ኣብ ዓመት ምፍንታት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀረባውነት ኣብ ዓመት ምፍንታት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀረባውነት  ርእሰ ዓንቀጽ

ኣብ ዓመት ምፍንታት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀረባውነት

እቲ ዘይርሳዕ ዕለት 27 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝናምን ቁርን ኣብ ዝነበረሉ ዕለት ንበይኖም ብየማንን ጸጋምን ናይ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያንን ስቑል ኢየሱስ ዘቅዱስ ማርቸሎን ቅዱሳት ምስሊ ኣብ ዝተነብረሉ መንበረ ጸሎት በይኖም እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ከናግፈና ጸሎት ልመናን ምህለላን

2020 ዓ.ም. ብዘይ ሓዋርያዊ መገሻን ብኣካል መእመናንን መንፈሳውያን ነጋዶን ዘሳተፈ ውሑድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮታት ዝተኻየደሉን እዩ፡ ይዅን ደኣ እምበር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ብቐጥታ ብመራኸቢ ብዙሓንን ብመረብታዊ ውሕዘትን ዝመሓላለፍ ብዝነበረ ወትሩ ንጐሆ ብዘቕረብዎ ዝነበሩ መስዋዕተ ቅዳሴን ሓጺር ስብከትን ኣስተንትኖን ንዅሉ የሰንዩ ነይሮም፥ ነዚ ዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ መራኸቢ ብዙሓን ዋና ርእሰ ዓንቀጽ ኣሰናዳኢ ኣንድረያ ቶርኒየሊ - Andrea Tornielli  ኣብ ዘውጽእዎ ርእሰ ዓንቀጽ ክኸውን እንከሎ”

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም ነፍሲ ወከፍና በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ብዘስዕቦ ጸገም ኵሉ ብጥልቂ ዝተተንከፉ እዮም፡ ብዘይ ሓዋርያዊ መገሻታትን ምእመናን ዘሳተፈ ውሑድ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮታትን ውሱን ርክባትን ናይቲ ለብዒ ደረጃ መሰረት ዝተወሰነ ኮይኑ ርክብን ምስ ምእመናን ሰላም ምብህሃልን ኣብ ዘይተኻአለሉ እዋን ቅዱስነቶም ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተልእኾኦም በቲ ብስነ ኣሃዝ ዝተራቐ መጋበርያ ብምጥቃም ንዅሉ ቀረባን ካብ ቤቶም ብማሕበራዊ መረብትን ብስልክን እናተረኸቡን ክፍጽሙ ዝተራእየሉ ዓመት እዩ።

ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተካየደ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ዘቕረቦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ መሰረት ቅዱስነቶም Querida Amazonia - ዝተፈተኺ ኣማዞን  ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ቀቅድሚ እቲ ለብዒ ምክሳቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ከምዝለገሱን፡ በቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣቢሎም ብዛዕባ ኣማዞንን ኣብ ልዕሊ ኣማዞንን ተወለድቲ ደቀባት ኣማዞንን ዝፍጸም ዓመጽ ብምምልካት ኣማዞንን ሕዝባን ምዕቃብ ንመላእ ዓለም ምክንኻን ማለት ምዃኑ ብምሕባር ክንክን ተፈጥሮን ፍጥረትን ማሓድሮን የተባብዑን ኣብዚ መዳይ’ዚ እውን ምዕዳን የቕርቡ፡ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ኣማዞን ተክለ ሰብነታ የመላኽቱ፡ ኮቪድ - 19 ናይ ምልባዕ ደረጃኡ ትሕት ምስ በለ እውን ውሑዳት ምእመናን ዘሳተፈ እንተወሓደ ካብ ኢጣሊያ ዝመጹ ምእመናን ዘሳተፈ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምቕራብ ከምዝጀመሩን ዝሓለፈ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. እውን Fratelli tutti - ኵላትና ኣሕዋት  ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽ ለጊሶምን፡ ነቲ ጽልእን ዓመጽን ኢጐነትን ንምብዳህ ሕውነትን ማብራዊ ምሕዝነትን መልሲ ምዃኑ የተሓሳስቡ።

እቲ ዘይርሳዕ ዕለት 27 መጋቢት 2019 ዓ.ም. ቅዱስነቶ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝናምን ቁርን ኣብ ዝነበረሉ ዕለት ንበይኖም ብየማንን ጸጋምን ናይ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያንን ስቑል ኢየሱስ ዘቅዱስ ማርቸሎን ቅዱሳት ምስሊ ኣብ ዝተነብረሉ መንበረ ጸሎት በይኖም እግዚኣብሔር ካብቲ ለብዒ ከናግፈና ጸሎት ልመናን ምህለላን ዘቕረቡልን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዝፈጸምሉን ስቑል ኢየሱስ ክስዕሙን ሮማን መላእ ዓለምን ድሕሪ ዝፈጸመዎ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ፊት ቅዱስ ቁርባን ቡራኬ ክህቡ ከምእተራእየ እውን ዝዝከር እዩ።

እቲ ዝፍጸመዎ መንፍሳዊ መደብ ኣብ ሰሜንን ደቡብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ኣፍሪቃን እስያን ብራዲዮን ብተለቪዥንን ከም እምተመሓላለፈን እቲ ናይ ኵሉ ልቢ ዝተንከፈ ኸኣ ኣባይቲ ስድራ ተንበኪኾም ነቲ ናይ ጸሎትን ቡራኬን መደብ ክከታተሉ ምርኣይ እዩ።

ካልእ ሓደ ካብቲ ዘይርሳዕ ቅዱስነቶም ኣብ 2020 ዓ.ም. ዘከናወንዎ ፍጻሜታት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዓለም ኣብዚ እዋን ፍርሕን ጥፍኣትን ወትሩ ንጐሆ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብቲ እዋን ለብዕን ተወሸበን ምፍንታትን ቅልውላው ክንክን ጥዕና ኣብ ዝተረኣየሉ እዋን ብመራኸቢ ብዙሓንን ብመረብታዊ ውሕዘትን ብዝመሓላለፍ ብዘዕረግዎን መስዋዕተ ቅዳሴን ብዝለገስዎን ኣስተንትኖ ኣቢሎም ቀረባ ብምዃን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ብምእታው ዝገለጽዎ ቅርበት እዩ፡ መስዋዕተ ቅዳሴን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ሓጺር ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ዝለገስዎ ኣስተንትን መሰረትኖ ንዙሓት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኣብ እምነት ኣጽኒዖም ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ኣጸናኒዕምን እዮም።

ማሕበራዊ ምፍንትታ ኣብ ዝነበረሉ እዋን እግዚኣብሔር ንሕዝቡ ቅረባ ምዃኑ መስኪሮምን ኵላዊ ጓሳ ነቲ ዝቖሰለ ሕዝብን ኣባይቲ ስድራን ቀረባ ኮይኖም ኣሰንዮምን የሰንዩ እውን ኣለዉ፡ ኣብ ዓመት ምፍንታት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀረባውነት ተመስከረ።

(Andrea Tornielli)

29 December 2020, 20:41