ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፥ “ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ”፥ ሚዛን ምዕባለ ሰብኣውነት እዩ

ክቡራት መንእሰያት ሎሚ ሕውነትን ጽልእን ቅሬታን ዘጉሃህሩ ዘይኮነ ናይ ክልኦት ምውዳቕ ናቶም ዝገብሩ ካልአ ሕያዋይ ሳምራዊ ምዃንና እንገልጸሉ ኣብ ቅድሚ ዓቢይ ኣጋጣሚ ፊት ንክርብ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. እቲ “ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ሓባሪ መስመርን ኣተሓሒዞም እውን ኤኮኖሚ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝጥምት ተኣፋፍያን ዘይርስዕን ናይ ኤኮኖሚ ለውጢ ራእይ ንምቕራብ ዝዓለመ ኣብ ኣሲዚ ዝጠለብዎ ካብ 115 ሃገራት ዝተዋጽኡ መንእሰያት ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን ተመራመርቲ መናብርተ ጥበብ ኣሳቲፉ ዕለት 19 ሕዳር ተበጊሱ ዕለት 21 ሕዳር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእክቲ ከምእተዛዘመ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ዝተፈልየ ኤኮኖሚ፥ ዘንብር እምበር ዘይቐትል፡ ዝሓቑፍ እምበር ዘይንጽል፡ ሰብኣዊ እምበር ኢሰብኣዊ ዘይገብር፡ ተፈጥሮ ዝከናኸን እምበር ዘየባድም” ንዝብል ኣምር መርሕ ገይሮም ዝጸውዕዎ ዓውደ ጉባኤ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ንመዛዘሚ ዕለት 21 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየተ መልእኽቲ፥ ክቡራት መንእሰያት! እንክብሉ መልእኽቶም ኣበጊሶም፡ ሎሚ ኣሕዋት ምዃንና ኣብ ሓደ ተሓባባርን ስሙርን መጻኢ ሕይወት ሕያዋይ ሳምራዊ ምዃን ኣብ እንገልጸሉ ዓቢይ በዳሂ ኵነት ፊት ንርከብ” እንክብሉ ኣበጊሶም፥ እቲ “ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ” ዓውደ ርክብ መባጼሓዊ ንቑጣ ዘይኮነ ናይ ሓደ ኪደት ደራኺ ተበግሶ እዩ” ከምዝበሉን እቲ ዓለም ሓቆፋዊ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ከምቲ ቅድም ክብል ኣብ ኣሲዚ ንኽካየድ ተወሲኑ ዝነበረ ኣብ ወርሒ መጋቢት ዘይኮነ ዕለት 19 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ተበጊሱ ዕለት 21 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን ከምእተዛዛመን፡ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ቀንዲ ተዋሳእቲ እቶም ጫጫውታን ኣፍኣውን ምስ ግዜ ዝሓልፍ ተታኻሳይን ሃለዋቶም ዘጥፍኡ ዘይኮኑ ናይ ኪደት ደረኽቲ እያቶም ምእንቲ’ዚ ብጸዋዕታን ብባህልን ብውዕልን ክነብሩ ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ኣሲዚ ጸዋዕታ

“ብዝተፈላለየ መዳይ እዋናዊ ናይ ዓለም ስልቲ ኢዘላቒ እዩ፡ ናይ ኣሲዚ ቅዱስ ኣሰር ብምስዓብ ናይ ሓባር ቤትና ክንዕርይ ዝከኣል እዩ፡ ካብቲ እዋናዊ ናይ ኤኮኖሚ ኪደት እውን፡ ቀንዲ ዝተሃስየት ሓብትና መሬት እያ ኣዚያ ዝተጐድአትን ዝዓኣረቐተን ድኻታትን ዝተነጸሉን እውን፡ እቶም ዝተረስዑን”፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም ብቐጥታ ነቶም ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንት መንእሰያትን መንእሰያት ሰብ ትካላትን፥ “ኣብ ከተማታትን መናብርተ ጥበብን ኣብ ናይ ስራሕ ዓለምን ኣብ ናይ ሰራሕተይናታት ማሕበራትን ኣብ ትካላትን ኣብ ምንቅስቓሳትን ኣብ ናይ ሕዝብን ናይ ግልን መዋቕራትን ጽልዋ ክህልወኩም ዝተጸዋዕኵም ኢኻትኵም”

ናይ እዋናዊ ከቢድ ጸገም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣዚዩ ክጐልሕን ክብእስን ገይርዎ እዩ፡ እዚ ኸኣ ናይ ኩሎም ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ተዋሰእትን ናትናን ናታትኩም ዓቢይ ግደ ናይ ዘለኩም ሓላፍነት ዝተመልኦ ኣስተውዕሎ ይጠልብ፡ ናይ ተግባራትናን ውሳኔታትናን ሳዕቤን ይትንክፈናን ስለዚ ንኣኻትኩም እውን ዝትንክፍ ብምዃኑ ካብቲ ዘፍርይ ስፍራ ወጻኢ ክትኰኑ ኣይትኽእሉን፡ እዚ ኸኣ ኣብ መጻኢ እናማዕደውዅም ዘይኮነ ኣብ ህልው ኵነት እናሓሰብኵ እዩ፡ ካብቲ ዝፈጥርን ዘፍርን መጻእን ወጻኢ ክትኰኑ ኣይትኽእሉን፡ ወይ ተወሳእቲ ክኽትኮኑ እንተዘይኮነ ታሪኽ ኣብ ልዕለዅም እናረኣኽሞ ክሓልፈኵም እዩ!

ሓድሽ ባህሊ

ንናይ ኣሲዚ መንፈስን ንኤኮኖሚ እውን ከይትረፈ ልሳን ንምሃብ ለውጢ የድሊ፡ “መስርሕ ምብጋስ ኪደት ምሕንጻጽን ደረት ትርኢት ምስፍሕ ኣባልነት ምፍጣር”፡ በነዲክቶስ መበል 16 ዘኪሮም፥ “ጥምየት ካብ ዋሕዲ ግኡዛዊ ነገራትን ስእነት ግኡዛዊ ነገራትን ዝፈጥሮ ዘይኮነን፡ ናይ ማሕበራዊ ሃብቲ ሕጽረት እዩ፡ ምእንቲ’ዚ ናይ ሕይወት ኣገባብብ ናይ ምህርትን ኣህላኽነት ኣርኣያን ሎሚ ሕብረተሰብ ደው ዘብሉ መዋቕራትን ንምቛም ዘኽእል ሓድሽ ናይ ለውጢ ባህሊ ኣገዳሲ እዩ”፥

ብዘይ እዚ ሓደ’ኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ናይ ጸገማትን ናይ ገዛእ ርእሶም ዘይምርዋይን እሱራት ዘይኮኑ ማሕበረ ሰብኣውን ቕዋማውያን ጉጅለ ኣመሓደርቲ የድልዩና፡ በዚ እዩ ብዙሕ ግዜ እውን ሰኣን ፍላጥ ኣብ ቅድሚ ኢፍትሓውነት ክፍጸም ዘለዎ ተግባራት ዝለምሱን ነዚ ዅሉን ነቲ ኢፍትሓውነት ምኽንያታዊ ዝገብሩ ገለ ገለ ህልዮታት ተምበርካኺ ምዃን ዝብዳህ እውን በዚ ኣገባብ’ዚ እዩ፡

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ናይ ምርኻብ ባህሊ

ንሓድሽ ባህላዊ ኣመለኻኽታ ንዝድግፍ ለውጢ ህይወት ዝህብ፥ ማለት ንኤኮኖምን ፖለቲካን ማሕበራውን፡ ናብ ናይ ሓባር ረብሓ ጥልቂ ሰቂለ ህሊናነት ምምላስን ክንየው እቲ ቅቡል ዝኾነ ፍልልያትና ምርኻብን” ወሳኒ ስጉምቲ ምዃኑ ቅዱስነቶም ኣብሪሆም፡ ናይ ምርኻብ ባህሊ ዘቑመና እዩ፡ ልክዕ ከምቲ እቶም ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ዘዳለዉን ብመረብታዊ ውሕዘት ንኽራኸቡ ዝወሰኑን ነዚ ርክብ እዚ ክኡል ዝገበሩ መንእሰያት ከምዝምስክርዎ ዝዛተዩን ዝካትዑን ዝመኽሩን፡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ቅቡልን ኣገባብን ኮይኑ ዘሎ ጓሓፋይ ባህሊ ንምቅዋም። ሕስረትን ጸለመን ነቲ ከማኻ ዘይሓስብ መዛተይ ምስቲ ኵነት ዘይኸይድ ቢልካ ምንጻልን ክህሉ እንከሎ ናብ ጭቡጥ መፍትሕታት ንቕድሚት ምባልን ምምዕባለን ክንደይ የጸገም፡ ኣተሓሒዞም መጻኢ ይብሉ ቅዱስነቶም፡ ፍልዩ እዋን ክኸውን እዩ፡ ድላዮም ኣብቲ መምዘኒ ኣሃድ ቅጽበታዊ መኽሰብ ኣብ ዝብል ኤኮኖሚ ንኸዋድዱን ንኸቃልቡን ዝተበይኖም ኣይኮናን፥ ኵሉ ናይቲ ሓድሽ ኣብ ምርኻብ ዝተሰርተ ባህሊ ሰዓቢ ክኸውን ኣለዎ”፥

ብቅርጻዊ ደረጃ ድኻታት ኣብ ርክባትና ሓቢሮም ምሳና ክቕመጡን ኣብ ምውሳን ክሳተፉን ዕለታዊ እንጌራኦም ናብ ቤቶም ሒዞም ክኣትዉ ልክዕ ከማና ብቑዕ ክብሪ ከምዘለዎም ምቕባል የድሊ፡ እዚ ኣዚዩ ክንየው ተራዳእነትን ተመጽዋትነትን እዩ፡ ኣብ ፖለቲካናን ማሕበራዊ ኣገባባትናን ቀዳምነት ኣብ እንህቦ ምልዋጥን ምቅያርን ማለት እዩ።

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ናይ ኣሲዚ ውዕሊ

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ገለ ገለ ሕቶታት ይጽናሓለይ ዘይበሃሉን ዘይመሓላለፉን ከምዝኾኑ ኣዘኻኺሮም፡ ንኹሉ ዝድግፍ ናይ ኤኮኖሚ ስርዓት ክስጉም ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ከምቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ሕብርተሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ከምብዝሎ፥ መዋቕራትን ውሳኔ ኣወሃህባን ዝወሰን ብናይ ሰብኣዊ ምሉእ ኵለንተናዊ ምዕባለን እዩ። . . . ኣብዚ እዋን’ዚ ዘሎ ናይ ልቓሕ ስርዓት ናብ ድኽነትን ጽግዕተይናነትን ዝዳርግ እዩ፡ . . . ንስኻትኩም መንእሰያት ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን መንእሰያት ሰብ ትካላትን ናይ ልምዓትን ምዕባለን ናይ ዘላቕነትን ኣገባባት እትድግፍን ሓላፋ እትብሉን ኩኑ”፡ ሓደስቲ ኣገባባት ብፍላይ ዝተነጸሉ ካብቶም ዝተነጸሉ ውሽጢ እውን ሓብትና መሬት ኣብ ምድጋፍ ተባዕ ምዃን፡ . . . ናይ ልምዓት መምዘኒ ሰብኣውነት እዩ፥

ናይ ሰብኣውነት ሚዛን በገዳስነት ዝውሰን ምስ ስቓይን ምስ ዝሳቐዩን ኣብ ዘሎ ርክብ እዩ፡ እዚ ናይ ሰብእውነት ሚዛን እዩ፡ እዚ ኸኣ ከም ውልቅን ማሕበረሰብን ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ውሳኤታትናን ኣብ ናይ ኤኮኖሚ ኣረኣእናን ክስባእ ዘለዎ ጉዳይ እውን እዩ፡

ክቡራት መንእሰያት ኣቋራጺ ኣይትምረጹ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ዓውደ ጉባኤ ተጋባእያን ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቶም፥

ክቡራት መንእሰያት ሎሚ ሕውነት፡ ጽልእን ቅሬታን ዘጐሃህሩ ዘይኮነ ናይ ካልኦት ምውዳቕ ናቶም ዝገብሩ ካልአ ሕያዋይ ሳምራዊ ምዃን ኣብ ዝብል ኣብ ቅድሚ ዓቢይ ኣጋጣሚ ፊት ንክርብ፡ ዘይግመት መጻኢ ድሮ ተጸኒሱ እዩ፡ ንነፍሲ ወከፍኩም ካብቲ ዘለዎ ሓላፍነትን ዝተዋፈረሉን ብውሳኔኡን ብዙሕ ክፍጽም ይኽእል፡ ኣቋራጺ ኣይትሕረዩ መባዅዕቲ ኵኑ እጄታትኵም ዓጺፍኩም ኣብ ስራሕ፡ እቲ እነሕልፎ ዘሎና ቅልውላው ክንክን ጥዕና ምስ ሓላፈ ተመሊስና ናብቲ ርቡጽ ኣህላኽነትን ናብ ኢጐነታዊ ርእሰ ውከሳን መሊስካ ምውዳቕ እቲ ዝኸፍኤ መልሰ ግብሪ እዩ፡ ካብ ሓደ ቅልውላው ከምቲ ቅድሚ እቲ ቅልውላው ዝነበርካዮ ኮይንካ ከምዘይውጻእ ኣይትረስዑ፡ ወይ ብሉጻት ወይ ክፉኣት ኮይንና ኢና እንወጽእ፡ እቲ ሰናይ ነዕብዮ፡ ነቲ ዕድል ቆብ ነብሎን ነገልግሎት ናይ ሓባር ረብሓ ኵላትና ንወፈይ፡ ፍቓድ ሰማይ ይኹን፥ ኣብ መወዳእታ ኣንሕና ዘይኮንና ካልኦት እዮም ዝህልዉ እሞ “ኣንሕና” እንብለሉ ናይ ሕይወት ኣገባብ ነማዕብል፡

እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 November 2020, 17:05