ናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት 

ዛዕባ ሃብቲ ገንዘብን ንብረትን ምሕደራ ዝምልከት ር.ሊ.ጳ. ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ

ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝመሓደር ዝነበረ ናይ ሃብቲ ገንዘብን ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረትን ናይ ምምሕዳር ስልጣን ናብቲ ናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ይመሓላለፍ ውሳኔ ዝተነብሮ ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ሕጊ ከምዘጽደቑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮኒን ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብሓደ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዝቖመ ፍሉይ ድርገት ድሕሪ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖሚ ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነትን ግደን ክብ ዘብል ብዘለዎም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ስልጣን መሰረት፥ እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ናይ ሃብቲ ገንዘብን ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረትን ናይ ምምሕዳር ስልጣንን ናብቲ ናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብረት ዘመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ክመሓላለፍል ዝብል ወሳኒ ሕጊ ከምዝደንገጉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።


ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎን ፍሉይ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ስልጣን መሰረት ብዛዕባ ኤኮኖምን ሃብቲ ገንዘብን ዝምልከት ዕለት 26 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ናብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ብዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዝመሓደር ዝነበረ ናይ ሃብቲ ገንዘብን ናይ ቅድስቲ መንበር ንብረትን ናይ ምምሕዳር ስልጣን ናብቲ ናይ ሓዋርያዊ መንበር ንብረት ኣመሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ይመሓላለፍ ውሳኔ ዝተነብሮ ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2021 ዓ.ም. ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ሓድሽ ሕጊ ከምዘጽደቑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እዚ ቅዱስነቶም ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ ናይ ቅድስቲ መንበር ሃብቲ ገንዘብ ኣብ ምውፋርን ግልጽነት ዝብልን ናይ ምቁጽጻር ስርዓት ዘበርትዕን ክኸውን እንከሎ፡ እዚ ኸኣ ቅዱስነቶም ሕዳሴ ዘበግሱ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ናይ ሕዳሴ ኪደት እውን ባዕሎም ዘሰንዩ ምዃኖም ዘረጋግጽ ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣብቲ ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ መእተዊ፥ “ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ኤኮኖምን ቁጠባን ንጥፈታት ኵሉ ናይ ቅጽጽርን ጥንቁቕን ኣተኵሮን ምሕደራዊ ውዳበ ንዝበለጸን እዚ ኸኣ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣባይቲ ምሕደራ (ኵርያ ሮማና) ኪደት ሕዳሴ መሰረታዊ ናይ “ግልጽነትን ስሉጥነትን ናይ ሓላፍነትን ንፍጠትን ግልጺ ምክፍፋል” ክህሉ ዝገብር” ምዃኑ የመላኽቱ። በዚ መርገጺ ሓሳብ’ዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ብቕረባን ብቐጥታን ነዚ ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾ ንናይ ኵርያ ሮማና ንፍጠት ኣገዳሲ ናይ መወከሲ ነጥቢ ዝውክል ምዃኑን ናይ ሓላፍነትን ንጥፈታትን ክፍፍል ኣገዳስነቱ ብዕምቆት ዘብርህ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

29 December 2020, 20:36