ኣንጻር ረኣዩኒ ረኣዩኒ ዝብል መንፈስ ዓለም ትሕትናን ምሕረትን ምረጹ! ር.ሊ.ጳ

ሰንበት ዕለት 1 ሕዳር 2020 ዓም ሰንበት ኣብ ርእሲ ምዃኑ ላቲናዊ ሥርዓተ ኣምልኾ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን በዓል ኩሎም ቅዱሳን ዘኪራ ብምውዓላ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ኣብቲ ልሙድ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ኣስተምህሮ ጉባኤ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር በዓለ ኩሎም ቅዱሳን ንኩልና ክርስትያን ነፍሰወከፍና ንቅድስና ዝተጸዋዕና ምዃና ከም ሕዝበ እግዚአብሔር ከኣ ሓባራዊ ቅድስና ዘመደ ኣዳም ክንተግሃሉ ዘሎና ቀንዲ ውራይና ምዃኑ ኣዘኻኺሮም ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ደጊሞም።

ዜና ቫቲካን!

ሕመረት እምነት ክርስትና ንዝኾነ ትንሣኤ ክርስቶስ ከም ቀንዲ ምኽንያት ሕይወትናን ጒዕዞ ክርስትናን ኰይኑ ተስፋ ዘስንቀና ፍጻሜ ብፍሉይ መንፈስ ሎሚ ኣብ ዕለት በዓለ ኩሎም ቅዱሳን ኩሎም ክርስትያን ብዛዕባ እዚ ዓቢ ተስፋ ከስተንትኑ ኣብ በዓለ ኩሎም ቅዱሳን ይጽውዑ ዝበሉ ቅዱስነቶም ነዚ ዓቢ ተስፋ እዚ ጭቡጥ መሰኻኽር ዝኾኑና ከኣ ኩሎም ቅዱሳንን ብፁዓንን እዮም። ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ብዛዕባ ብፅዕና ዝዛረብ ሓሙሻይ ምዕራፍ ወንጌል ማቴዎስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ እዘን መንገዲ ብፅዕናታት እዚአን እዞም ኣብ ዕለቱ ዝዝከሩ ኩሎም ቅዱሳንን ብፁዓንን በብሓደ ኣብ ግብሪ ዘውዓልዎ መሪሕ ሕይወቶም ገሮም ከኣ ኣብ ዓወት ዝበጽሑሎም መጋበሪ ብምዃኖም ንኩለን ክነስተንትነን ኣሎና ምስ በሉ እስኪ ካብኤን ክልተ ክንምልከት ኢሎም ኩልና ንጽሕናን ትሕትናን ምሕረትን ክንመርጽ እሞ ኣንጻር እዛ ብትዕቢት ተዓሊሳ ፍትሒ ኣጒዲላ ዘላ ዓለምና ፍትሕን ሰላምን ክነንግስ ጸዊዖም።

ዝሓዝኑ እዮም ብፁዓን ከመይ ክጸናንዑ እዮም!

ኩለን ብፅዕናታት ተጻይ ኣተሓሳስባ ደቂ ሰባት እኳ እንተመሰላ እዛ ብፅዕና እዚኣ ግን ብዝኸፍአ መንገዱ ተጻይ ኣተሓሳስብና ትመስል ዝበሉ ቅዱስነቶም ብኽያትን ሓዘንን ብኣተሓሳስባና ብምንም ተኣምር ምኽንያት ታሕጓስን ደስታን ክኾኑ ኣይክእሉን ኢሎም። እንተኾነ ይብሉ ቅዱስነቶም! እንተኾነ ኢየሱስ ኣብዚ ምድሪ እዚ ዝሳቀዩ ብምኽንያት ሓጢኣትን ክበድን ዕለታዊ ሕይወት ዝሳቅዩ ተጻይ እዚ ኩሉ ከኣ ብእግዚአብሔር ተኣማሚኖም ንኩሉ ኣብ ኢዱ ዘንብሩ ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዘንብሩ ብሓቂ ብፁዓን እዮም ይብል።

ምናልባት እዞም ሰባት እዚኦም ኩሉ ዘይዓጦም ሸለልተኛታት ከይመስለና ወይውን ዝኾነ ስቃይ ከጋጥሞም እንከሎ ልቦም ዘደንዘዙ ምንም ዘይስምዖም ከይመስለና ቀንዲ ሓይሎም ብእምነትን ብተስፋን ምጽንናዕ እግዚአብሔር ከምዝመጽእ ተኣማሚኖም ብትዕግሥቲ ይጽበዩ። ነዚ ምጽንናዕ እዚ ከከም እምነቶምን ጽንዓቶምን ኣብዚ ምድሪ እዚ እውን የስተማቅርዎ ኢሎም ናብታ ካልአይቲ ብፅዕና ሰጊሮም ብዛዕባ ለውሃት ገርህነት እትገልጽ ‘ለወሃት ብፁዓን እዮም ከመይ ንምድሪ ክወርስዋ እዮም’ ናብ ትብል ሰጊሮም።

ለወሃት ብፁዓን እዮም ከመይ ንምድሪ ክወርስዋ እዮም!

ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ለውሃት እዚ ነዚ ትሕትና እዚ ኣበይ ንረኽቦ ብከመይ ንርድኦ ኢልና ከይንጭነቅ ኢሉ ኣብ ማቴ 11.29 ነቶም ዝደኸሙን ዝጸዓሩ ጾር ሕይወት ዝኸበዶምን ናብኡ ክመጹ ይዕድም እሞ ‘ካባይ ተመሃሩ ኣነ በዓል ለዋህን ትሑትን ልቢ እየ’ እንክብል ንኩሉ ካብኡ ክንመሃር ንሱ ኣብነትና ከምዝኾነ ንኩሉ ከኣ ብግብሪ ኣርእዩ ከምዝምህረና ገሊጾም። እዛ ትሕትና ትብል ሓንሳእ ሓንሳእ ሕመቅ ስለእትመስል ቀንዲ ትርጉማ እንክገልጹ ቅዱስነቶም ‘ትሑታት ዝበሃል ገዛእ ርእሶም ዝመልኩ ኩለንትናኦም ዝቈጻጸሩ እሞ ንካልኦት ቦታ ዘወፍዩ ንካልኦት ጽን ኢሎም ክሰምዑ ዘይጽግሞም ንካልኦት ከምዘለውዎ ተቀቢሎም ዘኽብሩ ንኩሉ ድሌታቶምን ጠለባቶምን ዘማልኡ እዮም’ ክብሉ ይገልጽዎ። እዞም ሰባት እዚኦም ማንም ከየስተውዓለሎም ሰናይ ዘበለ እናሓሰቡን እናመኸሩን ብተግባር እናኣርኣዩን ንካልኦት ከዋርዱ ከትሕቱ ከጨንቁ ኣይደልዩን ንካልኦት ክቈጻጸሩ ክጭቁኑ ግድን ሓሳበይ ተቀበል ግድን ጥቅመይ ሓልወለይ እንክብሉ ኣይጨንቁን። እግዚአብሔር ዓዲልዎም ነቲ ንብጻይካ ከም ገዛእ ርእስኻ ገርካ ኣፍቅር ነቲ ንገዛእ ርእስኻ እትምነዮ ሰናይ ነገር ንብጾትካ ተመነየሎም ግበረሎም እንክብል ጐይታ ዘስተምሃሮ ቃል ብቃሉ ኣብ ግብሪ ዘውዕሉ እዮም ከመይ ለወሃትን ትሑታትን ስለዝኾኑ ሓይሊ ጐይታ ብድኻምነቶም ይግለጽ። እሞኸ ደኣ እንታይ ንግበር ንዝብል መልሲ ዝኾነና ነታ ኢየሱስ ዝበለና ካብኡ ተማሂርና ትሑታት ልቢ ኰና ስለ ፍትሕን ሰላምን ምስራሕ እዩ ዘድሊ።

ትሑት ልቢ ኩን! ስለ ፍትሕን ሰላምን ተቃለስ!

ኣብዛ እንነብረላ ዓለም ለዋህ ምዃን ትሑት ልቢ ምዃን ከም ዕሽነት ተቈጺሩ ዝፈትዎን ዝቅበሎን የሎን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ግን ብርቂ እዩ ስለዝኾነ ከኣ እዩ ብፁዓን እናበለ ንለዋሃትስ ይኹን ንትሑታት ዝገልጾም። በዚ ከኣ ርግጸኛ ብዝኾነ መንገዲ እግዚአብሔር እዞም ሰባት እዢኦም ነታ ዘተስፈዎም ምድሪ ተስፋ የውርሶም እዚ ከኣ እቲ ዓይኒ ሰብ ዘይረኣዮ ኣእምሮ ሰብ ዘይሓሰቦ ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት ዘየሎ ዘለዓለማዊ ሕይወት እዩ። እዚ ብፅዕና እዚ ዝኸፈልካ ከፊልካ ኣብዚ ምድሪ እዚ ይጅመር ኣብ ሰማያት ከኣ ዘለዓለማዊ ሕይወት መንግሥተ ሰማይ ብምውራስ ይፍጸም።

ኣብዚ ዘመንና ዓለምና ዘሎ ዘየሎ ሓይሉ ኣኪቡ ኣንጻር ክርስትናን ዕላማታቱን ኣብ ዝቃለሰሉ ዘሎ ግዜ ከምቲ ክስሕብዎን ክጐትዎን ክሰቅልዎን ኣፉ ዘይከፈተ ንኩሉ ብትሕትናን ትዕግሥትን ዘሕለፈ ኢየሱስ ለዋሃን ክንከውን ትሑታን ክንከውን የድሊ። እንትርፎ እዚ ካልእ ፍታሕ የለን። ውርደትን ስደትን መከራን ንሓጺር ግዜ ኰይኑ ዝጽበየና ዘለዓለማዊ ሕይወትን ታሕጓስን ዘለዓለማዊ ዕረፍትን ሕይወት ቅድስና እዩ። ነዚ ምስክር ዝኾኑና ከኣ እዞም ሎሚ እንዝክሮም ፍሉይ ዕለት ዘይብሎም እልፊ ኣእላፍት ቅዱሳን እዮም። ነዚ ቅድስና እዚ ከኣ ኩልና ዝተጸዋዕና ኢና እንክብሉ ትምህርቶም ምስ ዛዘሙ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር ኣዕሪጎም።

ብድምጺ ንምክትታል!
01 November 2020, 13:09