ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ትንሳኤ ሙታን ንኣምን

ቅዱስነቶም እቶም ኣብ እግዚኣብሔር ብእምነት ዝነበሩ ናይ ወንጌል ኣገልገልቲ ንዝኾኑ ነቶም ኣብ 2020 ዓ.ም. ናይ ዝዓረፉ ካርዲናልትን ብጹዓን ጳጳሳትን ምስክርነት እናሓሰቡ፥ “ምእንታኦም ንጸልይ - ብፍላይ ኣብዚ ጽንኵር ናይ ፈተና እዋን”

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና 2020 ዓ.ም. ምእንቲ ዝዓረፉ ብጹዓን ካርዲናላት ጳጳሳትን ቅዳሴ ሙታን - ንዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ነቶም ኣብ እግዚኣብሔር ዝነብሩ ሙታን መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ኣብ ቅድሚ ሓዘን ናይ ግርበሎ ስምዒት፥ ትርጉም ኵሉ ምስ ሞትን ኣብ ሞትn ይዛዘም ዝብል እምነት ክህልዎ ይገብር፡ እምነት ግን ኣንፊ ዝልውጥን ዝኣምን ንኽልወጥ ይዕድም ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ሞት ኣልኣዛር ብሓዘን ምብካይን ምንባዕን ከምዘሎ ነስተውዕል፡ ስለ ፈታዊኻ ሞት ኣብ ሓዘን ምንባር፡ ነዚ ንብዓት እዚ ብምሉእ እምነት ኣብ ትንሳኤ ምሕባስን ምድባስን፥ እቲ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ባዚሊካ ቫቲካን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዝዓረፉ ካርዲናላትን ጳጳሳትን ኣብ ዘዕርገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ሙታን እቲ ነፍሲ ወከፍና ኣብ ቅድሚ ሞት ዝነብሮ ኩነት የመላኽቱ፡ Aምነት ኣብ ትንሳኤ ነቲ ዝስምዓና ስዕረትን ጥፍኣትን ዕሽሽ ክንብል ዘይኮነ ክንየው ዘሳግረና እዩ።

ናይ ኢየሱስ ትንሳኤ ሎሚ ንዅላትና ሕቶ የቕርበልና፡ ትንስኤ ከም ዘየለ እሞ ከምዘሎ እትሓልሞ ከምዝኾነ ዘይኮነ ንኽንኣምን ዝተጸዋዕና ኢና፡ ብምስጢር ኣብ ሎሚ ህልው ዝኾነ ኩነትን ኣብ እዩ።

ኢየሱስ ምስና ምሉእ ብምሉእ ውሁድ ይኸውን፡ ሓደ ሰብ ዝስምዖ ስቓይ ንሱ ዝፈልጦን ዝተመኮሮን እዩ፡ እዚ ግና እቲ ናይ ኣልኣዛር ካብ ሞት ምትንሳእ ዘረጋግጾ ዓቢይ ምልክት ዝኾነ ነቲ ናቱ (ናይ ኢየሱስ) ካብ ግልጸት ዝምንጭው ብርሃን ሓቒ ኣይንክዮን።

ዓቢይ ናይ እምነት ክንየውነት

ኵሉ ኣብቲ፥ “ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ” ዝብል ሕቶ እዩ ዝበራረይ፡ ነዚ ትኣምን ዶ? እዚ እቲ ዓቢይ ናይ እምነት ብጥልቂ ምስትውዓልን እዩ፡ ኣንፊ ዝልውጥ፡

እቲ ዓቢይ ኣብ እምነት ምዕባይ ምስ ዝህሉ ኣገባብ ኣመለኻኽታትናን ኣብ ልዕሊ ነገራት ዘሎና ኣረኣእያና ይልወጥ፡ ናይ እምነት ኣእዛን ነቲ ጭቡጥ ሰገር ይኸውን፡ ነቲ ዘይጭበጥ ብርግጽ ምርኣይ ይኸውን፡ ነፍሲ ወከፍ ክስተት ብማዕቅን ዘለኣለማውነት ብርሃን ዝግመት ይኸውን።

ንኣብነት ኣብ ዘይዕድመኡ ዝመውቱ ናይ ሓደ ጻድቕ ሞት ዝምልከት ሓሳብ ብዙሕ ግዜ ዝመላለስ ሕቶ እዩ፥  

ብዓይኒ እምነት ሞት ኣጋጣሚ ወይ ውን ሕማቕ ዕድል ዘይኮነ ናይቲ ሓሳቡ ምስቲ ናትና ሓሳብ ናይ ዘጋጠም ናይ  እግዚኣብሔር ናይ ሓልዮት ተግባር ይኸውን።

ጓሂ ንምልዋጥ ቦታ ይሓድግ

ቅድስነቶም ምእንቲ እቶም ዝዓረፉ ካርዲናላትን ጳጳሳትን እንክጽልዩ፥ ጐይታ neቲ ሓሓሊፉ ካብ እምነት ኣዚዩ ዝረሓቐ ስምዒት ንዅሉ ዝበጽሖ ሓደጋ ሓደ’ኳ ናጻ ዘይኮኖ ዘፍርሕ ሞት ናይ ኵሉ መደምደሚ ዘምስል ኣባና ዝኣትው ኣሉታዊ ሓዘን ከምክኖ ይምሕጸኑ።

ምእንቲ’ዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ንምርዳኡ ዘጸግም ሞት፥ ኣማኒ ብዘይ ምቁራጽ ክልወጥ ኣለዎ፥ ዕለት ብዕለት ክንየው እቲ ኣባና ዘሎ ባህረታዊ ዝኾነ ሞት ንኹሉ ሰብ ምሉእ ብምሉእ ከምዘይነበረ ይገብር ዝብል ስእሊ ንኽንብል ዝተጸዋዕና ኢና . . . ምልኡ ብምሉእ ኣብቲ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እቲ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ”። ኣብ ዝብለና ጐይታ እምነት መታን ክህልወናን ገዛእ ርእስና ከነወክፍ መታን!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ክርስቲያን ጸሎት

ናይ ኢየሱስ ቃል ብእምነት ምቕባል ምስ ዝህልው፡ ንጸሎት ሙታን ብሓቂ ክርስቲያናዊ ጸሎት ይገብሮ፡ ናይ ሕይወቶም እውነተይና ክብርን ዝተገበረሎም ሰናይን ዝተጸገወሎም ፍቕርን ብዘለዓለማውነት ኣንፊ ንምባርን ዝድግፍ እዩ።

ቅዳሴ ሙታን - ንዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ነቶም ኣብ እግዚኣብሔር ዝነብሩ ሙታን ዝዓርግ ብእምነት ንላዕሊ ዘማዕድው ጸሎት ኣባና እውን ድማዑ የስፍሕ፡ እዚ ጸሎት እዚ ንእውነተይና ናይ ሕይወት ራእይ ይሓንጸና፡ ናብ መንግስቲ  ኣምላኽ ንምእታው ኣገዳሲ ናይ ዝኾነ ስቓይ ትርጉም ይገልጸልና ዘለኣለማዊ ሰናይ ንኸነናድይ ስንድዋን nእውነተይና ናጽነት ርህዋት ይገብረና!

ቅዱስነቶም እቶም ኣብ እግዚኣብሔር ብእምነት ዝነበሩ ናይ ወንጌል ኣገልገልቲ ንዝኾኑ ነቶም ኣብ 2020 ዓ.ም. ናይ ዝዓረፉ ካርዲናልትን ብጹዓን ጳጳሳትን ምስክርነት እናሓሰቡ፥ “ምእንታኦም ንጸልይ - ብፍላይ ኣብዚ ጽንኵር ናይ ፈተና እዋን” እቲ ጉዕዞ ጽንክር ምስ ዝኸውን ኣብነቶም ንምስዓብ እናሓሰብና ጐይታ ወትሩ ኣእንዳዉ ዝዝርግሓልና ከምዝኾነ እምነት ብምግባር” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ናይ ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ፕሮስፐር ግረኽን ነፍሰ ሄር ብጹዕ ካርዲናል ረናቶ ኮርቲን ካርዲናል ዘኖን ግሮቾለውስኪን ካርዲናል ኣድሪያኑስ ጆሃነስ ሲሞኒስን ካርዲናል ማሪያን ጃዎርክሲን ካርዲናል ኣንቶንይ ሶተር ፈርናንደዝን ካልኦት 163 ሊቀ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ነቶም ኣብ ጻዕረ ሞትን ስቓይን ዝርከቡ ይሓስቡ፡ ኣብቲ ቅዱስነቶም ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ 25 ብጹዓን ካርዲናላት ምስ ቅዱስነቶም ብሑባሬ መስዋዕተ ቅዳሴ ምእንቲ ሙታን ዘዕረጉን ብጠቕላላ 28 ብጹዓን ካርዲናላትን ከምእተረኽቡን ዜና ቫቲካን የመላኽት።

06 November 2020, 21:22