ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ኢትዮጵያ ይጽልዩ፥ ዓመጽ ክግታእን ሕይወት ንምክልኻልን ይላበዉ ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ኢትዮጵያ ይጽልዩ፥ ዓመጽ ክግታእን ሕይወት ንምክልኻልን ይላበዉ 

ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ ኢትዮጵያ ይጽልዩ፥ ዓመጽ ክግታእን ሕይወት ንምክልኻልን ይላበዉ

ቅዱስ ኣቦና - ይብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ብቕረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉን እዚ ሞትን ምዝብልናን ስደትን ዘስዕብ ዘሎ ብደላይ ሰላም መንፈስ ኵሎም ምእንቲ ናይ ሕዝቢ ሰላም ክዓዩ ከምእተላበዉ ሓቢሮም

ዕለት 27 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ሰሜናዊ ዞባ ዘሎ ግጭትን ዓመጽን ብቐረባ ይከታተሉ ከምዘለዉን እቲ ሰላሳ መዓልቲ ዘቑጽር ዘሎ ብዙሓት ንስደትን ንምዝብልናን ዝዳርግ ዘሎ ኣድማዪ ወግእ ደው ክብል ጻውዒት የቕርቡን ምእንቲ ሰላም ይጽልዩን ኵሉ ኣብዚ ጸሎት እዚ ክሓብር እውን ከምእተላበዉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሃላፊ ማተዮ ብሩኒ ኣፍሊጦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣተኵሮን ጸሎትን ስዒቡ እውን እቶም ናይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ዘሎ ውግእ ተዋሳእቲ ኣካላት ኣብ ናይ ሓባር ሰላም ከብጽሕ ዝኽእል መገዲ ሓለፋ ክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ዘየቋርጽ ከምዝኾነን እቲ ኣብ መንጐ ናይ ሃገረ ኢትዮጵያ ፈደረላዊ ሓይሊ ምክልኻልን ንትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ናይ ሕዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ብዙሓት ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ ንስደትን ምዝብልናን ይዳርግ ከምዘሎን ድሮ ልዕሊ 40 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ናብ ጐረቤት ሃገር ሱዳን ከምእተሰደ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ ጉዳይ ማሕበራት የመላኽታ።

ግጭትን ተመዛበልትን ዓመጽን

ቅዱስ ኣቦና - ይብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ብቕረባ ይከታተልዎ ከምዘለዉን እዚ ሞትን ምዝብልናን ስደትን ዘስዕብ ዘሎ ብደላይ ሰላም መንፈስ ኵሎም ምእንቲ ናይ ሕዝቢ ሰላም ክዓዩ ከምእተላበዉ ሓቢሮም፡ ነቶም ዝመዛበሉን ዝስደዱን ዘለዉ ናይቲ ከባቢ ሕዝቢ እውን ሰብኣዊ ሓገዝ ከይፍለዮ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ኣፍሊጦም።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 8 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቁዑ ምእንቲ ሰላም ኣብ ኢትዮጵያ ኵሉ ክንጽልይ ኣተሓሳሲቦም፥ “በጽዋር ውግእ ናብ ዝተሰነየ ምስሕሓብ ፈተና ክይውደቕ ኵሉ ክጽልን ብሕውነታዊ ምክብባርን ብዘተን ነቲ ዘይሰማምዕ ጉዳይ ብሰላማዊ መገዲ መፍትሒ ክርከበሉ ኣላበው” ከምዝበሉ ዝዘከሩ ብሩኒ ኣስዒቦ፥ ኣብቲ ከባቢ ዝተባርዔ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እቲ በጽዋር ውግእ ዝተሰነየ ግጭት ክብ እናበለን ብዙሕ ስደትን ምዝብልናን ናይ ሰብኣዊ ጸገምን ይፈጥር ከምዘሎ ካብቲ ዞባ ዝፍነዉ ሓበሬታ ጠቒሶም ብሩኒ የመላኽቱ።

28 November 2020, 11:57