ር.ሊ. ጳ.፥ ቤተ ክርስቲያን ክትፍቀር ር.ሊ. ጳ.፥ ቤተ ክርስቲያን ክትፍቀር  

ር.ሊ. ጳ.፥ ቤተ ክርስቲያን ክትፍቀር

“ናይ ጐይታ ቤተ ክርስቲያን ከተፍቅሩ እዕድም” እዚ ኸኣ ዓመታዊ ጽምብል ኣብ ቫቲካን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካን ኣብ ሮማ ጐደና ኦስቲየንሰ ዝርከብ ቅዱስ ጳውሎስ ባዚሊካ ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት 18 ሕዳር ምኽንያት ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል

ናይ ቤተ ክርስቲያን ሰናይ እንደልይ ኣደ ስለ ዝኾነት እዩ! ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ክኸውን እንከሎ፥ “ናይ ጐይታ ቤተ ክርስቲያን ከተፍቅሩ እዕድም” እዚ ኸኣ ዓመታዊ ጽምብል ኣብ ቫቲካን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካን ኣብ ሮማ ጐደና ኦስቲየንሰ ዝርከብ ቅዱስ ጳውሎስ ባዚሊካ ኣብ ዝተዘከረሉ ዕለት 18 ሕዳር ምኽንያት ድሕሪ ዝለገስዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ክኸውን እንከሎ፡ “እዚ በዓል’ዚ፡ ናይቲ ዝተባርከ ቅዱስ ሕንጻ ምእመናን ዝእከብሉ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትርጉም ዘነጽር እዩ እሞ ንኣና ነፍሲ ወከፍ ናይ እግዚኣብሔር ሕያው ቤተ መቕደስ ክኸውን ከምእተጸውዔ ናይ ምስትውዓል ብቕዓት የነቓቕሕ፡ ብልግስን ብውዕዉዕ ስምዒትን ኣብ ሕንጸት መንበሪ ናይቲ ልዑል ኣብ ማእከልና ዝኾነት ናይ ጉይታ ቤት ብምትሕብባርን ኣብ ምሕናጽ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

ቤተ ክርስቲያን ምፍቃር፥ ብትኽክል ዝኣምን፡ ናይቲ ከም ሓንቲ ናይ እግዚኣብሔር ስድራ ቤት ኣብ ውሽጣ ከም ዘሎ። ቅዱስነቶም ዕለት 29 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ናይ እግዚኣብሔር መደብ፥ ንኹላትና ከም ደቁ ንነፍሲ ወከፍ ቀረባኡ ምዃኑ ዝሰምዓሉን ብኣኡ ከምእተፈቕረ ዘቃልበሉን እንኮ ስድራ ቤተ ምግባር እዩ” ቤተ ክርስቲያን “ውድብ ዘይኮነት ካብቲ ናይ ቅዱስ ቁርባንን ጥምቀት ምስጢራት ጸጋ ዝኾነ ኣብ በዓለ ጰራቅሊጦስ ዝተስተርኣየ ናይ ሓዋርያት ልቢ ዘረስስረሰን ንኽወጹን ወንገል፥ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ንኸስፍሑ ጉዕዞ ንኸበግሱ ዝገበረ ካብቲ ዝተኸፍተ ጐድኑ ዝተወልደት ናይ እግዚኣብሔር ተግባር እያ”፡ “እወ ንኽርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ግና ኣይፋል ንዝብል” ሚሳል፥ ቅዱስነቶም እንክምልሱ፥ “ቤተ ክርስቲያን እያ ናብ ክርስቶስን እግዚኣብሔርን እተብጽሓና፡ ቤተ ክርስቲያን እታ ዝዓበየት ናይ ደቂ እግዚኣብሔር ስድራ ቤት እያ፡ ፍሉጥ ሰብኣዊ ገጽ እውን ኣለዋ፡ ኣብቶም ዘቑምዋ፥ መጋብያንን ምእመናንን፥ ግድፈትን ዘይፍጹምነትን ሓጢኣትን ኣሎ፡ ር.ሊ.ጳ. እውን፥ ብዙሕ ሓጢኣት ኣለዎ፡ እቲ እጹብን ድንቅን ግና ሓጥኣን ምዃንና ምስ እነስተውዕል እቲ ወትሩ ይቕረ ዝብለና ዝሓድግልና ናይ እግዚኣብሔር ምሕረት ንረክብ” ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ብሓቂ ናብ ሓድሽ ሕይወት ትወልደናን ናብ ክርስቶስ ተሰንየናን - ቢሎም - ቤተ ክርስቲያን ኣዴና እያ፡ ኣብ ገጻ ናይ ተኣፋፍነትን ሓጢኣትን  ዕጣሮ ምልክት ከምዘሎ እውን ምስ እነስተውዕል እዚና ከነፍቅራን ናይ እግዚኣብሔር ፍቕሪ ንዓለም ከተብጽሕ መታን ወትሩ ብዝያዳ ጽብቕትን ድምቕትን ክትከውን ግደና ከነበርት ይግብኣና (ዕለት 31 ጥሪ 2019 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ጸዋዕታ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝበልዎ) ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ር.ሊ.ጳ.  ከምቲ ኣባይቲ ስድራና ኣነፍቅርን እንከላኸልን ከም ወለድን ኣሕዋትን ኣሓኣትን ወይ ውን ከም ውላድ ጸገምን ኣበርን ጌጋታትን እውን ይሃልው ኣንፈቅሮም፡ ንቤተ ክርስቲያን እውን ከምኡ፡  ኣብነት ፓድሮ ፒዮ ጠቒሶም፥ “ቅዱስ ፒዮ ንቤተ ክርስቲያን ምስቲ ኵሉ ጸገማታ ኣፍቀራ፡ ምስ ተጻብኦነትን ሓጢኣትን ኵሉ፡ ምኽንያቱ ቤተ ክርስቲያን ቅድስቲ እያ፡ መርዓት ክርስቶስ ስለ ዝኾነት፡ ኣንሕና ደቃ ኩላትና ሓጥኣን ኢና፡ ገሊኡ ሓጢኣት እውን ዓቢይ እዩ! ቤተ ክርስቲያን ከምቲ ዝኾነቶ ኣፍቀራ፡ ብመልሓሱ ኣየዕነዋን ከምቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ከም እንርእዮ፡ ንቤተ ክርስቲያን ዘፍቅራ ይቕረ ዝብል እዩ፡ ምኽንያቱ ገዛእ ርእሱ ሓጥኣን ከምዝኾነ ዝኣምን ምሕረት እግዚኣቤር ከምዘድልዮ  ስለ ዘስተውዕል። . . . መላእ ሕይወካ ብምኽሳስን ኣብ ምኽሳስ ኣይተሕልፎን ኣይንበርን፡ ናይ ከሳሲ ቤት ጽሕፈት ናይ መን እዩ? ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ እቲ ከሳሱ ዲያብሎስ እዩ! እቶም መላእ ሕይወት ኣብ ምኽሳስ ዘነብሩ ደቂ ዲያብሎስ እያቶም ክብሎም ኣይደልን ምኽንያቱ ዲያብሎስ ደቂ የብሉ ስለዚህ ኣዕሩኽ ዲያብሎስ እያቶም፡ . . . ንቤተ ክርስቲያን ግድፈታታ ክእረም መታን ምንጋር ብስለትን እዩ፡ ስለዚ ነቲ ግድፈት ኢኻ እትኸሶ . . . ንኣኣ ግና ተፍቅራ” ( ዕለት 20 ለካቲት 2019 ዓ.ም. ንናይ ኢጣሊያ ርእሰ ሰበኻ በነቨንቶ ምእመናን መንፈሳውያን ነጋዶ ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃል) ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዲያብሎስ ናይ ስድራ ቤት ሕብረት ንኽብትን ንኸዕንው ይዓዪ፥ ሳጥናኤል ንቤተ ክርስቲያን ካብ እግዚኣብሔር ክትፍለይ እዩ ዝደሊ፥ እቲ ክፋእ  ካብ ደገ ዘይኮነ ካብ ውሽጢ እዩ ዝመጽእ፡ እቲ ዘጥቕዕ ክፋእ ካብ ውሽጢ እዩ፡ (ዕለት 22 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ንኵርያ ሮማና ኣብ ዘስምዕዎ ቃል)፡ ዲያብሎስ ውስጣዊ ውግእ ክፈጥር እዩ ዝንቀሳቐስ፡ ነቲ ሕድ ሕዳውን መንፈሳውን ውግእ ዝምስል፡ ውግእ በጽዋር ውግእ ጥራሕ ኣይኮነን ከምቲ እንፈልጦ፡ ብመልሓስ እውን ዝካየድ ኣሎ፡ (ዕለት 23 መስከረም 2013 ዓ.ም. ንናይ ሃገረ ቫቲካን ሓለዋ ጸጥታ ኣብ ዝለገስዎ ቃል) ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ንበለካን ለኸዓካን ውግእን ጽልእን ሓሶትን ብጸሎትን ፍቕርን ኢኻ መልሲ እትህቦ፡ ምእንቲ ቤተ ክርስቲያን ጸልዩን ኣፍቅርዋን ምኽንያቱ ኢየሱስ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያን ሓዳ እያቶም” (ዕለት 29 ግንቦት 2013 ዓ.ም. ኣብ ዝለገስዎ ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ) ከምዝበሉ የዘኻኽር።

19 November 2020, 16:49