ር.ሊ.ጳ.፥ ዛይርያዊ ስርዓተ ኣምልኾ ንናይ ኣማዞን ስርዓተ ኣምልኾ ናይ ተስፋ ፍኖት እዩ ር.ሊ.ጳ.፥ ዛይርያዊ ስርዓተ ኣምልኾ ንናይ ኣማዞን ስርዓተ ኣምልኾ ናይ ተስፋ ፍኖት እዩ 

ር.ሊ.ጳ.፥ ዛይርያዊ ስርዓተ ኣምልኾ ንናይ ኣማዞን ስርዓተ ኣምልኾ ናይ ተስፋ ፍኖት እዩ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ቅዋመ ኣብ ሮማ ዝርከብ ናይ ኮንጐ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ተቐቢሎም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎምን ናይቲ መንፈሳዊ ክዋኔታት ዝትንትን ኣሳእል ኣብቲ ዝተሓትመ ናይ ዛየር ስርዓተ ኣምልኾ ሮማዊ ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ ዝምልከት መጽሓፍ ተሓቲሙ ከምዘሎ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራናቸስኮ ኣብቲ ብናይ ሃገረ ቫቲካን ቤት ማሕተም ተሓቲሙ ወግዓዊ ዝኾነ ናይ ሰበኻ ዛየር ሮማዊ ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ ናይ ዘማእከለ መቕድም፥ ዛዕባ ብህልትውና ስርዓተ ኣምልኾ ሰፊሕ መብርሂ እንከቕርቡ፥ ሊጡርጊያ ነቲ ኣብ ዞባዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ዝነብር ልቢ ዝትንክፍ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ዛየር ስርዓተ ኣምልኾ ሮማዊ ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ፥ ክሳብ እዚ እዋን እዚ እቲ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልኾ ብህልው ዝኾነሉ እንኰ ስርዓተ ኣምልኾ ከምዝኾነ ዝንገረሉ ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝጸደቐን እቲ ኣብ ኮንጐ ብህልው ዝኾነ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልኾ ንመላእ ሰብኣዊ ፍጥረት ሃብቲ ዝኾነ ናይ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለዩ ህያባት ክቡር ዋጋ ምሃብ ማለት ምዃኑ ቅዱስነቶ ኣብቲ ዝጸሓፍዎ መቕድም ከምዘመላከቱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ ዛይራዊ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልኾ መጽሓፈ ቅዳሴ ዝምልከት መጽሓፍ ዕለት 1 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ከምዝቐረበን እዚ ኸኣ ናይ ላቲን ስርዓት ኣብ ዝተፈላለየ ባህሊ ክሰርጽ ንዝግበር ኪደት ዓቢይ ተስፋ ከምዝኾነን እቲ ዛይራዊ ስርዓተ ኣምልኾ ኣብ 1988 ዓ.ም. ናይ ስርዓተ ኣምልኾ ጉዳይ ዝሓልይ ቅዱስ ማሕበር ይዅንታ ከምዝሃበሉ ኣዘኻኺሩ፡ እቲ ዕለት 1 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ብወግዒ ዝቐረበ ዛይራዊ ናይ ላቲን ስርዓተ ኣምልኾ መጽሓፈ ቅዳሴ ዘማእከለ መጽሓፍ ብቫቲካን ቤት ማሕተም ዝተሓተመን ብጓል ማሕበረ ደናግል ደቂ ቅድስተ ማርያን ተሓባባሪት ድሕነት ኣባል ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ናይ ስነ መንፈሳውነት ቲዮሎጊያን ሕንጸት ውፉይ ሕይወት ቲዮሎጊያ መምህርን እናቴ ሪታ ምቦሱ ኮንጎ ክትትል ዝተሰናደወን ዝተጠናቐረን ከምዝኾነን ኣመላኺቱ፥ ናይ ማውሩዚዮ ግርንችጂን ዣን ፒየር ሴመ ላሱልን ኦሊቨር ንዶንዶን ሲልቪያና ፐረዝን ዝሃብዎ ኣስተዋጽኦ ዘጠቓልል ከምዝኾነን ጠቒሱ ካብ ዕለት 9 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ኣብ ቤተ መጻሕፍት ክዝርጋሕ እውን ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ናይ ሮማዊ መጽሓፈ ቅዳሴ ብዘይ ምዝባዕን ምግምጣልን ብህልው ምግባር

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ  ብምኽንያት መበል 25 ዓመት ቅዋመ ኣብ ሮማ ዝርከብ ናይ ኮንጐ ማሕበረሰብ ካቶሊክ ተቐቢሎም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎምን ናይቲ መንፈሳዊ ክዋኔታት ዝትንትን ኣሳእል ኣብቲ ዝተሓትመ ናይ ዛየር ስርዓተ ኣምልኾ ሮማዊ ናይ ቅዳሴ መጽሓፍ ዝምልከት መጽሓፍ ተሓቲሙ ከምዘሎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሮማዊ ናይ ቅዳሴ  ስርዓተ ኣምልኾ ንሰበኻ ዘየር ዝብል ኣርእስቲ ዘለዎ ኮይኑ፡  ከም ንኡስ ኣርእስቲ ኸኣ “ንኻልኦት ባህልታት መብጽዓ” ዝተነብሮ ምዃኑ ጠቒሶም ንብህልትውና ስርዓተ ኣምልኾ ኣብነት እንክብሉ  ኣብቲ መቕድም ኣመላኺቶም ነቲ ዝተፈተኺ ኣማዞን ዘርእስቱ ድሕረ ሲኖዶስ ኣማዞን  ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን፥ “ናይ ደቀባት ተወለድቲ ተመክሮ ምስ ተፈጥሮን ባህልን ትእምርትን ስርዓትን ብጠቕላላ እቲ ከም ማሕበረሰብ ደቀባት ብፍሉይ ዝገልጸሉ ረቛሒ ግምት ክወሃቦ” ዝብል ዘስመሩሉ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ብዓንተውኡ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ስርዓተ ሊጡርጊያ ኣብ ሕዝብታት ደቀባት ብህልው ክኸውን ዘድሊ ጻዕሪ ይላበው፡ እነሆ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ነዚ ሓሳብ እዚ ካብ ዘቕርብ ሓምሳ ዓመታት ሓሊፉ እዩ፡ ይኹን ደኣ እምበር ብዙሕ ኣይተፈጸመን፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ሮማዊ  ስርዓተ ኣምልኾ ዛይራዊ ሊጡርጊያ ንኣማዞናዊ ስርዓተ ኣምልኾ መብጽዓ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ መቕድም ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ሓሴት ዝተመልኦ ብዕሎት ምስ ኢየሱስ ናይ መራኸቢ ስፍራ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም ብስርዓተ ኣምልኾ ዛየር ኣፍሪቃዊ ህርመት ዘሰንዮ መንፈሳዊ መዛሙርን ድምጽን ህርመት ከበሮን ካልእ ዓይነት ናይ ሙዚቃ ምሳርዕ ኩሉ ዘጠቓልሎ፥ ክርስቲያናዊ መልእኽቲ ኣብ ኮንጐኣዊ መንፈስ ክሳብ ክንደይ ከምዝሰረጸ ዘረጋግጽ እዩ፡ ፍሱሕ ብዕሎትን “እውነተይና ምስ ኢየሱስ ዘራኽብ ስፍራ” ብዝብል ኣብታ ወንጌላዊ ሓሴት ዘርእስታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብዘገልጽዎ ሓሳብ የብርሁ።

ነፍሲ ወከፍ ሕዝቢ ምስቲ ለዋጢ ዝኾነ ክርስቶስ ናይ ዘካየዶ ርክብ ተመክሮ ኣለዎ፡ ብኢየሱስ ክርስቶስን ብቓሉን ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ገዛእ ርእሱ ንዝገለጸ እግዚኣብሄር ውዳሴን ምስጋናን ጸሎትን ዘቕርበሉ ኪደት ኣለዎ፡ ኮንጐ ነዚ በቲ ስርዓተ ሊጡርጊያ ዛይራዊ ኣቢላ ትምስክሮን ናይታ ሃገር ሕዝቢ ማሕበራውን መንፈሳውን ሕይወቱ ትምስክር ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ጽባቔን ብዝሓ ወጅሂ

እቲ ዛይራዊ ስርዓተ ሊጡርጊያ ናይታ ኣብታ ሃገር ናይ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣባላት ልቢ ዝትንክፍ ከምዝኾነ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፥ ናይ ወንጌል ሓሴት ሓዋርያዊ ምዕዳን ምልስ ቢሎም እናሕሰቡ፥ “ክርስትና ዓብላሊ ናይ ባህሊ ኣብነት ዘቕርብ ኣይኮነን፡ ገዛእ ርእሱ ኮይኑ፡ ንብስራተ ወንጌልን ንናይ ቤተ ክርስቲያን ባህሊ ብፍጹም ተኣማንነት፡ እቲ ወንጌልን ናይ ቤተ ክርስቲያን ባህልን ዝሰረጸሉ ናይ ዝተፈላለዩ ባህልታት ወጅሂ ዘርእይ እዩ፡ ሕዝቢ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ብዝሓ ወጅህታት ጽባቔኣ ተስተርእይሉ ክኸውን እንከሎ፡ መንፈስ ቅዱስ ብግልጸትን ብሓደስቲ ጐድንታት መሰረት ቤተ ክርስትያን የጸብቕን ሓድሽ ወጅሂ ከምዝጽግዋን ብሰፊሕ ኣብቲ መቅድም ከምዘብሩሁ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

02 December 2020, 16:49