ፍራንቸስኮ ንመንእሰያት፥ ገዛእ ርእስዅን ኣይተእርጉ፡ እግዚኣብሔር ምምራጽ ፍሱሓን ይገብር

ክቡራት መንእሰያትን ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዓበይቲ ሕልምታትና ኣይንመንኖ፡ ብዝግብኣና ረዊና ኣይንተርፍ፡ ጐይታ ደረት ትርኢትና ከይነጽብብ እዩ ዝደልይ፡ ኣብ ናይ ሕይወት ጉደና ጠርዚ ክንቐውም ዘይኮነ ናብ ዝለዓለ ሸቶ ኣቕኒዕና ብሓሴትን ብትብዓት ክንምርሽ እዩ ዝደልይ

ኣብ ግዙታዊ መዓርፎ ጠርዚ ሕይወት ኣይትቝሙ! ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 22 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ትእምርቲ ዝኾነ ዓቢይ መስቀል ኣብ ናይ ምስግጋር ስነ ስርዓት ኣብ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም፥ መንእሰያት ክንየው ካብቲ ሓሴት ናብ ፍንጥዝያ ዝቕይርን ናይ ኣህላኽነት ረስኒ ህላወን ፍቕሪ ናብ ስምዒት ዘነኣእስን ዓብላሊ ኣመለኻኽታ ናጻ ዘውጽኡ“ ዓበይቲ ሕልምታት” ወትሩ ክደልዩ ከምእተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ እቲ በቢ ዓመቱ ኣብ በዓለ ሆሳዕና ብሰበኻ ደረጃ ዝበዓል ዝነበረ መዓልቲ መንእሰያት፡ ክርስቶስ ንጉስ ናብ ዝበዓለሉ ዕለት ክሰጋገር ከምዝወሰኑ ኣብ ዝለገስዎ ስብከት ብወግዒ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ኣነ ኣብኡ ኣሎዅ - ይብል ኢየሱስ - ኣብ ኵሉ - እዚ ንኣኻ መንእሰይ እውን ኢየሱስ ዝብሎ ቃል እዩ፡ ንኣኻ ንናይ ሕይወት ሕልምታትካ ንኽትክውን ንእትደልይ መንእሰይ! ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ እቲ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ትእምርቲ ዓቢይ መስቀል ኣብ ዝሰጋገረሉ ዕለት ኣብ ዓመታዊ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ኵላዊ ከኸውን ከምዝወሰኑን፡ ዕለት 22 ሕዳር ዓመታዊ በዓለ ክርስቶስ ንጉስ ኣብ ዝተበዓለሉ ዕለት ክኸውንን፡ ኣብ ናይ ዕለቱ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 25: 31-46 ዝተወስደ፥ ኢየሱስ ኣብ መስቀል ፍቕሪ ቅድሚ ምልጋሱ ናይ መወዳእታ ፍቓዱ፥ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ -  ዝጠመዩን ዝጸምኡን መጻእተይናታትን ዝዓረቑን ዝሓመሙን ዝተኣስሩን - ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ እንክብል ይገልጸልና፥ ዝብል ሓሳብ ብኣጽንዖት ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ክልተ ኣገደስቲ ሕቶታት

“ክገብረለይ ንዘይኽእል እሕግዝ ዶ? ናይ ሓደ ስኡን (ድኻ) ዓርኪ ድየ? ዝብል ክልተ ሕቶ ኣልዒሎም . . . ኣነ ኣብኡ ኣለኹ ይብለና፡ ኢየሱስ ኣብኡ ኣሎ፡ ይጽበየካ! ኣብቲ ክትሓስቦን ክትግምቶም ዘይትኽእል ኣብቲ ክትርእዮ እውን ዘይትደልየሉ ስፍራ ኣብ ድኻታት” ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ቅዱስ ማርቲኖ ዘኪሮም፥ መንእሰይ ወተሃደርን ምስጢረ ጥምቀት ዘይተቐበለን፡ ሓደ መዓልቲ ሓደ ድኻ “ንሕዝቢ ረድኤት ክልምን ይርእይ እሞ ዝምጽውተሉ ሓደ’ኳ ኣይነበረን፡ ኵሎም ጐስዮምዎ ይሓልፉ፡ ማርቲን ነዚ ሓደ’ኳ ዝደንገጸሉ ዘይብሉ ድኻ ርእዩ፡ ካብኡ ዘድልዮ ነገር ከምዝነበሮ የስተውዕል . . . ከይምጽውተሉ ሓደ’ኳ ኣይነበሮን፡ ዝነበሮ እቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ናይ ዕዮ ልብሱ እዩ፡ ኣብ ዝባኑ ዝነበረ መንጠሊና ኣውጺኡ ንኽልተ ኸፊሉ ምስኡ ይካፈሎ፡ ነዚ ዝርእዩ ዝነበሩ ኸኣ የባጨውሉ፡ . . . ድሕሪ እዚ ማርቲኖ እቲ ካብ ዝባኑ ኣውጺኡ ዝኸድኖ ዝነበረ ኢየሱስ ከምዝነበረ ይሓልም፡ ማርቲኖ ከይፈለጦ ንኢየሱስ ኣልበሰ . . . ከምቶም ናይ ሎሚ ናይ ወንጌል ጻድቃን”።

ኣብ ናይ ሕይወት ጉደና ጠርዚ ኣይትቝሙ

ክቡራት መንእሰያትን ክቡራት ኣሕዋተይን ኣሓተይን ዓበይቲ ሕልምታትና ኣይንመንኖ፡ ብዝግብኣና ረዊና ኣይንተርፍ፡ ጐይታ ደረት ትርኢትና ከይነጽብብ እዩ ዝደልይ፡ ኣብ ናይ ሕይወት ጉደና ጠርዚ ክንቐውም ዘይኮነ ናብ ዝለዓለ ሸቶ ኣቕኒዕና ብሓሴትን ብትብዓት ክንምርሽ እዩ ዝደልይ፡ . . . ዓመታዊ ዕረፍትን ናይ መወዳእታ ሰሙንን (ቀዳመ ሰንበት) እንሓልም ኣይንዅን - ኣብዚ ዓለም ናይ እግዚኣብሔር ሕልሚ ንኽንክውን፡ ናይ ሕይወት ጽባቔ ንኽንሓቁፍ ናይ ምሕላም ብቕዓት ክህልወና ዝገበረ እዩ”፡ እቲ ጥልቂ ኣእማንን ጥልቂ ምርግጋጽ፡ ናይ ምሕረት ዕዮ ናይ ሕይወት እቲ ዝዓዘዘ ጽባቔ እዩ፡ ናይ እውነተይና ክብሪ ሕልሚ እንተድኣ ኴይንካ ካብ ናይ ዓለም ካብቲ ዝመጽእን ዝኸይድን ዘይቅዉም ክብሪ ትርሕቕ፡ ምኽንያቱ ናይ ምሕረት ተግባር እዩ ልዕሊ ኹሉ ነገር ንእግዚኣብሔር ክብሪ ዝህብ፡ . . .

ዓበይቲ ምርጫታት ንዓበይቲ ሕልሚ

ዓበይቲ ሕልምታት ንምኽዋን ካበይ እዩ መበገሲኡ? ዝብል ሕቶ ዘቕረቡ ቅዱስነቶም - ካብ ዓበይቲ ምርጫታት ዝብገስ ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ኣብ ናይ ፍጻሜ ፍርዲ ጐይታ ኣብ ናይ ነፍሲ ወከፍና ምርጫታት እዩ ዝምስረት፡ ኣይትፍርድ . . . እቲ እንኾኖ ካባና እዩ፡ ሰናይ ወይ ክፉእ ካባና እዩ፡ ንሱ ካብቲ ምርጫታትና እዩ ሳዕቤኑ ዝመዝዝ፡ ምእንቲ’ዚ ሕይወት ናይ ምርጫ ግዜ እዩ፡ . . . ኣብ ጽቡቕ ኣብ ክፋእ ትሕቲ ምርጫና ኢና፡ እቲ እንኾኖ ካብ ምርጫና እዩ፡ ንኽትሰርቕ እንተድኣ መሪጽካ ሰራቒ ትኸውን፡ ንገዛእ ርእስና ጥራሕ እንብል እንተድኣ ኮይንና ኢጐነታውያን ንኽከውን፡ ንኽንጸልእ እንተድኣ ኮይኑ ምርጫና ወትሩ ዝኸፈኦምን ሕሩቓትን ንኸውን፡ ኣብ ቅድሚ ናይ ኢድ ተለፎን እንውዕል እንተድኣ ኮይንና ጽግዕተይና ንኽከውን . . . እግዚኣብሔር እንተድኣ ሓሪና ዕለት ብዕለት ዝተፈቐሩ ንኸውን፡ ንኸነፍቅር እንተድኣ መሪጽና ፍሱሃን ንኽውን።

ኣብ ናይ ሕይወት ስለምንታያት ተንጠልጢልና ኣይንትረፍ

ናይ ምርጫ ጽባቄ ካብ ፍቕሪ እዩ ዝውሰን፡ . . . እንተድኣ ተዓጺናን ሸለተይናታት (ዘይግደሱን) ለሚስና ኢና እንተርፍ፡ እዚ ኢየሱስ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡ ንኻልኦት ኣንስዋእ እንተድኣ ኴይንና ናጻ ንኸውን፡ ዝበሉ ቅዱስነቶም፡ ነቶም መንእሰያት፥ እቲ ናይ ሕይወት ጐይታ ምሉእ ሕይወት ዘለዎም ክንከውን እዩ ዝደልይ፥ እዚ ናይ ምሉእ ሕይወት ዝህልወካ ሕይወትካ ኣብ ምውፋይ እዩ፡ ብዙሕ እነቕርቦ ሕቶ ብዘይ መልሲ ስለ ዝተርፍ ፍርሕን ዘይውሕስነትን ይወረና፡ ፍቕሪ ካብ ስለምንታይ ሕቶታትና ክንየው ክንብል እዩ ዝድርኸና . . . ስለዚህ ፍቕሪ ካብ ስለምንታይ ናብ ንመን የሰጋግረና፡ ንኣይ ጥራሕ ምባል ኣይኮነን፡ ካብ ምንባረይ ንመን እነብር ንሰጋገር፡ . . .

ናይ ኣህላኽነት ረስንን ውሕጠት ብፍንጥዝያን

ቅዱስነቶ ኣስዒቦም ንዅሉ ንሓደጋ ዘቃልዕ እናሓሰቡ፥ ብዙሕ እዋን መላእ ሕይወትና ብዘይ ምርኻብን ምፍቃርን ኣብ ገዛእ ርእስና ምእኵላት ከይንና ነሕልፎ፥ ማንዞኒ ጠቒሶም፥ ኣብታ ትስፉዋት ሕጹያት ኣብ ዘርእስታ መጽሓፉ፥ “ጽቡቕ ንኽትነብር ንጽቡቕ ኣበርቲዕኻ ክትሓስባ ይግብእ፥ እዚ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ግብሩም ምንባር ይኸውን፥ ጽቡቕ ምሕሳብ ጽቡቕ ምንባር የስዕብ”፥ ነቶም ዓበይቲ ምርጫታት ዘሰናኽሉ፥ ናይ ኣህላኽነት ረስንን ውሕጠት ብምፍጥዝያን ዝብሉ ጠቒሶም፡ እዞም ክልተ መሰናኽላት ጸገማትና ዝፈትሑ ዘይኮኑ ንጸገማትና እናሰጋገሩ ግዚያዊ ምርሳዕ እናለገሱ ግዙኣቶም እዮም ዝገብሩና፡ ብሓቂ ምፍቃር ወይ ፍቕሪ ጦብላሕታውን ስምዒታውን ክመስል ይኽእል፡ እዚ መሕልም እዩ፡ እውነተይና ፍቕርን ምፍቃርን ቅድም ቀዳድም ጸጋ፡ ደሓር እውን ምርጫን መስዋዕትነትን እውን እዩ” እንክብሉ ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ተጠቒምካ ምድርባይ ዝብል ኵሉ ብቑልጡፍ ዝብል ኣመለኻኽታ ምውጋእ

ምምራጽ ማለት ሓደ ዓይነት ምዃን ማለት ኣይኮነን በቲ ፍሉይነት ዘልምስ ናይ ኣህላኽነት ኪደት ኣይትደንዝዙ፡ ነቲ ተጠቒምካ ምድርባይ ዝብል ኩሉ ብቕጽበት ንዝብል ባህሊ ተዋግኡ፥ ምእንቲ ህላዌኹም ናብቲ ሰማያዊ ሸቶን ናብቲ ናይ እግዚኣብሔር ሕልሚ ከቕንዕ መታን፡ . . . ኣብ ነፍሲ ወከፍንና ንውሻጤና እንተድኣ ርኢና ክልተ ሕቶ ንረክብ፥ እቲ ቐዳማይ እንታይ ክገብር ባህ ይብለኒ ዝብል ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ካልኣይ ሕቶ ኸኣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥና ዘንብሮ ሕቶ፥ እንታይ ክገብር ቃሕ ይብለኒ ዝብል ዘይኮነ እንታይ እዩ ዘዕግበኒ ዝብል ሕቶ ኣሎ፡ ነዚ ሕቶ እዚ መልሲ ኣብ ምሃብ ክልተ ነገራት ይውለዱ እቲ ሓደ ተራ ዝኾነ ምርጫ እቲ ካልኣይ ከኣ ናይ ሕይወት ምርጫ . . . እምበር ኢየሱስ ንመልከት እቲ ዘዕግበና ንኽንሓርይ ደግፈና ንበሎ፡ ኣብ ውሽጡ ንኽንጓዓዝ፡ ኣብ ጐደና ፍቕሪ፡ እቲ ሓጐስ እምበኣር ኣብኡ እዩ፡

ናይ መስቀል ምሕላፍ

ቅዱስነቶም ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ተዛዘመ ንዅሎም ሰላምታ ኣቕሪብዕም ብፍላይ ንመንእሰያት ነታ ኣብ 2023 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት እንተአንግድ ሃገረ ፖርቱጋል ንዝውክሉ ሰላምታኦም ኣቅሪቦም ነቲ ዓቢይ መስቀልን ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያም ድሕነት ሮማውያን ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ትእምርቲ ከምእተረከቡን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ብሰበኻ ደረጃ በቢ ዓመቱ ዝበዓል መዓልቲ መንእሰያት ኣብ ዓመታዊ በዓል ኢየሱስ ንጉስ ክኸውን

እቲ ወትሩ ኣብ ኩለን ሰበኻታት በቢ ዓመት ምስ በዓለ ሆሳእና ተተሓሒዙ ዝበዓል ዝነበረ መዓልቲ መንእስያት ቤተ ክርስቲያን ዓመታዊ በዓል ኢየሱስ ንጉስ ናብ እተብዕለሉ ዕለት ክሰጋገርን ከምዝወሰኑን እዚ ሓሳብ እዚ እውን ምስ ናይ ዓለማውያን ምእመናንን ስድራ ቤትን ሕየትን ዝሓልይ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈትን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላትን መኺሮም ዝሃብዎ ውሳኔ ምዃኑ ሓቢሮም ናይቲ በዓል ማእከል ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ምድሓን ምስጢር እዩ ከምቲ ዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ግማማዊ ዓለም ሓቆፍ መዓላቲ መንእሰያትን ናይ ሰበኻታት መዓልቲ መንእሰያት ከበግሱ፥ ክቡራት መንእሰያት ብሕይወትኩም ነቲ ህልውን ንጉስን ኢየሱስ መስክሩ! ንስኻትኵን እንተድኣ እጽቒጥቁም ኣእማን ክጭድሩ እዮም (ክምስክሩ እዮም)” እንክብሉ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

23 November 2020, 21:49