ር.ሊ.ጳ.፥ ናይ ሰላም ስምምዕ ኣብ ኣይቮሪ ኮስትን ሰብኣዊ ሓገዝ ንፊሊፒንስን

ድኻታት ናይ ወንጌል ማእከል እያቶም፡ ብዛዕባ ድኻታት ንኽንዛረብ ኢየሱስ ባዕሉ ዝመሃረና መገዲ እዩ፥ ባይሉ እውን ድኻ ኰይኑ እዩ ናባና መጸ፡ ንድኻታት ኣእዳውካ ዘርግሕ፥ . . .

ብምኽንያት ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት፡ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 15 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጦርስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ፡ ሓሳቦምን ቀልቦን ናብቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ናይ ውግእን ናይ ተፈጥሮ ከባብያዊ ሓደጋን ኣደዳ ናብ ዝኾኑን ገይሮም፥

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ዓመተ ሊጡርጊያ ናይ መወዳእታ ሰንበት ብላቲናዊ ስርዓተ ኣምልኾን ከምኡ እውን በቢ ዓመቱ ብውሳኔ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ምስ ሰንበት ናይ ሊጡርጊያ ዓመት መዛዘሚ ተተሓሒዙ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ድኻታት ተዘኪሩ ከምዝወዓለን ነዚ ምኽንያት ገይሮም ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ድኻታትን ናይ ኣለይቲ ድኻታት ግብረ ሰናይ ማሕበራት ወለንተይናታት ዘሳተፈ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉን ድሕሪ ዘዕረግዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ደጊሞም ምስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፥

ቅርበት ንሕዝቢ ፍሊፒንስን ሰብኣዊ ድጋፍ ንዘድልዮምን

ናይ ዕለቱ ወንጌል ኣሞርኵይዞምን ናይ ዝኽሪ ራብዓይ ዓመት መዓልቲ ድኻታት መርሕ ቃል፥ “ንድኻታት ኣእዳውካ ዘርግሓሎም” ዝብል ምዃን ዘኪሮም ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ኣደዳ ውግእን ካብኡ ሓሊፉ እውን ብናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ምኽንያት ንሞትን ማህሰይትን ዝቃልዑን እናሓሰቡ፡ ኣብ ፊሊፒንስ ዝተኸስተ ዝናም ሓውሲ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ዝፈጠሮ ምዕልቕላቕ ማይ ንሞትን ከቢድ ማህሰይትን ውድመት ንብርትን ዘጋጠሞም ዘኪሮም፡ ቅርበቶምን ጸሎቶምን ኣረጋጊጾም፥

ብጸሎተይ ንሕዝቢ ፊሊፒንስ ብፍላይ በቲ ዝተኸስተ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስን ምዕልቕላቕ ማይ ንዝተጠቕዑ ቅርበተይን ነቶም ድኻታትን ነዚ ከቢድ ሓደጋ’ዚ ዝተቓልዑን ድጋፈይ አረጋግጽ፡ ነቶም ኣብ ደገፎም ሕርኵት ጻዕሪ ንዘካይዱ እጽልይ!

ከምዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥

ኣብ ፊሊፒንስ በቲ ዝተፈጥረ ዝናም ሓውሲ ብርቱዕ ህቦብላ 26 ሰበኻታት ከምእተጐደኣን ንልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ከምዘመዘበለን ሞትን ማህሰይትን ከምዘስዓበን፡ 3.8 ሚሊዮን ኣባይቲ ስድራ ብዘይ ኣገልግሎት መብራህቲ ከምዘትረፈን ብካሪስታ ዝጽዋዕ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበር ጨንፈር ማኒላ ነተን ዝተጠቕዓ ሰበኻታትን ሕዝብን ኣብ ሰብኣዊ ድጋፍ ይዋሳእ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኣይቮሪ ኮስት ዕርቂ ክወርድ

ቅዱስነቶም ህልው ኩነታት ኣይቮሪ ኮስት እናሓሰቡ ኣብታ ሃገር ዕለት 15 ሕዳር መዓልቲ ሰላም ተዘኪሩ ዝውዕለሉ ዕለት ምዃኑ እውን ጠቒሶም፡ እቲ ንብዙሓት ናይ ሞትን ማህሰይትን ምዝብልናን ምኽንያት ኮይኑ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ውጥረት ሰላምዊ መፍትሒ ንኽርከበሉ ብብሔራውን ዓለም ለኻውን መዳይ ንዝዓዩ ዘለዉ እንከመስግኑ፥

ካብ እግዚኣብሔር ሃገራዊ ሰላም ክጽገው ብምኽንያት መዓልቲ ሰላም (ኣብ ኣይቮሪ ኮስት) ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጸሎት እሓብር፡ ኩሎም ደቂ’ታ ሃገር ብሓላፍነት መንፈስ ኣብ ጐደና ዕርቂ ከብሉን፡ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ንኽረጋገጽ ንዝዓዩ አበራትዕ፥ ብፍላይ ናይ ፖለቲካ ኣካላት ብሕድ ሕዳዊ ምትእምማንን ብቅኑዕ ዘተን ናይ ዜጋታት ሕይወት ዝከላኸሉን ናይ ሓባር ጥቕሚ ዘነቓቕሕ ዘተ ውሑስ ክገብሩን እላበው!

ከምዝበሉን ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ድሕሪ ሕዝባዊ ምርጫ ዘሎ ህልው ኩነታት

ኣብ ኣይቮሪ ኮስት ዕለት 31 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ኡታራ ርእሰ ብሔር ኮይኖም ንሳልሳይ ግዜ ምስ ተሓርዩ፡ ተቓዋሚ ናይ ፖለቲካ ውድባት ካብ ክልተ ሳዕ ንላዕሊ ርእሰ ብሔር ምዃን ዘይፈቅድ ቅዋም ሃገር ተጣሒሱ እንክብሉ ናይ’ቲ ምርጫ ውጽኢት ኣይንቕበልን ከምዝበሉን ነዚ ስዒቡ  ዝተለዓዓለ ማሕበራውን ፖለቲካውን ውጥረት፡ ሰለስተ ሰባት ንሞት ካልኦት 26 እውን ንማህሰይቲ ሓደጋ ከምዘቃለዔን፡ ናብ ዓሌታዊ ግጭት እውን የብል ከምዘሎን፡ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም መግለጺ ከምዝሕብሮ እውን ሸሞንተ ሽሕ ዜጋታት ናብ ጉረባብቲ ሃገራት ከም እትሰዱን ከምቲ ኣብ 2010 ዓ.ም. ተራእዩ ዝነበረ ልዕሊ ሰለስተ ሺሕ ዜጋታት ንሞት ዝዳረገ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ክፍጠር ከምዝኽእል ናይ ብዙሓት ስግኣት ኰይኑ ከምዘሎ ይንገር።

ቅድመ ፍርዲ ክርስስቲያናዊ ኣይኮነን

ቅዱስነቶም ቅድሚ ምስንባቶም ናይ መዓልቲ ድኻታት “ኣእዳውካ ንድኻታት ዘርግሓሎም” ኣብ ዝብል መርሕ ቃል ኵሉ ምስ ቤተ ክርስቲያን  ሓቢሩ፥ ኣብ ልቡን ኣባይቱን ከቃልሖ ሓደራ ቢሎም፡ ከምቲ ምክሊት ተቐሉ ዝቐበሮ ኣገልጋሊ ኣይንኹን፥

ንጐይታ ብምውቃስ ዘይንጡፍ ምዃን ብዙሕ እዋን ኣብ ኵላትና ዝርአይ ዝምባለ እዩ፡ ብዙሕ እዋን ገዛእ ርእስና ንምክልኻል ካልኦት ንነቅፍ፡ ገዛእ ርእስና ምኽንያታውያን ንኽንገብር ኻልኦት ንኸስስ፥ ጐይታ ነዚኣቶም “ኣታ ክፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ” እንክብል ይገንሖም፡ እቲ ዝሃቦም መክሊት እውን የግድፎምንን ካብ ቤቱ እውን ይሰጐም፡

ኣብ ከተማታትና ብዙሕ ጥምየት ኣሎ

ንእግዚኣብሔርን ነሕዋትናን ኣብ ምግልጋል፥ እቲ ዘሎና ጸጋ ኣብዛ ምድራዊት ሕይወትና ንሰናይ ተግባር ነውዕሎ፡ ኣብ ከተማታትና ብዙሕ ጥምየት ኣሎ፡ ኢጐነታዊ ኣርአእያ እንተድኣ ዘይመረጽና ነቶም ሓገዝና ዘድልዮም ክንርእይ ንኽእል፥

ኣብ ከተማታትና ብዙሓት ድኻታት ኣለዉ፥ ሰናይ ንግበር ንኣኣቶም ቀረባ ንዅን! ብዙሕ እዋን ክርስቲያን ምዃን ክፋእ ዘይምግባር ጥራሕ ገይርና ንሓስቦ፥ ሰናይ ዘይምግባር ንገዛእ ርእሱ ክፋእ እዩ እሞ ካብ ገዛእ ርእስና ወጺእና ሰናይ ንግበር፡ ነቶም ሓገዝና ዘድልዮም ቀረባ ንዅን፡ . . .  

ብዙሓት ካህናት ኣክንዲ ዘለኣለማዊ ሕይወት ዝሰብኩ ብዝዕባ ድኻታት ጥራሕ ይዛረቡ እናበባህሉ ክንቀፉ ንሰምዕን፥

ድኻታት ናይ ወንጌል ማእከል እያቶም፡ ብዛዕባ ድኻታት ንኽንዛረብ ኢየሱስ ባዕሉ ዝመሃረና መገዲ እዩ፥ ባይሉ እውን ድኻ ኰይኑ እዩ ናባና መጸ፡ ንድኻታት ኣእዳውካ ዘርግሕ፥ . . .

ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

16 November 2020, 16:07