ሰነድ ዛዕባ መክካሪክ፥ ቅርበት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ኣደዳ ዝኾኑ

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 11 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ድሕሪ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ምኽንያት ከቢድ ስቓይ ዝኾነ ዓመጽ ካብ ስሩ ንኽመሓው ቤተ ክርስቲያን እተካይዶ ጻዕሪ ብኣጽንዖት ከምዝሓደሱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ወግዓዊ ዝኾነ ዛዕባ ነበር ካርዲናል ተኦደረ መክካሪክ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝፈጸምዎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዘረጋግጽን ማዕርገ ካርዲናልነቶም ክህነቶም ብውሳኔ ቤተ ክርስቲያን ኣብ 2019 ዓ.ም. ዝጠቐንጠጡን ዝምልከት፡ ዕለት 9 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ነበር ካርዲናል ተኦዶረ መክካርክ ጉዳይ ዝሕብር ዓሚይቕን ምኽንያት ስቓይ ዝኾነ ተግባሮም ዝምልከት ብናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ወግዓዊ ዝኾነ ሰነድ እናሓሰቡ፥ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ንዝኾኑ ቅርበት ቤተ ክርስቲያንን ነዚ ዓይነት ከቢድ ስቓይ ዝኾነ ዓመጽ፡ ካብ ስሩ ንኽመሓው ቤተ ክርስቲያን ኣበርቲዓ ከምእትዓዪ፥ ካብቲ ኣብ ሓዋርያዊ ሕንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ መጻሕፍት ኮይኖም ድሕሪ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣረጋጊጾም፥ “ነቶም ኣደዳ ዝኾነ ቅርበተይ እሕድስን ቤተ ክርስቲያን ነዚ ዓቢይ እከይ ተግባር`ዚ ካብ ስሩ ንኽመሓው ኣብ ዝግበር ህርኩት ጻዕሪ ብዘይ ምቑራጽ ኣበርቲዓ ክትዓዪ ምዃናን ኣብዚ መዳይ እተሳልጦ ጻዕሪ እሕድስ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስነቶም ድሕሪ እቲ ዘስምዕዎ ቃል ብጽሞና ናይ ሕልና ጸሎት ከምዘዕረጉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ንፈለማ ግዜ ብሓደ ዜጋ ክሲ ምስ ቀረበ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ በቐጥታ ነቶም ክስ ዝቐረበሎም መክካሪክ ኣብ 2006 ዓ.ም. ካብ ሓላፍነቶም ንኽለዓሉ ህጹጽን ቆራጽን ውሳኔ ኣመሓላሊፎም፡ ቅድም ማዕርገ ካርዲናልነቶም ክለዓልን ደሓሪ ካብ ሓላፍነቶም ክውገድን ማዕርገ ክህነቶም ክቕንጠጥን ገይሮም እዮም፡ እዚ መሰረታዊ ሓሳብ’ዚ ኣብቲ 461 ገጽ ዘለዎ ሰነድ ብዛዕባ ነበር ካርዲናል ተዎዶረ ኤድጋር መክካሪክ (1930 – 1917 ዓ.ም.) ናይ ቅድስቲ መንበር ተቛማዊ ኣፍልጦን ውሳኔ ናይ ምትሕልላፍ ኪደት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ወግዓዊ ዝገበሮ ናይቶ ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾነ  ቃል ምስክርነት ዝተነብሮን ካብ ክሳብ ሕይወት መክካሪክ ዝግለጽን ኣብ 2000 ዓ.ም. ብዛዕባ  እቲ ዝፍጸምዎ ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝፍለጥ ብዘይ ምንባሩ ናይ ዋሽንግቶን ሊቀ ጳጳሳት ንኽኾኑ እውን ተሰምዩ፡ ኣብ 2001 ዓ.ም. ካርዲናል ተሰምዮምን ብዝዕባ እቲ ፈጺሞምዎ ዝበሃል ናይ ወሲብ ዓመጽ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክጻረይ ገይሮምን ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት መርመራ መክካሪክ ካብ ኵሉ ኤቅለሳዊ ሓላፍነትን ማዕርገ ካርዲናልነቶም ክህነቶም ክቕንጠጥ ውሳኔ ከምዘመሓላለፉ ይዝከር። እቲ ብቅድስቲ መንበር ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ወግዓዊ ዝኾነ ኣብ ልዕሊ መክካሪክ ዝተኻየደ መርመራን ውጽኢቱን ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተወሰነድ ናይ ክልተ ዓመት ናይ መርመራ ውጽኢት እውን እዩ።

ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን እውን ብወገኖም እቲ ሰነድ ወግዓዊ ምስ ኮነ፥ “እቲ ሰነድ እቶም ኣብቲ መክካሪን ካህንን ጳጳስን ደሓር እውን ካርዲናል ንኽኾኑ ሓሳብ ዘቕረቡን ኣብዚ ምርጫ እዚ ዝተሳተፉን ውሳኔታቶም ናይ ግድፈታቶምን ከበድን ሓላፍነት ንኸስተውዕሉ ዓቢይ ተጽእኖ ዝፈጥር እዩ፡ ዓሚዩቕ ኣስተንትኖ ንኽንገብርን ካብቲ ዝሓለፉ ዘሕዝን ልምድታት ተማሂርና ንመጻኢ ብሉጽ ነገራት ንኽንፍጽም ዝድርኽ እዩ” ዝብል ሓሳብ ዘስመሩሉ ሰፊፍ መግለጺ ከምዝሃቡ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

12 November 2020, 16:27