ር.ሊ.ጳ ብማእሰርቲ ብዙሕ ንዝተሳቀዩ ልኡኽ ወንጌል ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም!
ዜና ቫቲካን!
ሕማቅ ዜና ጭውያን ማእሰርትን ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ምስ ተጋውሐ ዓለም ምሉእ ብጸሎት ንከሰንዮ ቅዱስነቶም ብተደጋጋሚ ጻውዒት ኣቅሪቦም ምእንታኡ እውን ነዊሕ ዝጸልዩ ምዃኖም እንክዝከር እዚ ናይ ሕጂ ርክብ ነቲ ነዊሕ መንፈሳዊ ሓድነትን ውህደትን ርክብን ዝገልጽ ዓቢ ምድንፋቅ ዝነበሮ ነረ። ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ገና ብሓቂ ካብቲ ገሃነማዊ ዝኾነ መጭውየቲ ዝወጹ ኮይኑ ዘይምስምዖም ምዃኑ እኳ እንተገለጹ ንር.ሊ.ጳ ብኣካል ምርካቦም ከም ዓቢ ተኣምር ኰይኑ ስለዝተራእዮም ብዓቢ ምድንፋቅ እዮም ቡራኬኦም ክቅበሉ ናብ ቅዱስነቶም ዝኸዱ። ቅዱስነቶም እውን ባሪኾም ንሰላምታ ንዘቅረቡሎም ኢድ ካህኖም ሓፍ ኣቢሎም ክሳለሙ ድንን ክብሉ ንብዙሓት ዘንቀሳቀሰ መንፈስ ትሕትናን ክህነታዊ ሕውነትን ዝገልጽ ኣጋጣሚ ከምዝነበረ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።
እዚ ዓቢ ምድንፋቅን ብርቱዕ ስምዒትን ዝነበሮ ርክብ ብዘይካ ብተደጋጋሚ ትስማዕ ግራስየ እግዚአብሔር ይሃበለይ ትብል ቃል ኩሉ ብጸጥታ ዝተዋሕጠ ነበረ። ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ኣባል ልኡካነ ወንጌል ስብከተ ወንጌል ኣፍሪቃ ኮይኖም ነዊሕ ግዜ ዘገልግሉ ክሮሞና ኣብ እትብሃል ዞባ ሃገረ ጣልያን ዝተወልዱ ኢጣልያዊ እዮም። ኣብ ኣገልግሎቶም እንከለው ኣብ መንጎ ኒጀርን ማሊን ንክልተ ዓመት ምስ መመላእታ ተኣሲሮም ድሕሪ ምጽናሕ ዝሓለፈ ዕለት 8 ጥቅምቲ 2020 ዓም እዮም ሓራ ኮይኖም። ንዝነበርዎ ኩነትን ብከመይ ከምዘሕለፍዎን እንክገልጹ ካብ ር.ሊ.ጳ ጀሚርካ ዓለም ምሉእ ስለይ እንክጽሊ ኣነ እውን ብወገነይ ንኩሉ ስለ ኣፍሪቃ እንከወፊ ሎሚ ነዚ ጸጋ እዚ እንክቅበል ክኣምን ኣይክእልን ብማለት ንጐይታ ብምምስጋን እቲ ርክቦም ከመይ ከምዝነበረ በዘን ዝስዕባ ቃላት ይገልጹ።
ቀጺላ ንኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ዝቀረበት ሕቶ ነቲ ኩሉ ዘሕለፍዎ ምረትን ጸገምን ኣብ ግምት ዘእተወት ኰይና እዚ ኣጋጣሚ እዚ ንኣኦም ብኣካልን ነቲ ነዊሕ ዝተቃልሱሉ ተልእኮኦምን እንታይ ትርጉም ይህብ ትብል ነበረ። ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ እንክምልሱ!
ኣባ ፕየርልዊጂ ማካሊ ኣብ ናይ ምስጋና ቅዳሴ ኣብ ምድረበዳ ብንብዓት ዝጸልኽዎ ዝለዓለ ተመኲሮ ህይወተይ እዩ። ኣብቲ ግዜቲ ንብዓት ንነዊሕ ዕለታት መግቢ ዕለተይ ነበረ ብዝበለጸ ግን ምንም ክብል ኣብ ዘይክእለሉ ግዜ ጸሎተይ ነበረ። ኣብ ሓደ ናይ ጥንታዊ ዕብራውያን ጽሑፍ እግዚአብሔር ንንብዓት ደቂ ኣንስዮ ይቈጽር ዝብል ኣንቢበ ነረ እሞ ሓደ ግዜ ‘ጐይታየ መን ይፈልጥ ናይ ደቂተባዕትዮ እውን ትቈጽር ትህሉ። ኣነ ከኣ ብወገነይ ነዘን ንብዓተይ ከም ጸሎት እንከወፊ ነታ ደሪቃ ዘላ መሬት ስብከተ ወንጌለይ ክተተርክሰለን ከምኡ እውን ነቲ ደሪቁ ውግእን ዓመጽን ዘመንጩ ልብታት ከተረስርሰሉ አወፍየልካ ኣሎኹ’ እብል ነረ። ምድረበዳ ሓያል ቦታ እዩ ዝስተ ማይስ ይኹን ዝብላዕ የለን። እንተተረኽበ ዕለት ዕለት ዝቀርብ ሓደ ዓይነት ቁሩብ ዓደስን ሽጉርትን ዝተዓሸገ ዓሳ ኸኣ እንተተረኽበ እንተኾነ ንሕይወት ስብሕ ዝበለ መኣዲ ኣይኮነን መቀረት ዝህቦ ከምኡ እውን ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ኩሉ ጥጡሕ ዘይኮነስ ኣብ ምሕረት ይቅረ ምባል ኣብ ሰላም ኣብ ሕውነት ስለዝኾነ ከም ልኡኽ ወንጌል ሎሚ እውን ነዚ ክምስክር እደሊ ሰላምን ይቅረ ምባልን ሕውነትን እንክብሉ ሓጺር ምስክርነቶም ከምዝሃቡ ኣገልግሎት ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።