ዳይና ሮዛሪዮ ሊቫቲኖ ዳይና ሮዛሪዮ ሊቫቲኖ  

ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ንዳይና ሮሳሪዮ ሊቫቲኖ ብጹዕ ክትብሎ እያ

ንሰብ ማእከል ምግባርን እቲ ገበን ዝፈጸመ ምድሓንን ኣብ ዝብል ዕላማ ዝተግሁን ንሕጊ መንፈስ ክህልዎ ምግባር” ኣገዳሲ ዝብሉ ዝነበሩ

ኣብ 1990 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ሲቺሊያ ብኢድ ማፊያ - ናይ ገበን ጉጅለ ዝተቐትሉ ዳይና ሮዛሪይ ሊቫቲኖ ቤተ ክርስቲያን ቅድስና ንኽትእውጀሎም ዝግበር ኪደት ይቕጽል ከምዘሎ ክፍለጥ እንከሎ፡ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ንዝብል መጸውዕ ብቑዕ ተባሂሉ ድሕሪ ምጽናሕ ዕለት 22 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናይዞም ዳይና ሰማዕትነት ኣፍልጦ ሂቦም ብጽዕና ንኽእወጀሉ ዝሓትት ሰነድ ተቐቢሎም ሰማእት እንክብሉ ይዅንታ ከምዝኣህብሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝከታተል ቅዱስ ማሕበር ህየንተ ብጹዕ ካርዲናል ማራቸሎ ሰመራሮ ተቐቢሎም ኣብ ዘዘራረብሉ ዕለት፡ ቅዱስነቶም ናይ ካልኦት ሸውዓት ገድለ ክብሪ ኣፍልጦ ብምሃብ ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ንዝብል መጸውዕ ብቑዓት ዝብል ናይ ውሳኔ ሰነድ ተረኺቦም ብኽታሞም ከምዘጽደቕዎ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ “ሮሳሪዮ ሊቫቲኖ ዕለት 3 ጥቅምቲ 1952 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ክፍለ ሃገር ሲቺሊያ ከተማ ካኒቻቲ ዝተወልዱን ዕለት 21 መስከረም 1990 ዓ.ም. ብኢድ ማፊያ - ናይ ገበን ጉጅለ ከምእተቐትሉን” ቅዱስ ኣቦና ሰማእት እንክብሉ ብጽዕና ንኽእወጀሉ ከምዝወሰኑ ሓቢሩ፥  ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ሊቫቲኖ መላእ ሕይወቱ ጽኑዕ ኣብ እምነትን ናይ ሕጊ ሙያተይና ዳይናን ምጽንዓቱን እምነቱ ምኽንያት ብኢድ ማፊያ ናይ ደም ሰማእትነት ዝተቐበሉ፡ ንሰብ ማእከል ምግባርን እቲ ገበን ዝፈጸመ ምድሓንን ኣብ ዝብል ዕላማ ዝተግሁን ንሕጊ መንፈስ ክህልዎ ምግባር” ኣገዳሲ ዝብሉ ዝነበሩ ምዃኖም ናይ ሕይወቶም ታሪኽ ገድለ ድግና ጠቒሱ የመላኽት።

እቶም ካልኦት ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ዝብል መጸውዕ ዝወሃቦም ዜጋታት ሰፐይንን ኢጣሊያ ፖላንድን ከምዝኾኑ ክሕብር እንከሎ፡ ናይ ሰበኻ ሚቾኣካ ቀዳማይ ጳጳስ፥ ንኽኾኑ ብር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሳልሳይ ዝተሰምዩ፡ ብጹዕ ኣቡነ ቫስቾ ደ ኵይሮጋ (ኣብ 1470 ዓ.ም. ኣብ ስፐይን ማድርጋል ደ ላስ ኣልታስ ቶረስ ዝተወልዱን - ኣብ መክሲኮ ዕለት 14 መጋቢት 1565 ዓ.ም. ከምዝዓረፉን)፡ ናይ ስነ ሕግን ቲዮሎጊያን ሊቅን ኣብ ልዕሊ ተወለደቲ ደቀባት ዝፍጸም ዝነበረ በደል ከብቅዕን ማሕበራዊ ሰላም ክረጋገጽ ዝጸዓሩን ደቀባት ሕክምና ዝረኽብሉ መውሃቢ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ዘቖሙን መንፈሳውን ሰብኣውን ድጋፍ ንደቀባት ብምቕራብ ዝኸናኸኑ ዝነበሩ ምዃኖም ናይ ታሪኽ ማህደሮም የመላኽት።

ኣባ ኣንቶኒዮ ቪቸንዞ ጎንዛለስ ሱዋረዝ (ዕለት 5 ሚያዝያ 1817 ዓ.ም. ኣብ ኣጒየመስ ዝተወልዱ - ኣብ ስፐይን ላስ ፓልማስ ዕለት 22 ሰነ 1851 ዓ.ም. ዝዓረፉን) ቆሞስን ናይ ሰበኻ ካናሪየ ወኪልን ዋና ጸሓፍን ምኽትል ዋና ኣመሓዳርን ናይ መሰረታዊ ቲዮሎጊያ መምህርን ንኣባላት ቁምስና ዓቢይ ግዱስን ለጋስን ሓገዚ ጽጉማትን ቀረባን ሰባኬን ዓቢይ ናይ ግብረ ሰናይን ተኣዝዞን ኣብነት ምዃኖም ዝንገረሎም ኣብ 34 ዓመት ዕድመኦም ኣብቲ እዋን ተኸሲቱ ብዝነበረ ሕማም ፌራ ህሙማንን ድኻታትን ኣብ ምእላይ እንከለዉ ዝሓመሙን ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩን ምዃኖም ናይ ታሪኽ ማህደሮም ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እቶም ካልኦት ኢጣሊያዊ ካህን ኣባ ኣንቶኒዮ ሰገዚ (ዕለት 26 ነሓሰ 1906 ዓ.ም ዝተወልዱ ኣብ 1929 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ዝተቐበሉን መጀመርያ መምህር ደሓር እውን ኣብ ኤርትራ ናይ ዝነበሩ ወተሃደራት ኢጣሊያ ኣበ ነፍስን ናዚያዊ ፋሺስታዊ ስርዓት ስለ ዝተቓወሙን ጸረ ሰብኣዊ እንክብሉ ዝገለጽዎን፡ ድሕሪ ዕለት 8 መስከረም 1943 ዓ.ም. ቶኽሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ኣብ ዝተብረሉ እዋን መንእሰያት ኣብ ምግልጋል ከምዝነበሩን፡ ብናዚ ስርዓት ተታሒዞም ኣብ ጀርመን ዳካው መዳጐን ሰፈር ተኣሲሮምን ዕለት 21 ሚያዝያ 1945 ዓ.ም. ናጻ ተለቒቖምን ብብርቱዕ ሓሚሞም ስለዝነበሩ ናብ ኢጣሊያ ኣብ ምምላሶም ዕለት 21 ግንቦት 1945 ዓ.ም. ከምዝዓረፉን ኣብ 1952 ዓ.ም. ዓጽሞም ተረኺቡን ናብ ኢጣሊያ ክኣትው ተገይሩ ካብ 2006 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ዝተወለዱላ ከፍለ ሃገር ኣብ ከተማ ፕረሞሎ ኣብ እትርከብ ቁምስና ክዓርፍ እውን ከምዝተገብረ ዝሓበር ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይ ሰበኻ ካህን ጓሳን ንመንእሰያት ሓላይን መንፈሳውን ሰብኣውን ደጋፍን ኣብ ወንጌል ውሱጥን ኣብ “ህይወተይ ከም ካቶሊክ ክፍጽሞ ሃረር ዝብሎ ንብሉጽን ጽቡቕን ተግባርን ብምልኣት ገዛእ ርእስይ ምውፋይ እዩ” ይብል ከምዝነበረን ናይ ሰበኻ በርጋሞ ናይ ካቶሊካዊ ተግባር ኣበ ነፍስ ክኾኑ ብናይ በርጋሞ ጳጳስ ተሰምዮም እውን ከምዘገልገሉ ዜና ቫቲካን ናይ ታሪኽ ማህደሮም ጠቒሱ የመላኽት።

እቶም ካልኦት ኢጣሊያዊ ካህን ኣባ በርናርዲኖ ፒቸሊ (ዕለት 24 ጥሪ 1905 ዓ.ም. - ዕለት 1 ጥቅምቲ 1984 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዱን) ኣባል ማሕበር ኣገልገልቲ ማርያምን፡ ኢጣሊያዊ ካህን ኣባ በርናርዶ ኣንቶኒኒ (ዕለት 20 መስከረም 1932 ዓ.ም. - ኣብ ካሳኪስታን ዕለት 27 መጋቢት 2002 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዱን) ክኾኑ እንከለዉ፡ ኣባ በርናርዶ ኣንቶኒኒ   ብታሪኽ ቅዱስ ጳውሎስ ኣዚዮም ዝተማርኩን ናብ ዓለም ናይ ወንጌል ሓቂ ምብጻሕ ዝብል ውዕዉዕ መንፈስ ዝዓሰሎምን ናይ ስነ ሃምነናዊ ቲዮሎጊያን ቅዱስ መጽሓፍን ሊቅ ክሳብ 60 መት ዕድመኦም ኣብ ምምህርናን ጋዜጠይናነትን ኣብ ተቕዋም ኣባ ኣልበሪዮነ ምስ ኣተዉ ብታሪኽ ሃዋርያው ጳውሎስ ተማሪኾምን ኣብ 1989 ዓ.ም. ንመጽናዕቲ ናብ ሩሲያ ተላኢኾም ከምዘገልገሉን ጉርባቾቭ ድሕሪ ዘተኣታተውዎ ፖለቲካዊ ዕርያ ኣብ ሩሲያ፡ እዞም 10 ቋንቋ ጠንቒቖም ዝፈልጡ ካህን ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ሩሲያ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህንት ከፊቶምን 13 ተመሃሮ ዝተቐበሉን ኣብ 1999 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ድሕሪ 81 ዓ.ም. ምዃኑ እዮ ሰለስተ መንእስያት ንማዕርገ ክህነት ዘብቅዑን ካብ ሩሲያ ናብ ካዛኪስታን ምስ ተቐየሩን ዕለት 27 መጋቢት 2002 ዓ.ም. ኣብ ካሳኪስታን ከምዝዓረፉ ዜና ቫቲካን ናይ ታሪኽ ማህደሮም ተወኪሱ የመላኽት።

እቶም  ካልኦት፥ እናቴ ሮሳ ስታልታሪ ተወላዲት ካላብሪያ (ዕለት 3 ግንቦት 1951 ዓ.ም. ዝተወልዳን ኣብ ፓለርሞ ዕለት 4 ጥሪ 1974 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዳን)፡ ተወላዲ ፖላንድ ኣባል ማሕበር ሳሊዢያን ኣባ ኢግናዚዮ ስቱችልይ (ዕለት 14 ታሕሳስ 1869 ዓ.ም. - ዕለት 17 ጥሪ 1953 ዓ.ም. ኣብ ሰማይ ቤት ዝተወልዱ) ከምዝኾኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 December 2020, 14:53