ድኻታት ማእከል ወንጌል እዮም፡ ኢድና ንክንዝርገሓሎም ትብዓት ፍቅሪ የድሊ! ር.ሊ.ጳ

ዓለምለኸ ዕለተ ድኻታት ሎምዘመን ንራብዓይ ግዜኡ ኣብ ዝተዘከረሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 15 ሕዳር 2020 ዓም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ‘ሕግታት ክሕልው ጥራይ ዝስከፉ ንኣገልግሎት ካልኦት ግን ጠኒኖም ዘይኣትው ክርስትያን ቅቡላት ኣይኮኑን’ እንክብሉ ንኣገልግሎት ኣሕዋት ምናዳ ኸኣ ድኻታት ትብዓት ፍቅርን ተወፋይነትን ከምዘድሊ ገሊጾም።

ዜና ቫቲካን!

ኣብ ዕለቱ ዝቀረበ ቃለ ወንጌል ማቴ 25.14 ኰይኑ ብዛዕባ ምሳሌ መክሊት ኰይኑ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ክእለቱ ንሓደ ዓሠርተ ነቲ ካልእ ሓሙሽተ ንሳልሳይ ከኣ ሓንቲ መክሊት ሂቡ ዝገሸ እሞ ጸብጻብ ምስ ገበሩ እቶም ክልተ ከከም ክእለቶም ዕጽፊ እንክኸስቡ እቲ በዓል ሓንቲ መክሊት ግን ቀቢርዋ ነሩ ከምዘላታ ምርካርቡ ዝገልጽ እቶም ክልተ ንዝለዓለ ሽመት እንክጽውዑ እቲ ሓደ ግን ከምዝተወቅሰ ዘመልክት ነበረ። ቅዱስነቶም ካብዚ ቃል ኣምላኽ ተበጊሶም እግዚአብሔር ኣቦ ንነፍስወከፍና ሓደ ትዕድልቲ ከምዝጸገወና ብምግላጽ ሰፊሕ ስብከት ኣቅሪቦም።

እግዚአብሔር ኣቦ ንነፍሲወከፍና ውህበት ዓዲሉ!

ቅዱስነቶም እዚ ዓቢ ሠናይ ነገር ከምዝኾነ ነዚ ዕብየት እዚ ዝገልጽ ከኣ እቲ ዋና ገንዘብ ነቲ ገንዘብ ንገዛእ ርእሱ ጥራይ ክሕዞ ኣይደለየን እኳ ደአ ንኣገልገልቱ የወፍዮ። ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ከከም ክእለቱ ይዕድሎ። ሎሚ እውን እንተኾነ ንዓና ንነፍሲወከፍና ዘዘኻኽረና ጉዳይ እንተልዩ ብዘይ ጸጋ እግዚአብሔር ዝጅመር የለን ኩሉ ብጸጋ እግዚአብሔር እዩ ዝጅመር። እዚ ጸጋ እዚ ከኣ ኣብ ኢድ ነፍሲወከፍና እግዚአብሔር ዘቀመጦ ውህበት እዩ።

ዓቢ ሃብቲ ሒዝና ንጐዓዝ ኣሎና እንታይነት ናይዚ ሃብቲ እዚ ኣብ ትሕዝቶና ዘይኮነ ኣብ መንነትና እዩ። እዛ መንነት እዚኣ ከኣ ካብታ ኣብ ውሽጥና ዘላ ዝተዋህበትና ሕይወት ጀሚርካ ክንዯኣ ዘየሎ እዝጊ ዝዓደለና ጽባቄ ተጠቃልል። ከመይ ብኣርኣያን ኣምሳልን እግዚአብሔር ዝተፈጠርና ስለዝኾና ነፍሲወከፍና ፍሉይ ፍጥረትን ኣብ ኣዕይንቲ እግዚአብሔር ክቡራትን ኣብ ታሪኽ ተካኢ ዘይብልናን ኢና። ነዚ ምዝካር ክሳብ ክንደይ ኣድላዩ ምዃኑ ሕሰቡሉ። ብዙሕ ግዜ ኣብ ሕይወትና እንተተመልከትና ክንዲ ነቲ ዘሎና ጸጋ ንጥምት ኣብ ዝጐድለና ንኣሽቱ ነገራት ነተኲር። ካብ እንተ ዝህልወኒ እንተዝኸውን ዝብል ፈተና ንህደም። ከምኡ እውን እዚ ጸገም እዚ እንተዘይከውን ወይውን ኣብ ከባቢየይ ካባይ ዝሕሹ ሰባት እንተ ዝህልው እናበልካ ዕሚም ካብ ዘብል ፈተና ወጺእና ንዘሎና ጸጋን ትዕድልትን ነስተውዕለሉ ኢሎም።

እዘን ጸገማት እዚኤን ማለት እግዚአብሔር ኣሚኑናስ ነፍሲወከፍና ከከም ዓቅምና ንክነፍርየሉ ክንደይ ሠናይ ነገር ከምዝዓደለና ጽቡቅ ገቢርና ንከይንርኢ በዚ ከኣ ንነፍስና ብዝምርዙ ዘይጠቅሙ ነገራት ተዓጊትና ግዜና ከምእነጥፍእን ካልኦት ክገብርዎ ኣብ ምጽባይ ተዓኒድና ነቲ ንሕና ክንፍጽሞ ዝተዓደለና ዕጃም ሥራሕ ከምእንዝንግዕ ይገብረና። ስለዚ ናብ ልብና ምልስ ኢልና እግዚአብሔር ካባይ እንታይ ይጽበ ኢልና እንተሓተትና ንገዛእ ርእስና ዘይኮነ ከም ውህበት ንዝተቀበልናዮ ሕይወት ንካልኦት ከም ውህበት ክንነብራ ኣሎና ኢሎም።

ንገዛእ ርእስኻ ዘይኮነ ንካልኦት ክንውፈ የድሊ!

እቲ ቀንዲ መልእኽቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል እቶም ኣገልግልቲ ዝተዋህቦም መክሊት ምፍራይ እዩ እዚ ከኣ ኣገልግሎት ምዃኑ እዩ ዝበሉ ቅዱስነቶም ንከገልግሎት ዘይንበር ሕይወት ኣይኮነን። ንሕይወት ትርጉም ዝህብ ኣገልግሎት እዩ ይብሉ እሞ ኣገባብ ኣገልግሎት ከመይ ኮን ይኸውን ኢሎም ሓቲቶም እምክምልሱ፡

ኣብ ወንጌል ንፉዓት ኣገልገልቲ ዝበሃሉ ምንም ከይፈርሁ ጠኒኖም ዝሰርሑ እዮም። ንዘጋጠመ ሓደጋ ዝብድሁ። እንታይ ኮን የጋጥመና ኢሎም ዝጭነቁን ዝጥንቀቁን ኣይኮነን እንታይ ደኣ ነታ ዝተቀበልዋ የዋፍርዋ። ምኽንያቱ ከኣ ሠናይ ነገር እንተዘየዋፊርካይ ይጠፍእ በዚ ከኣ ዕብየት ሕይወት ክንደይ ከምዝቆጠብና ዘይኮነ ክንደይ ከምዘፍረና ብምምልካት እዩ ዝፍረድ። ክንደይ ሕዝቢ እዩ ሃብቲ እናኣከበ ሕይወቱ ዝሓለፈ! እዚ ከኣ ክንዲ ሠናይ ምግባር ሠናይ ናብራ ንገዛእ ርእሶም ክነብሩ ክብሉ እዮም። ንድልየታታ ጥራይ ክተማልእ ንስእነት ጽጉማት ከይረኣየት እትነብር ክሳብ ክንደይ ባዶሽ ምዃኑ ንፍለጥ። ውህበት እንተልዩና ንካልኦት ንክንውፈ እዩ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣተሓሒዞም ናብ ሕልናና ምልስ ኢልና ንምስትንታን ‘ኣብዚ እዩ ኣሕዋተይን ኣሕተይን ንገዛእ ርእስና ኣነኸ ድልየታተይ ጥራይዶ እኽተል ወይስ ጸገም ንዘለዎ ጽጉም እምልከት ኢልና ንሕልናና ንሕተት’ ኢሎም።

ብመምርሒ ወንጌል ንኩሉ ከይጠንጠንካ ምትእምማን የለን!

ቅዱስነቶም ኣብ ምሳሌ ናይቶም እሙናት ኣገልግልቲ ምልስ ይብሉ እሞ እቲ ምትእምማኖም ነቲ ዝተዋህቦም መክሊት ምንም ከይተወላወሉ ኣብ ወፍሪ ከውዕልዎ እንከለው ማዕረ እቲ ምትእምማኖም ከኣ ኩሎም ከከም ዓቅሞም ዕጽፊ ከፍርዩ ምኽኣሎም ብሕጊ ወንጌል ከምኡ ከይገበርካ ምትእምማን ከምዘየሎ የረጋግጸልና ኢሎም። ኣብ ንቡር ሕይወት ክርስትናና ምልስ ኢሎም ከኣ ‘ሓደ ክርስትያን ኣብ ድፋዕ ምክልኻል ኣትዩ ንሕግታት ኣብ ምኽባርን ምክትታልን ተሓጺሩ ምርኣይ ዘሕዝን እዩ። ኣብ ሕይወት ክርስትና ጌጋ ካብ ምግባር ምጥንቃቅ ጥራይ በይኑ እኹል ኣይኮነን ንሠናይ ነገር ተበግሶ የድሊ። ንዝተዓደልካዮ መክሊት ቀቢርካ ሕማቅ ካብ ምግባር ጥራይ ምቊጣብ እኹል ኣይኮነን። ስለዝኾነ ከኣ እዩ ነቲ መክሊቱ ቀቢሩ ዝነበረ ኣታ ሕሱም ኣገልጋሊ ትብል ቅጽል ዝተዋህበቶ ኣብነቱ ንዝኽተል ክርስትያን እውን ክትወሃቦ እያ’ ኢሎም። ምናልባት ድኻታት ዘጸግሙ ንዝመስለና ከምኡ ዘይኮነስ ብኣንጻሩ ድኻታት ብፍቅሪ ከምእንህብትም ዝገብሩና ህያባት እግዚአብሔር ምዃኖም እውን ገሊጾም።

ድኻታት ብፍቅሪ ከምእንህብትም ይገብሩና!

ኣብ ፍጻሜ ናይቲ ምሳሌ እቲ ጐይታ ነቲ ዘይእሙን ኣገልጋሊ በቲ ዝተዓደሎ ከፍሪ ዘይክእል ምዃኑ ምስ ፈለጠ ክገብሮ ዝነበሮ ካልእ ምርጫ ይሕብሮ ማለት ወለድ ንዝህብ ባንክ ከረክቦ እሞ ኣብ ምምላሱ ምስ ወለዱ ክቅበሎ ዝምኽኣሉ ይገልጸሉ እዚ ከኣ ንዓና እውን ብቀጥታ ስለዝምልከት ንዝተዓደለና ጸጋ ኣለሊና ዚኣክል ጥንቃቄ ክንገብር ይዕድመና። ከመይ ዘይናትካ ዘይናትካ እዩ እሞ ተጠንቂቅካ ክትጥቀመሉን ኣብ ዕለተ ጸብጻብ ምኽኑይ ጸብጻብ ንምቅራብ ክሕግዘና እዩ ይብሉ እሞ ኣብ ትርጉም ሰብ ባንካ ይሓልፉ።

እዞም ንመክሊቱ ምስ ወለዱ ክመልሱ ዝኽእሉ ሰብ ባንካ እንታዎት ኮን ይኾኑ! እዚኦም ድኻታት እዮም ነዚኣ ኣይትረስዑ። ንመክሊት ምስ ወለዱ ዝመስልሱ ድኻታት ወንጌል እዮም። ብዘይ ድኽታት ንወንጌል ክንርድኦ ኣይንኽእልን ኢና። ነቲ ብኩሉ ሃብታም እንከሎ ንርእሱ ኣድክዩ ኢምንትነት ዝመረጸ ኢየሱስ ኣምሳልን ወከልትን ድኻታት እዮም። ድኻታትከስ ሕይወት ዘለዓለም የውሕሱና በዚ ከኣ ብፍቅሪ ከምእንህብትም ይገብሩና። ከመይ እቲ ክንቃለሶ ዘሎና ዝዓበየ ድኽነት ብኩሉ ዘጥቅዓና ዘሎ ድኽነት ፍቅሪ እዩ ኢሎም።

ዘፍቅር ፈጺሙ ኣይደክን እዩ!

ሎም ዘመን ኣብ ዝዝከር ዕለተ ድኻታት ከም መሪሕ ቃል ዝተመርጸት ‘ኢድና ንድኻታት ንዘርግሕ’ ትብል ሓረግ እያ። ነዚኣ ሓረግ ብዝበለጸ እትግለጽ ክፍሊ ቅዱስ መጽሓፍ ከኣ ኣብ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ መጽሓፈ ጥበብ ንለባም ሰበይቲ መን ይረኽባ ኢሉ ካብ መለለዩ ጠባያታ ሓደ ከኣ ኢዳ ንድኻ ምዝርጋሓ ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ንዘሎካ ምስ ድኻታት ምክፋል መመሊስካ ከምእትህብትም ደኣ ይገብረካ እምበር ኣየጸግመካን እዩ ምስ በሉ ምናዳ ናብ ልደት ገጽና ኣብ እንጐዓዘሉ ዘሎና እዋን ነዚ ጥበብ እዚ ክንጥቀመሉ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም።

ዘመነ በዓላት ዘመነ ልደት ይቀራረብ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ወቅቲ እዚ ካብ ዝሓትዎ ክንደይ ግዜ ‘እንታይ ክዕድግ እየ! ቢልካ ናብ ክንደይ ድንኳናት ዘወን ይበሃል። እንተኾነ ኣብ ክንዲ እንታይ ክዕድግ! ምባል ንኢየሱስ ንምምሳል ነቲ ምእንታና ክብል ኣብ መብልዕ ማል ብድኽነት ንዝተወልደ ኢየሱስ ንምምሳል ንድኻታት እንታይ ክህብ ኢልና ንሕሰብ ኢሎም።

አባ ማልጀዚኒ ንጹር ምስክር ወንጌል!

ቅዱስነቶም ኣብ ምዝዛም ስብከት ዓለም ለኸ ዕለት ድኻታት ነቶም ሕይወቶም ከይበቀቁ ንድኻታት ብምውፋይ ኩሉ ኩሉ ጐይታ ዝዓደሎም ንድኻታት ዘወፈዩ ናይ ዘመንና እሙናት ኣገልገልቲ ዘኪሮም ኣመስጊኖም። ካብዚኦም ሓደ ዝኾኑ ዝሓለፈ ወርሓት ኣብ ሃገረ ጣልያን ከተማ ኮሞ ንድኻታት ኣብ ምግልጋል ነዊሕ ዘገልገሉን ንድኻታት መግቢ ክዕድሉ እንከለው ዝተቀትሉ ኣባ ሮበርቶ ማልጀሲኒ ህያው ኣብነት ምዃኑ ኣዘኻኺሮም። ንኣባ ማልጀዚኒ እንታይ ደፋፍኦ እንተኢልና ተዓዲሉ ኣብቶም ድኻታት ገጽታ ኢየሱስ ይርኢ ነሩ ስለዝኾነ ከኣ ሕይወቱ ንኣኣቶም ብምውፋይ ክሳብ መወዳእታ እስትንፋሱ ኣገልጊሉ ኣብ ኣገልግሎቶም እንከሎ ከኣ ሕይወቱ ከፊሉ በዚ ከኣ ንጹር ምስክርነት ወንጌል ሂቡና። ናይ ዘረባ ናይ ቃላት ክርስትያን ጥራይ ኰና ከይንተርፍ ጐይታ ጸጋኡ ክህበና እሞ ብተግባር ከምቲ ኢየሱስ ዝደልዮ ብዙሕ ፍረ ክንፈሪ ንለምን እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
16 November 2020, 00:21