ፍራንቸስኮ ንታይዘ መንእሰያት፥ ምጥርጣር ካብ ምዝራእ ተቖጠቡ፡ መንበር ተስፋ ኵኑ ፍራንቸስኮ ንታይዘ መንእሰያት፥ ምጥርጣር ካብ ምዝራእ ተቖጠቡ፡ መንበር ተስፋ ኵኑ 

ፍራንቸስኮ ንታይዘ መንእሰያት፥ ምጥርጣር ካብ ምዝራእ ተቖጠቡ፡ መንበር ተስፋ ኵኑ

“እቲ ካብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ዝዕደለኩም ተስፋ ዘልምስ ሸለልትነት ዘተባብዕ ቀቢጸ ተስፋ ዘራእቲ ኣይትዅኑ” ቢሎም ነቶም መንእሰያት “መንበር ተስፋ ኵኑ ብሓባር ክርስቶስ ብምስዓብ ምእንቲ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡን ምስኣቶምን ኮይንኩም ምእንቲ እቶም ናይ እዋናዊ ጸገም ንምግጣም ዝቃለሱ እትዓዩን እተገልግሉን ኵኑ

ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ መበል 43 ናይ ታይዘ ማሕበረሰብ ኣባላት መንእሰያት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብመረብታዊ ውሕዘት ናብ ዘካየድዎ ዘለዉ ዓውደ ርክብ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ናይ ታይዘ ማሕበረሰብ መንእሰያት፥ “እቲ ካብ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ዝዕደለኩም ተስፋ ዘልምስ ሸለልትነት ዘተባብዕ ቀቢጸ ተስፋ ዘራእቲ ኣይትዅኑ” ቢሎም ነቶም መንእሰያት “መንበር ተስፋ ኵኑ ብሓባር ክርስቶስ ብምስዓብ ምእንቲ እቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡን ምስኣቶምን ኮይንኩም ምእንቲ እቶም ናይ እዋናዊ ጸገም ንምግጣም ዝቃለሱ እትዓዩን እተገልግሉን ኵኑ” እንክብሉ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ር.ሊ.ጳ. ቅርበት ነቶም መንእሰያት

ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ታይዘ ማሕበረሰብ መንእሰያት ካብ ዕለት 27 ታሓሳስ 2020 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ዘካይድዎ ርክብ ከምቲ ቅድም ክብል ዝተገለጸ እውን፡ እቲ ናይ ለምዘበን ዓውደ ርክብ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብመረብታዊ ውሕዘት ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣብቲ መበል 43 ዓውደ ርክብ ለምዘበን “ምሳኹም ብጸሎት እሓብር፡ ምፍንታት ዝሓትት እዋን ስለ ዘጋጠመ እውን ኵነታቱ ‘መሃዝነትን ሓሳባዊ ብልሕን’ ዝሓትት እዩ፡ በዚ መሰረት’ዚ እውን ብመረብታዊ ውሕዘት ተራኺብኵም፡ ጉባኤዅም ተካይዱ ኣለዅም፡ ብስነ ኣሓዝ ዝተራቐ መረኸቢ ብዙሓን ዘቕረበልና ዕድል እውን እዩ ምእንቲ’ዚ ከነመስግን ይግባእ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ወትሩ ሰብ ተስፋ ምዃን

“እዘን ብሓባር ኣብ እትጽልዩለን ንሓድ ሕድኩም ብእምነትን ብምትእምማንን ኣብ እትደጋገፉለን ማዕልታት - ይብሉ ቅዱስነቶም - ኣብ ዝኾነ ይኹን ኣብ ምቹእን ዘይምቹእን ኩነት ኩሉ ተስፋ ክትገብር ዝድግፋኹም እያተን” ከምቲ ናይ ማሕበረሰብ ታይዘ ኣበ ምኒየት ሓው ኣሎይሰ ንመላእ ኣባላት መንእሰያት ታይዘ ን2021 ዓ.ም. ዘሰንዮም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝበልዎ።

ናይ ተስፋ ጉዕዞ ቀጻሊ እዩ

“ብመረብታዊ እውን ይዅን መንእሰያት ክራኸቡ እንከለዉ እዚ ንገዛእ ርእሱ እቲ ምርኻብ ኣብ ጉዕዞ ተስፋ እዩ ዘንብረኩም - ቢሎም - ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእክቶም ጠቒሶም - ሓደ’ኳ ተነጺሉ ኣብ በይናውነት ሕይወት ክገጥም ዝከኣሎ ኣይኮነን፡ ዝድግፎ ማሕበረሰብ የድልዮ፡ ንቕድሚት እናጠመተ ንሓድ ሕዱ ዝደጋገፍን ማሕበረሰብ የድልዩ”። እቶም ተጋባእያን መንእሰያት ንሕይወት ጽቡቕን ክቡርን ንዝገብሩ ዓበይቲ ሚሳላት ክፉታት ክኾኑ በቲ ተባዕን ክንየው ውልቃዊ ጣዕምን ንኣሽቱ ውልቃዊ ውሕስነትን ደረት ትርኢት ዘጽብብን ብዝጥምት ተስፋ ክይዕብለሉ ፍቓደይናታት ክኾኑ ተልብዮም፡ ኣብ ተስፋ ብሓባር ንጓዓዝ” ከምዝበሉን ኣስዒቦም እውን፥ ናብቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ክርስቶስ ዝተገልጸ ናይ ተስፋ ደረት ትርኢት ኣብ ምምዕባል ብሓባር ክስጐም ኣብ ዝመጽእ ዓመት ሓደ ናይ ምርኻብን ሕውነትን ባህልን ብሓባር ነማዕብል” እንክብሉ ብዘቕረብዎ ምዕዳን ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 December 2020, 16:24