ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 15 ሕዳር 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 15 ሕዳር 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ  

ዝተዓድልናዮ መክሊት ንሠናይ ነገር ነውዕሎ! ር.ሊ.ጳ

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ሰንበት ዕለት 15 ሕዳር 2020 ዓም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተጋቢኦም ምስ ዝነበሩ ምእመናንን ነጋድያንን ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ናይ ዕለቱ ቃለ ወንጌል ተመርኲሶም ‘እግዚአብሔር ነቶም ንዝተዓደሎም መክሊት ኣብ ሠናይ ነገር ዘውዕሉ ክኽሕሶም እዩ’ እንክብሉ ኣስትምሂሮም።

ዜና ቫቲካን!

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ድሕሪ ክልተ ሶሙን ዓመተ ሥርዓተ ኣምልኮ 2019-2020 ተወዲኡ ሓዲስ ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾ ንምጅማር ኣብ ትሸባሸበሉ ዘላ ናይ መወዳእታ ሰንበት ቅድሚ ምዝካራ ንጸብጻብ ዓመት ዝምልከት ምሳሌ መክሊት ማእከልኩልና ካብ እግዚአብሔር ዝተፈላለየ ጸጋታት ተዓዲልና ኢና ነዚ ጸጋታት እዚ ከኣ ንሠናይ ነገር ናይዚ ሕይወት እዚ ክንጥቀመሎም እዚ ከኣ ንኣገልግሎት እግዚአብሔርን ንኣገልግሎት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክነውዕሎ ኣሎና። ነዚ እንክንገብር ፍሉይ ኣተኩሮ ንድኻታት ብምሃብ እዩ ክኸውን ዘለዎ ኢሎም። ዝገበረ ቃል ኣምላኽ ተስተንትን። ኢየሱስ ኣብ ማቴ 25.14 ዘቅርቦ ምሳሌ ብዛዕባ መክሊት ኰይኑ ንነፍሲወከፍ ከከም ክእለቱ ዝወሃብ ካብ ዕድመን ጥዕናን ጀሚርካ ክሳብ ፍሉይ ጸጋታት ኣገልግሎት ጸብጻብ እንህበሉ ከምዝኾነ የገንዝብ።

ንነፍሲወከፍ ከከም ክእለቱ!

እቲ ምሳሌ ብዛዕባ ሠለስተ ኣገልገልቲ ብጐይታኦም ብዙሕ ገንዘብ ብሕድሪ ንከፍርዩሉ ዝተዋቦም እንከመልክት እቲ ጐይታ ንነዊሕ መገሻ ነቂሉ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ተመሊሱ ዝጸባጸብ ታሪኽ የዘንቱ። ቅዱስነቶም ነዚ ምሳሌ እዚ ኣብ ነፍሲወከፍና ብምትርጓም እግዚአብሔር ንነፍሲወከፍ ከከም ዓቅሙን ክእለቱን ንክነፍርየሉ ነሕዋት ንክነገልግለሉ ዝተፈላለየ ውህበታት ይዕድለና ኢሎም።

‘ጐይታ ምስ ነፍሲወከፍና ከምኡ እዩ ዝገብር’ ዝበሉ ቅዱስነቶም እግዚአብሔር ነዚ እንክገብር ብሃሰሰ ለባም ከምዝኮነ ንክገልጹ ከምዚ ኢሎም። ‘እግዚአብሔር ንኩሉ ኣዳቂቁ ይፈልጥ እዩ። ኩልና ማዕረ ከምዘይኮና ኣጸቢቁ ይፈልጥ እዩ በዚ ከኣ ንነፍሲወከፍ ንከዕግብ ብዘይምንም ፍልልይ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ክእለቱን ዓቅሙን ንከፍሪ መክሊት ይዕድል’ ኢሎም።

ኣብቲ ምሳሌ እቲ ጐይታ ምስ ተመልሰ ነቶም ኣገልገልቲ ጸዊዑ በብሓደ ዘፍረይዎ ዝኸሰብዎ ጸብጻብ ከቅርቡሉ ይሓቶም። ክልተ ካብኦም ጽቡቅ መኽሰብ ጽቡቅ ፍረ ከምዝረኸቡ እኳ ደኣ ዕጽፍን ድርብን ከምዝኸሰቡን ከምዘፍረዩን ይገልጹ። እሙናትን ሕያዎትን ኣገልገልቲ ዝብል ናእዳ ካብ ጐይታ ይቅበሉ። እንተ እቲ ሳልሳይ ግን ነታ ዝተዋህቦቶ ሓቢእዋ ማለት ቀቢርዋ ስለዝነበረ ከምዘላታ የቅርብ እሞ ዘይእሙን ኣገልጋሊ ተባሂሉ ፍርዱ ይቅበል ንደገ ይስጐጒ። እዚ ዝምህረና ነገር እንተልዩ ነፍሲወከፍና ዝተዋህበና መክሊት ንሠናይ ነገር ክንሰርሓሉ እዩ።

ጸጋታትና ንሠናይ ነገር ንጠቀም!

 ‘እዚ ምሳሌ እዚ ንኩልና ይምልከት እንተኾነ ፍሉይ ብዝኾነ መንገዲ ወትሩ ንክርስትያን ይምልከት’ ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዕለቱ ተዘኪሩ ናብ ዝወዓለ ዓለም ለኸ ዕለት ድኻታት ምልስ ኢሎም ‘እዚ ንኩልና ይምልከት ምናዳ ኣብዚ ዕለት እዚ ቤተክርስትያን ኩልና ኢድና ንድኻታት ክንዝርግሕ ኣብ እትጽዋዓሉ ዘላ ዕለት ኣብ ግብሪ ነውዕሎ’ ኢሎም።

“ኩልና ካብ እግዚአብሔር ዝተፈላለየ ጸጋታት ተዓዲልና ኢና ነዚ ጸጋታት እዚ ከኣ ንሠናይ ነገር ናይዚ ሕይወት እዚ ክንጥቀመሎም እዚ ከኣ ንኣገልግሎት እግዚአብሔርን ንኣገልግሎት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክነውዕሎ ኣሎና። ነዚ እንክንገብር ፍሉይ ኣተኩሮ ንድኻታት ብምሃብ እዩ ክኸውን ዘለዎ ኢሎም።”

ፍሉይ ኣተኲሮ ናብ ድኻታት!

ቅዱስነቶም ኩነታት ድኻታት ዓለምና ሎሚ ከም ሎሚ ብምዝካር ኩልና ኣተኲሮና ናብኦም ክንገብር ከመይ ድኻታት ከም ሎሚ ንዓለምና ኣዕለቅሊቆማ ኣይፈልጡን ግን ቁሊሕ ዝብሎም ስለዘየለ ኣተኲሮና ናብኦም ክንገብር ሓደራ ኢሎም። ሎሚ ከም ልሚ ኣብ ማእከል ከተማታትና ከይተረፈ ብዙሕ ጥሜት ኣሎ ዝበሉ ቅዱስነቶም እንተኾነ ዝበዛሕና ብሸለልትነት ተዋሒጥና ርኢና ከምዘይረኣና ንምዃን ኣብ ኩሉ ኲርናዓት ዝጠመዩ ሰባት ተጸፍጺፎም እንከለው ንከይንርእዮም ክሳድና ጠዊና ናብ ካልእ ንጥምት። ክንገብሮ ዝግብኣና ግን ናብኦም ቊሊሕ ኢልና እዚኦም ክርስቶስ እዮም ኢልና ‘ኢድና ናብ ድኻ ንዘርግሕ’ ኢየሱስ ነዚ እዩ ምሂሩና ንድኻታት ክንረኽቦም ክነዘራርቦም ንሱ ንባዕሉ ንድኻታት ክብል እዩ መጺኡ። ነዚ ኣብነት ትኾነና እኖና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ ካብኣ ንመሃር። ንሳ ከምዚ ብምግባራ ዝዓበየ ህያብ ንኢየሱስ ብዓንዱ ርእሶ ተቀቢላ እንተኾነ ንገዛእ ርእሳ ጥራይ ኣይሓዘቶን ንዓለም ምሉእ ኣወፍያቶ። ካብኣኸስ ኣእዳውና ናብ ድኻታት ምዝርጋ ንመሃር ድሕሪ ቢሎም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ብድምጺ ንምክትታል!
15 November 2020, 10:13