2020.11.09 ርክብ ር.ሊ.ጳ ምስ ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ! 2020.11.09 ርክብ ር.ሊ.ጳ ምስ ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ! 

ር.ሊ.ጳ ብማእሰርቲ ብዙሕ ንዝተሳቀዩ ልኡኽ ወንጌል ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም!

ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ከምዝገልጽናዮ ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ኣብ ሃገረ ኒጀር ተልእኮ ስብከተወንጌል እንክፍጽሙ ተጨዊዮም ብዙሕ ድሕሪ ተሳቅዮም ቅድሚ ክልተ ወርሒ ሓራ ወጺኦም ምስ ቅዱስነቶም ከኣ ኣብዘን ዝሓለፋ ዕለታት ተራኺቦም። እቲ ርክብ ኣብ መንጎ ሓደ ኣቦን ኣብ ሻውላት ዘገልግሎ ልኡኽ ወንጌልን ዝግበር ልባዊ ምትሕቊቋፍ ከምዝነበረ ተገሊጹ።

ዜና ቫቲካን!

ሕማቅ ዜና ጭውያን ማእሰርትን ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ምስ ተጋውሐ ዓለም ምሉእ ብጸሎት ንከሰንዮ ቅዱስነቶም ብተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቅሪቦም ምእንታኡ እውን ነዊሕ ዝጸልዩ ምዃኖም እንክዝከር እዚ ናይ ሕጂ ርክብ ነቲ ነዊሕ መንፈሳዊ ሓድነትን ውህደትን ርክብን ዝገልጽ ዓቢ ምድንፋቅ ዝነበሮ ነረ። ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ገና ብሓቂ ካብቲ ገሃነማዊ ዝኾነ መጭውየቲ ዝወጹ ኮይኑ ዘይምስምዖም ምዃኑ እኳ እንተገለጹ ንር.ሊ.ጳ ብኣካል ምርካቦም ከም ዓቢ ተኣምር ኰይኑ ስለዝተራእዮም ብዓቢ ምድንፋቅ እዮም ቡራኬኦም ክቅበሉ ናብ ቅዱስነቶም ዝኸዱ። ቅዱስነቶም እውን ባሪኾም ንሰላምታ ንዘቅረቡሎም ኢድ ካህኖም ሓፍ ኣቢሎም ክሳለሙ ድንን ክብሉ ንብዙሓት ዘንቀሳቀሰ መንፈስ ትሕትናን ክህነታዊ ሕውነትን ዝገልጽ ኣጋጣሚ ከምዝነበረ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

እዚ ዓቢ ምድንፋቅን ብርቱዕ ስምዒትን ዝነበሮ ርክብ ብዘይካ ብተደጋጋሚ ትስማዕ ግራስየ እግዚአብሔር ይሃበለይ ትብል ቃል ኩሉ ብጸጥታ ዝተዋሕጠ ነበረ። ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ኣባል ልኡካነ ወንጌል ስብከተ ወንጌል ኣፍሪቃ ኮይኖም ነዊሕ ግዜ ዘገልግሉ ክሮሞና ኣብ እትብሃል ዞባ ሃገረ ጣልያን ዝተወልዱ ኢጣልያዊ እዮም። ኣብ ኣገልግሎቶም እንከለው ኣብ መንጎ ኒጀርን ማሊን ንክልተ ዓመት ምስ መመላእታ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2020 ዓም እዮም ሓራ ኮይኖም። ንዝነበርዎ ኩነትን ብከመይ ከምዘሕለፍዎን እንክገልጹ ካብ ር.ሊ.ጳ ጀሚርካ ዓለም ምሉእ ስለይ እንክጽሊ ኣነ እውን ብወገነይ ንኩሉ ስለ ኣፍሪቃ እንከወፊ ሎሚ ነዚ ጸጋ እዚ እንክቅበል ክኣምን ኣይክእልን ብማለት ንጐይታ ብምምስጋን እቲ ርክቦም ከመይ ከምዝነበረ በዘን ዝስዕባ ቃላት ይገልጹ።

“ብሓቂ ጥዑም ርክብ ነበረ ብጣዕሚ ጽቡቅ ነበረ። ኣነ ኣብ ስምዒት ኣትየ ምናዳ ቅዱስነቶም ነቲ ኩነታት ክነግሮም ምስ ሓተቱኒ እሞ ጽን ኢሎም ክስምዑኒ ምስ ረኣኹ ንብዓተይ ክቈጻጸር ኣይከኣልኩን። ነቶም ካብ ልበይ ዘይፍልዩ ዘገልግሎም ዝነበርኩ ምእመናን ብምሉኡ እቲ ተልእኮ ስብከተ ወንጌል ማሕበርናን ከኣ ኣብ ጸሎቶም እንከማሕጽን እቶም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ምስ ሓደ ካህን ጥራይ ተሪፎም ዘለው ቅጅል ኢሎምኒ። ንቤተክርስትያን ኒጀር ኣብ ጸሎቶም ክዝክሩ ከኣ ንቅዱስነቶም ሓደራ ኢለዮም። ቅዱስነቶም ምሉእ ኣተኲሮምን ሃሞምን ቀልቦምን ኣባይ ኣንቢሮም ጽን ኢሎም ብሕዙን ልቢ እንክሰምዑኒ ብሓቂ ኣብ ስምዒት ዘእቱ ሁመት እኳ እንተነበረ ብዙሕ ክዛረብ ኣይከኣልኩም ግራስየ የቀንየለይ ጥራይ እብል ነረ ስለ እቲ ዝገበርዎ ጸሎትን ዘቅረብዎ ጻውዒትን ኣመስጊነ ገና ኣብ ጸሎቶም ክዝክሩና ሓደራ ኢሉ ደጊመ ደጋጊመ ግራስየ እግዚአብሔር ይሃበለይ ኢለዮም። ንሶም ብወገኖም ከኣ ክነመስግን ዘሎና ንሕና ኢና ንሕና ንዓኹም ብጸሎት ደጊፍና ንስኹም ከኣ ንመላእ ቤተክርስትያን ደጊፍኩም ምስ በሉኒ ዝብሎ ጠፍኣኒ። ኣነ ዘይረብሕ ንእሽቶ ልኡኽ ስብከተ ወንጌልሲ ነዚ ቃላት እዚ ካብ ዝለዓለ መራሒ ክሰምዕ ከም ሓቁ ዝብሎ የብለይን እንክብሉ ዝተሰምዖም ሓጎስ ገሊጾም።”

ቀጺላ ንኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ዝቀረበት ሕቶ ነቲ ኩሉ ዘሕለፍዎ ምረትን ጸገምን ኣብ ግምት ዘእተወት ኰይና እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኣኦም ብኣካልን ነቲ ነዊሕ ዝተቃልሱሉ ተልእኮኦምን እንታይ ትርጉም ይህብ ትብል ነበረ። ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ እንክምልሱ!

“ቅድሚ ዝኣገረ እቲ ተቅባሎም ሓደ ኣቦ ንውሉዱ ኣእዳው ዘርጊሑ ዝቅበሎ ዓይነት ኰይኑ እዚ ኣቦ እዚ ግን ዕለት ዕለት ብጸሎቱ ዘሰንየኒ ዝነበረ እዩ። መጀመርያ ኣብ ልበይ ዝመጸኒ ነዚ ዓቢ ሓልዮት ዝመልኦ ፍቅሪ ክስተውዕል ኣኽእሉኒ። እቲ ዝገረመኒ ግን ሓደ ኣብ ሻውላት ዓለም ዘገልግል ማንም ዘይዝክሮ ሚስዮናዊ በቲ ዝለዓለ መራሕ ቤተክርስትያን ከምዚ ዝበለ ኣተኲሮ ምርካብ ብጣዕሚ ኣደኒቁኒ። በዚ ከኣ ኣብ ብርቱዕ ስምዒት ዝኣቶኹ። ከምዚ ዓይነት ዕድል ረኺበ ምስ ር.ሊ.ጳ ክራኸብ እየ ዝብል ሓሳብስ ይኹን ሕልሚ ፈጺሙ ኣብ ኣእምሮይ ተቀጂሉ ኣይፈልጥን። በዚ ከኣ ኣብ ብርቱዕ ስምዒት ኣትየ ግራስየ ግራስየ ግራስየ እናበልኩ ዝደጋገምኩ። ክገርመኩም ካብ ቃላት ተግባር ይዛረብ ከምዝበሃል ኣነ ሰላም ክህብሎም ኢደይ ምስ ዘርጋሕኩ ናብ ኢደይ ደኒኖም ንኢደይ ምስ ተሳለሙ ገሪሙኒ። ፈጺመ ዘይተጸበኽዎ ነገር እዩ ኢሎም።”

ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ኣብ ናይ ምስጋና ቅዳሴ ኣብ ምድረበዳ ብንብዓት ዝጸልኽዎ ዝለዓለ ተመኲሮ ህይወተይ እዩ። ኣብቲ ግዜቲ ንብዓት ንነዊሕ ዕለታት መግቢ ዕለተይ ነበረ ብዝበለጸ ግን ምንም ክብል ኣብ ዘይክእለሉ ግዜ ጸሎተይ ነበረ። ኣብ ሓደ ናይ ጥንታዊ ዕብራውያን ጽሑፍ እግዚአብሔር ንንብዓት ደቂ ኣንስዮ ይቈጽር ዝብል ኣንቢበ ነረ እሞ ሓደ ግዜ ‘ጐይታየ መን ይፈልጥ ናይ ደቂተባዕትዮ እውን ትቈጽር ትህሉ። ኣነ ከኣ ብወገነይ ነዘን ንብዓተይ ከም ጸሎት እንከወፊ ነታ ደሪቃ ዘላ መሬት ስብከተ ወንጌለይ ክተተርክሰለን ከምኡ እውን ነቲ ደሪቁ ውግእን ዓመጽን ዘመንጩ ልብታት ከተረስርሰሉ አወፍየልካ ኣሎኹ’ እብል ነረ። ምድረበዳ ሓያል ቦታ እዩ ዝስተ ማይስ ይኹን ዝብላዕ የለን። እንተተረኽበ ዕለት ዕለት ዝቀርብ ሓደ ዓይነት ቁሩብ ዓደስን ሽጉርትን ዝተዓሸገ ዓሳ ኸኣ እንተተረኽበ እንተኾነ ንሕይወት ስብሕ ዝበለ መኣዲ ኣይኮነን መቀረት ዝህቦ ከምኡ እውን ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ኩሉ ጥጡሕ ዘይኮነስ ኣብ ምሕረት ይቅረ ምባል ኣብ ሰላም ኣብ ሕውነት ስለዝኾነ ከም ልኡኽ ወንጌል ሎሚ እውን ነዚ ክምስክር እደሊ ሰላምን ይቅረ ምባልን ሕውነትን እንክብሉ ሓጺር ምስክርነቶም ከምዝሃቡ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ። 

ብድምጺ ንምክትታል!
10 November 2020, 12:28