ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ብብርቱዕ ህቦብላ ንዝተጠቕዑ ይጽልዩ

ዕለት 29 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ዕለተ ሰንበት ድሕሪ ዘዕረገዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ሓሳቦም ናብቲ ብሓውሲ ዝናም ብርቱዕ ህቦብላ ንዓቢይ ስቓይን ማህሰይትን ንዝተቓልዔ ሕዝቢ ማእከላይ ኣመሪካ ገይሮም ከምዝጸለዩን ኣተሓሒዞም እውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጉዕዞ እዋን ምጽኣት ከምእተጀመረ ዘኪሮም፡ ቁጥብን ጸላይን ንድኻታት ቆላሕታን ዝገብር ሕይወት ንኽንበር ሓደራ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ድሕሪ ዘዕረግዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል በቲ ብርቱዕ ዝናብ ዝተሓወሶ ብርቱዕ ህቦብላ ኵለ መደያዊ ከቢድ ማህሰይቲ ንዘጋጠሞ ሕዝቢ ማእከላይ ኣመሪካ እናሓሰቡ፥

ነቲ ብብርቱዕ ህቦብላ ንዝተጠቕዔ ሕዝቢ ማእከላይ ኣመሪካ ብፍላይ ንደሴት ሳን ኣንድረስ ፕሮቪደንሲያን ሳንታ ካታሊናን ከምኡ እውን ንሰሜን ኮሎምቢያ ገማግም ባሕሪ ፓሲፊክ ደጊመ ጸሎተይን ቅርበትይን አረጋግጽ፥ በቲ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ምኽንያት ንዝሳቐያ ሃገራት ኵለን እጽልይ!

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዘመነ ምጽኣት

ቅዱስ ኣቦና ነቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ንዝነበሩ መንፈሳውያን ነጋዶ ቅድሚ ምስንባቶም፡ ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ዘወርደልና ዘሎ ጸግም እውን እንተሎ ካብዚ ኵነት’ዚ እውን ከይተረፈ እቲ ሰናይ ዝኾነ ከነለልይን ምእንቲ እዚ እውን ሰለስተ መገዲ እንክሕብሩ፥

ዝለዓለ ቁጥብነትን ነቶም ድኻታትን ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡን ጥንቁቕን ኣኽባርን ንቆላሕታ ክንገብርን ኣብ ስድራ ቤት ገርሄይና ጸሎት ዝፍጸመሉ እዋን እዩ፡ እዞም ሰለስተ መገድታት ዝድግፉና እያቶም!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ዝተኸስተ ብርቱዕ ህቦብላ 200 ዜጋታት ንሞት ከምዝዳረገ

እቶም ኤታን ዮታን ዝተሰምዮ ህቦብላ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ክልተ ሚእቲ ሰባት ንሞት ከምዝዳረገን ቁጽሮም ገና ዘይተፈልጡ ዜጋታት ሃለዋቶም ገና ከምዘይተረኽበን ልዕሊ ኣማኢት ሚሊዮን ዝግመት ንብረት ከምዘባደመ እውን ክንገር እንከሎ፥ እቶም ክልተ ህቦብላ ኣብ ናይ ሓደ ሰሙን ርሕቐት ፍልልይ ዝተኸስቱ ከምዝነበሩን ኣብ ማእከላይ ኣመሪካን ካሪቢያን ደሴታት ኮሎምቢያን ብዙሕ መጉዳእቲ ከምዘስዓበ ይሕብር። ኤታ ዝተሰምየ ህቦብላ ዕለት 3 ሕዳር ስዒቡ እውን ዮታ እተሰምየ ህቦብላ ዕለት 16 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ዝተኽስተ ምንባሩ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣተሓሒዙ እቲ ብርቱዕ ህቦብላ ብርቱዕ ዝናም ሓውሲ እውን ብምንባሩ ዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይ ከቢድ እውን ከምዝነበረ የመላኽት።

ህቦብላ ናይ ዘስዓቦ መጉዳእታ ሚዛን

እቲ ህቦብላ ኣብ ሆንዱራስ ከቢድ ማህሰይቲ ከምዘስዓበን ብጠቕላላ 94 ሰባት ከምዝሞቱን 3.9 ሚሊዮን ሕዝቢ ብዝተፈላለየ መገዲ ከምዝሃሰየ፡ ካብ ዚኣቶም ናይ 1.54 ዜጋታት ኣባይቲ ከምዘባደመን 300 መገድታት ከምዘፈራረሰን 48 ድልድል እውን ከምዘባደመን ካልኦት 32 ብምልኣተ ወሓይዝ ማይ ከምዘዕለቕለቐን፡ ኣብ ጓተማላ 60 ዜጋታት ንሞት 2.1 ሚሊዮን ዜጋታት ብዝተፈላለየ መዳይ እውን ከምዝተንከፈን ኣብ ኒካራጓ 21 ዜጋታት ንሞት 742 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ከምዘባደመን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ኣብ ልዕሊ ኮሎምቢያውያን ደሴታት ዘስዓቦ መጉዳእቲ

ኣብ ፓናማ ኤታን ዮታን ህቦብላ ልዕሊ 20 ዜጋታት ንሞት ሓደጋ ከምዘቃልዔን ካልኦት 10 ዝግመቱ ኸኣ ሃለዋትገና  ከምዘይተፈልጠን፡ ኣብ ኮስታ ሪካ ኤታ ከቢድ መጉዳእትን ሞትን ከምዘስዓበን እቲ ህቦብላ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ መጉዳእቲ ቅድሚ ምስዓቡ ኣብ ባሕረ ካሪቢያን ኣብ ኮሎምቢያውያን ደሴታት፥ ደሴት ኣንድረስን ፕሮቪደንሲያን ሳንታ ካታሊናን ክልተ ሰባት ንሞት ሓደጋ ከምዘቓለዔን ናይ ሰብኣዊ ቅልውላው ከምዘውረደን ልዕሊ 270 ዝግመቱ ብዘይ መሰረታዊ ኣድላዪ ንሕይወት ከምዘትረፈ እውን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ። 

29 November 2020, 16:24