ድለ

2020.11.23 ገበር መጽሓፍ ‘ሓቢርና ናብ ምሕላም ንመለስ’ 2020.11.23 ገበር መጽሓፍ ‘ሓቢርና ናብ ምሕላም ንመለስ’ 

ዘመነ ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ዝበለጸ መጻኢ ንምሕላም ንጠቀመሉ! ር.ሊ.ጳ

ለበዳ ሕማም ኮቪድ 19 ዘስዓቦ ውሸባ ንብዙሓት ሰባት ንብሕቶም ተዓጽዮም ነዊሕ ግዝያት ከሕልፉ ብምግዳዱ ነፍሲወከፍ ነናቱ ተመክሮ እንክገልጽ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ እውን ኣብዚ ዘመነ ብሕትውና እንከስተንትኑ ንውሸባን ብሕትውናን ዘመነ ኮቪድ 19 ወሲኽካ ኣብ ሕይወቶም ሠለስተ ግዜ ከምዚ ዓይነት ብሕትውና ከምዝጋጠሞም ብምግላጽ ንዝበለጸ መጻኢ ዳግም ንምሕላም ንዕደመሉ ግዜ ምዃኑ ዝገልጽ ‘ሃየ ናብ ሕልምና ንመልስ’ ብዝብል ኣርእስቲ ምስ ጋዜጠኛን ጸሓፍን ዓባይ ብሪጣንያ ኣውስተን ኢቨራይ ብመልክዕ ሕቶን መልስን መጽሓፍ ተሓቲሙ። ለበዳ ኮቪድ ሽሕ’ኳ ንኩልና ብሕሰም ሓደ ምግባሩ ጸገም እንተኾነ ብሓባር ንምትንሣእ ዝዕድም ምርቃ ዝመስል መርገም ምዃኑ ብምግላጽ ከኣ ሃየ ንዝበለጸ መጻኢና ዝተኻእለና ንምብርካት ዳግም ናብ ምሕላም ንመለስ ይብሉ።

ዜና ቫቲካን!

ብቋንቋ እንግሊዝ ላብሪንዝ ዝበሃል ጥንግንግ ዝበል ብዙሕ ዝተሓላለኸ መተሓላፊ ዘለዎ ሓንሳእ ኣብ ማእከሉ ምስ ኣቶኻ ንክትወጾ ዘጸግም ባዕትታትን ካልእ ጥውይዋያትን ተዓጻጸፍን መተሓላለፊታ ዝሓዘ ንክትወጾ ኣጸጋሚ ዝኾነ ግድል ኣሎ። ቅዱስነቶም እውን ነዚ ንዓለምና ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ለበዳ ኮቪድ ዝተጠናነገ ናብራ ብማለት እንክገልጽዎ ዓለም ምሉእ ከኣ ካብዚ ምውጻእ ጸጊምዎ የዕገንግን ከምዘሎ የብርሁ። ሽሕ’ኳ እዚ ንኩሉ ኣልምሲ ኣብ ገገዝኡ ክዓጽዎ እንተተደናደነን ብሓንሳብ ከይንከውን እንተዓገተን ከምቲ ኣብዚ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ላብሪንዝ ንምውጻእ እትቃለሶ ዓይነት ምስ ኩሉ ሓደጋታቱ ምቅላስ ከድልየና እዩ። እዚ ካብ ሓደ ዝፈትውዎ ጸሓፊ ጆርጅ ልዊ ቦርጅ ዝወሰድዎ ምዃኖም ዝገልጹ ቅዱስነቶም ኣብዚ ዘሎና ግዜ በቲ ዘጋጠመና ተዓዲና ደው ከይበልና መውጽኢ ሃሰው ክንብል ኣሎና ይብሉ።  እንተዘየሎ ኣብቲ ዘሎና ደው እንተኢልና ወይውን ኣብኡ ጥራይ እንተኣዕገንጊና ከምዚ ተተመሊሱ ንገጹ ኣብ መስትያት ዝርኢ እሞ ክንዮ ዘይሰግር ኣብ ገዛእ ርእስና ጥራይ ተዓጺና ዕንኪሊል ክንብል ክነብር ኢና። ካብዚ ንምውጻእ ዘላ እንኮ መንገዲ ካብቲ ንገዛእ ርእስና ጥራይ እንጥምተሉ መስተያት ውጽእ ኢልና ንካልኦት ከምዚ ከማና ክንረክብ ኣሎና። ካልኦት ከምዚ ከማና እዮም መውጽኢ ክንረክብ ዝሕግዙና ነቲ ክነበርክቶ እንኽእሎ እውን ዝገልጹልና ይብሉ እሞ ኣብ ገዛእ ሕይወቶም ዘጋጠሞም ሰለስተ ናይ ብሕትውና ግዜ ይገልጹ።

ንቅዱስነቶም ዘጋጠሙ ሠለስተ ሕሱማት ብሕትውና!

ሽሕ’ኳ እቲ ጠመተ ናይ መላእ ዓለምና ጉዳይ እንተኾነ ቅዱስነቶም ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ተመኲሮ ክነቅሉ ደልዮም። ናብ ገዛእ ርእሶም ምልስ ኢሎም ንዘጋጠሞም ነገራት በብሓደ እንክዝክሩ ‘ሠለስት ኮቪድ’ ክብለን እደፍር እንክብሉ ንኩለን ምስዛ ናይ ሕጂ ኮቪድ ኣዛሚዶም በብሓደ ይትንትኑ። እታ ዝሓሰመት ዝብልዋ ቀዳመይቲ ኮቪ ብ1957 ዓም ዘጋጠሞም ኣብ ዘርአ ክህነት ኣትዮም ብዓቢ ህንጡይነት ንክህነት ክሰናደው ካልኣይ ዓመት ኣብ ዘቁጸሩሉ ሕማም ሰናቡእ ኣጋጢምዎም ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ መንጎ ሞትን ሕይወትን ብርቱዕ ቃልሲ ኣሕሊፎም ዳርጋ ብተኣምር ክትብሎ እትኽል ብሓንቲ ሳንቡእ ሕይወት ክቅጽሉ ዝኸኣሉሉ ብዓቢይ ኣንክሮ ይዝክርዎ። ካብኡ ኮቪድ ስደት ኢሎም ዝጽውዕዎ ኣብ 1986 ዓም ኣብ ሃገረ ጀርመን ዘሕልፍክዎ ብሕትውና ሽሕ’ኳ መጽናዕተይ ክፍጽም ብድላየይ ዝገበርኵዎ ስደት እንተኾነ ሓያል ብሕትውና ዘጋጠመኒ ነበረ። ኣብ መወዳእታ ኣብ ምጅማር 1990 ዓም ብትእዛዝ ኣሕሉቅ ኣብ ኮርዶባ ዝርከብ ገዳም ኢየሱሳውያን ብብሕትውና ዘሕልፍኵወን ግዝያት ይዝከራኒ። ኣብዛ ናይ መወዳእታ ፍጻሜ ዋላ ንዓይውን ዝገረመኒ ክንዲ ካልእ መዘናግዕን መሕለፍ ግዜ ንባብን ሃሰስ ዝብል ኣንይ ሉድቪግ ፎን ፓስቶር ሳላሳን ሸውዓተን ታሪኽ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ምንባበይ እዩ። ሎሚ ካብ ዘሎኹዎ ማለት ኣነ እውን ንባዕለይ ኣብቲ ታሪኽ ተሳታፊ ምዃነይ ጐይታ ክብለኒ ዝደለዮ ጉዳይ ነርዎ እብል ዳርጋ ክትባት ክብሎ ብዝኽእል ኣገባብ ከኣ ንታሪኽ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ብምንባብ ክትባት ረኺበ ከመይ ነቲ ታሪኽ እቲ ሓንሳእ ምስ ረኣኻን ምስ ኣጽናዕካን ኣብ ቤተክርስትያን ብዘጋጥም ዝኾነ ነገር ክትግረም ኣይክኣልን ብዙሕ ሓጊዙኒ እነሆ ሎሚ እቃለስ ኣሎኹ እንክብሉ ንዘጋጠሞም ግላዊ ተመክሮ ምስ ገለጹ እዚ ዝምህረና ንዝኾነ ስቃይ መጠን ክልውጠካ ዘፍቀድካሉን መጠን ዕብየት እቲ ስቃይን ይልውጠካ ዝበለጽካ ኰንካ ንዝበለጸ መጻኢ ከምእትሰናዶ ይገብረካ። እንተደኣ ተዓኒድካ ኣብ ዘሎኻዮ ተዀርሚኻ ዕሚም ጥራይ እንተኰይኑ ግን ምንም ለውጢ የለን ኢሎም።

ኣብቲ ሰፊሕ መጽሓፍ ተጠቂሶም ካብ ዘለው ንኩነታት ግዜና ዝምልክቱን ትምህርቲ ቤተክርስትያን ዘጠቃለሉ ነጥብታት ብዛዕባ ከባቢናን ዘድሊ ሓልዮትን ዕቃቤኡን ከምኡ እውን ብዛዕባ ሕይወት ወዲሰብ ካብ ጽንሲ ክሳብ ሞት ክሕሎ ዘለዎ ምዃኑ ዝገልጽ ንምንጻል ጥንሲ ዘወግዝ ሰፊሕ ትንተና ኣሎ።

ኣከባቢ- ሕይወት- ቤተክርስትያን!

ከቢቡና ንዘሎ ኣከባብን ተፈጥሮን ብዝምልከት ነታ ደጋጊሞም ዝበልዋ ኩለንትናዊ ምዕባሌ ኣከባቢ ክንቃለሰሉ ዘሎና ጉዳይ ምዃኑ ብምግላጽ ኣከባቢና ምዕናው ገዛእ ርእስና ምዕናው ምዃኑ ተገንዚብና ክንከናኸኖ። ነዚ ምስ እንገብር ንተፈጥሮ ሕልፍ ኢልካ ነንሕድሕድና እውን ክንከናኸንን ብፍቅሪ ክንጐዓዝን ነንሕድሕድና ክንደጋገፍን ክንክእል ኢና። እዚ ከኣ ንኩሉ ፍጡር ተፈጥሮስ ይኹን ዝኸማና ሰባት ብፍቅሪ እግዚአብሔር ዝተፈጥሩ ምዃኖም ስለዝስቈረና ከምቲ እግዚአብሔር ንኩሉ ዘፍቅር ንሕና እውን ክነፍቅር ንጅምር ይብሉ እሞ ናብ ምንጻል ጽንስን ናይ ምሕረት መቅተልትን መቅጻዕቲ ሞትን በዚ መንጽር እዚ እንክንጥምቶ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ። ነዚ ብልብኻ ዘይትቅበል እንተኾንካ እሞ ንኩሉ ቅኑዕ እዩ ዝብል ሓሳብ እንተልዩካ ብዛዕባ ብከላ ተፈጥሮ ዕንወት ዱርን ብዙሕነት ፍጥረትን ክትግደስ ዘይሕሰብ እዩ እንክብሉ ኩሉ ኣብ ፍቅሪ እግዚአብሔር ኣብቲ ፍቅሪ ዝመልኦ ምፍጥሩን ሓልዮቱን ከምዝምስረት ገሊጾም።

ኣብ ፍጻሜ እቲ መጽሓፍ እትጥቅጠስ እንታይ ዓይነት ቤተክርስትያን ትሓልሙ ንዝብል ሕቶ እንክምልሱ ቅዱስነቶም ነቲ ደጋጊሞም ዝገለጽዎ ሲኖዶሳውነት ኩለንትናዊት ቤተክርስትያን ሲኖዶሳውነት ማእከል እንተዘይገቢራ ጸገም እዩ። ሲኖዶሳውነት ማለት ከኣ ሓቢርካ ምጒዓዝ እዩ። ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዓለምና እትርከብ ቤተክርስትያን ንቅድስሚት ከሰጉማ ዝኽእል ሲኖዶሳዊ ምሕደራ ስለዝኾነ ነዚ ምትብባዕ የድሊ ኢሎም።  ነዚ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ሲኖዶሳት ከምዝተኻየደ ኣብ መወዳእታ ዝተኻየድ ብዛዕባ ኣማዞን ዝተገብረ ሲኖዶስ ቤተክርስትያን ናይ ሕዝብን ስራሕን ቤተክርስትያን ምዃና ገሊጽና እዚ ከኣ ሕዝበ እግዚአብሔር ኣብ ውሽጢ ስፊሕ ሕዝቢ ሃገር ዝርከቡ ከም ምዃኖም መጠን ንዘለውዎ ባህላዊ ተቁዋማትን እምነታትን ብምኽባር ንመንነት ኣብ ምድንፋዕ ኣበርክቶኦም እናገበሩ እንከገልግሉ ቤተክርስትያን ከኣ ምናዳ ኣብ ግዜ ቅልውላው ሕዝባ ጉዳይ ነፍሶም ከይዝንግዑ ንሓባራዊ ሰናይ ጉዳይ ከይዝንግዑ ክተዘኻኽር ዕዮኣ ምዃን ክዝከር ከምዘለዎ ብምስማር ነፍሲወከፍ ክርስትያን ሃገሩ ከፍቅርን ከገልግልን ኣዘኻኺሮም።

ብድምጺ ንምክትታል!
24 November 2020, 13:24