ዝጽሊ ሰብ ፈጺሙ ኣይፈርህን እዩ! ወትሩ ንጸሊ! ር.ሊ.ጳ

ቃል ኣምላኽ፦ ‘ለምኑ ኺውሃበኩም፡ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፡ ማዕጾውን ኳሕኳሕ ኣብሉ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ እብለኩም አሎኹ፡፡ ካባኻትኩምከ እንታዋይ ኣቦ እዩ፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ፡ እምኒ ዝህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ኣብ ክንዲ ዓሳስ ተመን ዚህቦ፡ ወይስ እንቋቝሖ እንተ ለመኖ፡ ዕንቅርቢትዶ ይህቦ፧ እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧’ (ሉቃ 11.10-13)

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን! ደሓንዶ ሓዲርኩም!

ብዛዕባ ጸሎት ዝጀመርናዮ ኣስተምህሮ ክንቅጽል ኢና። ሓደ ሰብ ‘ንስኹም ብዛዕባ ጸሎት ብዙሕ ትዛረቡ እንተኾነ ኣድላዪ ኣይኮነን’ ኢሉኒ። ኣድልይባ ኢለዮ ከመይ እንተዘይጸሊና ኣብ መነባብሮና ንቅድሚት ንምግስጋስ ሓይሊ የብልናን። ጸሎት እስትንፋስ ሕይወት እያ። ጸሎት ነቲ ወትሩ ንቅድሚት ዘገስግሰና ህላዌ መንፈስ ቅዱስ ናባና ይስሕብ። ስለዚ ከኣ እዩ ኣነ ብዛዕባ ጸሎት ብዙሕ ዝዛረብ።

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘይ ምቁራጽ ብጽንዓት ናይ እትዝውተር ጸሎት ኣብነት እዩ። ብሱቁታን ብኣስተንትኖንስ ምስ እግዚአብሔር ኣቦኡ ዝገብሮ ዝነበረ ርክብከስ ቀንዲ መሰረት ተልእኮኡ ነበረት። ወንጌል እውን ንሓዋርያቱ ከየባትኹ ብጽንዓት ክጽልዩ ክምሕጸኖም ከሎ ይነግሩና። ትምህርቲ ክርስቶስ እውን ኣብ ቊ. 2613 ኣብ ወንጌል ሉቃስ ተመልኪተን ዘለዋ ሰለስተ ምሳሌታት ብጽንዓት ናይ ዝግበር ጸሎት የቅርበልና።

ቅድሚ ዝኣገረ ጸሎት ጽንዕቲ ክትከውን ኣለዋ። ነዙይ ኣብነት ዝኾነና እቲ ኣብ ሉቃ 11 ዘሎ ምሳሌ ብሃንደበት ጋሻ ዝመጾ ሰብኣይ ኣብ ውድቅቲ ለይቲ ናብ ዓርኩ ከይዱ ገዛኡ ብምኩሕኳሕ ከይተሓለለ እንጌራ ዝልምን እዩ። እቲ ዓርኩ መጀመርያ ኣይፋል ይብል ከመይ ደቂሱ ነበረ እንተ እቲ ዝልምን ክሳብ ተንሲኡ ዝህቦ ብጽንዓት ከይተሓለለ ይልምን እሞ ይህቦ ይብለና። ጽንዕቲ ልመና እያ። እቲ ካባና መጠን ብዘይብሉ ኣገባብ ዕጉስ ዝኾነ እግዚአብሔርከ ነቲ ብእምነት ዝኲሕኲሕ ከየባተኸ ዝልምን ኣይምልሽንዶ ይመስለኩም ፈጺሙ ከምዘየሕፍሮ እሙን እዩ። እግዚአብሔር ወትሩ ምስ መለሰ እዩ። ወትሩ። እንታይ ከምዘድልየና ኣቦና ጽቡቅ ገሩ ይፈልጥ እቲ ጸኒዕና ከየባተኽና እንልምኖ ክነግሮ ወይውን ክነራሕርሖ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ንገዛእ ርእስና ንድልየትናን ትጽቢትናን ንምጒህሃር እዩ።

 እታ ካልአይቲ ምሳሌ ከኣ ሉቃ 18 ኰይና ብዛዕባ እቲ ጨካን ዳኛ ሓንቲ መበለት ፍትሒ ደልያ ወግሐ ጸብሔ ናብ መጋብያኡ እትመላለስ እሞ እቲ ብኩሉ ኩሉ ብልሽው ጨካን ዳኛ ፍርሃት እግዚአብሔርስ ይኹን ርሕራሔ እኳ እንተዘይነበሮ ተመላሊሳ ከይተሕስሮ ፍትሒ የውጽኣላ። ብውሽጡ ልቡ ነዛ ሰብ እዚኣ ጸገማ ፈቲሐ እንተሰያሰናቢተያ ዕለት ዕለት እናተመላለሰት ዕሚም ክትብል ክተሕስረኒ እያ ይብል። እዛ ምሳሌ እዚኣ እተምህረና ነገር እንተልዩ እምነት ክንብል ከሎና ሓንሳእ በው ኢላ ተበጊሳ ድሕሪኡ ትቅህም ዘይኮነትስ ትብዓት ዝመልኦ ውሳኔ ኰይኑ ንጐይታ ክትምህለል ምሳኡ ክትዋሳእ ብጽንዓት ምጒዓዝ ምዃኑ እዩ። እዚ ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕሰምን ፍትሒ ምጒዳልን ተስፋ ዘይምቊራጽ ኢድካ ዘይምሃብ እዩ።

እታ ሳልሰይቲ ከኣ ነዚኣ ስዒባ እትቀርብ ኣገባብ ኣጸላልያ እትገልጽ ናይ ሓደ ፈሪሳውን ሓደ መጸባሓውን ንክጽልዩ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኸዱ ይገልጽ። እቲ ፈሪሳዊ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ርእሱ ሓፍ ብምባል ከም ካልኦት ከምዝኮን እኳ ድኣ ኣጸቢቁ ካብ ካልኦት ከምዝበልጽ ንገዛእ ርእሱ እናነኣደ ይጽሊ እንተ እቲ መጸበሓዊ ካልእስ ይትረፍ ናብ ቤተጸሎት ኪኣቱ እኳ ብቅዓት ዘይብሉ ገሩ ብምእማን ብትሕትና ይጽሊ። እንተኾነ እግዚአብሔር ጸሎት እቲ ፈሪሳዊ ኣይቅበሎን ማለት ናይ ትዕቢተኛታ ጸሎት ኣይቅበለን እንተ ናይቲ መጸበሓዊ ጸሎት ይቅበሎ ከመይ ጸሎት ትሑታን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ወትሩ ቅብልቲ እያ። መንፈስ ትሕትና ዘይብላ ጸሎት ሓቀኛ ጸሎት ኣይኮነትን። ኣብ ጸሎት ንምልማን እተኽእለና ትሕትና እያ።

ትምህርቲ ወንጌልከስ ንጹር እዩ። ወትሩ ክንጽሊ ከምዘሎና። ጉዳያት ባዶሽ እንተመሰሉስ ይኹን እግዚአብሔር ጸማምን ዘይምልሽን ኰይኑ እንክስምዓና እሞ ጸሎት ብከንቱ ግዜኻ ምሕላፍ ኰይኑ ኣብ ዝስመዓካ ግዝያት እውን ከይተረፈ ወትሩ ምጽላይ የድሊ። ምድረሰማይ ከም ዓይኒ ዕንቊ እንተጸበበ እውን ክርስትያን ጸሎት ከቋርጽ የብሉን። ጸሎት ክርስትያን ከከም እምነት ዝተፈላለየ ደረጃታት ትሳገር። ብዙሕ ግዜ ኣብ ጒዕዞ ሕይወትና እምነት ሃለውለው ኰይኑ ክስምዓና ፍረኣልቦ ድኻም ኰይኑ ክረኣየና ይከኣል እዩ። ኣብ ሕይወትና ግብ ዝበለ ጸልማት ከጋጥመናን እምነት ሃለውለው ኰይኑ ዝስመዓናን ግዜ ኣሎ። እንተኾነ ጸሎት ምዝውታር ማለት ነዚ ድኻም እዢ እውን ምቅባሉ የስምዕ። ምናልባት ሓደ ካባኹም እው ኣባቴ ክጽሊ እኸይድ እየ እንተኾነ ምንም ኣይስምዓንን ደረቅ ልቢ ይስመዓና እንተበለኒ ኣነ ኸኣ ኣጆኻ ዋላ ኣብ ከምዚ ዚኣመሰል ኩነታት እንከሎ ኣብ ሕማቅ ግዜ ይኹን ምንም ኣብ ዘይስመዓካ ንቅድሚት ገስግስ ጸሊ እብሎ። ከመይ ብዙሓት ቅዱሳንን ቅዱሳትን ብጸልማት ለይቲ እምነትን ሱቊታ እግዚአብሔርን ተመኲሮም እዮም ኣኽሊል ቅድስና ዝደፍኡ። ንሕና እንክንኲሕኲሕ እግዚአብሔር ኣምልስን ነበረ ይብሉ እንተኾነ ብጽንዓት ክሳብ መወዳእታ ጸሊና ይብሉ።

ኣብዘን ለይትታት እምነት ጸኒዑ ዝጽሊ ፈጺሙ በይኑ ኣይኮነን። ኢየሱስ ምስክርን መምህርን ጸሎት ጥራይ ኣይኮነን። ክንዮኡ እዩ። ንሱ ኣብ ጸሎት ይቅበለና ከመይ ንሕና ምሳኡን ብኣኡን ምእንቲ ክንጽሊ ኢሉ ይቅበልና። እዚ ከኣ ስራሕ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ስለዚ ከኣ እዩ ቅዱስ ወንጌል እንክንጽሊ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ክንጽሊ ዝዕድመና። ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ 14.13 ‘ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዝኾነ ክገብረልኩም እየ ከመይ ኣቦ ብወዱ ንክኸብር’ እንክብል ይገልጾ። ትምህርቲ ክርስቶስ እውን ኣብ ቊ. 2614 ‘ጸሎትና ከምዝተሰምዔ ርግጽነት ዝህበና ኣብ ጸሎት ኢየሱስ ትምስረት’ ብማለት ይገልጾ። ጸሎት ኢየሱስ ነቲ ጸሎት ደቂሰባት ወትሩ ክትረኽቦ ሃረር ንእትብሎ ኣኽናፍ ይህባ።

ንቃላት መዝሙር 91 ከመይ ከይዘከርና ክንሓልፍ ንኽእል፣ እዘን ቃላት እዚኤን ናብ እግዚአብሔር ካብ ዝትስፎ ልቢ ዝውሕዛ ምትእምማን ዝመልአን እየን ‘ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ አብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ’ ይብላ። እዛ ልቢ እተርስርስ ጸሎት ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምልኣትን ፍጽምናን ትረክብ። ምሉእ ሓቅነታ እውን ኣብኡ ትረጋገጽ። ብዘይ ኢየሱስ ጸሎታትና ናብቲ ብዙሕ ግዜ ፍሽለጥ ዘጋጥሞ ማንም ሰብኣዊ ጻዕሪ ምተደረተ ነይሩ። እንተኾነ ኢየሱስ ንነፍሲ ወከፍ ገዓር ንነፍሲወከፍ ቊዘማ ንነፍሲ ወከፍ ሞሳ ንነፍሲወከፍ ልመና ንነፍሲወከፍ ጸሎት ደቂ ሰባት ለቢስዎ። ነቲ ምእንታና ዝጽሊ መንፈስ ቅዱስ ክንርጽእ የብልናን። ንክንጽሊ ማዕጾ ዝኸፈተልና ንሱ እዩ ናብ ኢየሱስ ከኣ የብጽሓና። እዚ ውህበት ኣቦን ወድን ዝኾነ ንእግዚአብሔር ንክንረክብ ኣብ እንገብሮ ጒዕዞ ክሕግዘና ዝዓደሉና እዩ። ንሕና እንክንጽሊ ኣብ ልባትና ኰይኑ ዝጽሊ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ክርስቶስ ንዓና ኩለንትናና እዩ ኣብ ሕይወት ጸሎት እውን ከይተረፈ። ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ነዚ ብዘደንቅ መንገዲ ይገልጾ ነዚ ኣብ ትምህርተ ክርስቶስ እውን ንረኽቦ። ኢየሱስ ከም ካህንና ስለና ይጽሊ ከም ርእስና ኣባና ይጽሊ ከም ኣምላኽና ከኣ ጸሎትና ናብኡ ነዕርግ። ኣብኡ ድምጽና ከምዘሎ ኣባና እውን ድምጹ ከምዘሎ ንዘክር (ቊ.2616) ይብል።   ስለዚ ኸኣ እዩ ዝጽሊ ክርስትያን ምንም ዘይፈርህ። በቲ ከም ውህበት ዝተዓደልናን ኣባና ኰይኑ ዝጽልን መንፈስቅዱስ ይተኣማመን። መምህር ጸሎትና መንፈስ ቅዱስ ኰይኑ መንገዲ ጸሎት ይምህረና። 

ብድምጺ ንምክትታል!
11 November 2020, 13:42