ናጐርኖ-ካራባክህ፡ ር.ሊ.ጳ.፥ ምፍሳስ ደም ንጹሓን ከብቕዕ ጻውዒት የቕርቡ

እቲ ናይ ብዙሓት ንጹሓ ዜጋታት ንሞት ዝዳርግ ዘሎ ግጭት ተዋሳእቲ ኣካላት ብቐጥታ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደው ንኸብልዎ ዳጊሞ ጻውዒት አቕርብ

ዕለት 1 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ምስ ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓቢሮም ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጐም ምስ ኣብቅዑ፥ ሓሳቦም ናብ ዞባ ካውካዚያ ኣቕኒዖም፥ እቲ ኣብ ዞባ ናጎርኖን ካራባክህን ዝካየድ ዘሎ ውግእ ዘሕድረሎም ዘሎ ሓዘን ገሊጾም ምእንቲ ሰላም ጻውዒት ከምዘቕረቡን፡ ኣብ ባሕረ ኣኤጀኣን ዝተኸስተ ርእደ መሬትን ዘስዓቦ መጉዳእቲ ምኽንያት ኣብ ስቓይ ንዝርከቡ ጸሎትምን ዕለት 2 ሕዳር ኣብ ላቲናዊት ቤተ ክርስቲያን ተዘኪሩ ዝውዕል መዓልቲ ኵሎም ሙታን ዘኪሮም፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተውቶኒክ ናይ መቓብር ስፍራ ምብጻሕ ከካይዱን ጸሎት ከዕርጉ እውን ምዃኖም ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እቲ ኣብ ዞባ ናጎርኖን ካራባክህ ዝከየድ ዘሎ ውግእ ኣይንረስዓዮ” ነዚ ዝበሉ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 1 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን መዓልቲ ኵሎም ቅዱሳን ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለተ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ኣብ ካውካዝ ዘሎ ውጥረት እቲ ስንኩፍ ቶኽስ ደው ናይ ምባል ስምምዕ እናተጠሓሰን ናይቲ ግጭት ግዳይ ዝኾኑ ዜጋታት ቁጽሪ ክብ ክብልን ኣባይትን መዋቕራትን ናይ እምነት ኣባይትን የባድምን ከምዘሎን ዘኪሮም፥

ንናቲ ናይ ብጹሓት ንጹሓ ዜጋታት ንሞት ዝዳርግ ዘሎ ግጭት ተዋሳእቲ ኣካላት ብቐጥታ ዝምልከቶም ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ደው ንኸብልዎ ዳጊሞ ጻውዒት አቕርብ፡ እቲ ዘይምድዳእ ብዓመጽ ዘይኮነ ብናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ምንጋወ ብቕኑዕ ዘተ እዩ ዝፍታሕ፡ ብወገነይ ነቶም ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ቅርበተይ እገልጽን ንናይቲ ዞባ ዘላቒ ሰላም ብኹሎም ቅዱሳን ኣማላድነት እጽልይ!

ከምዝበሉ ዝሓበራ ሳባቲነሊ ኣስዒበን፥

ርእደ መሬት ኣብ ዞባ ባሕረ ኣኤጀኣን ብጹዕ መክጂቭነይን

ካብ ካውካዝ ሓሳቦም ናብ ቱርክን ግሪኽን ኣቕኒዖም በቲ ኣብ ዞባ ባሕረ ኣኤጀኣ ዕለት 30 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዝተኸስተ ርእደ መሬትን ዘስዓቦ ሞትን ማህሰይትን ውድመት ንብረትን ጠቒሶም፡ ነቲ ብርእደ መሬት ንዝተጠቕዔ ከባቢ ቅርበቶምን ጸሎትምን ኣረጋጊጾም፡ ኣስዒቦም እውን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብጹዕና ዝኣወጀትሉ ናይ ኮሎምቦ ፈረሰይናታት ማሕበር መስራቲ ሚካኤል ምክጂቭነይ ዘኪሮም፡ ምእመናን ምእንቲ እዚ ናይ ሰበኻ ካህን ሓድሽ ብጹዕ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ሓጐስና ብጣቕዒት ንግለጽ ከምዝበሉን፥

ምርክጂቭነይ ኣስፍሆተ ወንጌል ነቶም ኣብ ሓሳርን መከራን ንዝርከቡ ኣብ ዘድልዮም መሰረታዊ ኩሉ ቀረባ ብምዃን ዝነበረን ዝመስከረን እቲ ናቱ ኣብነት ንብዙሓትን ንኣናን ወትሩ ወንጌል ብግብረ ሰናይ ንኽንምስክሮ የተባብዓና!

ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

ናይ ቅድድም ጉያ ስፖርት ተሳታፍያን

ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተረኽቡ ኣብቲ ብማሕበር ዶምቦስኮ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝሰናደው ናይ ቅዱሳት ናይ ጉያ ስፖርት ተሳታፍያን ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፡ እቶም ተሳታፍያን ስፖርተይናታት በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ኣብ ግብሪ ዘሎ መምርሒ ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ማቕዕን ብምኽባር ዝካይዱ ምዃኖም ዝሓበራ ሳባቲነሊ ኣተሓሒዘን፥

እቲ ናይ ለምዘበን ውድድር በቲ ተኺሱቱ ዘሎ ለብዒ ምኽንያት ብውሑዳት ጉጅለ ተመዳዲካ ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ብምኽባር ዝካየድ እውን እንተኾነ ነቲ ናይ ኵሎም ቅዱሳት መንፈሳዊ በዓል ናይ ሕዝቢ በዓል ምዃኑ ዘመላኽት መደብ እዩ።

ከምዝበሉን ኣብ መወዳእታ፥ ዕለት 2 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ ኩሎም ሙታን ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ተውቶኒክ ናይ መቓብር ስፍራ ምብጽሕ ኣካይዶም ጸሎትን መስዋዕተ ቅዳሴን ከዕርጉ ከምዝኾኑ ሓቢሮም፡ ኵሉ በቲ ናይ ክንክን ጥዕና ሕጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋጌ ብምኽባር ኣብ ናይ መቓብር ስፍራ ምጻሕ ከካይዱን ጸሎቶም እውን ከዕርጉ ሓደራ ከምዝበሉ ኣፍሊጠን።

 

01 November 2020, 15:46