ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2016 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ ዓለም ሓቆፍ ቅነ መንእሰያት 2016 ዓ.ም. ኣብ ፖላንድ 

ናይ ር.ሊ.ጳ. ኤኮኖሚ፥ መጻኢ ዝብድህ እማመ

“ኵሉ ውሽጣዊ ምትእሳር ዘለዎን ከባብን መሓድሮን ምክልኻል ካብ ፍትሒ ንድኻታትን ካብቲ ንናይ ዓለም ኤኮኖሚ ቅርጻዊ ጸገማት መፍትሒ ካብ ምድላይን ዘይንጸል እዩ”

“ዝተፈልየ ኤኮኖሚ፥ ዘንብር እምበር ዘይቐትል፡ ዝሓቑፍ እምበር ዘይንጽል፡ ሰብኣዊ እምበር ኢሰብኣዊ ዘይገብር፡ ተፈጥሮ ዝከናኸን እምበር ዘየባድም” ዝብል ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2019 ዓ.ም. እቲ “ናይ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ኤኮኖሚ” እንክብሉ ብዘቕረብዎ ሓባሪ መስመር፡ ኤኮኖሚ ንሰብኣዊ ፍጥረት ዝጥምት ተኣፋፍያን ዘይርስዕን ናይ ኤኮኖሚ ለውጢ ራእይ ንምቕራብ ዝብል ዕላማ ዝገበረ ኣብ ኣሲዚ ዝጠለብዎ ዓውደ ጉባኤ፡ ካብ ዕለት 19 ክሳብ ዕለት 21 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ብመረብታዊ ውሕዘት ተሰንዩ ክካየድ እዩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እዚ ዓውደ ጉባኤ መንእሰያት ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን መንእሰያት ሰብ ትካላትን ናይ ካቶሊካውያን መናብርተ ጥበብ ተመራመርትን ዘሳትፍ ኮይኑ፥ ጥዑይ ኤክኖሚ ሕውነታዊ ንዝብል ኣምር መሰረት ዘንብር ዓውደ ጉባኤ እውን ምዃኑ ኣብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ኢየሱስ ተመራማሪ ፕሮፈሰር ዶመኒኮ ሮሲኞሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የብርሁ።

እቲ ዕለት 19 ሕዳር ተበጊሱ ክሳብ ዕለት 21 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ዝካየድ ዓውደ ጉባኤ፡ ብመንፈስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዝን ብይሴባሕ ዓዋዲት መልእኽትን ሓድሽ ዓይነት ኣረዳድኣ ኤኮኖሚ ንምምልካት ዝሓቀነ ኮይኑ፡ መንእሰያት ናይ ስነ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላት መንእሰያትን ነዚ ሓሳብ’ዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝድግፍ ሓሳብ ዘመንጭውሉ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ስራሕን ቁጠባን ሕንጸትን ሰብ ሰርሖ ቀልባዊ ብልሒን ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘተኮረን እቲ ኵላትና ኣሕዋት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ገቢር ክኸውን ብፍሉይ ዝዓዪ ምንቅስቓስ መንእሰይት ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንቲ ንምቛም ዝዓለመ እውን ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ፡ በቲ ተኸሲቱ ዘሎ ለብዒ ኮቪድ - 19 ምኽንያት ተጋባእያን ብመረብታዊ ውሕዘት ዘካየድዎ ኰይኑ፡ ቅዱስ ኣቦና እውን ብምናባዊ ኣገባብ ክሳተፉ ምዃኖም ኣተሓሒዙ የመላኽት።

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ መደረ ካብ ዘስምዑ፡ ናይ ኤኮኖሚ ሊቅ ናይ 2006 ዓ.ም. ናይ ሰላም ኖበል ተሰላሚ ሙሓማድ ዩኑስን ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ዛዕባ ዓውሎማነት ኣባል ቫንዳና ሺቫንን ጳጳሳዊ ናይ ማሕበረተሰብኣዊ ስነ ምርምር ተቕዋም ኣቦ መንበር ስተፋኒ ዛማኚን ብቐዳምነት ዝጥቀሱ ኮይኖም፡ ናይዚ ዓውዲ ጉባኤ ቀጻሊ ርክብ ኣብ 2021 ዓ.ም. ኣብታ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ምድራዊ ሃብቲ ኵሉ ኣይፋል ቢሉ ገዛእ ርእሱ ድኻ ገይሩ ናይ ሕይወት መሰረታውን ቀንድን ዋልታ እግዚኣብሔር ክኸውን ኣብ ዝሓረየላ ከተማ ኣሲዚ ዝካየድ ከምዝኸውን ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ንናይ ጽባሕ ኤኮኖሚ ነፍሲ ምሃብ

መንእሰያትን ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን ነጣፍያን ምንቅስቓሳትን ብሓባር ውስጠ ወለዶታት እዋናዊ ናይ ዓለም ኤኮኖሚ ንምልዋጥን ቅኑዕን ሓቛፍን ዘላቕን ኤኮኖሚ መታን ክኸውን ንናይ ጽባሕ ኤኮኖሚ ነፍሲ ንምሃብ ብሓባር ክዝትዩ እያቶም፡ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና፥ “ኵሉ ውሽጣዊ ምትእሳር ዘለዎን ከባብን መሓድሮን ምክልኻል ካብ ፍትሒ ንድኻታትን ካብቲ ንናይ ዓለም ኤኮኖሚ ቅርጻዊ ጸገማት መፍትሒ ካብ ምድላይን ዘይንጸል እዩ”፡ ምእንቲ’ዚ እቲ ሰብን ማሓድሮን ናይ ሰብኣዊ ክብረት ዘየኽብር ምዕባለ ኤኮኖሚ ምዕራይ የድሊ፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ “ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ” ንመንእሰያት ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን መንእሰያት ሰብ ትካላትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ “ዝተፈልየ ኤኮኖሚ፥ ዘንብር እምንበር ዘይቐትል፡ ዝሓቑፍ እምበር ዘይንጽል፡ ሰብኣዊ እምበር ኢሰብኣዊ ዘይገብር፡ ተፈጥሮ ዝከናኸን እምበር ዘየባድም” ሓድሽ “ናይቲ ኣብ ሕውነትን ማዕርነትን ዕሴታት ዝጸንዔ ናይ ሱታፌ ባህሊ ውጽኢት ዝኾነ ናይ ኤኮኖሚ ኣገባብ” ዘለዎ ኣገዳስነት ይላበዉ። ብፍላይ መንእሰያትን ኣንጠረይናታትን ናይ መጻኢ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ኣላምያን ክዀኑ ዝተጸውዑ ምዃኖም የተሓሳስቡ።

ናይ መንእሰያት መልሲ ንናይ ር.ሊ.ጳ. ጻውዒት

ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ንኽሳተፉ ካብ ሓሙሽተ ክፍለ ዓለም ዝመጹ ብጠቕላላ ካብ 120 ሃገራት ዝተዋጽኡ ኣብ ዓውዲ ኤኮኖምንም ምሕደራን ፍልስፍናን ስነ ማሕበረሰብኣውን ኣብ ክንክን ማሓድሮን ናይ ተፈጥሮ ጸጋታትን ሓላፍነት ለበስ ኣህላኽነትን ናይ ሕይወት ኣገባብን ምህርትን ስነ ሕዳሴን ስራሕን ቁጠባን ንምዕባለን ዛዕባ ጉዳይ ድኽነትን ማዕርነትን ሰብኣዊ ክብረትን ሕንጸት ስነ ሓድሽ ወለዶን ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎን ሓደስቲ ዕደ ጥበባትን ኣብ ዝብሉ መዳያት ዝዋስኡ ሰለስተ ሺሕ መንእሰያት ከምእተመዝገቡን ናይቲ መደብ ኣሰናዳኢ ቤት ጽሕፈት ዝሃቦ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዒት መልሲ ዝሃቡ መንእሰያት ማእለያ ዘይብሎም ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ካቶሊካዊት መንበር ጥበብ ቅዱስ ልቢ ኣብ ናይ ክፍሊ ትምህርቲ ስነ ምርምር ፖለቲካ መምህር ዶመኒኮ ሮሲኞሊ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድው ቃለ መሕትት፥ ናይ ኤኮኖንሚ ቀንዲ ሕመረት ንምልላይ ትብዓት ዘለዎም ክንከውን ይግብእ - እዚ ኸኣ ብሓባር ከመይ ክንነብር ከምዘሎናን፡ ኵሉ ብዝከሎ መጠን ዝበለጸ ሕይወት ክንበርን፥ ውሑዳት ዘይኮነ ‘ኵሉ፡ ናይ ተፈጥሮ ጸጋታት ንናይ ሓባር ረብሓ ዝውዕለሉ ዓለም ንምሕናጽ ዝድርኽ ኤኮኖሚ ክኸውን መታን ኢሎም።

እቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ጻውዒት ካብቲ ዝተሓሰቦ ንላዕሊ መልሲ ተዋሂብዎ እዩ፡ መንእሰያትን ናይ ኤኮኖሚ ሊቃውንትን ሰብ ትካላትን ብሓባር ብዕለታዊ ሕይወቶም ኣቢሎም ኤኮኖሚ ንምልዋጥ ስንድዋት ከምዝኾኑን ናብዚ ዓውደ ጉባኤ እዚ መቕድማዊ ምስንዳው ተገይሩ እዩ፡ . . . ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ንዅሉ ዝሓቁፍ፡ ፍራንቸስካዊ ኤኮኖሚ፥ ንድኻታት ሓላፈ ዝብል።

እቲ ዓውደ ጉባኤ፥ ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ማለት ቅድም ቀዳድም መንእሰይን ተስፋን ክውንነትን ማለት እዩ፡ ሓደ መልእኽቲ ንኽከላኸሉ ምዕዳም ዘይኰነ እቲ መልእኽቲ ኣብ ምህናጽ ግደ ክህልዎም ምሕታት እዩ፡ እዚ እዩ እቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቕረብዎ ጻውዒት፡ ኣብ ኣሲዚ ንኽራኸብዎም እዮም ዝዓደሙ፡ ኣብዚ ብሓጺር ጠማቲ ሓሳብ ዝሓመመሉን ውሑድ ራእይ ንመጻኢ ኣብ ዘለሉን ዓለም ንመንእሰያት ድምጾም ከስምዑ ምግባር ናብ መጻኢ ዘሰጋግር ድልድ ምሕናጽ ማለት እዩ!

ናይ ፍራንቸስኮ ኤኮኖሚ ስነ ማሓድሮኣዊ ጥራሕ ክኸውን ኣይኽእልን፡ ናይ መሬትን ናይ ድኻታትን ገዓር ሓደ ዓይነት ገዓር ምዃኑ ‘ይሴባሕ’ ዓዋዲ መልእኽቲ ደሓር እውን ‘ኵላትና ኣሕዋት’ ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ የዘኻኽረና፡ ሕውነት ምስቶም ናይ መወዳእታ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘይነብርን ንኣኣቶም ዘይሓቍፍን፡ ሕውነት ምስ መሬት ጥራሕ ምባል ጐዶሎ እዩ።

17 November 2020, 20:33