ክርስትያናዊ ተግባራት ፍቅሪ ንጒዕዞ ታሪኽ ይልውጡ! ር.ሊ.ጳ

ድሕሪ በዓለ ልደት ዘላ ዕለት ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓለ ቀዳሜ ሰማዕት ርእሰ ዲያቆናት ቅዱስ እስጢፋኖስ ስለእተኽብር ቅዱስነቶም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዘሕለፍዎ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚአብሔር ገድሊ ቅዱስ እስጢፋኖስ ንምግላጽ ሰለስተ ቃላት ብምምራጽ ከምቲ ንሱ ኣብነት ክርስቶስ ምሉእ ብምሉኡ ብምስዓብ ክሳብ እታ ዝለዓለት ምሕረት ንቀተልቱ ብምልማን ሕይወቱ ከምዘወፈየ ገሊጾም። እተን ሰለስተ ቃላት ከኣ ‘ፍቅሪ ጸሎትን ምሕረትን’ ከምቱ ናቱ ንሕናውን ኣሰር ክርስቶስ ተኸቲልና ንክፍኣት ናብ ሠናይ ነገር ንምልዋጥ ብናኣሽቱ ዕለታዊ ናይ ፍቅሪ ሥራሕ ዘደንቁ ነገራት ክንፍጽም ንኽእል እንክብሉ ዘቅረብዎ ኣስተንትኖ እዚ ዚስዕብ ነበረ።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ትማሊ ወንጌል ብዛዕባ ኢየሱስ እንክዛረበና ‘ሓቐኛ ብርሃን ዝኾነ ኢየሱስ ናብ ዓለም መጸ። እዚ ብርሃን እዚ ንጸልማት የብርህ። ጸልማት ኣየሽንፎን’ ኢሉና ሎሚ ከኣ ቀዳማይ ምስክር ኢየሱስ ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣብ ጸልማት ከንጸባርቅ ነብዕሎ ኣሎና። ብሓሶት ተኸሲሱ ብጭካኔ ብኣእማን ተወጊሩ እንተኾነ ኣብዚ ብጽልኢ ዝኸሓነ ጸልማት እዚ ብርሃን ኢየሱስ የንጸባርቅ ስለ እቶም ቀተልቱ ይጽሊ ይምሕሮም ከኣ። ናይቶም ብድሕሪ ብምስዓብ ናብ ጸልማት ብርሃን ምምጻእ ዝቅጽሉን ንሕማቅ ብጽቡቅ ብምምላስ ንዓመጽን ሓሶትን ስዒሮም ንፍሕሶ ጽልኢ ብትሕትና ፍቅሪ ዝበትኩ መጠን ኣልቦ ኣሕዋትን ኣሓትን ሰማዕታት ቀዳማይ ሰማዕት ማለት ምስክር ኰይኑ ንወጋሕታ እግዚአብሔር ኣብ ለይቲ ዓለምና ኣብሪሁ።

ከመይ ኰንካኸ ምስክር ይኽወን እንተበልና ንኢየሱስ ብምምሳል። እታ እንኮ መንገዲ ነፍሲወከፍ ክርስትያን እዚኣ እያ። ነቲ ንከገልግል እምበር ክግልገል ዘይመጸ ኢየሱስ ምምሳል (ማር 10,45)። ነዚ ከኣ ቅዱስ እስጢፋኖ ሕይወቱ ንኣገልግሎት የወፊ። ዲያቆን ማለት ኣገልግሎት እዩ (ግሐ 6,2)። ነዚ ምምሳል እዚ ግን ክሳብ ዝለዓለ ጥርዙ ገበሮ። ከም ኢየሱስ ይእሰር ብሓሶት ይኽሰስ ካብ ከተማ ወጻኢ ይቅተል። ከም ኢየሱስ ከኣ ስለእቶም ቀተልቱ ይጽሊ ይምሕሮም ከኣ። ብኣእማን ክወግርዎ እንከለው ‘ኦ ጐይታ ነዚ ዝገብርዎ ሓጢኣት ኣይቊጸረሎም’ (ግሐ 7,60) እናበለ ይጽሊ።

ኣብዚ ሓደ ሕቶ ክለዓል ይከኣል፡ ናይዚ ዓለምና ዓዘቅቲ ክፍኣት እናዓመቆን እናሰፍሐን ኣብ ዝኸደሉ ምስክርነት ሠናይ ጒዳይ ጥቅሙ እንታይ ኮን ይኸውን! ጽቡቅ ኣብነት ንምሃብ ጥራይዶ ይኸውን ኣገልግሎቱ! ክትብል ይከኣል። መልሱ ኣይፋል እዚ ጥራይ ኣይኮነን ክንዮኡ ዓቢይ ጉዳይ ኣሎ። ነዚ ኣብ ሓደ ፍልይ ዝበለ ኩነት ናይቲ ፍጻሜ ንግንዘቦ። ካብቶም ቅዱስ እስጢፋኖስ ስለኦም ዝጽልን ይቅረ ዝብለሎምን ዝነበሩ ሰባት ‘ሓደ ሳውል ዝበሃል መንእሰይ’ (ግሐ 7.58) ከምዝነበረ እንክገልጽ ኣብ ግሐ 8.1 ከኣ ‘ሳውል ድማ ንምቕታሉ ሰሚሩ ነበረ’ ይብል። ስዒቡ ግን ሳላ ጸጋ እግዚአብሔር ሳውል ብክርስቶስ ይኣምን ይልወጥ እሞ ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየ ሰባኬ ወንጌል ይኸውን። ጳውሎስ ካብ ጸጋ እግዚአብሔር ይውለድ እንተኾነ ነዚ መጋበሪ ዝኾነ ይቅረ ምባል ቅዱስ እስጢፋኖስ እዩ። እነሆ እምበኣር ዘርኢ ለውጥን ንስሓን። ተግባራት ፍቅሪ ወላ እቶም ዝደቀቁ ዕለት ዕለት እነዘውትሮም ብሕቡእ እንገብሮም እውን እንተኾኑ ንታሪኽ ክልውጡ ከምዝኽእሉኸስ እዚ ዓቢ ምስክር እዩ። ምኽንያቱ ከኣ እግዚአብሔር ንታሪኽ ብትሑት ትብዓት ናይቶም ዝጽልዩን ዘፍቅሩን ይቅረ ቢሎም ዝምሕሩን ሰለዝመርሓና እዩ።

እዚ ንዓና እውን መሪሕና እዩ። ጐይታ በቲ ዕለት ዕለት እነዘውትሮም ተግባራት ንሕይወት ዝለዓለ መግለጺ ክንገብሮ ይደሊ። ኣብ እንርከቦን እንነብሮን ዘበለ ኩሉ ኣብ ስድራቤትስ ይኹን ኣብ ቦታ ሥራሕ ኣብ ዝኾነ ቦታ መሰኻኽር ኢየሱስ ክነከውን ዝተጸዋዕና ኢና። ነዚ ዋላ ሓንቲ ንእሽቶ ክምስታ ብምልጋስ ወይውን ካብ ደበንገረ ቤላቤለውን ሕሜታን ብምህዳም ክንገብሮ ንኽእል። ከምኡ እውን ሓደ ዘይከውን ጉዳይ እንክንርኢ ኣብ ክንዲ ምፍራድን ምቊያቁን ሽም ምጽላምን ዕሚም እናበልካ ምጉርምራምን ስለ እቲ ዝጋገ ዘሎን ከቢድ ኩነታትን ክንጽሊ የድሊ። ኣብ ገዛና ዘይምስምማዕ ክለዓል እንከሎ ክንዲ ምጒህሃር ነቲ ዝበደልና ይቅረ ብምባል ክነዘሓሕል ንፈትን። ቅዱስ እስጢፋኖስ ኣእማን ጽልኢ ኣብ ርእሱ እንክዘንም ብቃላት ምሕረት ይምልስ ነበረ። ከምዚ ብምግባሩ ከኣ ንታሪኽ ለወጠ። ንሕና እውን ዕለት ዕለት ከምቲ ምሳሌ ዝብሎ ‘ከምታ ኣእማን ክድርብዩላ እንከለው ተምሪ እትህብ ተኽሊ ተምሪ ኩን’ ዝብሎ ብምግባር ንክፍኣት ናብ ሠናይ ክንልውጦ ንኽእል።

ሎሚ ስለ እቶም ስም ኢየሱስ ዝስደዱ ንጸሊ። ብዙሓት እዮም እኳ ደኣ ብጣዕሚ ብዙሓት። ነዚኦም ሓቀኛ መሰኻኽር ብምዃን ንክፍኣት ብሠናይ ዘሸንፉ ንጭቆና ብትሕትና ዝምልሱ ኣሕዋትና ኣሓትናን ናብ ቅድስት እኖና ድንግል ማርያም ነማዕቊቦም።

ብድምጺ ንምክትታል!
26 December 2020, 09:10