ፍራንቸስኮ፥ ናይ ልደት ዘእግዚእነ መግለጺ በዓትን ጽሕድን ትእምርቲ ብርሃን እዩ

ዝሓለፈ ዓመት ቅዱስ ኣቦና ዘደንቕ ትእምርቲ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕና ናይ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ መግለጺ ዝኾነ ትእምርቲ ነኸብርሁ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ፥ ምልስ ቢሎም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 6 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር፥ ናይ በዓለ ልደት መግለጺ ትእምርቲ ቀንዲ ትርጉሙ ዝሕብር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ኣብቲ ናይ በዓለ ልደት መግለጺ ዝኾነ ትእምርቲ ንኽንተርፍ ዘይኮነ ናብቲ ቀንዲ ትርጉሙ ዝኾነን ናብቲ ዝውክሎን ናብ ናይ ኢየሱስ ልደት ንኽንበጽሕን ንኣኡ ንኸነማዕድውን ክንርእን ዝድርኽ ክኸውን ከምዘለዎ ኣመላኺቶም፡ ዝኾነ ይኹን ለብዒ ኮነ ቅልውላው ነቲ ካብቲ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ልደት ዝበጽሕና ብርሃን ከጥፍእ ዝኽእል ሓደ’ኳ ከምዘየለ እንከብርሁ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝሓለፈ ዓመት ቅዱስ ኣቦና ዘደንቕ ትእምርቲ ብዝብል ኣርእስቲ ብዛዕና ናይ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ መግለጺ ዝኾነ ትእምርቲ ነኸብርሁ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዘስመሩሉ ሓሳብ፥ ምልስ ቢሎም ዕለት 6 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዝለገስዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ብምዝካር፥ ነቲ ናይ በዓለ ልደት መግለጺ ዝኾነ ጽሕዲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝቖመ፡ ብሓባር ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ነቲ እቲ ጽሕዲ ዝውክሎ ትእምሪ ሓቢሮም ኣብዒሎምን፥

ኣብዘን መዓልታት ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ ናይ በዓለ ልደት ዘእግዚኣነ መልጺ ዝኾነ ከም ክርስትና ባህሊ መሰረት ንናይ ሕጻናትን ካብኡ ሓሊፉ እውን ንዓበይቲ ክፍሊ ሕብረተሰብን ወለድን ምኽንያት ሓሴት ዝኾነ ትእምርቲ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ዝቖመሉ እዋን እዩ፡ እቲ ትእንርቲ ናይ ተስፋ መግለጺ እዩ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ጽንኩር እዋን! ኣብቲ ትእምርቲ ንኸይንትረፍ ዝከኣለና ኩሉ ክንገብርን ብፍላይ ናብቲ ቀንዲ ትርጉሙ ዝኾነ ኢየሱስ ነብል፡ ናብቲ ንኣና ዝተገለጸልናን ናብቲ ኢትኣላው ዝኾነ ሓልዮት ኣብ መላእ ዓለም ከንጸባራቕ ናብ ዝገበር ናብ ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ነብል!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም፥ ቅድሚ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ዝገለጽዎ ሓሳብ ምልሲ ቢሎም፥ በቲ ናይ ዘመነ ምጽኣት ድሙቕ ብርሃን ንኽንክንደ ንፍቀድ፡ ብዝኾነ ይኹን ጸልማት ኮነ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዝፍጠር ጸገም ከይተዓብለልና ብድሙቕ ብርሃን ዘምጽኣት ዝተኸደንና ክንከውን እንከተሓሳስቡ፥

ነቲ ብርሃን ከጥፍእ ዝኽእል ዝኾነ ይኹን ዓይነት ለብዒ ኮነ ቅልውላው የሎን፥ ናብ ልብና ንኽኣትው ንፍቀደሉ፡ ነቶም ሓገዝና ዘድልዮም ኣእንዳውና ንዘርግሓሎም፡ በዚ እገባብ’ዚ እግዚኣብሔር ኣባናን ኣብ ማእከልናን ክውለድ እዩ!

ቢሎም ዘስምዕዎ ቃል ዛዚሞም ከምእተሰናበቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 December 2020, 17:29