ዝጽሊ ክርስትያን ስለ ኩሉ ይጽሊ! ዘየፍቅር ሓቀኛ ጸሎት ክገብር ኣይክእልን! ር.ሊ.ጳ

‘ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡ ምእንታይውን፡ ኣፈይ ምስ ከፈትኩስ፡ ነቲ ምስጢር ወንጌል ብትብዓት ክነግር ቃል ኪውሃበኒ፡ ብዛዕብኡ ብመቝሕ እተኣሰርኩ ልኡኽ እየ እሞ፡ ከም ዚግብኣኒ ዀይነ ንምዝራብ ብእኡ ኽተብዕ፡ ጸልዩለይ’ (ኤፌ 6,18-20)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ዳሓንዶ ሓዲርኩም!

ዝጽሊ ዘበለ ኩሉ ንዓለም ቁሊሕ ኣይብላን ኣይብልን። ጸሎት ሓጐስን ሓዘንን ተስፋን ስቃይን ደቂሰባት እንተዘይኣኽቲቱ ንረኣዩለይ ስምዑለይ መጸባበቂ ከም ናይ ትያትር ኣፍኣዊ ጥራይ እዩ ዝኸውን። ኩልና ናብ ውሽጥና ምልስ ኢልና ምስ እግዚአብሔር ብሕት ኢልና እንራኸበሉን እንጽልየሉን ቦታን ግዜን የድልየና። እዚ እንክንብል ግን ከቢቡና ንዘሎ ዓለም ክንርስዕ ኣይኮነን። እንክንጽሊ እግዚአብሔር ይቅበለና ይባርኸና ቈሩሱ ከአ ጥሜት ኩሎም ንክዕንግል ይዕድለና። ነፍሲወከፍ ክርስትያንከስ ተቈሪሱ ዝዕደል ኣብ ኢድ እግዚአብሔር ዝውፈ እንጌራ ንክኸውን ዝተጸውዔ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ሓቀኛ ጸሎት እምበር ህድማ ክኸውን የብሉን።

በዚ ከምዚኸስ ዝጽልዩ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ብሕትውናን ጸጥታን ኣብ ግዜ ጸሎት ዝደልዩሉ ንከይርበሹ ዘይኮነስ ድምጺ እግዚአብሔር ብዝበለጸ ጽን ቢሎም ንምስማዕ እዩ። ሓንሳእ ሓንሳእ ከምቲ ጐይታ ኢየሱስ ዝብሎ ናብ ውሽጢ ገዛኦም ኣትዮም ነቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣቦኦም ብምሥጢር ክረኽቡ ካብ ዓለም መኒኖም ይርሕቁ! (ማቴ 6,6) እንተኾነ ኣብ ዘለውዎ ይሃልው መዓጹ ልቦም ጋህ ኣቢሎም ምስ ከፈቱ እዮም።  እዚ ክፉት ማዕጾ እዚ ነቶም ምጽላይ ከይፈለጡ ዝጽልዩን ነቶም ፈጺሞም ዘይጽልዩ ግን ኣብ ውሽጢ ልቦም ዓቢጦም ሒዞሞ ዘለው ናይ ገዓር ልመና ሓይሊ ዝሓዙ ከምኡ ነቶም ተጋግዮም መንገዲ ዘጥፍኡ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ማዕጾ ልቢ ጸላዪ ሰብ ማንም ክኩሕኩሕን ኣብኡ ወይ ኣብኣ ርሕሩሕ ልቢ ንማንም ከየጓነየ ስለ ኩሉ ዝጽሊ ይረኽቡ። ጸሎትከስ ልብናን ድምጽናን ኰይኑ ናይ ብዙሓት ምጽላይ ዘይፈልጡ ወይውን ዘይጽልዩ ወይውን ክጽልዩ ዘይደልዩ ወይ ከይጽልዩ ዝተዓግቱ ልብን ድምጽን ንኸውን። ናብ ኢየሱስ ዓሪጉ ናብ እግዚአብሔር አብ ምምላድ ኰይኑ ዚዓርግ ናይዞም ሰባት እዚኦም ልብን ድምጽን ኢና። ኣብ ብሕትውና ዝጽሊ ሰብከስ ማለት ናይ ነዊሕ ግዜ ብሕትውናስ ይኹን ንቁሩብ ደቃይቅ ክጽሊ ኣብ ብሕትውና ናይ ዝርከብ ሰብ ብሕትውናኸስ ካብ ኩሉን ካብ ኩሎም ይፈልየና እሞ ንኩሉን ንኩሎምን ኣብ እግዚአብሔር ከምእንረኽቦም ይገብረና።  በዚ ከምዚኸስ ዝጽሊ ሰብ ናይ ኩሎም ስቃይን ሓጢኣትን ኣብ ዝባኑ ተሸኪሙ ስለ መላእ ዓለም ይጽሊ። ስለኩሎምን ስለነፍሲወከፍን ይጽሊ። ነዚ ከኣ ከም ኣንተና ወይ መራኸቢ እግዚአብሔር ኣብዚ ዓለምዚ ኰይኑ ይገብሮ። ትምህርቲ ክርስቶስ ቊ. 2635 'ካብ ኣብርሃም ኣትሒዙ፤ ኣማልድነት ማለት ምእንቲ ካልኦት ምጽላይ፤ ምስ ምሕረት ኣምላኽ ናይ ዝተቓነየ ልቢ ጠባይ እዩ።’ እዚኣ ብጣዕሚ ጽብቅቲ እያ። እንክንጽሊ ምስ ምሕረት ኣምላኽ ንቃነ። እዚ ምሕረት እዚ ኣብ መንጽር ሓጢኣትና ምሳና ዝግበር ምሕረት ኰይኑ ማዕረ ማዕረኡ ከኣ ስለ እቶም ኩሎም ምእንታኦም ክንጽሊ ዝተላበውና ምሕረት ንረኽበሎም ነዚ ከኣ ምስ ምሕረት ኣምላኽ ምስ መሓሪ ዝኾነ ልቢ ኣምላኽ ኣብ ቅኒት ብምዃን ስለኦም ንጽሊ ማለት እዩ። ‘ኣብ’ዚ ዘመነ-ቤተክርስትያን፤ እቲ ከም መግለጺ ሱታፌ-ቅዱሳን ዚሕሰብ ናይ ክርስትያን ኣማልድነት ንርእሱ፣ ኣብ’ቲ ናይ ክርስቶስ ኣማልድነት ከኣ ተሳታፊ ይኸውን፥ እቲ ኣብ ጸሎት-ኣማልድነት ዝተጸምደ ሰብ፣ ነቶም ዚጐድእዎ’ውን ከይተረፉ ክሳብ ምጽላይ፣ ዚበጽሕ “ናይ ካልኦት ረብሓ’ምበር፣ናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓ፣ዘይርኢ” እዩ’ ይብል። ኣብ ኣማልድነት ኢየሱስ ክርስቶስ ይሳተፍ ክብል እንከሎ እንታይ ማለቱ ኮን ይኸውን! ኣነ ስለ ሓደ ሰብ ከማልድ እንከሎኹ ወይውን ስለሓደ ሰብ ክጽሊ እንከሎኹ ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ኰይኑ ኣቊሳሉ እናኣርኣየ ስለ ኩሉ ዘማልድ ኣካሉ ኣካልና ብምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኣቦኡ ኣነውን ብኣካል ኣሎኹ ማለት እዩ። ኢየሱስ ኣማላዲና ኰይኑ ስለና ኸኣ ይጽሊ ስለ ካልኦት ክንጽሊ ከምኡ ስለእንገብር እዩ። እዚ ብጣዕሚ ጽቡቅ እዩ።  

ኣብ ጸሎት ኣብ ልቢ ዝህሉ ሰብ እዩ። ካልእ ዋላ ሓንቲ ሰብ ኣሎ። ንሓው ዘየፍቅር ሓቀኛ ጸሎት ክገብር ኣይክእልን እዩ። ምናልባት ሓደ ካባኹም ጽማቊ ጽልኢ እናቋሰኻ ክጽለ ኣይከኣልን ከምኡ እውን ኣብ ረግረግ ሸለልትነትን እንታይ ገደሰንን ጠንቀላዕላዕ እናበልካ ክጽሊ ኣይከኣልን። ጸሎት ብመንፈስ ፍቅሪ ጥራሕ እዩ ዝወሃብ። ዘየፍቅር ከምዝጽሊ ክመስል የብሉን ወይውን ከምዝጽሊ ኰይኑ እንተተሰሚዕዎ ግን ፍቅሪ ዝኾነ መንፈስ ስለዝጐድሎ ኣይጽልን እዩ ዘሎ ክብልኒ ይኽእል። እወ ብርግጽ። ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ሓዘንን ታሕጓስን ብጻዩ ዝፈልጥ ክንዮ ማንም ነገራት ዘጻሪ ሃሰሳ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኣብ ጸሎት ክንዮ ማንም ሰብኣዊ ተመኲሮ ኣሎ ከመይ ሰባት ሽሕ’ኳ ናይ ምግጋይ ተኽእሎ እንተሎ ፈጺምካ ክንጸጉ ወይውን ክግለሉ የብሎምን።

ሓደ ኣማኒ ብመንፈስ ቅዱስ ተንቀሳቂሱ ስለ ሓጢኣተኛታ እንክጽሊ ኣይመርጽን ናይ ኩነኔ ፍርዲ ኣይህብን በቃ ስለ ኩሉ እዩ ዝጽሊ። ከምዚ ብምግባሩ ከኣ ስለ ገዛእ ርእሱ እውን ይጽሊ። ኣብቲ ሁሙት እቲ ካብቶም ስለኦም ዝጽሊ ዘሎ ሰባት ፍሉይ ከምዘይኮነ ይፈልጥ። ንሱ እውን ሓጢኣተኛ ምዃኑ ይፈልጥ እሞ ኣብ መንጎ ሓጢኣተኛታት ኰይኑ ስለ ኩሎም ሓጢኣተኛታት ይጽሊ። ምሳሌ ፈሪሳውን መጸባሓውን ወትሩ ክውን ስለዝኾነ ይምህረና እውን (ሉቃ 18,9-14)። ንሕና ካብ ማንም ኣይንበልጽን ኩሉ ሓባራዊ ተኣፋፍነትን ስቃይን ሓጢኣተኛታት ምዃንን እንውንን ኣሕዋት ኢና። ስለዚኸስ ምስ ዳዊት መዘምር ኰና ‘ኦ ጐይታ ኣብ ቅድሜኻ ካብ ዝነብሩ ጻድቅ የሎን’! ይቅረ በለለና(መዝ 143,2) እናበልና ክንእመን ኣሎና። ኦ ጐይታ ኣብ ቅድሜኻ ካብ ዝነብሩ ጻድቅ የለን ማለት ኩልና ሓጢኣተኛታት ኢና። ኩልና ሰብ ዕዳ ኢና። ኦ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትኻ ካብዚ ዕዳ ሓራ ዝኾነ ማንም የልቦን እሞ ኦ ጐይታ ይቅረ በለለና እንክብል ክንዲ ኩልና ኰይና ምሕረት ይልምን። በዚ መንፈስ እዚ ጸሎትና ፍርያም ይኸውን ምኽንያቱ ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብትሕትና ስለ ኩሎም ክንጽሊ ስለ እንኸይድ እዩ። እንተ እቲ ብትዕቢትን ብድዔን ዝጽሊ ዝነበረ ፈሪሳዊ ‘ኦ ጐይታ ከም ካልኦት ከምቲኦም ሓጢኣተኛታት ስለዘይኮንኩ አመስግነካ ኣሎኹ። ኣነ ጻድቅን ቅኑዕን እዩ ንዝሕተቶ ኩሉ እፍጽም ወዘተ’ እናበለ ይጽሊ ነበረ። እዚ ጸሎት ኣይኮነን እዚ ልክዕ ከምቲ ኣብ መስትያት ገጽካ ርኢኻ ብኡ ንብኡ እትርስዖ ብትዕቢት ምኩሕሓል እዩ።

ዓለምናኸስ በቶም ንሱ ዘይፈልጦም እግዚአብሔር ግን ኣጸቢቁ ዝፈልጦም ብቅንዕና ዝግበር ሰንሰለት ኣማልድነት ጸለይቲ ምስጋና ይኹኑ ንቅድሚ ይስጉም። ኣብ ግዜ ስደአት ብዙሓት ዘይፍለጡ ክርስትያን ነተን ‘ኦ ኣቦ ዝገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ ይቅረ በለሎም’ (ሉቃ 23,34) ንዝብላ ቃላት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምድጋም ዝፈልጡ ኣለው።

እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ጐይታ ኣብ ቅድሚ ሓጢኣት ሕዝቡን ተቃውሞ ሕዝቡ ከይተረፈ ወትሩ እሙን እዩ። ሕያዋይ ጓሳ ዝኾነ ኣምላኽና ደቁ ካብኡ ክርሕቁን ክጥንጥንዎን እንከለው ከይተረፈ ኣቦነቱ ይቅጽል። ኣብ ቅድሚ እቲ ኣእዳው ዘርስሕ እውን ከይተረፈ ኣገልግሎት ጒስነቱ ይቅጽል። ኣብ ቅድሚ እቲ ዘሳቅዮ እውን ከይተረፈ ልቡ ኣይዓጹን እዩ።

ቤተክርስትያን ብምልእታ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ኣማልድነታ ክትቅጽል ኣለዋ። ስለ ኩሎም ተማልድ። ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከኣ ኣብ ሓላፍነት ዝርከቡ ወለዲ ኰስኰስቲ መዓርግ ዘለዎም ልኡካን ኣሕሉቅ ማሕበር ከም ኣብርሃምን ሙሴን ሓንሳእ ሓንሳእ እውን ነቶም ሓደራ ዝተዋህቦም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክከላኸሉሎም ኣለዎም። ከም ሓቁ እንተዀይኑ እዞም ሰብ መዚ እዚኦም ብኣዕይንቲ እግዚአብሔርን ብልቢ እግዚአብሔር በቲ መወዳእታ ዘይብሉ ርሕራሔኡን ምሕረቱን ክጥምቱ ክኽእሉ ኣለዎም። ብርሕራሔ ስለ ካልኦት ምጽላይ ከዘውትሩ ኣለዎም።

ኣሕዋተይን ኣሓተይን! ኩልና ናይ ሓንቲ ኦም ኣቊጽልቲ ኢና። ብዝኾነ ምኽንያት እትፍለ ቈጽሊ ነፍሲወከፍና ብርሕራሔ ብጸሎት እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ክንምግብ የድሊ። ስለሓድሓድ ንጸሊ እዚ ንኩሉ ከጥዕየና ስለ ሓድሕድና ንጸሊ። እግዚአብሔር ይሃበለይ።

ብድምጺ ንምክትታል!
16 December 2020, 19:18