ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሓደስቲ ካርዲናላትን ናብ በነዲክቶስ መበል 16 ምብጻሕ ኣካይዶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሓደስቲ ካርዲናላትን ናብ በነዲክቶስ መበል 16 ምብጻሕ ኣካይዶም 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሓደስቲ ካርዲናላትን ናብ በነዲክቶስ መበል 16 ምብጻሕ ኣካይዶም

በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ንር.ሊ.ጳ. እሙን ምዃን ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ዘለዎ ምዃኑ ከምዘተሓሳሰቡ

እቶም ዕለት 28 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ተሓርዮም ካርዲናል ዝተሰምዩ ከምቲ ልሙድ ብቕዱስነቶም ተሰንዮም ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ምብጻሕ ኣካይዶም ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ብምግባር እውን ሓደ ብሓደ ኣብቲ ገዳም ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ከምእተራኸቡ ዜና ቫቲካን ኣመልኪቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ድሕሪ እቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ብር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተመሪሑ ዝተፈጸመ ብዕሎት መደበይና ክፉት ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ፡ ድሕሪ ቐትሪ ሓደስቲ ካርዲናላት ብቅዱስነቶም ተሰንዮም ናብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናብ ዝርከብ ገዳመ እመ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ኣብቲ ናይቲ ገዳም ቤተ ጸሎት ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ብምኽንያት ለብዒ ኮቪድ - 19 እቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ሓደ ብሓደ ኣብቲ ናይቲ ገዳም ቤተ ጸሎት ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ብሓቂ ውሉዳዊ ፍቕሪ ዝተሰነዮ ርክብ ከምዘካየዱን ነቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ሓደ ብሓደ ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ዘራኸቡን ዘላለዩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከምዝኾኑ ገሊጹ፥ ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን እቶም ሓደስቲ ካርዲናላት ንዘገበሩሎም ምብጻሕ ኣመስጊኖም ከምዝባረዅዎም እቲ ርክብ እውን ድሕሪ ቐትሪ ሰዓት ሓሙሽተ ከምእተዛዘመ ኣፍሊጡ።

ኣብ እመ ቤተ ክርስቲያን ገዳም ምብጻሕ

ኣብቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ደሓር እውን ኣብ 2015 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅድስ ጴጥሮስ ኣብ ዝተፈጸሙ መደበይና ክፉት ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ በነዲክቶስ መበል 16 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝገበሩሎም ዕድመ መሰረት ተሳቲፎም ከምዝነበሩ ክዝከር እንከሎ፡ ኣብ 2016 ዓ.ም. ድሕሪ ዝተፈጸመ ብዕሎት ናይ ብጹዓን ካርዲናላት ጉባኤ ሓደስቲ ካርዲናላት ብር.ሊ.ጳ. ፍንራቸስኮ ተመሪሖም ኣብ እመ ቤተ ክርስቲያን ገዳም ምስ በነዲክቶስ መበል 16 ዘካየደዎ ርክብ በቢ ዓመቱ ድሕሪ ስሜት ሓደስቲ ካርዲናላት ዝፍጸም ናይ ቤተ ክርስቲያን ልምዲ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎን ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ዝሓለፈ ዓመት በነዲክቶስ መበል 16 ምስ ሓደስቲ ካርዲናላት ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን ንር.ሊ.ጳ. እሙን ምዃን ዘለዎ ዓቢይ ክብሪ ከምዘተሓሳሰቡ የዘኻኽር።

Photogallery

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ሓደስቲ ካርዲናላትን ናብ በነዲክቶስ መበል 16 ምብጻሕ ኣካይዶም
29 November 2020, 16:33