ንስሓ ማለት ንርሕራሔ እግዚአብሔር ልብኻ ምኽፋት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ለውጢ ወይውን ንስሓ ክንብል እንከሎና ካብ ዓለምን ሓጢኣትን ጣዕምን ተፈሊኻ ንእግዚአብሔር ንምርካብ ዝግበር ጒዕዞ ምዃኑ ዝገለጹ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ካልኣይ ሰንበት ምጽኣት ኣብ ስብከት ዮሓንስ መጥምቅ ብምትኳር ጒዕዞ ሕይወትና ክልወጥ ቈራጽ ውሳኔ ከምዘድሊ ኣስተምሂሮም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ዜና ቫቲካን!

ብሳልስቱ ዝጀመረ ዝናም ኣብ ከተማ ሮማ ለይትን መዓልትን ገና ይቅጽል ስለዝነበረ ንኩሉ ሰጊሮም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ር.ሊ.ጳ ሓቢሮም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ክደግሙን ምኽሮም ሰሚዖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ንኽቅበሉ ንዝመጹ ምእመናን ‘ዝናምን ኣስሓይታን ንፋስን ዘይዓግቶም ተባዓት ምእመናን’ ክብሉ ምስ ወደሱ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ጐዳናታት እግዚአብሔር ኣቅንዑ ጠዋይ ትኽ ይበል ሓባጥ ጐባጥ ይምላእ እንክብል ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅ ቀቅድሚ ኢየሱስ መንገዲ እንክጸርግ ንንስሓን ጣዕሳን ዝዕድሞ ዝነበረ ክፍሊ ዝትርኽ ብምንባሩ ቅዱስነቶም ሎሚ እውን ከምቲ ኣብ ዘመነ ዮሓንስ መጥምቅ ንንስሓን ለውጥን ዕንቅፋት ዝኾኑ ሓጢኣትን ዓለማዊ ኣተሓሳስባን ምዃኖም ምናዳ ኸኣ ንክትልወጥ ዘይምድላይን ልብኻ ንድምጺ እግዚአብሔር ከይቅበል ምዕጻውን ስለዝኾነ፡ ነፍሲወከፍና ኣብ ልብና ተመሊስና እግዚአብሔር ክሳብ ክንደይ ሠናይን ርሕሩሕን መሓርን ምዃኑ ተረዲእና ልብና ንዓዑ ብምኽፋት ንሓጢኣትን ዓለማዊ ጣዕምን ወጊድ ክንብል ዘመነ ምጽኣት ዝሓቶ ቀንዲ ጻውዒት ምዃኑ ገሊጾም።

“ቀዳማይ ስጉምቲ ንስሓ ስለእቲ ዝፈጸምካዮ ሓጢኣት ምጥዓስ ስዒቡ ካብኡ ንክትላቀቅ ጽኑዕ ድላይ ምህላው ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ መጻኢ ሕይወትካ ካብ ምኽንያት ሓጢኣትን ሓጢኣትን ክትርሕቅ ጽኑዕ ፍቃድ ምግባር የድሊ። ንሓጢኣት ክትጽየፎ እንተዀንካ ንኩሉ ምሳኡ ዝተኣሳሰርን ናባኡ ዝስሕብን ከነወግድ ኣሎና። እዚ ከኣ ካብ ዓለማዊ ኣተሓሳስባ ጀሚርካ ቅጥዒ ዘይብሉ ናብራ ጣዕሚ ዓለም ሃረር ምባል ከማኡ እውን ሃብቲ ዓለም ክንክሕዶ ኣሎና ኢሎም።”

ምስ ሓጢኣት ዘሎና ምትእስሳር!

ምስ ሓጢኣት ዘሎ ምትእስሳር ምስ በተኽና ካብኡ ዘይፍለ ብኡ ንብኡ ክንገብሮ ዘሎና ካልኣይ ጉዳይ ከምዘሎ እዚ ከኣ ንእግዚአብሔር መንግስቱን ብምሉእ ልብኻ ምድላይ ከምዝኾነ ዝገለጹ ቅዱስነቶም፣ እቲ ንጣዕሚ ዓለምን ኣተሓሳስባኡን ዘቀድም ለውጢ ልቢ ኣብ ንስሓ ጥራይ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን። ክርስትያን ብዘይምንም ሥራሕ ዘወን ዝብል ገብረ ሃካይ ኣይኮነን እንታይ ደኣ መንግሥቲ ኣምላኽ ክረክብ ምስ እግዚአብሔር ክወሃሃድ ምሳኡ ዕርክንተት ክፈጥር ክቃለስ ኣለዎ። እዚ ጒዕዞ እዚ ግን ቀሊል ጒዕዞ ኣይኮነን ከመይ እቲ ምስ ሓጢኣት ዘተኣሳስረና ጉዳያት ካብ ሱር መሠረቱ እንተዘይኣሊናዮም ኣብ ዝገበርካዮ ቁርጺ ፍቃድ ዘይምጽናዕን ተስፋ ቊርጸትን ምስ ክፍኣትን ሕማቅ ኣከባብን ሕማቅ ኣብነትን ተሓዊሶም መሊሶም ከውድቁና ስለዝኽእሉ ምጥንቃቅ ጥራይ ዘይኮነ ብርቱዕ ቃልሲ የድሊ ኢሎም።

 ሓንሳእ ሓንሳእ እቲ ብዓቢ ሃረርታን ህንጡይነትን ዝገበርናዮ ንስሓን ጣዕሳን እናደኸመ ይኸይድ እሞ ምስ እግዚአብሔር ዘሎና ርክብ ይዝሕል ዳርጋ እግዚአብሔርሲ ኣጽቂጡ ካባና ርሒቁ ኢልና ነቲ ተስፋታት ከምዘይፍጸም እቲ ሎሚ ኣብ ቀዳማይ ንባብ ትንቢት ኢሳያስ ክንበብ ዝሰማዕናዮ እግዚአብሔር ጓሳናን ሓላዪናን ኢልና ንተኣማመነሉ ዝነበርና ምትእምማን ክዝሕትል ክረኤ ይከኣል።

“ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እንክንበጽሕ ምናልባት ብሓቂ ምልዋጥ ኣይከኣልን ክንብል ንኽእል። ነዚ ተስፋ ዘቊርጽ ኣበሃህላ ክንደይ ግዜ ዘይሰማዕናዮ! ኣይክእሎን እየ ምናልባት ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ከምብሓዲሽ ክጅምር እየ! ንሕጂ ግን ይጽነሓለይ ድሕሪት ክምለስ እየ! ዝብሉ ኣይሰኣኑን። እዚ ግን ብጣዕሚ ሕማቅ እዩ። ለውጥን ንስሓን ይከኣል እዩ! እወ ቈራጽ እንተዀንካ ለውጢ ይከኣል እዩ። እንተኾነ ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝበልናዮ ኣሉታውን ተስፋ ዘቊርጽን ሓሳባት ክትደይብን ክተውርድን እንተጀሚርካ ፈጺምካ ተንከስ ኢልካ ኣይትብገስን ኣብኣ ጥራይ ትተርፍ ከመይ እዚ ዘየሰጉም ሑጻ እዩ። ናይ ሓደ ክልወጥ ዘይደሊ ሕይወት ኣብ ሑጻ ከም ምኻድ እዩ። ክትስጉም ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ካብዚ ዘድሕነና ጸጋ ምልማን ግድን እዩ።”

ብምሉእ ሓይልና ጸጋ ንለምን!

እዚ ዓይነት ሕይወት ማለት ምኽኒት እናፈጠርካ ንለውጢ ምድንጓይ ነቲ ኣብ ድኹም ሑጻ ወይውን ረግረግ ጭቃ ክጐዩ ዝደሊ ግን ፈጺሙ ዘይክኣል እዩ።

“ቅድሚ ዝኣገረ ክንርድኦ ዘሎና ለውጢ ወይውን ንስሓ ጸጋ እግዚአብሔር ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ማንም ካባና ብገዛእ ሓይሉ ክልወጥ ዝኽእል የልቦን። እንተደኣ ክንልወጥ ክንንሳሕ ቈሪጽና ክንለዓል ደሊና ኸኣ ጐይታ ነዚ ጸጋ እዚ ክህበና ብምሉእ ሓይልና ክንልምኖ የድሊ። ጐይታ ንክልውጠና ንማህለሎ። ካብዚ ብምቅጻል ጸጋ እግዚአብሔር ኣባና ክሰርሕ ክጅምር እዩ። እዚ ከኣ መጠን ዘፍቀድናሉ ንሠናያቱን ንሕያውነቱን ንምሕረቱን መጠን ልብና ዝኸፍትናሉ እዩ ክኸውን። እግዚአብሔር ሓደ ንኩሉ ዝጸባጸብ ጨካን ኣይኮነን ፈጺሙ ኣይኮነን። ንሱ ካብ ዘለዓለም ብዘለዓለማዊ ፍቅሪ የፍቅረና። ከምቲ ናይ መጓሲኡ መጨረሻ ብጥንቃቀ ዝሕሉ ሕያዋይ ጓሳ እዩ። ፍቅርን ለውጥንከስ እዚ እዩ ማለት ጸጋ እግዚአብሔር እዚ እዩ። ካባና ዝድለ ጒዕዞና ምጅማር ጥራይ እዩ። ነቲ ጒዕዞ ዘበግሶ ዝመርሖ ዘንቀሳቅሶ ንሱ ስለዝኾነ ከመይ ከምትበጽሖ ክንርኢ ኢና። ጸሊ ገስግስ በዚ ከኣ ምሳኡ ብኣኡ ወትሩ ንቅድሚት ክትስጉም ኢኻ ኢሎም።”

ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነታ ወትሩ እትረድኣና እኖና ድንግል ማርያም ምናዳ ኸኣ ዕለት 8 ታሕሳስ በዓለ ጽንሰታ ኣብ እንዝክረሉ ሳምንቲ ስለ እንርከብ እዛ ንጽሕተ እምንጹሓን ዝኾነት ምንም ሓጢኣት ዘይተንከያ እኖና ድንግል ማርያም ካብ ሓጢኣትን ዓለማውነትን ተፈሊና ክንክእል ልብና ንእግዚአብሔርን ንቃሉን ነቲ ዳግም ዝወልድን ዘሕንን ፍቅሩን ክንከፍት ትደግፈና ምስ በሉ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
06 December 2020, 12:32