ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2020 ዓ.ም.፥ ኣብ እዋን ለብዒ ናይ ጸሎት ሓይሊ

ኣብ ኣደባባያትናን መገድታትናን ከተማታትናን ጹዑቕ ጸልማት ዝረኣየሉ ኰይኑን ዘደንጽው ጽሞና ንዅሉ ዝዓበለለሉን፡ ዘሰንብድ ባዶነት ኵሉ ዘልምስን ኣብ እዋናዊ ሃዋሁን ወስታን ጠመተን ኩሉ ልምሰት ዓብሊልዎ ኣብ እንርእዮ፡ ፍርሕን ምጥፋእን ዝኸበበና፡ . . . መስቀሉ ምሕቛፍ ማለት ኩሉ ዘጋጥምን ህልው ኩነታትን ብትብዕት ምቕባል ማለት እዩ

2020 ዓ.ም. ብምኽንያት ኮቪድ - 19 ነዚ ስዒቡ ብዝተኣታተወ ቅልውላው ክንክን ጥዕና ንጥፈታትን ምንቅስቓሳትን ኵሉ ደው ኣቢሉን ሃገራትን ሕዝብታትን እውን ኣረሓሒቑን ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብ መንጐ ኣባላት ሕብረተሰብ ምፍንታት ኣስዒቡን ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ኣብ ዝንበረሉ እዋን ቅዱስ ኣቦና ንሓይሊ ጸሎት ምስጋና ይዅን ንምእመናንን ንዅሉ ብጸሎት ቀረባ ምዃኖም ዝተረጋገጸሉ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ዕለት 8 መጋቢት 2020 ዓ.ም. ንፈለማ ግዜ ከምቲ ልሙድ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝርከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ዘይኮነ ኾሮና ተህዋስ ናይ ምልባዕ ኪደቱ ንምቁጽጻር ዝብል ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋግ ብምኽባር ካብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ዝርከብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ብናይ ምስማዐ ርእየትን መረብታዊ ውሕዘትን ናይ ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣስተንትኖ ኣቕሪቦምን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎምን ቃሎም ዝለገሱላ ፋልማይት ዕለት እያ። ተረሓሒቕና እውን እንተለና ኣነ እርእየኵምን ብጸሎተይ እውን ቀረባኹም እየ እንክብሉ ከምዘረጋገጹ ይዝከር።

ዕለት 27 መጋቢት ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ዕለተ ዓርቢ እቲ ዘይርሳዕ ቅዱስነቶ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝናምን ቁርን ኣብ ዝነበረሉ ዕለት ንበይኖም ኣብ ቅድስተ ማርያን ድሕነት ሮማውያንን ስቑል ኢየሱስ ዘቅዱስ ማርቸሎን ቅዱሳት ምስሊ ብየማንን ብጸጋምን ኣብ ዝተነብረሉ መንበረ ጸሎት በይኖም እግዚኣብሔርን ካብቲ ለብዒ ከናግፈና ጸሎት ልመናን ምህለላን ዘቕረቡልን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ፍዝነበሩሉን ስቑል ኢየሱስ ክስዕሙን ሮማን መላእ ዓለምን ድሕሪ ዝፈጸመዎ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ፊት ቅዱስ ቁርባን ቡራኬ ክህቡ ከምእተራእየን ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ኣብ ኣደባባያትናን መገድታትናን ከተማታትናን ጹዑቕ ጸልማት ዝረኣየሉ ኰይኑን ዘደንጽው ጽሞና ንዅሉ ዝዓበለለሉን፡ ዘሰንብድ ባዶነት ኵሉ ዘልምስን ኣብ እዋናዊ ሃዋሁን ወስታን ጠመተን ኩሉ ልምሰት ዓብሊልዎ ኣብ እንርእዮ፡ ፍርሕን ምጥፋእን ዝኸበበና፡ . . . መስቀሉ ምሕቛፍ ማለት ኩሉ ዘጋጥምን ህልው ኩነታትን ብትብዕት ምቕባል ማለት እዩ። … ንናይ መንፈስ ቅዱስ መሃዝነት ቦታ ምሃብ ማለት እዩ። … ኣብ መስቀሉ ድሒንና ኢና … ተስፋ ንምሕቛፍን ካብ ፍርሒ ኵሉ ዘናግፈና እምነት መታን ክንቕበል ንጐይታ ንቀበሎ! ከምዝበሉ ይዝከር።

ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ጸሎትን ፈውስን ብጹዕነትን

ር.ሊ.ጳ. ኮቪድ - 19 ኣብ ዝተኸስተሉ እዋን ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋግ ብምኽባር፡ ከምቲ ልሙድ ኣብ ሃገር ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ወይ ውን ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘይኮነ ካብቲ ኣብ ሓዋርያዊ መንበር ካብ ዝርከብ ቤተ መጻሕፍት ብምስማዐ ርእየትን ብመረብታዊ ውሕዘትን ኣብ ጸሎት ኣማእኪሎም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ረቡዕ ዘቕረብዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህርቶ ትምህርተ ክርስቶስን ቀጺሎም፡ ዕለት 7 ጥቅምቲ ኣብ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ፥ ጸሎት ናይ እምነት እስትንፋስ እዩ . . . ካብቲ ብሓቂ ዝኣምንን ኣብ እግዚኣብሔር እምነቱ ዘንብርን ልቢ ዝቐርብ ገዓር እዩ” ቢሎም “ጐይታ ንዓለም ፈውስ” ኣብ ዝብል ጸሎት ኣማእኪሎምን ከምኡ እውን ኾሮና ተህዋስ ንምብዳህ ብዝካየድ ናይ ስነ ሕክምና ንስነ ምርምር ዝርከብ ፈውስን ክትባትን ንርኹባት ጥራሕ ከይኸውን ተላብዮም፡ ኵላውን ድኻታትን ስኡናትን ዘቐድም ክኸውን ጻውዒት ዘቕረቡሉን ደሓር እውን ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ረቡዕ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ኣብቲ ብጹዓን እያቶም ዝብል ኮይኑን ብምረብታዊ ውሕዘት ዝተመሓላለ ከምዝነበረ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ዝተመሓላለፈ መስዋዕተ ቅዳሴ

ካልእ ሓደ ካብቲ ዘይርሳዕ ቅዱስነቶም ኣብ 2020 ዓ.ም. ዘከናወንዎ ፍጻሜታት እውን ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዓለም ኣብዚ እዋን ፍርሕን ጥፍኣትን፡ ወትሩ ንጐሆ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ሰዓት ሸውዓት ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት፡ ኣብዚ እዋን ለብዕን ተወሸበን ምፍንታትን ቅልውላው ክንክን ጥዕና ኣብ ዝረኣየሉ እዋን ብመራኸቢ ብዙሓንን ብመረብታዊ ውሕዘትን ዝመሓላለፍ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ዝለገስዎን ኣስተንትኖ ኣቢሎም ቀረባ ብምዃን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት ብምእታው ዝገለጽዎ ቅርበት እዩ፡ መስዋዕተ ቅዳሴን ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባንን ሓጺር ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣሞርኵይዞም ዝለገስዎ ኣስተንትኖን መሰረት ንዙሓት ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዜጋታት ኣብ እምነት ኣጽኒዖምን ኣብ ስቓይን መከራን ዝርከቡ ኣጸናኒዕምን እዮም። እታ ናይ መወዳእታ ብቐጥታ ዕለት 18 ግንቦት 2020 ዓ.ም. ምስ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ውልደት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ካብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተመሓላለፈ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴን ደሓር እውን ኣብቲ ትሕቲ መሬት ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ ናብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ ነጊዶም ኣብቲ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተቐበርሉ መንበር ታቦት ፊት ተረኺቦም ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ብፍሉይ ዝዝከር ምዃኑ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽትን ዝተፈተኺ ኣማዞን ድህረ ሲኖዶስ ሃዋርይዊ ምዕዳንን

ቅዱስ ኣቦና እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ዝተካየደ ዛዕባ ኣማዞን ዝመኸረ ሲኖዶስ ዘቕረቦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ መሰረት ቅዱስነቶም Querida Amazonia - ዝተፈተኺ ኣማዞን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ 2020 ዓ.ም. ቀቅድሚ እቲ ለብዒ ምክሳቱ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ከምዝለገሱን፡ በቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣቢሎም ብዛዕባ ኣማዞንን ኣብ ልዕሊ ኣማዞንን ተወለድቲ ደቀባት ኣማዞንን ዝፍጸም ዓመጽ ብምምልካት ኣማዞንን ሕዝባን ምዕቃብ ንመላእ ዓለም ምክንኻን ማለት ምዃኑ ብምሕባር፡ ክንክን ተፈጥሮን ፍጥረትን ማሓድሮን የተባብዑን ኣብዚ መዳይ’ዚ እውን ምዕዳን የቕርቡ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ተክለ ሰብነት ኣብ ኣማዞን የመላኽቱ፡ ኮቪድ - 19 ናይ ምልባዕ ደረጃኡ ትሕት ምስ በለ እውን ውሑዳት ምእመናን ዘሳተፈ እንተወሓደ ካብ ኢጣሊያ ዝመጹ ምእመናን ዘሳተፈ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ምቕራብ ከምዝጀመሩን ዝሓለፈ ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. እውን Fratelli tutti - ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽ ለጊሶምን፡ ነቲ ጽልእን ዓመጽን ኢጐነትን ንምብዳህ ሕውነትን ማሕብራዊ ምሕዝነትን መልሲ ምዃኑ ብዕምቆት ከምዘብርሁን፥

ዝኽሪ ሓምሻይ ዓመት ይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽቲ

ቅነ ይሴባህ ክካየድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዕቲ ምኽንያት ኣብ ዓለም ዝረክቡ ዝተፈላለዩ ካቶሊካውያን ማሕበረሰብን ብጭቡጥ ኣብ ዓለም ዝረከባ ቁምስናታትን ሰበኻታትን ገዳማውያን ማሕበራት ልኡካነ ወንጌልን ማሕበራውያን ክውነታትን ኣባይቲ ትምህርትን ተቕዋማትን ብሓባር ናይ ሓባር ቤትና ማለት ፍጥረትን ተፈጥሮ ንምዕቃብ ዘድልዩን ኵለንተናዊ ምሉእ ስነ ማሓድሮን “ኵሉ ተማራዃሲ እዩ” ብዝብል መርሕ ቃል ዝተሰነየ፡ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታትን ዓውደ ጉባኤታትን ናይ ጸሎት መደባትን ምክንያዱን፡ “ተኸሲቱ ንዘሎ መሓድሮኣዊ ቅልውላውን ናይ ምድርን ድኻታትን ገዓር መልሲ ምሃብ ይጽንሓለይ ክበሃል ዘይግብኦ ተግባር ምዃኑን፡ ዓለም ሓቆፍ ቅነ ይሴባሕ” ንዝሳተፉ ኵሎም፥ መሓድሮ ብምክንኻን ንናይ ምድርን ድኻታትን ገዓር ሓደራ መልሲ ኣብ ምቕራብ ክተግሁን፥ “ንመጻኢ ወለዶ እንታይ ዓይነት ዓለም ኢና ሓዲግናሉ ክንሓልፍ እንደልይ” ዝብል ሕቶ ዘቕረቡሉን፡ “እንታይ ዓይነት ዓለም ጥራሕ ዘይኰነ እንታይ ዓይነት ትርጉም ሕይወትን ንሓደ ሕብረተሰብ መሰረት ዝዀኑ እንታይ ዓይነት ክብርታትን ኢና እንሓድገሉ ዘሎና” ዝብል ሕቶ ብኣጽንዖት ዘቕረቡሉን “ኵሉ ፍጥረት ናይቲ ሕያዋይ ኣምላኽ ስራሕን ፍቓድን” ምዃኑ እውን ብሰፊሕ ዘብርሁሉ ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ፍሉይ ዓመት ስድራ ቤት፥ “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት” 

ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕይወትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ኣብ ቅድሚ ናይ እዋንና ዓበይቲ ብድሆታት ኣባይቲ ስድራ ዘሰንይ መንፈሳውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ባህላውን ተበግሶታት ክኽወን ሓሳብ ከምዘቕረበን በዚ መደብ እዚ እውን ቁስምናታትን ሰበኻታትን ኣባይቲ መንበርን ዝተፈላለያ ማሕበራት ዓመት “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ክበዓል ዕለት 27 ታሕሳስ 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዓዲሞም ኣብታ ናይ ፍቕሪ ሓሴት ዘርእስታ ድህረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ፍሉዩ ኣስተንትኖን መሰረታዊ መልእኽታን ብዕምቆት ክስትንተንን ክውሰጥን ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ፥ ብዛዕባ ጽባቔን ሓሴትን ስድራ ቤታዊ ፍቕሪ ብዕምቆት እተብርህ ናይ ፍቕሪ ሓሴተ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶ ንንባብ ዝበቓዓሉ ዕለት 21 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ዝኽሪ መበል ሓምሻይ ዓመት ምኽንያት ዕለት 26 ሰነ 2022 ዓ.ም. ኣብ ሮማ ምስ ዝኻየደ ዓስራይ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት ተተሓሒዙ ዝዛዘም ፍልዩ ዓመት “ስድራ ቤት ናይ ፍቕሪ ሓሴት”  ከምዝጸውዑን እቲ ኣብቲ ኣብ ሮማ ንኽካየድ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ስድራ ቤት እውን ር.ሊ.ጳ. ብኣካል ከሳተፉ ምዃኖም ናይ ዓለማውያን ምእመናን ስድራ ቤት ሕይወትን ጉዳይ ዝከታተል ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት መግለጺ ጠቒሱ የዘኻኽር።

ፍኖተ መስቀልን ሮማ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ስፓይና ኣብ ቅድሚ ምስሊ ቅዱስተ ማርያም ፊት ናይ ጽሞና ጸሎት

ተላባዒ ለበዳ ኮቪድ 19 ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ክህሉን ኩሉ ኣብ ቤቱ ክውሸብ ካብ ዝተወሰነሉ ዕለት፡ ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋገ ምኽንያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘይ መንፈሳውያን ነጋዶን ምእመናንን ባዶ እውን እንተነበር ብብርሃን ሽግን ብመስቀል ኢየሱስን በሪሁን ደሚቑን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተመርሔ ጸሎት ፍኖተ መስቀል ከምዝዓረገ ይዝከር።

Via Crucis – Via Lucis - ፍኖተ መስቀል - ፍኖተ ብርሃን፥ መስቀልን ብርሃንን ኣብቲ ስቃይ ናይ ዝመውት ኢየሱስ ሰብኣዊ ፍጥረት ተወልደ፡ ሰማዕትነቱ ውሕስነት ዘለዓለማዊ ሕይወት እዩ፡ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ መቓብር ስፍራ ነቲ ዝዓረገ ፍኖተ መስቀል ድሕረ ባይታ ከምዝኾኖን፡ ባዚሊካን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዘይ መንፈሳውያን ነጋዶን ምእመናን ክትርእዮ ዘይሕሰብ እውን እንተዀነ፡ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምርሕሓቕን ኩሉ ክውሸብን ግድን ዝብል ብምዃኑ ባዶ እውን እተመሰለ ኣብ ትሕቲ መስቀል ኵላትና እቶም ዝተሰዓርናን ዝተነዓቕናን ሓያልን ኩሉ ኣብ ቅድሚ ዓይኒ እግዚኣብሔር ማዕረን ኢና።

ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ባዶ፡ ይኹን ደኣ እምበር እቲ ካብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ማርቸሎ ቅዱስ ኣቦና ክሳብ በዓለ ፋሲካ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ክንበር ዝገበርዎ፥ እቲ ለብዒ ክብቕዕ ጸሎት ኣብ ዘዕረግሉ ዕለት 27 መጋቢት ኣብቲ ፍኖተ መስቀል ዝተኻየደሉ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እውን ድሕሪ መንበረ ታቦት ተነቢሩን፡  በቲ ፍኖተ መስቀልን መብራህቲ ሽግን ብመስቀለ ክርስቶስን ደሚቑ ከምዝነበረን ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ባዶ እውን እንተነበረ ናይ ኩሉ ሕቶን ሓቅን ናብ መስቀለ ክርስቶስ ብዝጥምታ የዕንቲ ዝተመልኤ እዩ ዝነበረ።

ብላቲን ስርዓተ ኣምልኾ ዕለት 8 ታሕሳስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብዘይ ኣዳም ሓጢኣት ተጸንሰት ዝብል ናይ ቤተ ክርስቲያን ሃመናዊ ናይ እምነት ውሳኔ መሰረት ክብረ በዓለ ጸንሰታ ለማርያም ምኽንያት፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ከምቲ ብናይ ቤተ ክርስትያን ባህሊ ኣብ ቅርዓት ስፓይና ኣብ ዘሎ ናይ ንጽሕት ድንግል ማርያም ሓልወልቲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ብናይ ሮማ ቤት ምኽሪ ምሕደራን ከንቲባን ናይ መንግስቲ ኣካላትን ብናይ ሰበኻ ሮማ ህየንተ ተሰንዮም ንኽብር ንጽሕቲ ድንግል ማርያም ቁኑን ዕንባባ ኣንቢሮምን ሮማን ተቐማጦ ሮማን ንማርያም ኣወኪፎም ናይ ሕልና ጸሎት ከምዘዕረጉን ከምቱ ልሙድ መንፈሳዊ ንጋዶ ከምዘይተረኽቡን ስብከት ናይ ምቕራብ ስነ ስርዓት ከምዘይተፈጸመን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ኣስዒቦም ናብ ጳጳሳዊ ዓቢይ ባዚሊካ ቅድስተ ማርያም መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞም ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ግሊ ጸሎት ኣዕሪጎም ኣብቲ ባዚሊካ ኣብ ዝርከብ ኣብ ቤተ ጸሎት ዘልደቱ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ የዘኻኽር።

ኣብ በዓለ ፋሲካ ናይ ር.ሊ.ጳ. ቡራኬ ንሮማን መላእ ዓለምን

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ነቲ ብኡርቢ ኤት ኦርቢ ዝፍለጥ ንከተማ ሮማን ንመላእ ዓለምን ካብ ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዓበይቲ በዓላት ዝህብዎ ምሉእ ስሬት ሓጢኣት ዘጸግው ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንዓይ ይጥዓመኒ ንዝብል ናይ ኢጐነት መንፈስን ሸለልትነትን ምጉጅጃልን ገዲፍና ምናዳ ኣብዚ ብኮቪድ 19 እንጥቀዓሉ ዘሎና ሁመት ንብጾትና ምርሳዕ ወጊድ ኢልና ተስፋ ክንዘርእ ንዅሉ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብሚልዮናት ንዝቊጸሩ ኣብ ገገዛኦም ተዓጽዮም ብመሳኹቲ ተለቪዥንን መራኸቢ ብዙሓንን ዝተኸታተልዎ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብምኽንያት ተወሸብ ብዘይ ሓደ ምእመን እውን ባዶ እውን እንተነበረ `ክርስቶስ ተስፋይ ካብ ሞት ተንሲኡ' እንክብሉ ደጊሞም ናይ ለምዘበን መልእኽቲ ተስፋ ፍልይ ዝበለ ኰይኑ ካብ ልቢ ናብ ልቢ ዝሰጋገር ተመሓላላፊ ተስፋ ስለዝኾነ ካብ ልቦም ናብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰማዒኦም ካብኡ ካብ ልቢ ሓደ ናብ ልቢ ሓደ እናተሰጋገረ ነቲ ብኮቪድ 19 ዝቐሃመ ዝመስል ዘሎ ብናይ ተስፋ ብርሃን ዳግም ብምኹላዕ ንኩሉ ዝኸውን ናብ ኩሉ ዝመሓላለፍ ጸጋ እዩ ኢሎሞ።

ኣብ ጉዳይ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕግን ፍትሕን ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ኤኮኖምን ዘተኣታተውዎ ሕዳሴን ኣብ ግብሪ ዝወዓለሉን፡ እቲ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበር ሕዝባዊ ረፓብሊካዊት ቻይና ዝተኸተመ ናይ ክልተ ዓመት ግዚያዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ዝተሓደሰሉ ዓመት እውን እዩ።

ነበር ካርዲናል መክካሪክ ዘማእከለ ሰነድን ር.ሊ.ጳ. ነቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ቅርበቶምን

ዛዕባ ተግባር ነበር ካርዲናልን ነበር ናይ ዋሽንግቶን ሊቀ ጳጳሳትን ደሓር እውን ማዕርገ ክህነቶም ዝተቐንጠጡን ጉዳይ ብንጹር ዘብርህ ኣብ ዝተወሃቡ ምስክርነት ዝተሞርኮዘ ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሰነድ ብዛዕባ ነበር ካርዲናል ተዎዶረ ኤድጋር ማካሪክ (1930 – 1917 ዓ.ም.) ቅድስቲ መንበር ተቛማዊ ኣፍልጦን ውሳኔ ናይ ምትሕልላፍ ኪደት ብዝብል ኣርእስቲ ወግዓዊ ዝኾነ ሰነድ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ዝወሰደቶ ስጉምቲ ገሊጾም ነቶም ናይ ዓመጽ ኣደዳ ንዝኾነ ኵሎም ቅርበቶምን ጸሎትምን ከምዘረጋገጹ እውን ይዝከር።

ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ

13 ሓደስቲ ካርዲናላት ክሰምዩ ምዃኖም ዕለት 25 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ ሓቢሮምን ዕለት 28 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ማዕርገ ካርዲናል ከምዝሰርሑን፥

ሓዋርያዊ መገሻታት

ቅዱስነቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት 2020 ዓ.ም. ኣብ ማልታ ንኸካይድዎ ተወሲኑ ዝነበረ ሓዋርያዊ መገሻ ብምኽንያት ልብዒ ኮቪድ - 19 ምስግጋሩን ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም.  ውግእ ክንለማመዶ ዘይግብኣና ጽላለ ምዃኑን፡ ፈላላይ መናድቕ ኣይነቕውም፡ ኣብ ማያት ባሕሪ ሰኣን ሓገዝ ምቕራብ ዘጓንፍ ሞት ከም ቅቡል ኣይንሕሰቦ ዝብል ሓሳብ ብዘስመሩሉ ቃለ ምዕዳን ዕለት 23 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዝተዛዘመ ነቲ ብምኽንያት ካብ ዕለት 19 ለካቲት ተበጊሱ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ባሪ ዝተኻየደ ናይ መላእ ሃገራት ዞባ መዲትራኒያን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ዓውደ ርክብ መዕጸዊ ከምእተረኸቡን ዕለት 3 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም.  ኣብ ኣሲዚ ቅዱስ ስፍራ ብግሊ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣካይዶም እታ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስታ ዓዋዲት ምልእኽቶም ከቲሞም ወግዓዊ ንኽገብሩ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽታት ር.ሊ.ጳ.

ኣብ 2020 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽታት ብቐንዱ ዕለት 3 ሚያዝያ ንኣባይቲ ስድራን 25 መስከረም ናብ መበል 75 ዓመት ናይ ውድብ ሕቡራት መግንስታት ዓለም ዓውደ ጉባኤ መራሕቲ ሃገራትን ዕለት 10 ታሕሳስ ካብ ሃገረ ቫቲካን ብመረብታዊ ውሕዘት ኣብ ቅልውላው ሶሪያን ዒራቕን ኣማእኪሉ ናብ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ዓውደ ጉባኤ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽትን ዜና ቫቲካን ጠቒሱ፥

መደብ ሓዋርያዊ መገሻ ናብ ዒራቕ፥ ንናይ መጻኢ ድልድል

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ካብ 2019 ዓ.ም. መወዳእታ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ሓዋርያዊ መገሻ ከምዘየካየዱ ክዝከር እንከሎ፡ ብናይ ረፓብሊካዊት ዒራቕ መንግስትን ኣብ ዒራቕ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ብዘቕረብሎም ዕድመ መሰረት ካብ ዕለት 5 ክሳብ ዕለት 8 መጋቢት 2021 ዓ.ም. ኣብ ዒራቕ ሓዋርያዊ መገሻ ከካይዱ ኣብ ባቕዳድን ኣብቲ ምስ ታሪኽ ኣብርሃም ዝተተሓሓዘ ታሪኻዊ ስፍራ ሰጣሕ ጐልጐል ኡርን ኣብ ከተማ ኡርቢልን ኣብ ሞሱልን ቃርቆሽን ኣብ ሰጣሕ ጐልጐል ነነዌን ምብጻሕ ከካይዱ መደብ ከምዘለዎም የመላኽት።

Photogallery

ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ 2020 ዓ.ም.
30 December 2020, 18:14