ዓስራይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዓውደ ጉባኤ 2020 ዓ.ም. ዓስራይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዓውደ ጉባኤ 2020 ዓ.ም. 

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቅነ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን

ንኣና ክርስቲያን መጻኢ ስም ኣለዎ፥ ስሙ ኸኣ ተስፋ ዝብል እዩ፡ ተስፋ ኣብ ጸልማት ዘይጽልምት ኣብ ዝሓለፈ ደው ዘይብል ኣብ ህልው ዘይኣርግ ጽባሕ ኣብ ሎሚ ክርእይ ዝኽእል ናይ ልቢ ድግና እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 29 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ናይ መጻኢ ተዘክሮ ብዝብል መርሕ ቃል ተሰንዩ ናብ ዝካየድ ናይ ለምዘበን ዓስራይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዓውደ ጉባኤ፥ ተስፋ - ይብሉ - ኣብ ጸልማት ዘይጽልምት ኣብ ዝሓለፈ ደው ዘይብል ኣብ ህልው ዘይኣርግ ጽባሕ ኣብ ሎሚ ክርእይ ዝኽእል ናይ ልቢ ድግና እዩ፡ ንኣና ክርስቲያን ጽባሕ እንታይ ማለት እዩ? ዝደሓነ ሕይወት፥ ናይ ምርኻብ ጸጋ ምስቲ ስላሴኣዊ ፍቕሪ ማለት እዩ” ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ብዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽእቲ ከምእተበገሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ናብ ቅነ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስቲያን

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓቢይ ሕቝፎ ዝንቀሳቐስ ብምንፋቕን ብቕርሕንትን ንዝተሓረሰ ሕሉፍ፡ መጻኢ ዝህነጸሉ ልሙዕ መሬት መታን ክኸውን ናብቲ ኣናስራዊ ናይ ሰናይን ቅንዕናን ኣስተንፍሶ ዳግም ምምላስን፡ እዚ ነቲ ካብ ዕለት 26 ክሳብ ዕለት 29 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ “ናይ መጻኢ ተዘክሮ” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣተኵይሩ ናይ ዝካየድ ዓስራይ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዓውደ ጉባኤ መርሕ ኣምር ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ናይ ለብዘበን ስንዳወ ካብቶም ኣብ ዝሓለፈፉ ዓመታት ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ጠመቓዊ ትምህርቲ ዓውደ ጉባኤታት ፍልይ ዘብሎ ተጋባእያን ኣብ ሓደ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ዘይኮነ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ብመረብታዊ ውሕዘት ኣገባብ ተፈናቲቶም ዘካየድዎ ምዃኑ እዩ፡ ከምኡ እውን ዕለት 13 ለካቲት 2020 ዓ.ም. ዝዓረፉ ኣባ ኣድሪያኖ ቪቸንዚ ዘይዋስኡሉ ምዃኑ እዩ፥ ነፍሰ ሄር ኣባ ቪቸንዚ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየዱ ትሽዓተ ዓውደ ጉባኤታት ብቐዳምነት ዘወሃሃዱ ከምዝነበሩ ይንገር።

ግደ ኣብ መጻኢ

ኣብቲ ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ ናይ ሰብ ትካላትን ሙያተይናታትን ናይ መንግስቲ ተቕዋማትን ናይ ምትሕብባር ማሕበራትን ናይ ኤኮኖምን ባህልን ልኡካን ተጋባእያን ከምዝኾኑን ቅዱስነቶም ነቲ ዓውደ ጉባኤ ንኸበግሱ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ርእየትን ልብን ናብ ስነ ምጾታ ምስሩቕ ብምግባር ኣብ መጻኢ ምስታፍ እንክብሉ ለበዋ ኣቕሪቦም፥

ንኣና ክርስቲያን መጻኢ ስም ኣለዎ፥ ስሙ ኸኣ ተስፋ ዝብል እዩ፡ ተስፋ ኣብ ጸልማት ዘይጽልምት ኣብ ዝሓለፈ ደው ዘይብል ኣብ ህልው ዘይኣርግ ጽባሕ ኣብ ሎሚ ክርእይ ዝኽእል ናይ ልቢ ድግና እዩ፡ ንኣና ክርስቲያን ጽባሕ እንታይ ማለት እዩ? ዝደሓነ ሕይወት፥ ናይ ምርኻብ ጸጋ ምስቲ ስላሴኣዊ ፍቕሪ ማለት እዩ፡ በዚ ትርጉም`ዚ መሰረት ቤተ ክርስቲያን ማለት መሃዚ ርእየትን ልብን ብዘይ እቲ መንፈሳዊ ሕማም ዝኾነ ናይ ምንፋቕ ፈተና ናብ ስነ ምጾታ ምስሩቕ ምዃን ምለት እዩ።

ናይ መጻኢ ተዘክሮ ምንባር

ቅዱስነቶም ክርስትና እቲ ዝሓለፈ ብናፍቖት ሒዝካ ምንባር ዝብል ዘይኮነ እውነተይና ንቕሓት ቆብ ብምባል ዝስዋእ ፍቕሪ ብምንባር ዝብጻሕ ኣብ ናይ ኣብ - እግዚኣብሔር ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ምእታው ማለት ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ኣብሪሆም ፡ ስለዚህ መሃዝነት ዝተዓናቕፍ ወይ ዝገትእ ኣብ ማሕበራዊ ሕይወት ሰብ ዘንቅጽ ኣብ ማሕበራውን ፖለቲካን መክበባውን ሕይወት ብህልዮ ምንባር ኣይፋል ክበሃል ከምዘለዎን፡ ዝኽሪ ብባህሪኡ ምስ ፍቕርን ተመክሮን ዝተኣሳሰረ ሓደ ካብቶም ናይ ሰብ ጥልቂ ማዕቕን እዩ። ኣብ ሕይወት ኣብ ናይ ስላሴ ፍቕሪ ዝተሳዃዕና ብምዃንና ናይ ተዘክሮን ናይ እግዚኣብሔር ተዘክሮን ብቕዓት ኣሎና ቢሎም ናይቲ ዓውደ ጉባኤ መሰረታዊ ትርጉሙ እንከብርሁ፥

ናይ መጻኢ ተዘክሮ ምንባር ማለት፥ ቤተ ክርስቲያን እቲ ዓቢይ ህዝበ እግዚኣብሔር (ብርሃነ ኣሕዛብ ፍቕዲ 6 ረኣ)፡ ኣብዛ መሬት ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ጅማረን ዘርእን ክኾኑ ኣለዎም ማለት እዩ፡ እቲ ብሓባር ምስ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እንኾነሉ መጻኢ ሕይወት ኣባና ተዘክሮ ክኸውን መታን ዝተቐበልናዮ ጸጋ ምስጢረ ጥምቀት መሰረት ከም ኣመንቲ ኣብ ሕብረተሰብ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት እናስተርኣኻ ምንባር። እዚ ኣቕዋም’ዚ ነቲ ናይ ወንጌል ብስራት ናብ ተራ ስነ ማሕበረሰብኣዊ ማዕቅን ዘውርዶን ወይ ብዝተፈላለየ ናይ ኤኮኖሚን ቁጠባን ፖለቲካ ነቢብ ንኽንታተል ዝድርኽ ናይ ኡጦብያ ፈተና ንኸነሰንፍ የብቅዓና፡ ኣብ ዓለም በቲ ኣባና ዘሎ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ብሓይልን ብመሃዝነትን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ልብን ርእየትን በቲ ናይ ኢየሱስ ወንጌል ክማርኸን ናይቲ ሓቛፋይን ዘይንጽልን ሓድሽ ኤኮኖምን ፖለቲካን ውጥናት ፍርያም ክኸውን መታን ዝሕግዙ ንኸውን።

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣካል ናይ ሓደ ታሪኽ

ናይ መጻኢ ተዘክሮ - ይብሉ እቶም ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኣሰናዳእቲ - ናይ ሓደ ታሪኽ ኣካል ምዃንና ንዘክር፡ ናይ መጻኢ ተዘክሮ ምግባር ማሕበራዊ ኣፋፍኖት ኣለዎ፡ ነገራት በቲ ቅኑዕ ማዕቅናቶም ክረአዩ ይገብር፡ ማሕበራት ካብ ኢጐነት የላቐቕ ናይ ሓባራውነት ራእይ ዳግም የዕስል ምትሕብባር የበራብር። ናይ መጻኢ ተዘክሮ ምግባር ማለት ናይ ልምዓትን ናይ ኵለንተናዊ ልምዓት ትኽክለይና ሚሳል ዳግም የልብስ፡ ናይ ኩሉ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክስዓብ ይድርኽ፡ ማሕበረሰብን ከባቢታትን ሕዝብንታትን ኣብ ኪደት ኣንቢሪ እቲ ንሰባት ዝጽበይ መጻኢ ክስትውዓልን ህልው ክኸውን የብቅዕ። ናይ መጻኢ ተዘክሮ ምግባር፡ ሰብ ሓድሽ ነገር ክገብር ማለት ዘይኮ ነገራት ሓደስቲ ክገብር ዝተጸውዐ ናይ ሰብ ናጽነትን ጸዋዕታን ጽሕፍቶ እውነተይና ውሕስነት እዩ፡ ናይቲ ዓውደ ጉባኤ ኪደት www.dottrinasociale.it ብዝብል ኣድራሻ ምክትታል ከምዝከኣል ዜና ቫቲካን ይሕብር።

27 November 2020, 20:33