ምስ ጐይታ ንክንራኸብ ዘሰናድወና ሕይወት ግብረ ሠናይ እምበር ንኣይ ይጥዓመኒ ዝብል ኣይኮነን! ር.ሊ.

ሰንበት ዕለት 8 ሕዳር 2020 ዓም ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ንጐይታ እንክንጽበ ሠናይ ነገር እናገበርና ጐይቢ ዘይቲ እምነትና ንምላእ ነዚ ከኣ ዕለት ዕለት ብፍቅሪ እግዚአብሔር ተመሪሕና ብግብረሠናይ እንተተጓዒዝና ድሕሪ ሞት ኣብ ንዝጽበየና ብዓል ሕይወት ቀሲና ክንጽበ ንኽእል እንክብሉ ኣብ ምሳሌ ዓሠርተ ደናግል ተመርኲሶም ነዚ ዝስዕብ ኣስተምህሮ ኣቅሪቦም።

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ውዒልኩም!

ናይዛ ሰንበት እዚኣ ቃለ ወንጌል ካብ ማቴ 25.1-13 ዝተወስደ ኰይኑ ነቲ ኣብ ዕለተ ኩሎም ቅዱሳንን ነፍሳተ ሙታንን ብዛዕባ ዘለዓለማዊ ሕይወት ንዘጀመርናዮ ኣስተንትኖ ክንቅጽል ይዕድመና። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መንግሥተ ሰማይ ንዘምልክት ምሳሌ ናይተን ኣብ መርዓ ዝተዓደማ ዓሠርተ ደናግል የዘንቱ።

ኣብ ዘመን ኢየሱስ ጉዳይ መርዓ ኣብ ባህሊ ኣይሁድ ብለይቲ ይግበር ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ እቶም ኣብ መርዓ ዝዕደመ ቀንደል ሒዞም ክቀርቡ ነበሮም። ገለ ካብተን ዕዱማት ዓያሹ ነበራ መቅረዝ መብራህቲ ሒዘን እንከብቅዓ ዘይቲ ኣይተማልኣን እንተ እተን ለባማት ግን ምስ መቃርዘን ንኣኡ ዝኸውን ዘይቲ ይማላኣ። እቲ መርዓዊ ምምጻእ ይድንጒ ለባማተንን ዓይሹአንን ኩለን ከኣ ይታኸሳ። መርዓዊ መጺኡ ንክትቅበላ ውጻ ዝብል ድምጺ ምስ ተሰምዔ ኣብቲ ግዜ እቲ እተን ዓያሹ ንመቃርዘን ዚኣክል ዘይቲ ከምዘይብለን ይስቈረን እሞ ነተን ለባማት ይሓታ፡ እንተኾነ እተን ለባማት ክህባአን ከምዘይክእላ ይነግራኤን ምኽንያቱ ከኣ ንኩለን ዚኣክል ኣይነበረን። እተን ዓያሹ ዘይቲ ክዕድካ ምስ ከዳ እቲ መርዓዊ ይመጽእ። እተን ለባማት ምስ መርዓዊ ኣዳራሽ መርዓ ምስ ኣተዋ መዓጹ ኣደራሽ ይዕጾ። እተን ካልኦት ደንጒየን ይመጻ ዝቅበለን ይስእና።

በዚ ምሳሌ እዚ ገቢሩ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳኡ ንክንራኸብ ወትሩ ተሰናዲና  ክንጽበዮ ይዕድመና። እዚ ምስናዳእ እዚ ኣብ ናይ መወዳእታ ሕይወትና ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን እንታይ ደአ ዕለት ዕለት ምሳኡ ኣብ እንገበሮም ናኣሽቱን ዓበይትን ርክባት መቃርዝ እምነት ጥራይ ዘይኮነ ዘይቲ ፍቅርን ምግባረ ሠናይን ሒዝና ክንጸንሕ ኣሎና። እታ ምስ ኢየሱስ እተኣታኣሳስረና እምነት ከምቲ ሓዋርያ ጳውሎስ ዝብሎ ‘ብምግባረ ሠናይ ብግብሪ እትግለጽ እምነት’ (ገላ 5,6) የድልየና። በተን ኣብ ምሳሌ ዝቀረባ ለባማት ደናግል ምኽሪኸስ እዚ እዩ። ጥበበኛታትን ጥንቁቃትን ምዃን ንጸጋ እግዚአብሔር ንክትምልስ ክሳብ መጨረሽታ ሰዓት ምጽባይ ዘይኮነ ብኡ ንብኡ ኣብ ብተግባር ክተልጾ ኣሎካ። ‘እው ሕጂ ተቀቢለዮ ኣሎኹ ብዛዕባ ለውጢ ሕይወትን ንስሓን ግን ቀስ ኢለ እሓስበሉ ዝበሃል ኣይኮነን ሎሚ ሕጂ ተለወጥ ተነሳሕ። እወ እንተኾነ ጽባሕ ክገብሮ እየ ዝበሃል ኣይኮነን። እቲ ጽባሕ አርክበሉ ዝብል ፈጺሙ ኣይገብሮን እዩ። ግዜ ከሎካ ግዜ ኣይትጸበ እዩ ነገሩ እሞ ሎሚ ደአ ገለ ግበር። ምስ ጐይታ ኣብ እንራኸበላ ናይ መወዳእታ ሰዓት ስንድዋት ንክንከውን ካብዛ ሁመት እዚኣ ጀሚርና ምሳኡ ክንተሓባበርን ነተን ብፍቅሩ ኣብ ልብና ዘስተንፍሰልና ግብረሠናይ ሕጂ ክንፍጽም ኣሎና።

እንታይ ከምዘጋጥም ኣይንፈልጥን ኢና! በዚ ከኣ ብዙሕ ግዜ ዕላማ ሕይወትና ንዝንግዕ እሞ ነታ ኣብ መወዳእታ ሕይወትና ምስ እግዚአብሔር እንራኸበሉ ወሳኒ ቆጸራ ዘንጊዕና ኣብ ናይ ግዜኡ ፍጻሜታት ንወሓጥ። ንግዝያዊ ነገራት ብምትኳር ብዛዕባ ግዝያዊ ፍጻሜታት ጥራይ ምሕሳብ ነታ ዝበለጸትን ቀንትን ዝኾነት ትጽቢት ትርጉማ የህስሶ እሞ ፈጺምካ ተጻይ ግዝያዊ ነገራት ገቢርካ ክሳብ ምግማታ እውን የብጽሕ። ትርጉም ትጽቢት ናይ ምዝንጋዕ ዝንባሌ ብዛዕባ መጻኢ ሕይወት ንዘሎና ኣመላኽታ የህስስ፡ ናብ ንየዋይ ዓለም ከምዘይትሓልፍ ሓሲብካ ኣብ ግዝያዊ ነገራት ጥራይ ከም እትወሓጥ ይገብረካ። በዚ ከምዚኸስ ንሎሚ ጥራይ ክትእክብ ዝበለጸ ሕይወት ክትነብር ግዝያዊ ናብራ ኣብ ምጥጣሕ ጥራይ ተድህብ። ወትሩ ናብዚ ትወሓጥ። ቀልብናን ሃምናን ብዝስሕብ ማለት ግዝያዊ ደስታን ባህታን ኣብ ዝህበና ነገራት ብምትኳ ጥቅምታትና ጥራይ እንተደሊና ሕይወትና መኻን ይኸውን ንመቃርዝና ዝኸውን ዘይቲ ኣይንእክብን በዚ ከኣ እታ መብራህትና ምስጐይታ ከይተራኸብና ኣቀዲምና ዘይቲ ወዲኣ ትጠፍእ። ርግጽ እዩ ንሎሚ ክነብር አሎና እንተኾነ እዚ ሎሚ ናብ ጽባሕ ናብቲ ናይ መወዳእታ ርክብ ምስ ጐይታ ከምርሕ ኣሎዎ። ሎሚ ብተስፋ ዝመልአ ክኸውን ኣለዎ። ብኣንጻሩ ከምቲ ወንጌል ዝብሎ ወትሩ ተሰናዲና እንተደኣ ተጺብናን ነቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ጸጋ ዝወዳደር ሠናይ ነገር እንተፈጸምናን ነቲ ዘይተርፍ ምምጻእ መርዓዊ ብህድኣት ቀሲና ክንጽበዮ ንኽእል። ጐይታ እንዳደቀስናን እውን ክመጽእ ይኽእል እዩ ስንድዋት እንተኾና ግን ዘሻቅል ወይውን ዘፍርህ የብልናን ከመይ ከምተን ለባማት ደናግል ዚኣክል ዘይቲ ብዕለታዊ ሠናይ ተግባራት ዝኣከብናዮ ኣሎና። ብዝቀልጠፈ ግዜ መጺኡ ምሳኡ ክወስደና እውን ስንድዋት ኢና።

እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም ከምቲ ንሳ እምነት ብተግባር ብምምስካር ዝገበረቶ ክንነብር ክትሕግዘና ኣማልድልና ንበላ። ንሳ ንባዕላ ድምቅቲ ቀንዴል ብምዃና ንለይቲ ሞት ንምስጋርን ኣብታ ዓባይ በዓል ሕይወት ንምብጻሕን ትሕግዘና።

ብድምጺ ንምክትታል!
08 November 2020, 11:01