ር.ሊ.ጳ.፥ ኾሮና ተሕዋስ የዋህደና እንተድኣ ገማሚዑና ሕዝቢ እዩ ተዓዳዪ ዝኸውን ር.ሊ.ጳ.፥ ኾሮና ተሕዋስ የዋህደና እንተድኣ ገማሚዑና ሕዝቢ እዩ ተዓዳዪ ዝኸውን 

ር.ሊ.ጳ.፥ ኾሮና ተሕዋስ የዋህደና እንተድኣ ገማሚዑና ሕዝቢ እዩ ተዓዳዪ ዝኸውን

“ዝተነጸሉ ክብል እንከለዅ” ምጽዋት ክቐርበሎም ዝብል ሓሳብ እናማዕደዉኩ ኣይኮነን፥ ናይ መላእ ኩነትታትና ትርጉምን መግለጽን መፍትሒ ምዃኖም ብምስትውዓል እዩ” ናይ ሓደ ሕዝብን ሃገርን ምዕባለ መምዘኒ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ እያቶም

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ላቲን ኣመሪካ በገባብ መረብታዊ ውሕዘት ዛዕባ ኮቪድ - 19 ናብ ዝመክር ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉን፥ ኣብ መልእኽቶም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ናይ ዝተሓረጉ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጽንክው ኩነት ኣዚዩ ክረአይ ከምዘገበረን፥ ብጀካ እዚ እውን ውሕስንነትናን ምርጫታትናን ኤኮኖምን ፖለቲካን ማሕበራዊ ኪደታትናን ካብቲ ንሕይወት ኣገዳሲ መሰረታዊ ጉዳይ ዝረሓቐ ምዃኑ የመላኽተና ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ “ላቲን ኣመሪካን፥ ቤተ ክርስቲያንን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ናይቲ ለብዒ ተርእዮታትን” ብዝብል ኣርእስቲ ክልተ ናይ ቫቲካን ኣባይቲ ጽሕፈት ምስታ ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብምትሕብባር ዝተዳለወን ካብ ዕለት 19 ሕዳር ክሳብ ዕለት 20 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ከምእተኻየደ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

እቲ ብመረብታዊ ውሕዘት ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፥ ጳጳሳዊ ናይ ላቲን ኣምሪካ ጉዳይ ዝከታተል ድርገትን ጳጳሳዊ ናይ ማሕበራዊ ስነ ምርምር ተቕዋምን ናይ መላእ ሃገራት ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳስ ኣባይቲ ምኽሪ ጉባኤ (CELAM) ዘዳለውዎን ለብዒ ኮቪድ - 19 ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ እታ ክፍለ ዓለም ዘስዓቦ ጸገማት ንምብዳህ ዘኽእሉ ኣገባባት ንምልላይንን ምትሕብባርን ንምንቕቓሕ ኣሚቱ ዝተኻየደ ምንባሩ የመላኽት።

ዝተሓረገ ናብ ማእከል 

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ቅድም ቀዳድም ነቲ ኣዚዩ ህጹጽን ኣገዳስን ዝኾነ ዓውደ ጉባኤ ንዘዳለዉ ኣመስጊኖም፥ እዚ ዓውደ ጉባኤ’ዚ ናይ ኵሉ ክብሪ ንምኽባርን ውሑስ ንምግባርን ብፍላይ ናይቶም ዝተነጸሉን ዝተሓረጉን ተኣፋፍያንን ናይ ህልውናን ከተማታትን ወሰናስን ዝኾኑ ዘስተውዕል፡ ኵሉ ብምትሕብባር ክዓይን ኣስተንፍሶ ከምዝኸውን ዘለዎም ተስፋ ከምዝገለጹ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

“ዝተነጸሉ ክብል እንከለዅ” ምጽዋት ክቐርበሎም ዝብል ሓሳብ እናማዕደዉኩ ኣይኮነን፥ ናይ መላእ ኩነትታትና ትርጉምን መግለጽን መፍትሒ ምዃኖም ብምስትውዓል እዩ” ናይ ሓደ ሕዝብን ሃገርን ምዕባለ መምዘኒ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ እያቶም፡ ስለዚህ ንኣኣቶም ዘይሓቁፍ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ፖለቲካውን ምዕባለ ኣብ ሑጻ ከም ዝተሓንጸ ቤት እዩ፡ ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ሰብኣዊ ጫፍነት ወሰናስናውነት ህልውናን ከተማታትን እተስተንትነሉ እዋን እዩ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ለብዒ ኮቪድ - 19 እቲ ንመላእ ላቲን ኣመሪካ ኣዚዮም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰብ ንጽንኩር ፈተና ዝዳርጉ ጸገማትን ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ኢፍትሓውነትን ኢማዕርነትን ኣዚዩ ክጐልሕ ከምዝገበረ ቅዱስነቶም ኣብ መልእኽቶም ከምዘብርሁ ዜና ቫቲካን ሓቢሩን፥

ናይ ካልእ ጸገም ናትካ ምግባር

ናይ ብዙሓት ኣባይቲ ስድራ ጸገማትን ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ኮቪድ - 19 ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኾሮና ተህዋስ ንምድራት ዝውሰዱ ዘለዎ ማሕበራውን ስነ ክንክን ጥዕናናውን ማዕቅናት ከኽብሩ ኩነታቶም ዘይፈቕደሎም ብምዃኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዘለዎም ጸገም ካልእ ተደራራቢ ጸገም ከምዘውርደሎም ኣዘኻኺሮም ኣብዚ እዋን’ዚ ፍሉዩ ቇልሕታ ክግበረሎም ወሳኒ እዩ፥ ብፍላይ ኣባይትን ዝስተይ ጽሩይ ማይን ኣገልግሎት ክንክን ጥዕናን ዘይረኽቡን ኣዚዩም ንሓደጋ ዝተቓልዑ ኣሕዋት ምስትውዓልን ቀረባኦም ምዃንን ግድን እዩ ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ናይቲ ለብዒ ማሕታን ካብ ምጻሩ ክንየው ኣብ ልዕሊ ማሓድሮ ዝፍጸም መጥቓዕትን ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ላቲን ኣመሪካን መላእ ዓለምን ሳንቡእ ዝኾነ ከባቢ ፓንታናልን ኣማዞንን ዝፍጸም ድዩ ዝኽሰት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ጸገማቶም ኣዚዩ ክተሓላለኽ ይገብሮ ከምዘሎን ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ተፈጥሮ ኣብ ሓደጋ ከምዝርከብ መሰኻኽር እያቶም ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ዕለታዊ እንጌራ ምክፋል

እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኣብ ልዕሊ ኤኮኖሚ ዘስዕቦ ዘሎ ቅልውላው ከቢድ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ነቶም ተኣፋፍያን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘስዕቦ መሪር ስቓይ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ እናሓሰቡ፥ ነቶም ተጋባእያን ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዕለታዊ እንጌራ ንዅሉ ውሑስ እዩ፡ ዝተትረፍረፈ እውን እዩ፡ ሕብረትሰብ ዝቐውም ኣብ ምትሕባርን ምድግጋፍን ምትሕልላይን እምበር ኣብ ምንጻልን ሃብቲ ምውህላልን ስስዔን ኣይኮነ ስለዚህ ነዚ ብምስትውዓል ዕለታዊ እንጌራ ዝትርፍረፍ ኣብ ምክፋል ምዃኑ ከስተውዕሉን ኣብዚ መዳይ ክሓንጹ ከምእተላበዉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ምትሕብባር ፍቕሪ እዩ

ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ላቲን ኣመሪካ፥ ነቶም ኣባይቲ ዘይብሎምን ኣልቦ መሬትን ስእነት ስራሕን ዝብሉ ዓበይቲ ጸገማት ከተተኵርን ናይ ኣሕዋት ዕለታዊ ሕይወት ንኽመሓየሽ ዘኽእል መሰረት ክትዝርግሕን ነዞም ዓበይቲ ጸገማት ዜጋታት ብግቡእ ክገጥሙን ካብቲ ቅልውላው ክላቐቑን መታን ኣብዚ መዳይ ሓናጺት ክትከውን ከምእተላበዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ጐደና ምትሕብባር ናይ ፍትሒ ተግባር እዩ፥ ዝለዓለ ናይ ፍቕርን ቅርበትን መግለጺ እውን እዩ ከምዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሓድነት ዓመጽ ክውሉ ይሰግር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ቤተ ክርስቲያንን ሕዝቢ ላቲን ኣመሪካ ዘሳቕይ ዘሎ ኩነት ብሓባር ምፍትሒ ክረኽብሉ ተላብዮም፥ “ሓድነት ካብ ዓመጽ ኣዚዩ ዝበርተዔ ምዃኑ ምዝካር የድሊ - ቢሎም - ብናይ ወንጌል ብርሃን ተደሪኽክውም ነቶም ኵሎም ሓገዝ ዘድልይዎም ብሓባር ምስ ሰብ ጽቡቕ ድላይ ንድለዮምን ቀረባኦም ንኹን ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

20 November 2020, 20:31