ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንኽፋእ ኣይፋል ንእግዚኣብሔር ሕራይ ንምባል ሎሚ ምእንጋድ

ጸጋ እግዚኣብሔር ናብ ኵሉን ንዅሉን ዝብል እዩ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እቶም ትሑታን ዝኾኑ ኣብ ሰማያዊ ቤት ቀዳሞት ክኾኑ እያቶም፡ ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ ኣይንፈታተን፥ ትዕግስቱ ርኢና ግብኡ ናይ ሕይወት መርመራ ይጽንሓለይ እንብል ኣይንዅን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ታሕሳስ ብላቲን ስርዓተ ኣምልኾ ዓመታዊ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጐም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፥ እቲ ንኣና ልዳት መንግስተ ሰማይ ዝኸፍት እቲ ብኣሜን ምእናኖ ዝተቐበልናዮ ጸጋ እግዚኣብሔር ምዃኑ ከምዘመላኸቱ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ቅዱሳትን ንጹሓንን” ንምዃን ዝመርሕ መገዲ ቅድም ቀዳድም ብምስጢረ ንስሓ ንእግዚኣብሔር ምሕረት ብምሕታት ብዝብገስ ምልዋጥ ዝብል ክኸውን እንከሎ ስዒቡ እውን ንኻልኦት ዝገበርናዮ ክፋእ ምኽሓስን ናይ ገዛእ ርእስኻ ክውንነት ፊት ንፊት ብምጥማት ወትሩ ንጸጋ ክፉት ዝብልንን ከምቲ ዝግብኣና ንእግዚኣብሔርን ብጻይናን ከምዘየፍቀርናን ብምንዛዝ እዩ ከምዝብዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ቅዱስነቶም እቲ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ  ኣብ ማርያም ዘማእከለ ከምዝነበረን፥ ማርያም ሓዋርያትን ኣደን ኢየሱስ ኣብ መላእ ጉዕዞ ሕይወታ ካብ ዝኾነ ይኹን ሓጢኣት ናጻ ኮይና “ምልእተ ጸጋ” ከምዝኾነትን እዚ እቲ ኣብ መልእኽቲ ሓዋርያዊ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈሶን “ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜይብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡ በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ንውዳሴ ኽብሪ ጸጋኡ ብፍታው ፍቓዱ ብኢሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና” እንክብል ንዝሕብሮ ቃል ዘስምርን ዘቃልሕን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ንእግዚኣብሔር ክነታትልል ዝከኣል ኣይኮነ ንሱ ልባትና ዝፈልጥን ዝምርምርን እዩ

ማርያም እቲ ኣብ መጀመርያ ንኣና ዝነበረቶ ኣብ ፍጻሜ እውን እትኾኖ እዩ፡ በቲ ዘንጽሕ ጸጋ ምስ ሓለፍና፡ ናይ መንግስተ ሰማያት መዓጹ ንኣና ዘርህወልና እቲ ብኣሜን እንቕበሎ ናይ እግዚኣብሔር ጸጋ እዩ፡ እቶም ንጽሓን እውን ብኣዳም ሓጢኣት ዝተተንከፉን ሳዕቤኑን ብምሉእ ሓይሎም ዝተቓለሱ እያቶም፡ በታ ጸባብ መዓጾ ዝሓለፉ፡ እቲ ሕያዋይ ፈያታዊ መንግስተ ሰማያት ከምዝኣተወ ርጉጽ እዩ፥

ጸጋ እግዚኣብሔር ናብ ኵሉን ንዅሉን ዝብል እዩ፡ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ እቶም ትሑታን ዝኾኑ ኣብ ሰማያዊ ቤት ቀዳሞት ክኾኑ እያቶም፡ ናይ እግዚኣብሔር ትዕግስቲ ኣይንፈታተን፥ ትዕግስቱ ርኢና ግብኡ ናይ ሕይወት መርመራ ይጽንሓለይ እንብል ኣይንዅን፡ ንሱ በዓል ዓቀሊ ትዕግስተይናን እዩ፡ ጸጋኡ ክጽግወና ወትሩ ዝጽበይ እዩ፡ ንሱ ወትሩ ጽጋኡ ይዕድለና፡ ንሕና ሰባት ክንርስዕ ንኽእል ንኸውን እግዚኣብሔር ግን ኣይርስዕን፡ ንሱ ካባና ንላዕሊ ልባትና ዝፈልጦ እዩ፡ እዚ ህልው እዋን ንጠቐመሉ! ክርስቲያናዊ ትርጉም ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ምጥቃም እዩ፡ ሕይወት ኣብቲ ዝበንን ህሞታዊ ክረውይ ኣይንግበሮ፡ እዚ ናይ ዓለም ትርጉም እዩ፡ ርውይነት ኣብ ዝበንን ህሞት፡ ሎሚ ብምእንጋድ ንክፋእ ኣይፋል ቢልና፡ ንእዚኣብሔር ንጸጋ ርህው ምዃን፡ ኣብ ምስሉይነት ገዛእ ርእስኻ ንምጉታት ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዘይምዕጻፍ።

ጐይታ ኣብ ልዳት ቤትና ይዅሕኵሕ፡ ኣብ ልባትና ይዅሕኵሕ ብዕርክነትን ብሱታፌን ናባና ክኣትው መታን፡ ድሕነት ክጽግወናን ዝበሉ ቅዱስነቶም ማርያም ዘይተበከለ ጽባቔ ዝመሳሰላ ዘይብሉ ፍሉይን ዝማርኽን፡ እንክብሉ ንዝገለጽዋ ማሪያም ገዛእ ርእስና ንኸነወክፍ ምዒዶም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር መሪሖም ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ብሓባር ከምዝደገሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

10 December 2020, 18:28