ር.ሊ.ጳ. ነቶም ናይ ግብረ ሽበራን ጽልእን ግዳያት ዝኾኑ ይዝክሩ ር.ሊ.ጳ. ነቶም ናይ ግብረ ሽበራን ጽልእን ግዳያት ዝኾኑ ይዝክሩ 

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ናይ ግብረ ሽበራን ጽልእን ግዳያት ዝኾኑ ይዝክሩ

ኣብዚ እዋን’ዚ ምእንቲ ሙታን ኣብ እንጽልየሉ ዘሎና እዋን፥ ነቶም ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝረኣይ ዘሎ ንዱር ጭካነ ዘስፍሕ ዘሎ ግብረ ሽበራ ኣደዳ ዝኾነ ንዝክር

ካብ ኒስ ክሳብ ቪየና ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ፥ ሕዝቢ ኣዚዩ ዘተሓሳሰብን ዘሰንበደን ኵነት ቅዱስ ኣቦና ዕለት 4 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ ምልስ ብሎም ዘኪሮምን፥ “ብዓመጽን ብጽልእን ሕውነታውን ኣብ መንጐ ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ምትሕብባር ምውጋይን ኣብ ሕቶ ምውእታውን ዘጉህይ ኵነት እዩ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ነቶም ናይ ግብረ ሽበራን ጽልእን ግዳያት ዝኾኑ ይዝክሩ

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ህልው ዓለም ሓቆፋዊ ኩነታት እናማደዉ፥ ኣሸበርቲ ግዳያትን ፍርሕን ምግምማዕን ኣብ ኤውሮጳን ዓለም ክዘርኡ ኣብ ዝተመልሱሉ እዋን ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ስቓይ ኣብ ልቦም ዝሰምዕዎ ከምዝኾነ በቲ ዕለት 4 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ድርሕሪ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዘስምዕዎ ቃል የረጋግጹ።

ቅዱስነቶም በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘስዕቦ ዘሎ መሪር ስቓይ ምኽንያት ካብ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍት ኮይኖም ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፥ “እቲ ጽልእ ነቲ ኣብ መንጐ ኣሕዋትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታትን ዘሎ ምትሕብባር ዘዋግይን ንምስራዝን ዝኣመተ እዩ” እንክብሉ፥

ኣብዚ እዋን’ዚ ምእንቲ ሙታን ኣብ እንጽልየሉ ዘሎና እዋን፥ ነቶም ናይቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝረኣይ ዘሎ ንዱር ጭካነ ዘስፍሕ ዘሎ ግብረ ሽበራ ኣደዳ ዝኾነ ንዝክር፡ ብፍላይ ኣብ ኒስ ኣብ ናይ ስግደት ኣምልኾን ስፍራ ብዝተፈጸመን ኣብ ቪየና ብዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ምኽንያት ግዳይ ዝኾኑ ንምሕረት እግዚኣብሔር አወክፍ፡ ንኣባይቲ ስድራኦምን ንዅሎም በቲ ጭካኔ ዝተመልኦ ዘጉህይ ነቲ ሰብኣዊ ሕውነትን ኣብ መንጐ ሃይማኖታት ዘሎ ምትሕብባር ዘዋግይ ዓመጽን ጽልእን ዝተመልኦ ተግባር ምኽንያት ኣብ ስቓይ ንዝርከቡን መንፈሳዊ ቅርበተይ አረጋግጽ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ቅዱስነቶም ዕለት 3 ሕዳር በቲ ኣብ ትዊተር ዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም ብዘመሓላለፍዎ መልእኽትን ደሓር እውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ሓዘን መግለጺ መልእኽቲ ተለግራምን፥ ነቲ ኣብ ቪየና ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ፥ “ሰላማዊ ማሕበራዊ ናብራ ኣብ ሕብረተሰብ ሰላምን ሕውነትን ምሕናጽ” ተላብዮም፡ ብኣጽንዖት ጽልእ ዘወግድ ብጀካ ፍቕሪ ካልእ ሓደ’ኳ የልቦን ከምዝበሉ ጠቒሲ፡ ኣብ ቪየና እቲ ዕለት 2 ሕዳር ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ እቲ ኣሸባሪ ሓዊስካ ሽዱሽተ ሰባት ከምእተቐትሉን ካልኦት 22 ዜጋታት እውን ፎኪስን ከቢድን ማህሰይቲ ከመጋጠሞም የዘኻኽር።

ዕለት 29 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኣብ ፈረንሳ ከተማ ኒስ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ኖትረ ዳም ሰለስተ ሰባት ብኻራ ከምእተሓረዱን ካልኦት ከምዝቖሰሉን እዚ ግብረ ሽበራ እዚ ንፈረንሳን መላእ ኤውሮጳን ንመሪር ሓዘን ከምዝዳረገን ክዝከር እንከሎ፡ ቅዱስነቶም እዚ ግብረ ሽበራ’ዚ ኣብ ዝተፈጸመሉ እዋን ብስም እግዚኣብሔር ዝፍጸም ግብረ ሽበራ ኮኒኖም ንማሕበረሰብ ካቶሊክ ፈረንሳን ንመላእ ሕዝቢ ሃገረ ፈረንሳን ቅርበቶም ገሊጾም “ንመንፈስ ክፍኣት ብሰናይ ተግባር ምብዳህ” እንክብሉ ንሕውነት ከምዝዓደሙ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

04 November 2020, 21:02