ጸሎት ጸሎት  

ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክብ ንጸሎት ቫቲካናዊ ማሕበር ኮይኑ

እቲ ሎሚ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ዝብል መጸውዕ ዘለዎ ቫቲካናዊ በዓል መዚ ለበስ ክኸውን ቅዱስነቶም ውሳኔ ዝሃብሉ ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ጸሎት ሓሳብ ንምንቕቓሕ ኣብ ዝብል ዕላማ ንቅድስቲ መንበር ዘገልግል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክብ ንናይ ርእሰ ሊቃን ጳጳሳት ጸሎት ማሕብር ብሕገ ቀኖና መሰረት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዋና ቤት ጽሕፈት ሃልይዎ፡ ናይ ቫቲካን ማሕበር ክኸውን መዝነት ዘልብሶ ውሳኔ ከምዘመሓላለፉን ከምቲ ቀደም እውን ናይቲ ማሕበር ተኸናኻንን ዋና ምሕደራኡን ንኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ውኵፍ ኮይኑ ክቕጽል ከምዝወሰኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክብ ንናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት ማሕበር ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ጸሎት ሓሳብ ዘነቓቕሕን ተልእኾኡ ካብቲ ዓውሎማዊ ዘይተገዳስነት ዝምባለ ንምልቓቕን ንናይ ዓለም ስቓይ ርህው ንምዃን ዘብቅዕ ኣስፍሆተ ወንጌል ምስፋሕ ዝብል እዩ። እዚ ዕላማ’ዚ በቶም ኵሎም ናይቲ ማሕበር ኣባላት ዝሳለጥ ኮይኑ፡ ዝጸደቐ ዝምርሓሉ ስርዓተ ሕጊ እውን ካብ ዕለት 17 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ጀሚሩ ብወግዒ ኣብ ግብሪ ክውዕል ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን፥ እዚ ኸኣ ቅዱስነቶም ኣብቲ ብኢዶም ኣብ ዝጽሓፍዎን ኣብ ዘመሓላለፍዎን ውሳኔ ኣመልኪቶም ትግባሬኡ ንሙከራ ንዝቕጽል ሰለስተ ዓመት ክኸውን እውን ከምዝወሰኑ ኣፍሊጡ።

ታሪኽ

እቲ ሎሚ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ዝብል መጸውዕ ዘለዎ ቫቲካናዊ በዓል መዚ ለበስ ክኸውን ቅዱስነቶም ውሳኔ ዝሃብሉ ንናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ጸሎት ሓሳብ ንምንቕቓሕ ኣብ ዝብል ዕላማ ንቅድስቲ መንበር ዘገልግል ከምዝኾነን፡ ካብ ሩሕቕ ሊዮነ ሻምናይን ፒዮስ ዓስራይን ድላይ ዝተበገሰ መደብ እውን እዩ። ኣብ 2018 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ እዚ ኣገልግሎት’ዚ ጳጳሳዊ በዓል መዚ ክኸው ከምዝገበርዎን፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውነት ተልእኾ ዘለዎን ናይ ሓለዋን ምሕደራን ሓላፍነት እውን ብኢየሱሳውያን ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ኮይኑ ይቐጽል ዝብልን ምስ ኢየሱሳውያን ማሕበር ዘለዎ ርክብ ከምዘሎ ኮይኑ ንኵላውነት ማዕቅን ክፉት ኮይኑ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዞባ ንእንትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ንምግልጋል ስንደው ይዅን ዝብል ሓሳብ እውን ኣብቲ ዝመሓደረሉ ሕጊ ተመልኪቱ ከምዘሎ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ዝብል ወግዓዊ መጸውዕ ዘለዎን ኣናስሩ ቅድሚ 175 ዓመት ኮይኑን ኣብ ፈረንሳ ኣብ 1844 ዓ.ም. ናይ ጸሎት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብዝብል መጸውዕ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍራንሱዋ ኻቪየር ጉትረለት ኣብ መባእታ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ቤት ትምህርቲ ዘርሃ ክህነት ሕንጸት ዝሳዃዕ ኮይኑ ዝበገስዎን ስዒቡ እውን ጸሎት ንናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ብዝብል ዕላማ እናሰፈሔን 13 ሚሊዮን ኣባላት ዘለዎ ኮይኑ ደሓር ኣብ 1915 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን መንእሰያት ዝሓቁፍ ናይ ቅዱስ ቁርባናዊ መስቀል ብዝብል ስም ዝምራሕ ሎሚ ምንቅስቓስ ቅዱስ ቅዱስ ቁርባን ማሕበር መንእሰያት ብውሽጡ ዘጠቓልል ምዃኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ነቲ እንነብሮ ዘሎና እዋን ዝመዓራረይ ቅርጺ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ እቲ መርበባዊ ርክብ ንናይ ር.ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ጳጳሳዊ ተግባር እንክብሉ ክሰምይዎ ዘለዎ ኵላውነት ባህርይ ብኣጽንዖት ንኸመላኽት ከምዝኾነን፡ እዚ ኸኣ ኩሉ ወትሩን ብቕኑዕ ልብ ክጽልይ ዝብል ምዕዳ ዝሓዘን ዘንበሩሉን ከምዝኾነን ኣስዒቦም እውን እቲ ዓቢይ ግምት ዝወሃበሉ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብቲ ናይ ውሳኔ ሰነድ፥ ምስቲ ዘለናሉ እዋን ዝመዓራረይ ቅርጺ ክህልዎ መታን ብሕጋዊ ቀኖና መሰረት ሕጋዊ ቫቲካናዊ በዓል መዚ ማሕበር ክኸውንን ዋና መቐመጢኡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኮይኑ ኣገልግሎቱ ክቕጽልን ከም ቫቲካናዊ ማሕበር እውን እቲ ዝኽተሎ ሓድሽ ናይ ውሽጢ መመሓደሪ ሕጊ ካብ ዕለት 17 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ክውዕል ውሳኔ ከምዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ቅዱስ ልቢ መንፈሳውነት

ናይቲ መርበባዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ዋና ኣመሓዳሪ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ኢየሱሳዊ ካህን ኣባ ፍረደሪክ ፎርኖስ ኣብ ሓላፍነቶም ክቕጽሉ ቅዱስነቶም ከምዝሰመይዎም ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ናይዚ ቫቲካናዊ ሕጋዊ በዓል መዚ ኮይኑ ዝቖመ ማሕበር ኣብ መንፈሳውነት ልቢ ኢየሱስ ዝጸንዔ ኮይኑ ብኵልንተናኡ ምስ ናይ ክርስቶስ ልቢ ኣብ ምምሳል ዝነቕሕን ኣብ ዓለም ናይ ተልእኾ ሓልዮት ዝነብር እዩ፡ ኣብቲ ናይቲ ማሕበር ሕጊ ተመልኪቱ ከምዘሎ፡ ንዅሎም ነቶም ናይቲ ዝተቐበልዎ ምስጢረ ጥምቀት ዘሕድረሎም ተልእኾ ከነቓቕሑን ናይ ልቢ ኪደት ዝብል መንፈሳውያውነት ንኽነብሩ ዝተጸውዑን ነዚ ጸዋዕታ እዚ ክሕድሱን ክነብሩን ንዝደልዩ ካቶሊካውያን ክፉት እዩ፡ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ጸሎት ሓሳብ ንኸነቓቕሑ ንኽዓዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያንን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ብድሆን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ስቓይን ሓጐስን ናቶም ገይሮም ብዅለንተናኦም ናይ ምሕረት መንፈሳውነትን ተግባር ዝነብሩ። እቲ እግዚኣብሔር ኣብ ንወዱ ዝሃቦ ተልእኾ ኣብ ዕለታዊ ሕይወቶም እቲ ዝተቐበልዎ ምስጢረ ጥምቀት ብዘንብረሎም ተልእኾ ኣቢሎም ዝተሓባበሩ እያቶም ዝብል ሓሳብ ኣብቲ ውሳኔ ቅዱስነቶም ኣመላኺቶም፡ ናይ ኢየሱስ ድላይን ዕላማን ብሓሳቦምን ብተግባሮምን ብስሩዕ ስነ ኣገባብ ዝነብርዎ መንፈሳዊ ኵነት እዚ ኸኣ ናይ ልቢ ጉዕዞ እዩ፡ በዚ ኣገባብ እዚ እቲ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበለ ብናይ ወልደ እግዚኣብሔር ናይ ሕይወት ኣገባብ ብምስዓብ መንግስቲ ኣምላኽ የእንግድን የገልግልን ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ  የመላኽት።

ናይቲ ማሕበር ቅርጺ

እቲ ናይቲ ማሕበር ናይ ውሽጢ መመሓደሪ ሕጊ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘጽደቕዎ ብዘመሓላለፍዎ ውሳኔ መሰረት ቫቲካናዊ በዓል መዚ ኮይኑ ዝቐውም ዘሎ ዓለም ሓቆፍ መርበባዊ ርክብ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጸሎት ማሕበር ነቶም ብቅድስቲ መንበር ኣቢሎም ንዘመሓድርዎ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ፡ ምዕዙዝን እዙዙን ክኸውንን ከም ቀደሙ ብማሕበር ኢየሱሳውያን ዝምራሕ ኮይኑ ክቕጽል ቅዱስ ኣቦና ዝሃብዎ ውሳኔ መሰረት ገይሩ እንከመላኽት ብሓሙሽተ ኣባላት ዝቖመ ቤት ምኽሪ ምሕደራን ዓለም ሓቆፍ ዋና ኣመሓዳሪ ኣካልን ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ሓላፍን ዘለዎን ከም መበገሲ ንዕዮታትን ኣገልግሎቱን መሳለጢ ዝጥቀመሉ b150 ሺሕ ኤውሮን 280 ሺሕ ዶላር ርእሰ ማል ዝተበገሰ ከምዝኾነ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ብናይ ምስማዐ ርእየት ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እቲ መርበባዊ ርክብ ምእንቲ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸሎት ዓለም ሓቆፍ ማሕበር ተቐቢሉን ዝዝርግሖን ከምዝኾነን ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ማሕበር ኣብ 98 ሃገራት ህልውን 35 ሚሊዮን ካቶሊካውያን ብኣባልነት ዘጠቓልልን ከምዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ር.ሊ.ጳ. ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሓ ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ጸሎት ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን ሓቢሮምን፡ “ጸሎት ናይ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ ሕመረትን ምስ እግዚኣብሔር ዘዛትይ መፍትሕ እውን እዩ”። ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ወንጌል ከነንብብ እንኮለና ንኢየሱስ ኢና ጽን እንብል፡ ምስ ኢየሱስ ኢና እንዛረብ፥ ንኣኡ ጽን ንብል መልሲ ኸኣ ንህብ፡ ጸሎት ማለት ንሱ እዩ፡ ክንጽልይ እንከሎና ልብና ይልወጥ፡ ብዙሕ ንገራት እውን ነሳልጥ፡ ብዘይ ጸሎት ኩሉ ከንቱ እዩ ዝኸውን፡ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ዘሎና ግላዊ ርክብ በቲ ጸላይ ሕይወት ዝልግስ ቃል እግዚኣብሔር ክዕንገል መታን ንጽልይ እንክብሉ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝሓበሩን ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዓ.ም. እውን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረትን ተፈፍጥሮን ክብረት ክኽበር ዝብል ጸሎት ኣብ መላእ ኵላዊት ቤተ ርስትያን ናይ ጸሎት ሓሳብ ክኸውን እውን ከምዘበሩ የዘኻኽር።

04 December 2020, 20:57