ይዅንታ ንሓደስቲ መንፈሳዊ ማሕበራት ናይ ቅድስቲ መንበር  ስልጣን እዩ ይዅንታ ንሓደስቲ መንፈሳዊ ማሕበራት ናይ ቅድስቲ መንበር ስልጣን እዩ 

ይዅንታ ንሓደስቲ መንፈሳዊ ማሕበራት ናይ ቅድስቲ መንበር ስልጣን እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ፍሉይ ስልጣን መሰረት እቲ ኣብ ሕገ ቀኖና ኣብ ቁጽሪ 579 ዘሎ ሕጊ በቲ Authenticum charismatis - ሓቀይና መንፈሳዊ ሰሓብነት ብዝብል ኣርእስቲ ክሕደስ ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ ክትካእ ይእዝዙ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Authenticum charismatis - ሓቀይና መንፈሳዊ ሰሓብነት ብዝብል ኣርእስቲ ሓደ ሓድሽ መንፈሳዊ ማሕበር ብሰበኻ ደረጃ ክቐውም እንከሎ ቅድስቲ መንበር ርእዮቶ ክትህበሉ ጥራሕ ዝብል ዝነበረ ኣብ ሕገ ቀኖና ዝነበረ ሕጊ ናይ ቅድስቲ መንበር ምሉእ ሓላፍነትን ስልጣንን ብዝብል ብሓድሽ ሕጊ ክትካእ ብዘለዎ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ ስልጣን መሰረት ክሕደስ ዝብል ውሳኔ ከምዘመሓላለፉን እዚ ሓድሽ ውሳኔ’ዚ ኣብ ሕገ ቀኖና ዝሳዃዕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍልጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ዝኮነ ይኹን መንፈሳዊ መስሕብነት ኣብ ዝተፈልየ ዞባ ዝጠጥዔ እውን ይኹን፡ ብባህርይኡ ኵላውነት ጠባይ ዘለዎ ብምዃኑ ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ 2014 ዓ.ም. ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ተመክሮ ናይ ውፉይ ሕይወት “ንቤተ ክርስቲያን ህያብ ክሳብ ዝኾነ፡ ዝተደስየተ ወይ ዝተሓረገ (ሕዳግ) ክውንታ ክከውን ኣይኽእልን፡ እንታይ ደኣ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ተልእኾኣ ወሳኒ ረቛሒ ብምዃኑ፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕመረት እዩ” በዚ ርእየተ’ዚ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘለዎም ናይ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓዋርያዊ  ፍሉይ ስልጣን መሰረት እቲ ኣብ ሕገ ቀኖና ኣብ ቁጽሪ 579 ዘሎ ሕጊ በቲ Authenticum charismatis - ሓቀይና መንፈሳዊ ሰሓብነት ብዝብል ኣርእስቲ ክሕደስ ዝደንገግዎ ሓድሽ ሕጊ ክትካእ ይእዝዙ። ስለዚህ ኣብ ሰበኻታት ንዝቖሙ መንፈሳዊ ተቕዋም ድዩ መንፈሳዊ ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትን ናይ መናንያን ውፉያን ማሕበራት ይዅንታ ዝብል ውሳኔ ናይ ቅድስቲ መንበር ክኸውን ከምዝገበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ`

ሓድሽ ሕገ ቀኖና ቅጽሪ 579

እቲ ሓድሽ ቀኖና ዋላ’ኳ ናይ ሰበኻ ጳጳስ እቲ ኣብ ዞባ ሰበኻኡ ዝቐውም መንፈሳዊ ማሕበር (ገዳማውያንን ውፉያን ሕይወትን ማሕበርን ናይ ውፉያን ማሕበረሰብን) ብጋሴ ይኹንታ ምባል ስልጣን ናቱ ይኹን፡ ማለት ከምቲ ቀድም ዝነበረ ኮይኑ፡ እቲ ሕዳሴ፥ ብቕድስት መንበር ይኹንታ ክበሃል ናብ ቅድስቲ መንበር ብጽሑፍ ይሕትተ ዝብል እዩ፡ እቲ ናይ ይኹንታ ናይ ስልጣን ውሳኔ ናይ ቅድስቲ መንበር ይኸውን፡ እቲ ዝሕደስ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበረ ቅጽሪ 579 እቲ ጳጳስ ውሳኔ ንኽህበሉ ቅድስቲ መንበር የማኽር ዝብል ምዃኑ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ዘይተስተውዓለ ይኹን ምውጋድ

ጭቡጥ ምልክታ Authenticum charismatis - ሓቀይና መንፈሳዊ ሰሓብነት ይብሉ ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ድንጋገ፥ ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ዞባ ንዝቐውም ሓደ ሓድሽ ናይ ውፉያን ድዩ ናይ ገዳማውያን ተቕዋም ንናይ ኩሉ ሕዝበ እግዚኣብሔር ረብሓ ኣብ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ሕይወት ኵለንተናዊ ስኒት ክህልዎን ኤቅለሲያዊ ምዃኑን እቲ መንፈሳዊ መስህብነት ተኣማኒ ድዩ ኣይኮነን ዝብል ናይ ምክትታል ሓላፍነት ናይ ዞባ ቤተ ክርስትያን ኤቅለሲያዊ  ጓሶት እዩ። ቅዱስነቶም ነቲ ሰነድ Authenticum charismatis - ሓቀይና መንፈሳዊ ሰሓብነት ጠቒሶም ምስትውዓል ዘይተገበረሎን ጥቕሚ ዘይብሎም ዘይተስተውዓሉ ተቕዋማት ከይውለዱ መታን እንክብሉ የብርሁ።

ልልያን ፍርድን

“ቅድስቲ መንበር ጓሶት ነቲ ሓድሽ መንፈሳዊ ተቕዋም ድዩ መንፈሳዊ ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትን ናይ መናንያን ውፉያን ማሕበራት ብሰበኻ ደረጃ ንዝቖሙ ኤቅለሲያዊ ተቐባልነት ንኽህልዎም ኣብ ዝፍጽምዎ ኣብ ናይ ልልያ ናይ ምስናይ ሓላፍነት ኣለዋል” ቢሎም ኣስዒቦም ኣብቲ Authenticum charismatis - ሓቀይና መንፈሳዊ ሰሓብነት ዝቖማ መንፍሳውያን ማሕበራት ቅኑዕ ምዃነን ክፍተሽን ነኣሽቱ መንፈሳውያን ተቕዋማት ካብ ጥቕሙ ምኽንያት ጉድኣት ዝኸውን ኣብ በቦታኡ ምብዛሕ ከይህሉ መታን ብናይ ቤተ ክርስቲያን ስልጣን ትኵር ጥንቃቔ ተገይሩሉ ክምርመር ኣለዎ፡ ሓደስቲ መንፈሳዊ ተቕዋማት ድዩ መንፈሳዊ ናይ ዘይገዳማውያን ማሕበረሰብ ውፉያትን ናይ መናንያን ውፉያን ማሕበራት ብቅድስቲ መንበር ወግዓዊ ኣፍልጦ ክወሃቦ ኣለዎ፥ ስለዚህ ናይ መወዳእታ ዋሳኔ  (ፍርዲ) ናይ ቅድስቲ መንበር ይኸውን ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።  

05 November 2020, 20:33