ድሕሪ ሞት ዘሎና ተስፋ ንሕይወትና ትርጉም ዝህብ ዓንዲ ማእከል ሕይወት እዩ! ር.ሊ.ጳ

ሕዳር ዕለት 2 ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝኽሪ ኩሎም ነፍሳት ሙታን እትገብረሉ ስለዝኾነ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እውን ከም ልማዶም ካብ ከተማ ቫቲካን ውጽእ ኢሎም መቃብራት ክበጽሑን ክጽልዩን እኳ እንተዘይከኣሎ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ከተማ ቫቲካን ተሓጺሮም ኣብ ውሽጢ ከተማ ቫቲካን ዝርከብ መካነ መቃብር ተውቶኒክ መሥዋዕተ ቅዳሴ ስለ ነፍሳት ኩሎም ሙታን ብሕልፊ ከኣ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብለቨዳ ኮቪድ 19 ናብ ንየዋይ ዓለም ስለዝሓለፍ ጸልዮም። ኣብ ዘቅረብዎ ስብከት ከኣ ቃላት ኢዮብ ጻድቅ ብምድጋም ጐይታ መጻኢ ሕይወት ክህበና ንለምኖ ምስ በሉ ኣብ ባሲሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝርከብ መቃብር ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ከይዶም ጸሎተ ሙታን ወይውን መስተበቊዕ ዘሙታን ኣብጺሖም።

ዜና ቫቲካን!

ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘቅረብዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከም ቀዳማይ ንባብ ዝቀረበ ካብ መጽሓፈ ኢዮብ ብምንባሩ ከም ኢዮብ ጻድቅ ኩልና ኣብ ሕሱም ግዜስ ይኹን ኣብ ግዜ ደስታ ኣብ ግዜ ፈተናስ ይኹን ወላ ሞት ኣብ ድርኲዂት ገዛና ኰይና እንክተናውጸና ‘ኣነ እግዚአብሔር መድሓኒየይ ሕያው ከምዝኾነ እፈልጥ እየ ብገዛእ ኣዕይንተይ ከኣ ክርእዮ እየ’ እናበለ ብዓቢ ምትእምማንን ተስፋን ክንጽሊ ኣዘኻኺሮም። ኣንኮ ተስፋ ክርስትያን እዚኣ ከምዝኾነት ማለት እግዚአብሔር ብዝሃበና ጸጋ መድሓኒና ሕያው ምዃኑ ምፍላጥን ብገዛእ ኣዕይንትና ክንርእዮ ከምዝኾነ ርግጸኛታት ምዃንን እዩ። ነዚ ጸጋ እዚ ክህበና ክንልምኖ ከኣ እዋኑ እዩ። ቅዱስነቶም ምስዚ ኣተሓሒዞም ኣብ ዘሎናዮ ሁመት ኣብ ልብን ቀልብን ብዙሓት ኣሕዋትን ኣሓትን ኰይኑ ዝህውጽ ዘሎ ናይቶም ንሰማይ ዝሓለፈሉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኩነትን ከመይ ኰን ይኸውን ብማለት እንከስተንትኑ ናብ መቃብራት ፍቁራቶም ይበጽሑ። ንዓና እውን ናብ መቃብራት እንፈትዎም ከድና ንእሽቶ ጸሎት ምግባር ንላዕሊ ንሰማይ እናጠመትና ከኣ ሃምናን ቀልብናን ኣብ ሰማያዊ ሕይወት ምግባር ክሕግዘና ይኽእል። ንሰማይ ቊሊሕ እንክብል ከኣ ከምቲ ናይ ኢዮብ ጻድቅ መድሓንየይ ሕያው ከምዝኾነ እኣምን ገጽ ንገጽ ምሳኡ ክረኣአ እየ ክንብል ኣሎና ኢሎም።

መድሓኒየይ ሕያው ከምዝኾነ እፈልጥ ብገዛእ ዓይነይ ከኣ ክርእዮ እየ!    

ቅዱስነቶም ናብ ታሪኽ እዮብ ምልስ ይብሉ እሞ ዳርጋ ዝተሳዕረ ኩሉ ዝጸልመቶ ዝመስል ዝነበረ ኢዮብ ኩነታቱ ብሕማም ማሲኑ ቊስሊ ንቊስሊ ኰይኑ ቆርበቱ ተመላሊጡ ኣብ ኣፋፈት ሞት እንከሎ እዩ ‘መድሓኒየይ ሕያው ከምዝኾነ እፈልጥ ብገዛእ ዓይነይ ከኣ ክርእዮ እየ ኣብ መወዳእታ ካብ ሓሙዂሽቲ ከተንሠአኒ እዩ’ ክብል ብምሉእ ምትእምማን ዝጸልየ። ኩነታቱ ብሓቂ ትሒቱኡ ኣሎ ዘይትብሎ ወይውን ካብኡ ዚሓስም ሕሰም ኣሎ ዘይትብሎ ነበረ እንተኾነ ኣብቲ ግዜ እቲ መረጋገጺ ዝኸውን ብርሃን ሓይልን ይለብስ እሞ ‘በዘን ኣዕይንተይ ገረ ንመድሓኒየይ ክርእዮ እየ! ኣዕይንተይ እንትርፎ እዚ ካልእ ኣየስተንትናን’ ክብል ይዛረብ። እዚኣ እንኮ ተስፋ ክርስትያን ዘላትና ርግጽነት እምነትና እያ ሎሚ ኩልና ካብ እግዚአብሔር ክንልምና ዘልና ጸጋ ኸስ እዚኣ እያ።  እዚኣ ርግጽነት እዚኣን እዛ ተስፋ እዚኣን ኢዮብ ጻድቅ ኣበይ ኰይኑ ቢልና እንተሓተትና ኩሉ መሪርዎ ኣብ ድነ ሞት ኰይኑ እንክጸዓር እዩ ነዘን ቃላት እዚአን ዝብል ዘሎ። ንሕና እውን ነዚ ጸጋ እዚ ንለምን። ጸጋ ኣምላኽ ስለዝኾነ ከይለመናዮ ክንረኽቦ ኣይንኽእልን እሞ ‘ኦ ጐይታ እዛ ተስፋ እዚኣ እዛ ጸጋ እዚኣ ሃበኒ’ እናበልና ንመሃለል። ከመይ ብዙሕ ዘይተጸናዮ ነገራት ዘጒሂ ተስፋ ዘቊርጽ ጉዳያት ከጋጥመና ይኽእል እንተኾነ እዚ መወዳእታ ኣይኮነን ኣብ መወዳእታ ዝዕወት ኣብ ጐይታ ዝውከል ብጐይታ ዚኣምን ተስፋኡ ኣባኡ ዝገበረ እዩ። እንተዘየለ ከምቲ ናይ ኢዮብ ዓለም ንዓና እውን ድሕሪ ሞት ዘሎ የለን ኣሕጽር እንተበልካያ ይሓይሽ እንክብል ካብ ሕይወት ሞት ንክንመርጽ ዝደፋፍእ መሊኡ እዩ ይብሉ ሓይሊ ተስፋ ተጻይ እዚ ኩሉ ፈተነ ክሳብ ክንደይ ጽኑዕ ምዃኑ ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

“ቅዱስ ጳውሎስ ተስፋ ኣይተደናግርን እያ ይብለና። ተስፋ ናብኣ ትስሕበና ንመንባብሮና ንሕይወትና ትርጉም ትህቦ። ክንዮ እዚ ዓለምዚ እዚ ዘሎ ንየዋይ ዓለም ኣይርእዮን እየ። እንተኾአ እታ ጸጋ እግዚአብሔር ዝኾነት ተስፋ ናብ ሕይወት ገጻ ትስሕበኒ ናብ ዘለዓለማዊ ታሕጓስ ትስሕበኒ። ተስፋኸስ መልህቅ ኰይና ናብቲ ካልእ ወገን እትወስደና እያ። ንሕና ነታ ናታ ገመድ ኣጽኒዕና ሒዝና ብኣኣ ክንድገፍ ኣሎና። መድሓኒየይ ሕያው ከምዝኾነ እፈልጥ እየ ክርእዮ ከኣ እየ። ነዘን ቃላት እዚአን ደስ ኢልና ኩሉ ዝሰልጠና ኰይኑ ኣብ ዝስመዓና ግዜስ ይኹን ኣብ ሕሱም ግዜ ወላውን ኣብ ግዜ ሞት ንድገመን እንክብሉ ኣብዛ ገመድ ተስፋ ጠቢቅና ኣብቲ መልህቅ ኢየሱስ ከምዘሎ ብምእማን ንንበር። ነቶም ዝሓለፉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ብምዝካር ኣብ መቃብራቶም ከድና በዚ ተስፋ እዚ እንተጸሊና ክሕግዘና ከምዝኽእል ገሊጾም ስብከቶም ዛዘሙ።”

ብድምጺ ንምክትታል!
02 November 2020, 11:57