ምስሊ በዓቲ ልደት ብኣካል ተረሓሓቁ ኣብ ንበሃለሉ ግዜ ብመንፈስ ዘቀራርብ ትእምርቲ እዩ! ር.ሊ.ጳ

‘ዮሴፍ ድማ፡ ካብ ቤት ዳዊትን ካብ ዓሌቱን ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ ኻብ ዓዲ ናዝሬት ምስታ ጠኒሳ ዘላ ማርያም ሕጽይቱ ናብ ቤት-ልሄም እትብሃል ዓዲ ዳዊት ናብ ይሁዳ ኪጸሐፍ ደየበ። ኰነ ድማ፡ ኣብኡኸለዉ፡ ጊዜ ሕርሳ በጽሔ። በዅሪ ወዳ ወለደት ብዓለባውን ጠቕለለቶ፡ ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።’ (ሉቃ 2.4-7)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ኣብዚ ሎሚ ኣብ ድሮ ልደት እንገብሮ ትምህርተ ክርስቶስ ንበዓለ ልደት መሰናደዊ ዝኾና ሓደ ክልተ ጉዳያት ንምስታንታን ከቅርብ እየ። ኣብ ቅዳሴ ለይቲ ልደት ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ነቲ መልኣኽ ንጓሶት ዘበሰሮም ‘እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ።ምልክት ድማ እዚ ይኹንኩም፡ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽተረኽቡ ኢኹም፡ በሎም።’ (ሉቃ 2.10-12) ዳግም ይጋዋሕ።

ነቶም ጓሶት መሲልና ንሕና እውን ብመንፈስ ናብቲ እኖና ድንግል ማርያም ሕጻን ዝወለደትሉ መብልዕ ማል ቤተልሔም ገጽና ንጐዓዝ። ምኽንያቱ ከኣ ከምቲ ቅዱስ ሉቃስ ወንጌላዊ ዝብሎ ‘ኣብቲ ማሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይነበሮም ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ’ (ሉቃ 2.7)። በዓለ ልደትከስ ናይ ኩሉ በዓል ኮነ። ዋላ እቶም ዘይኣምኑ ናይዚ ፍጻሜ እዚ ኣድናቆት ኣለዎም። እንተ ንክርስትያን ዘቦኡ ግን በዓለ ልደት ወሳኒ ፍጻሜ ኰይኑ ዘለዓለማዊ ቊልዒ እግዚአብሔር ንዓለም ዝወልዖ ኰይኑ ምስ ካልኦት ሓለፍቲ ፍጻሜታት ከደናግሮ ዘይብሉ እዩ። እዚ በዓል እዚ ብስምዒት ዝግበር ወይውን ንንዋታዊ ሃልኪ ዝበዓል ከይከውን ምጥንቃቅ የድሊ። ዝሓለፈ ሰንበት ብዛዕብ’ዚ ጉዳይ እዚ ብሰፊሑ ገሊጸ። ዘሎናዮ ናይ ሃልክን ጥቅምን ባህሊ ንበዓለ ልደት ጅሆ ከምዝሓዞ ገሊጸ ነረ። እዚ ፈጺሙ ክኸውን የብሉን በዓለ ልደት ንዋታውን ናይ ሃልክን በዓል ክኸውን የብሉን። ውህበታትን ሠናይ ምንዮትን ጥራይ እናገለጽካ ካብ እምነት ክርስትና ግን ባዶ እንተኾንካ ድኽነት እምነት ክርስትና ጥራይ ዘይኮነ ድኽነት ሰብኣውነት እውን ኣሎ። ስለዚኸስ ነታ መሠረት እምነት ክርስትናና ማለት ነቲ ቅዱስ ዮሓንስ ‘እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና’ (1.14) እናበለ ዝገለጾ ሕመረት እምነትና ንምቅባል ዘደናግር ዓለማውነት ካባና ክነርሕቅ ኣሎና። ሓቅነት ልደትን ትርጉም ልደትን ሕመረት ልደትንከስ እዚ እዩ ካልእ ምንም የለን።

በዓለ ልደትከስ በቲ ሓደወገን ነቲ ዘደንቅ ታሪኹ ክነስተንትን እንክዕድመና ነቲ ደቂ ሰባት ብሓጢኣት ቈሲሎም ንሓቂ ሃሰስ ክብሉ ምሕረትን ድሕነትን ክደልዩ ዘሕለፍዎ ታሪኽ ነስተንትን በቲ ካልእ ወገን ከኣ ነቲ ክረኽበናን መድሓኒት ዝኾነት ሓቂ ክገልጸልናን ምስ እግዚአብሔር ዕርክነት ክንፈጥርን ምሳኡ ክነብርን ዝመጸ ሕያውነት እግዚአብሔር ነስተንትን። እዚ ኸኣ ትዕድልቲ ጸጋ እዩ። እዚ ጽሩይ ጸጋ እዩ ብወገና ምንም ዝተገብረ የለን ብናጻ እግዚአብሔር ዝዓደለና ዝግብኣና ኰይኑ ዘይኮነ ምሕረቱ ዓቢ ብምዃኑ ዘይግብኣና እውን እንተኾነ ዓዲሉና ኣሎ። ብዛዕባዚ ሓደ ቅዱስ ኣቦ ‘ኣብ ኩሉ ሕይወትኩም እሞ ፈትሹ ንዓለም ምሉእ ብኩሉ ኲርናዓት ፈትሹ ገለ ዝግብኣና ነገር ወይ ብጻዕርና ዝገበርናዮ ነገር ሃሰስ በሉ እሞ እንትርፊ ጸጋ ካልእ ክትረኽቡ ኣይትኽእሉን’ ይብሉ ነሮም። ኩሉ ብጸጋ ዝተዓደልናዮ እዩ እዚ ከኣ ጸጋ እዩ። ትዕድልቲ ጸጋ ኰይኑ ብዓቢኡ ብገርህነትን ሰብኣውነትን ልደት እንረኽቦ ጸጋ ካብ ልብታትናን ኣእምሮናን ንዝኾነ ዘይትስፉውነት ክቅንጥጠልና ምናዳ ኣብዚ ግዜና ብቅልውላው ሕማም ለበዳ ኮቪድ 19 ገኒኑ ንዘሎ ዘይትስፉውነት ክቅንጥጠልና እዩ። በዚ በዓል እዚ ነቲ ኣብ ልብና ኰይኑ ሸቀልቀል ዘብለናን ኣንፈትና ኣጥፊኡ ዝድህለናን ጉዳያት ክንሰግር ብግጭታትን ፍሽለታትን ከይተደሃልና ነቲ ኣብ ተኣፋፊ ሕጻን ተሰዊሩ ትሑትን ድኻን ሕጻን ምእንታና ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ ክንረኽቦ ንኽእል። ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እዚ ጉዳይ እዚ ንነፍሲ ወከፍ ዝምልከት እዩ እናበለ በዓለ ልደት ናይ ነፍሲ ወከፍ በዓል ምዃኑ ይገልጽ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ዋእ ኣባቲ እቲ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመታት ዝተወልደ ኢየሱስ ንዓይከ ይምልከተኒዶ እንተበለ እወ ንዓኻ ይምልከት ንዓይውን ይምልከት ንነፍወከፍና ይምልከት። በዚ ከኣ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቅስናዮ ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ፍሥሓን ተስፋን ቁ.22 ‘ንሱ ብሰብኣዊ ኣእዳው ዓየየ ብሰብኣዊ ኣእምሮ ሓሰበ ብሰብኣዊ ድላይ ሰርሐ ብሰብእእዊ ልቢ ኣፍቀረ። ንሲ ካብ ድንግል ማርያም ብምውላዱ ከማና ሰብ ኮነ። እንትርፊ ሓጢኣት ከኣ ብኩሉ ነገር ንኣና መሰለ’ ይብል። ኢየሱስከስ ሓደ ካባና እዩ። እግዚአብሔር ብኢየሱስ ሓደ ካባና ኮነ።

እዚ ሓቂ እዝኸስ ዓቢ ታሕጓስ ከምኡ እውን ብዙሕ ትብዓት ይህበና። እግዚአብሔርሲ ካብና ርሑቅ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ኣይኮነን ዝጥምተና ምስኪንነትና ኣየፍርሆን ብጥቃና ጐስዩና ኣይሓለፈን ሰውነት ሰብ ዝመስል ኣካል ኣይኮነን ዝለበሰ እንታይ ደኣ ባህርይ ትስብእትና ኩነታት ሰባት ምሉእ ብምሉኡ እዩ ለቢሱ። በቃ ከማና! ሓደ ካብና ኰይኑ። እንትርፊ ሓጢኣት ዋላ ሓደ ነገር ኣይገደፈን። እንኮ ነገር ካብ ሰብኣውነትና እትጐድሎ ሓጢኣት ጥራይ እያ። መላእ ዘመደ ኣዳምከስ ኣብኡ ኣሎ። ንዘሎና ዘበለ ኩሉ ለበሶ። ንዝኾናዮ ዘበለ እውን ኮነ። ንእምነት ክርስትና ንምርዳእ ከስ እዚ መሠረታዊ ጉዳይ እዩ። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ንዝገበሮ ጒዕዞ ለውጢ ዳግም እንከስተንትን ኣብ ኑዛዜ ዝብል ጽሑፉ ‘ነቲ ትሑት ኢየሱስ ሕጻን ንኣምላኸይ ንክቅበል ዚኣክል ትሕትና ኣይነበረንን ነቲ ብድኻምነቱ ዘስተምህሮ ዝነበረ ንምፍላጥ እውን ዓቅሚ ኣይነበረን’ (7,8) ቢሉ ይናዘዝ። እዛ ድኻምነት ኢየሱስ ዝብላ ኣየንቲ ኮን ትኸውን እንተበልና ምምሃሩ እዩ ምኽንያቱ ከኣ ፍቅሪ እግዚአብሔር ስለዝገልጸልና እዩ። በዓለ ልደትከስ ሥጋ ዝለበሰ ፍቅሪ ናይቲ ምእንታና ዝተወለድ ኢየሱስ ክርስቶስ ፍቅሪ በዓል እዩ። ኢየሱስ ክርስቶስ ናይቲ ኣብ ጸልማት ዝመላለስ ዝንበረ ሕዝቢ ዘብርህን ንህልውና ሰባትን ንብምልኡ ታሪኽን ትርጉም ዝህብ ብርሃን ደቂሰባት እዩ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን እዘን ሓጸርቲ ኣስተንትኖታት እዚአን ንበዓለ ልደት ብዓቢ ምስትውዓን ንክነብዕል ይሓግዛና። እንተኾነ ኣብዚ ክዝክሮ ዝደልዮ ካልእ ዓይነት ምስንዳው እውን ኣሎ። እዚ ኣብ ቅድሚ ኩልና ኣብ ዘሎ በዓቲ ልደት ክርስቶስ ብሱቊታ ቊሩብ ምስትንታን እዩ። በዓቲ ልደት ዝለዓለ ትምህርተ ክርስቶስ ናይቲ ፍጻሜ እዩ። ነዚ ሎሚ ክንበብ ዝሰማዕናዮ ቃለ ወንጌል በቲ ዓመት እት በቲ ዕለት እቲ እንታይ ከምዝተፈጸመ ዘርእየና እዩ። በዚ ሓሳብ እዚ ዓሚ ‘ዘደንቅ ምልክት’ እትብል መልእኽቲ ልደት ካብ በዓቲ ልደት ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ጽሒፈ ነረ። ሎሚ ምልስ ኢልና እንተነንብባ ጽቡቅ ምኾነ። ካብ ትምህርቲ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ዘኣሲዚ ንገለ ግዜ ሕጻናት ክንከውን እሞ ኣብ ቅድሚ በዓቲ ልደት ንቅረብ ሽዑ ኢየሱስ ኣብ ልብና ክውለድ ንፍጻሜ ልደት ነስተንትን እሞ ነቲ ንእግዚአብሔር ኣብ መንጎና ክመጽእ ዝገደደ ዘደንቅ ፍቅሪ እግዚአብሔር ብኣድናቆት ነስተንትን። ነዚ ንክነደንቅ ጸጋ ኣድናቆት ክህበና ንእግዚአብሔር ንለምን። ኣብ ቅድሚ ክንድዙይ ጽባቄን ርሕራሔን ዝገልጽ ኣብ ድርኩዂት ልብና ዘሎ ዓቢ ምሥጢር ቈምናኸስ ንክነድንቆን ንክንረኽቦን ናብኡ ክንቀርብን ናብ ኩሎም ክንቀርብን ጸጋኡ ንለምን። እዚ ብርግጽ ኣብ ልብና ከምዝውለድ ክገብሮ እዩ። ዝሓለፈ መዓልቲ ምስ ሊቃውንቲ ሳይንስ እንክዘራረብ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣፍልጦ ኣርትፊሻል ኢንተሊጀንስ ኣብ ሮቦ ነዕልል ነርና። እዚ ብዝተፈላለየ መደባትን ፕሮግራማትን ትሰርዕዎ ሮቦት ብምንም ተኣምር ክገብሮ ዘይክእል ጉዳይ እንታይ ኮን ይኸውን ኢለ ሓቲተዮም። ሓሲቦም ሓሲቦም ከኣ ገለ ሓሳባት ኣቅሪቦምለይ ኣብ መወዳእታ ግን ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ኩሎም ተሰማምዑ ሮቦት ክገብሮ ዘይክእል ርሕራሔ እዩ በሉ። ነዚ ሮቦት ክገብሮ ኣይክእልን። ሎሚ ንዓና ናብ እግዚአብሔር ዘቅርበና ከኣ እዚ እዩ። ቅድሚ ዝኣገረ ፈጣሪ ሰማያትን ምድርን ዝኾነ ከኣል ኩሉ እግዚአብሔር ብርሕራሔ ተደፊኡ ናብ ዓለም ዝመጽእ ነዚ ርሕራሔ እዚ ከኣ ስለዘካፍለና ርሕራሔ ደቂሰባት ናብ እግዚአብሔር ተቅረበና ከምኡ ናብ ኣሕዋትናን ኣሓትናን። ሎሚ ከም እዚ ርሕራሔ እዚ ብዙሕ የድልየና ኣሎ። ኣብ ቅድሚ እዚ ኣጓኒፉና ዘሎ ሓሳረ መከራ ርሕራሔ የድልየና ኣሎ። ሽሕ`ኳ ለበዳ ኮቪድ 19 ካብ ነንሕድሕድና ክንረሓሓቅ እንተቀሰበና ኣብ መብልዕ ማል ዘሎ ኢየሱስ ሕጻን ግን ንክንቀራረብ ርሕራሔ ከምዘድልየና እዚ ከኣ ንክንቀራረብ ጥራይ ዘይኮነ ሰባት ክንከውን እውን ከምዘድልየና ይሕብረና። ነዛ ጐዳና እዚኣ ንከተል! ብሩኽ በዓለ ልደት።     

23 December 2020, 13:06