጀው እንኰልል ዘይኮነስ ሓደ ገዛ ኣሎና ኣብ ክርስቶስ ንሓድር ካብዚ ማሕደር እዚ ተበጊስና ኸኣ ኣብ ዓለምና ንዘሎ ዝተረፈ ኩሉ ነገራት ነስተንትን እሞ ኩሉ መወዳእታ ዘይብሉ ጽባቄ የርእየና። ውሉድ ፍቅሪ ኢና። ኣሕዋት ፍቅሪ ኢና። ብጸጋ ዝመጻእና ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኢና።

ስለዚኸስ ኣሕዋተይን ኣሓተይን! ኣብቲ ንኢየሱስ ብምርካብ ዝርከብ ታሕጓስ ንንበር። ነዚ ሓጐስ እዚ ንሕፈስ። እንተ እቲ ጥንተ ጸላኢና ዝኾነ ዲያብሎስ ብዝተፈላለየ ፈተናታት ምስ ኣሰሓሓተና ወትሩ ሕዙናት ገሩ ኣብ ተነጽሎ ይጥንጥነና። ኣብ ክርስቶስ እንተሊና ማንም ሓጢኣትስ ይኹን ማንም ምፍርራሕ ምስ ብዙሓት ብጾትና ብጐዳና ታሕጓስ ካብ ምግስጋስ ኪዓግተና ዝኽእል የልቦን።

ልዕሊ ኩሉ ምምስጋን ዕሽሽ ኣይንበል። ኣመስገንቲ እንተኾና ዓለምና እውን ዝበለጸ ክኸውን እዩ። ዋላውን ቁሩብ ይኹን እዚ ምስጋና እዚ ቁሩብ ተስፋ ከመሓላልፍ ዚኣክል ሓይሊ ኣለዎ። ዓለምና ሎሚ ተስፋ የድልዮ ኣሎ ነዚ ከኣ ብምምጋንን ቁሩብ ተስፋ ዘይንህብዶ ይመስለኩም!  ኩሉ ዝተዋሃሃደን ዝተኣሳሰረን እዩ። ነፍሲወከፍና ኣብ ዝርከቦ ቦታ ግደኡ የበርክት። ጉደና ሓጐስከስ እታ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ ፍጻሜ መልእኽታቱ ዝገልጻ ደስታ እያ። ‘ኵሉ ሳዕ ተሐጐሱ። ከየባተኽኩም ጸልዩ። እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ። መንፈስ ኣይተጥፍኡ።’ (1ተስ 5.16-19)

መንፈስ ኣተጥፍኡ! ዝበለጸ መምርሒ ሕይወት እዩ። መንፈስ ኣይተጥፍኡ ክብል ከሎ ነቲ ኣብ ውሽጥና ኰይኑ ናብ ምስጋና ዘብጽሓና መንፈስ እዩ ዘመልክት። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
30 December 2020, 12:23