ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ካርዲናላት፥ መስቀልን ዓለምን ክልተ ዘይቃደዉ ፍኖት እያቶም

ዝተፈተዅም ኣሕዋተይ! ኩላትና ንኢየሱስ ኢና ከነፍቅር ንደልይ፡ ክንስዕቦ ኢና እንደልይ፡ ምእንቲ እዚ ወትሩ ነቒሕና ኣብ መንገዱ ክንከውን እዩ ዝግብኣና

ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19 ህጹጽ ናይ እዋን ሓደጋ ድንጋግ ዘንበሮ ሕግን ስርዓት ብምኽባር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 28 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም 13 ሓደስቲ ካርዲናላት ከምዝፈጠሩን ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ እቲ ቀይሕ ናይ ካርዲናል መግለጺ ልብሲ ናይ ደም ሕብሪ ናይ ዓለማውነት መለለዪ ምልክት ኣይኮነ ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ  ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንዕለት 28 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ብዝጸውዕዎ ሻብዓይ ናይ ቤተ ክርስቲያን ላዕለዋይ ባይቶ ጉባኤ ካርዲናላት ናይቲ ቤት ምኽሪ ኣባላት ናብ 229 ክብ ከምዘበሉን፡ ካብቶም 13 ካርዲናል ዝተሰምዩ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ናብ ሃገረ ቫቲካን ዘይመጹ ብመረብታዊ ውሕዘት ተሳቲፎም ስሜተ ካርዲናል ዝተቐበሉ እውን ከምዘለዉን ንሳቶም ከኣ ፊሊፒናዊ ኾሰ ፉአርተ ኣድቪንኵላ ናይ ካፒዝ ሰበኻ ሊቀ ጳጳሳን፡ ናይ ብሩነይ ሓዋራዊ መስተናብር ኮርነሊዩስ ሲምን ከምዝኾኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ናይ ስሜተ ካርዲናልነት ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ

ትሽዓተ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ኣርባዕተ ብዕድመ ምድፋእ ምኽንያት ንሱ ከኣ ካብ ሰማንያ ዓመት ዕድመ ንላዕሊ ብምዃኖም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ምምራጽ መሰል ዘይብሎም ብጠቕላላ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ን13 ደቂ ቤተ ክርስቲያን ካርዲናል ቢሎም ከምዝሰመይዎምን ብዙሓት ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ ኣባላት እውን ነቲ ስነ ስርዓት ነቲ ህልው ኩነታት ለብዒ ኾሮና ተህዋስ ኣብ ግምት ብምእታው ብመረብታዊ ውሕዘት ከምዝሓበሩን በዚ ምኽንያት እዚ እውን ከምቱ ልሙድ ድሕሪ ስሜት ካርዲናልነት ዝካየዱ ዝነበሩ ናይ ምብጽጻሕ ስነ ስርዓት ከምዘይተኻየደ ኣፍሊጡ።

ኣብ ወንጌል ምልኩት ዝኾነ ፍኖት

ብስም ኵሎም ሓደስቲ ካርዲናላት ናይ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ ሓድሽ ካርዲናል ማሪዮ ግረች ዘረባ  ከምዘስምዑን፡ ኣብቲ ስሜተ ካርዲናልነት ዝተነበ ካብ ማርቆስ ወንጌል ዝተመርጸ ምንባብ ኢየሱስ ንደቀ መዛሙርት ንሳልሳይ ግዜ ብዛዕባ ክቕበሎ ዝኾነ ስቓይን ሕማማቱን ሞቱን ትንሳኤኡን ዘዘንትው ክፍሊ ኮይኑ፥ እዚ ኸኣ ብሓባር ኢየሱስን 12 ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሩሳሌም እናተጓዕዙ እንከለዉ ኣብ መንገዲ ዝገለጸሎም፥ ያዕቆብን ዮሓንስን ናብኡ ቅርብ ቢሎም ድሕሪ ትንሳኤኡ መን ቀዳማይ መን ዳሕረዋይ እቲ ሓደ ኣብ የማኑ እቲ ሓደ ኣብ ጸጋሙ ክቕመጡ ይሓትዎ፡ ኢየሱስ ከኣ፥ “ኣብ የማነይ ኣብ ጸጋመይ ምቕማጥ ግና ነቶም እተዳለወሎም እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝህቦ” እንክብል ይምስለሎም፡

ናይ ቤተ ክርስቲያን ኪደት

ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝለገስዎ ስብከት፥ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾኣ እትፍጽመሉ ስፍራ መገዲ እዩ፡ ኢየሩሳሌም ወትሩ ኣብ ቅድመና እያ፡ መስቀልን ትንሳኤን ናይ ታሪኽና ምዕራፍ እዩ፥

እቲ  ዝተነበ ወንጌላዊ ምንባብ ብዙሕ እዋን ቤተ ክርስቲያን ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ እትሰምየሉ እዋን ዝንበብ ክኸውን እንከሎ፥ ሎሚ ንኣና ምስ ኢየሱስ ሓቢርና እንጓዓዝ እቲ ዝተነበ ታሪኽ ድሕረ ባይታ ዘይኮነ ሎሚ እውን እንጓዕዘሉ መገዲ ሓባሪ እዩ፡ ንሱ ሓይልንናን ናይ ሕይወትናን ናይ ኣገልግሎትናን ትርጉም እዩ!

ኢየሱስ ናይቶም ናቱ ዝኾኑ ፍርሒ የስተውዕልን በይኖም ኣይሓድጎምን

ሎሚ ንኢየሱስ ክስዕብ ዝደሊ ገዛእ ርእሱ ምስቲ ኢየሱስ ዝበሎ  ከመዛዝን እዩ ዘለዎ፡ ደቀ መዛሙርቱ በቲ  ኢየሱስ ዝበሎም ቃል ጭንቀትን ፍርሕን ይስምዖም፡ እቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዝጽበዮም ዘሎ እንታይ ምዃኑ ስለ ዝነገሮም እዩ፥

ጐይታ ናይቶም ዝስዕብዎ ዝነበሩ ኵነታት ስምዒቶም የስተውዕሎ እሞ ነዚ ጉዳይ’ዚ እውን ዕሽሽ ከይበለ ዓቢይ ግምት እውን ሃቦ፡ ኢየሱስ ነቶም የዕሩኽቱ ዝኾኑ ፈጺሙ ኣይጥንጥንን ዕሽሽ እውን ኣይብልን፡ ዋላ’ኳ ነቕ ከይበለ ኣብቲ ናቱ ዝኾነ መገዲ እንተተጓዓዘ፡ እዚ እውን ምእንታና እዩ፡ እቲ ኩሉ ዝገብሮ ንድሕነትና እዩ፡ ነቶም ዓሰርተ ክልተ ብዝምልከት ንፈተና ስንድዋት ክኾኑ እዩ ዝገብር፡

ናይ ኢየሱስ መገዲ እንኰን ሓንትን እያ

ኢየሱስ ዝደልዮ እቶም ናቱ ዝኾኑ ወትሩ ኣብ መንገዲ ምስኡ ክሓብሩ እዩ፡ እቲ መገዲ ኸኣ ናይ ሕማማትን ስቓይን ሞትን ትንእሳኤን እዩ፡ ናይ ጐይታ ኣገልጋሊ መገዲ። ኢየሱስ ባዕሉ ምስ’ቲ መገዲ እቲ እዩ ገዛእ ርእሱ ዘመሳስል፥ ብርግጽ እውን “ኣነ መገዲ እየ” እንክብል ከምዘረጋግጾ፡ እቲ መገዲ ንሱ እዩ፡ ካልእ መገዲ የሎን፡ ኣብዚ መገዲ እዚ ኸኣ ናይቶም ክልተ ኣሕዋት ድላይ ይስትርአይ፡ ኣብ ክብሪ እግዚኣብሔር ብየማንን ብጸጋምን ህልው ናይ ምዃን ድላይ፥

እዚ መገዲ እዚ ካብቲ ናይ ኢየሱስ መገዲ ዝተፈልየ እዩ፡ ናይ ኢየሱስ መገዲ ኣይኮነን፡ ብዘይ ምስትውዓል ዝግለጽ ድላይ እውን ክኸውን ይኽእል፡ ንኢየሱስ ንናይ ገዛእ ርእስኻ ረብሓ ምውዓል እዩ ዝመስል፡ ቅዱስ ጳውሎስ - ‘ኵላቶም ነናይ ርእሶም እዮም ዚደልዩ፡ ነቲ ናይ የሱስ ክርስቶስ ኣይኰነን’ ከምዝብሎ፡

ወትሩ ንቑሓት ምዃን

ኢየሱስ ገዛእ ርእሱ ምስቲ ናይ ያዕቆብን ዮሓንስን ድላይ እንተዘዛምድ ነይሩ እቶም ዝተረፉ ደቀ መዛሙርቲ ምተዓንቀፉ ነይሮም፡ ኢየሱስ ንያዕቆብን ዮሓንስን፥ ካብቲ ንሱ ዝሕብሮ መገዲ ወጻኢ ከምዝርከቡ እዩ ዝሕብሮም፡ እዚ ፈተና እዚ ንዅላትና ዘጋጥም እውን ምዃኑ ቅዱስነቶም እንከብርሁ፥

ዝተፈተዅም ኣሕዋተይ! ኩላትና ንኢየሱስ ኢና ከነፍቅር ንደልይ፡ ክንስዕቦ ኢና እንደልይ፡ ምእንቲ እዚ ወትሩ ነቒሕና ኣብ መንገዱ ክንከውን እዩ ዝግብኣና፥ እግርናን እካላትና ኩሉ ኣብ መገዱ ምስኡ ኮይኑ ልብና ኣብ ካልእ ክህልው ይኽእል፡ ኣዚዩ ዝረሓቐን ካብቲ ዝተሓበረ መገዲ ወጻኢ፡ ኣብ ክህነታዊ ህይወት ዝረአይ ብዙሕ ዓይነት ምግባረ ብልሽውና ሕስብ ነብል፡ እቲ ቀይሕ ዝሕብሩ ናይ ካርዲላን ልብሲ ሕብሪ፡ ናይ ደም ሕብሪ እዩ፥ ንመንፈስ ዓለም መገልገሊ ናይ ምጥቃሙ ፈተና እውን ከጋጥም ይኽእል፡ ንናይ ዓለም መንፈስ መገልገሊ እንተድኣ ኮይኑ ንስኻ ንሕዝቢ ቀረባ ዝኾነ ጓሳ ኣብ ምዃን ትቦክር ኣለኻ ማለት እዩ፡ ከምዚ ምዃንካ ክስምዓካ እንከሎ ካብቲ ‘ኣነ መገዲ እየ’ ዝበለ ወጻኢ ምዃንካ እዩ ዝስምዓካ፡

ንቤተ ክርስቲያን ኣገዳሲ ዝኾነ ሓደ ቃል

ቅዱስነቶም ኣብ መንጐ ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ዘሎ ናይ ሓሳብ ምግርጫው እንከመላኽቱ፥ ንሱ ኣብታ ‘መገዲ’ ንሳቶም ካብቲ ‘መገዲ’ ወጻኢ፡ ክልተ ክቃደዉ ዘይኽእሉ መግድታት፡ . . . ንሱ ደሓር ንኽትንስእ ሕማምቱን ስቓዩን ይነብር፡ በቲ ምስኦም ዘካይዶ ዘተ ኣቢሉ ኣብቲ ዝሕብሮ መገዲ ንኽርከቡ ይገብሮም፡ እዚ ንባብ እዚ ኣብ ማርቆስ ወንጌል ጥራሕ ኣይኮነን እንረኽቦ፡ እቲ ኢየሱስ ዝብሎ ቃል፡ ናይ ድሕነት ቃል ንናይ ኵሉ ዘመን ቤተ ክርስቲያን ዘድልያ ከምዝኾነ ቅዱስነቶም እንከብርሁ፥

እቲ ዝተነበ ቃል ዋላ’ኳ ነቶም 12 ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ዝፈጠረሎም ናይ ሕፍርተ ስምዒት ዘዘንትው እውን እንተኾነ፡ ኣብ ናይ ኢየሱስ ናይ ሕይወት ተመክሮ ምስ ደቀ መዛሙርቱ እንረኽቦ እዩ፡ ብምዃኑ እውን ሓደ ካብቲ ቤተ ክርስቲያን ቀኖናዊ ቢላ እትቕበሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ክፍሊ እዩ፡ ኣንሕና እውን ር.ሊ.ጳጳስ፡ ካርዲናል ይኹን ኣብቲ ቃል ሓቂ ኢና ወትሩ ገዛእ ርእስና ከነንጸባርቕ ዝግብኣና፡ ስሑልን በኢሕን ሰይፊ እዩ፡ ክወግኣና ክስንጥቐናን እውን ዝከኣል እዩ፡ ብዙሕ ዘሳቕይ፡ ይኹን ደኣ እምበር ዝፍውስን ናጻ ዘውጽእን ዝልውጥን እዩ፡ ምልዋጥ ማለት ካብ መገዲ ወጻኢ ምዃንካ ሓዲግካ ናብ ናይ እግዚኣብሔር መገዲ ምምላስ ማለት እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ሎምን ወትሩን ነዚ ጸጋ እዚ ይዓድለና!

እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ኣብቂዖም፥

ጸሎት ንማርያ

ድሕሪ ዝለገስዎ ስብከት ናይ ነዊሕ ደቃይቕ ናይ ጽሞና ኣስተንትኖ ከምእተፈጸመን፡ ቅዱስ ኣቦና ነቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ናይ ካርዲናልነት ምልክታ ሓደ ብሓደ ለጊሶም ምስ ኣብቅዑ ኣቦና ኣብ ሰማይ ትነብር ጸሎት ተደጊሙን ብዝሃብዎ ሓዋርያዊ ቡራኬ ነቲ ስነ ስርዓት ሊጡርጊያ ዛዚሞም፡ ብሰላም ንግስተ ሰማይ መዝሙር ተሰንዮም ናብ ፊት ቅዱስ ምስሊ ቅድስተ ማርያን ቀሪቦም ናይ ጽሞና ጸሎት ኣዕሪጎምን ቅዱስነቶም ናይ ኩሎም ናይቶም ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተረኽቡን ናይቶም ሓደስቲ ካርዲናላትን ድላይ፥ ወትሩ እቲ ኣብቲ ስነ ስርዓት ዝተፈጸመ ብእምነትን በገልግሎትን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝግለጽ ክኸውን መታን ንቅድስተ ማርያም ከምዘወከፉ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።  

29 November 2020, 10:50