ር.ሊ.ጳ. ናይ ረፓብሊካዊት ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም ር.ሊ.ጳ. ናይ ረፓብሊካዊት ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም 

ር.ሊ.ጳ. ናይ ረፓብሊካዊት ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም

እቲ ዝተኻየደ ርክብ ልባውን ህልው ክሌኣዊ ርክብ ሰናይን ኣብ መዳይ ሕንጸትን ኣብ ሕብረተሰብ ስሎቫኪያን ግደ ቤተ ክርስትያን ኣፍልጦ ዝሃበን ዝነኣደን ካብቲ ዘለዎ እውን ንኽበራታዕ ተስፋ ዝገበረ ርክብ እውን ምንባሩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዋ ናይ ረፓብሊካዊት ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ሱዛና ካፑቶቫን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ርእሰ ብሔር ካፑቶቫን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢተን ብናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብጹዕ ፓውሎ ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከምእተራኸባ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ግደ ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ሕንጸትን፡ ዛዕባ ዓለም ሓቆፍ ጉዳያትን ለብዒ ኮቪድ - 19ን ክንክን ፍጥረትን ተፈጥሮን ኣርእስተ ጉዳይ ዘማእከለ ምይይጥ ኣብ መንጐ ቅዱስ መንበርን ረባሊካዊት ስሎቫኪያን ምክያዱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ሓቢሩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 14 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ብናይ መንግስተን ላዕለዎት ኣካላት ተሰንየን ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተዋ ናይ ረፓብሊካዊት ስሎቫኪያ ርእሰ ብሔር ሱዛና ካፑቶቫን ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን እቲ ዝተኻየደ ርክብ ልባውን ህልው ክሌኣዊ ርክብ ሰናይን ኣብ መዳይ ሕንጸትን ኣብ ሕብረተሰብ ስሎቫኪያን ግደ ቤተ ክርስትያን ኣፍልጦ ዝሃበን ዝነኣደን ካብቲ ዘለዎ እውን ንኽበራታዕ ተስፋ ዝገበረ ርክብ እውን ምንባሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ሃገር ን133 ሺሕ ዝለኸፈን ንልዕሊ ሺሕ ዝግመቱ ንሞት ዝዳረገን ኣብ ዓለም ዝረኣይ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ-19ን ስሎቫኪያ እቲ ለብዒ ንምብዳህ እተካይዶ ዘላ ጻዕርን ማሕበራዊ ፍትሕን ክንክን ተፈጥሮን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት እውን ምይይጥ ምክያዱ ኣመላኺቱ፡ ኣብ መወዳእታ ዞባውን ዓለም ለኻውን ተንከፍ ኣርእስታትን ብፍላይ ድሕንነትን ጸጥታን ዛዕባ ጸኣት ስደተይናታትን ግጭትን ውጥረትን ብብዝሃ ጉድናውነት መፍትሒ ምንዳይን ከይህሉ ብዓንተዉ ንምክልኻል እውን ብዝሓ ጉድናውነት ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ክበራታዕን ንእዋናውን ንናይ መጻእን ኤውሮጳ ብድሆታትን ኣብ ዝብሉ ኣርእስተ ጉዳያት እውን ናይ ሓሳብ ልውውጥ ምክያዱ ኣፍሊጡ።

15 December 2020, 15:55