እግዚአብሔር ኣየሕፍር ኣየደናግር! ሓንትስ ማዕጾ ልብና እንክኲሕኲሕ ልብና ንኽፈተሉ! ር.ሊ.ጳ

ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ሎሚ መባእታ ሓዲስ ዓመት ሊጡርግያ 2020-2021 እትጅምረሉ ቀዳማይ ሰንበት ዘምጽኣት ስለ እትጅምር ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ እዚ ግዜ እዚ ምሩጽ ግዜ ምዃኑን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ዘየቋርጽ ጻውዒት ተስፋ ስለዝኾነ እዚ ከኣ ጐይታ ታሪኽ ዝኾነ መድኀኔ ዓለም ኢየሱስ ንታሪኽና ኣብ ፍጻሜኡ ከብጾሑ ወትሩ ምሳና ምዃኑን ኣብቲ ምልኣት ኩሉ ዝኾነ ጐይታ ንከብጽሓ ከኣ ከምዝሠርሕ ኣዘኻኺሮም።

ዜና ቫቲካን!

ዓመት መጸ ምናዳ ኸኣ ኣብ ምጅማር ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾ ዘመን ምጽኣት ነቲ ንደቂሰባት ክረክብ ዝመጸን ዝመጽእን መድኃኔ ዓለም ንምርካብ እሞ ንወትሩ ምሳኡ ንምባር ዘነቃቅሕ ዓቢ ግዜ ምዃኑ ዘዘኻኸሩ ቅዱስነቶም እቲ ንሓሳእን ንሓዋሩን ንድሕነትና ኣማኑኤል እግዚአብሔር ምሳና ንክኸውን ብምሥጢረ ሥጋዌ ከማና ሰብ ዝኾነ ቃለ እግዚአብሔር ክሳብ ኩሉ ኣብኡን ብኣኡን ምሳኡን ኣብ ምልኣት ፍጽምና ዝበጽሕ ወትሩ ንመዓጹ ልብታትና እናኳሕኰሐ እዩ እሞ ቅድሚ ዝኣገረ ነዚ ዘየቋርጽ ድምጺ ምኲሕኳሕ ድምጺ ጻውዒት ክንሰምዖ እሞ እታ መዓልቲ ድሕነት ሎሚ እያ ሎሚ ድምጺ እግዚአብሔር እንተሰሚዕካ ልብኻ ኣይተደንዝዝ ክብሉ ቅዱስ ዳዊትን ቅዱስ ጳውሎስን ንዘዘኻኽሩና ክነስተውዕል ሓደራ ኢሎም። ዘመነ ምጽኣት ካብ ኣዝማን ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾ ዝሓየለ ተስፋ ዝመልኦ እዩ ከማይ ብቀዳምነት ብተስፋ ንጐይታ እንጽብየሉ ንልደት እንሰናደወሉ ግዜ ብምዃኑ ክንጥቀመሉ ኣዘኻኺሮም።

“ኣምላኽና ንክረኽበና ወትሩ ናባና ዝመጽእ ምዃኑ ንዘክር። እግዚአብሔርከስ ወትሩ ብቀጻሊ ናባና ዝመጽእ ኣምላኽ እዩ። ነዚ ኣይትረስዑ። ንሱ ንትጽቢትና ኣይጠልምን ኣየሕፍርን። እግዚኣብሔር ፈጺሙ ኣይጠልምን ኣየሕፍርን እውን። ምናልባት ቁሩብ ከጸብየና ይኽእል! እታ ኣባና ዘላ ተስፋ ክሳብ ኣጸቢቃ ተዓብን ትበስልን ቁሩብ ኣብ ጸልማት ክንጽበ የፍቅድ ይኸውን እምበር ፈጺሙ ኣይጠልምን እዩ። ጐይታ ወትሩ ይመጽእ። እግዚአብሔር ወትሩ ምሳና እዩ። ኣብ የማነ ጸጋና ብላዕልን ብታሕትን ብጐድንን ቅድሚትን ድሕሪትን ወትሩ ምሳና እዩ። ሓንሳእ ሓንሳእ ክንርእዮ ኣይንኽእልን እንተ ንሱ ወትሩ ናባና ምስ መጸ እዩ። ኣብ ታሪኽ ደቂሰባት ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ኣብ ሓደ ውሱን ግዜ ከማና ሰብ ኰይኑ ኣብ መንጎና ሓደራ ሓጢኣትና ከኣ ለበሰ ኣድሓነና እውን። በዓለ ልደት ነዚ ፍጻሜ ናይ ቀዳማይ ምጽኣት እንክዘኻኽር ኣብ ፍጻሜ ዓለም ከኣ ንዘለውን ንዝሞቱን ክፈርድ ብኽብሪ እንደገና ዳግም ክመጽእ እዩ። ኣብ መንጊ እዚ ቀዳማይ ምጽኣትን ካልኣይ ምጽኣትን ካልእ ሳልሳይ ምምጻእ ኣሎ እዚ ኸኣ ዕለት ዕለት ንሕዝቡ ክበጽሕ ወትሩ ስለዝመጽእ ከይዘንጋዕና ድምጹ ሰሚዕና ልብና ክንከፍተሉ ይዕድመና። እዚ ምምጻእ እዚ ናብ ነፍሲወከፍ ወዲተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ምዃኑ እዩ በዚ ከኣ ነቶም ድምጹ ሰሚዖም ብቃል ኣምላኽስ ይኹን ብምሥጢራት ኣገልግሎት ኣሕዋትን ኣሓትን መልሲ ንዝህቡ ኣብ ልቦም ሓዲሩ ዕለት ዕለት የሰንዮም።”

ትብዓት ካብ ተስፋ ትውለድ!

ቅዱስነቶም ቀጺሎም ሕይወት ደቂሰባት ቃልሲ ምዃና እዚ ከኣ ‘ብብርሃንን ጸልማትን ልዑላት ነገራትን ለጠቅ ብዝበሉ ጉዳያትን ዝተፈራረቀት ኰይና ነፍሲወከፍና ብዙሕ ጸገም ከጓንፈና ከምዝኽእል ምናዳ ኸኣ ኩሉ እንክሕርብተናን ፍሽለትን ኣንፈት ምጥፋእን ኣብ ተመኲሮና የጋጥም’ በዚ ግን ክንደሃል ከምዘይብልና ከምዚ ክብሉ ይገልጹ።

“ኣብ ልዕሊ እዚ ሕጂ ንነብሮ ዘሎና ዘመና ለበዳ ኮቪድ 19 ኣብ ልቢ ብዙሓት ጭንቀትን ፍርሕን ዘይምጥዓምን ኣምጺኡ ገሊኦም ኣብ ዕርበት ሕልናን ተስፋ ቁርጸትን ኣትዮም ኣብ ምዕጻው ገዛእ ርእሶምን ጽልኣት ካልኦትን ክወድቁ ይኽእሉ። ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝበለ ግድል ከም ክርስትያን እንታይ ዓይነት ግብረ መልሲ ክንህብ ንኽእል! ንዝብል ሻቅሎት ናይ ሎሚ መዝሙረ ዳዊት ‘ኦ እግዚኣብሔር፣ ኣባኻ እውከል ኣሎኹ፣ ከቶ ኣይተሕፍረኒ፣ ስለ ጽድቅኻ ኢልካ ኣናግፈኒ። እዝንኻ ናባይ ኣድንን፣ ቀልጢፍካ ኣናግፈኒ፣ ጽኑዕ ከውሒ፣ ዕርዲ ምድሓነይ ኩነኒ። እምባይን ዕርደይን ንስኻ ኢኻ እሞ፣ ስለ ስምካ ኢልካ ምርሓኒ ኣሳልየኒውን። ንስኻ ጸግዔይ ኢኻ እሞ፣ ካብቲ ብሕቡእ ዘጻወዱለይ መፈንጠራ ኣውጽኣኒ። ንመንፈሰይ ኣብ ኢድካ ኤማዕቍባ ኣሎኹ፣ ኦ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሓቂ፣ ኣድሒንካኒ ኢኻ’ (31/32) እንክብል መንገዲ ይሕብረና። እዚ ማለት ንጐይታ እትጽበ ነፍሲ ንጐይታ ተኣማማኒ እትጽበ ነፍሲ ኣብ ጸልማት ጒዕዞ ሕይወት ምጽንናዕን ትብዓትን ትረክብ። እዚ ትብዓትን ብትብዓት ተኣማሚንካ ንጐይታ ምጽባይን ካበይ ይውለድ እንተበልና ካብ ተስፋ ትውለድ። ተስፋ ኸኣ ፈጺማ ኣይተሕፍርን እዛ መንፈሳዊት ሓይሊ እዚኣ እያ ንጐይታ ክንረክብ ከይሰልከና ንቅድሚ ከምእንግስግስ ትገብር።”

እግዚአብሔር ወትሩ ኢዱ ምስ ዘርግሓልና እዩ!

 እዛ ኣብ ላዕሊ ዝበልናያ ተስፋ ትዂላዓሉ ፍሉይ ግዜ እዚ ሎሚ ዝጅመር ዘመነ ምጽኣት እዩ ከመይ ንብርሃነ ልደቱ ስለዘሰናድወና ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ኣብዚ ግዜ ተስፋና ትብርትዕ።

“ዘመነ ምጽኣትከስ ዘየቋርጽ ጻውዒት ተስፋ እዩ። እዚ ዘዘኻኽረና ጉዳይ እንተሃልዩ እቲ እግዚአብሔር ባዕሉ ዝሃበና ተስፋ ማለት ኣብ ታሪኽና ህልው ኰይኑ ክሳብ መወዳእታ ናብ ምልኣት ከብጽሓ ማለት ናብቲ ጐይታ ኩሉ ዝኾነ ኢየሱስ ከብጽሓ እዩ። እቲ ኣማኑኤል ኰይኑ እግዚአብሔር ምሳና ዝኾነ ጐይታኸስ ኣብ ታሪኽ ዘመደ ኣዳም ወትሩ ኣሎ ርሑቅ ኣይኮነን ወትሩ ምሳና እዩ። ክሳብ ኣብ ኣፋፈት ልብና መጺኡ ዝኩሕኩሕ ኣምላኽ እዩ። ንክድግፈና ኣብ ጐድንና ይጐዓዝ። ፈጺሙ ኣይሓድገናን እዩ ንትርጉም ጉዕዞ ሕይወትና ንክንፈልጥን ንክንርዳእን ፍቃዱ ንክፍጽምን ኣብ ግዜ ፈተናን ስቃይን ንከተባብዓናን ወትሩ ምሳና እዩ። ኣብ ማዕበል ሕይወት እግዚአብሔር ወትሩ ኢዱ ምስ ዘርግሓልናን ካብ ዝኾነ ሓደጋን ፈተናን ሓራ ምስ ኣውጽኣና እዩ።”

ኣብ ኦሪት ዘዳግም ሙሴ ነቢይ ንሕዝቡ ‘እስኪ ሕሰቡ ከምዚ ናትና ኣምላኽ ወትሩ ኣብ ጥቃ ሕዝቡ ዝነብር ኣየናይ ኣምላኽ ኣሎ’ እንክብል ዝገልጾ ብጣዕሚ ጥዑም ጥቅሲ ኣሎ። ቀጺሉ ከኣ ብዘይካና ካልእ ማንም ሕዝቢ ከምዚ ናትና ኣምላኹ ምሳኡ ዝኾነ ሕዝቢ የለን ይብል። እዚኣ ብሓቂ ተጸናንዕ ጥቅሲ እያ። ነዚ ኣብነት ትኾነና እታ ናይ ትጽቢት መምህር ዝኾነት እኖና ድንግል ማርያም ስለዝኾነት ኣብዚ እንጅምሮ ዘሎና ዓመት ሥርዓተ ኣምልኾ ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ቀንዲ ዕዮ ገዛ ተኸተልቲ ክርስቶስ ዝገልጾ ነታ ኣባና ዘላ ተስፋ ትርጉም ንክንህብ ንሳ ትደግፈና ኢሎም ምስ ኣስተምሃሩ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደገሙ።

ብድምጺ ንምክትታል!
29 November 2020, 18:42