ሰማይ ኣብዛ ምድሪ፥ ምፍቃርን ምግልጋልን ዓለም ንኽልወጥ (መንግስተ ሰማይ ኣብ ምድሪ፥ ምፍቃርን ምግልጋልን ዓለም ንኽልወጥ) ሰማይ ኣብዛ ምድሪ፥ ምፍቃርን ምግልጋልን ዓለም ንኽልወጥ (መንግስተ ሰማይ ኣብ ምድሪ፥ ምፍቃርን ምግልጋልን ዓለም ንኽልወጥ)  

ፍራንቸስኮ፥ ክርስትና ዓለም ዝልውጥ ወንጌል ምስ ዝነብር እዩ

ኵሉ እቲ ዓብይን ንእሽተይን ወሓዚ ናይ ፍቅሪ ስራሕ ንኽልተ ሺሕ ዓመታት ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸመ ናይ ምትሕብባር ፍሉይ ምንጪ እዩ፡ ናይ ፍቕሪ ስራሕ - ሓልዮት ካብ ተመስጦን ካብ ምድናቕን ካብ ጸጋን እዩ

ሰማይ ኣብዛ ምድሪ፥ ዓለም ንምቕያር ምፍቃርን ምግልጋልን”  ዘርእስታ ናይ ዓለም ሓቆፍ ፈደራላዊ ሉተራን ጠቕላሊ ዋና ጸሓፍ መቕድም ዝደረስላ ናይቲ ምስ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስትያን ናይ ሓባር ዘተ ብዝብል ኣርእስቲ ብተኸታታሊ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጽሓፍቲ ኣካል ዝኾነ ብቤት ማሕተም ቫቲካን ተሓቲማ ዕለት 24 ሕዳር 2020 ዓ.ም. ንንባብ ከምዝበቐዔት ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሕጂ እውን ሓድሽ፡ ቅኑዕን ሕውነታውን ዓለም ተኸኣሊ ምዃኑ ምእመና ይከኣልዶ? ናይ እንነብረሉ ሕብረተሰብ ናይ ሓያልን ሕጊ ዘይመልኮን ትዕቢተይናን ገንዘብ እግዚብሔሩ ዘይገብር፡ ሰብን ናይ ሞሳን ስነ ምጐት ዝኽበረሉ ክኸውን ብሓቂ ተስፋ ምግባር ዝከኣል ዶ ይኸውን? ኣብ ቅድሚ ከምዚ ዝኣመሰል ገርሄይና ሕቶታት ብዙሓት ክህልዎን ዝኽእል ኣገላልጻ እግምት . . . ማርቲን ዩንግ ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም “ኣብ ዓለም ኣብ ምብሳር ቃል ኣምላኽ ይኹን ኣብ ምግልጋልን ብሓባር ምሕረት እግዚኣብሔር ንምስክር” ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

“ክርስትና ኣብ ወንጌል ክስረት እንከሎ ንስልጣነ ብሉጹ እዩ ዝህብ” ካብዚ ወጻኢ “ምስ ናይ ዓለም መዋቕርን ስነ ሞጐትን ገዛእ ርእሱ እንተኣመሳሰለ ግና ይምሽምሽ ብሉጽነቱ ይስእን” ነዚ ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብታ ሰማይ ኣብዛ ምድሪ፥ ምፍቃርን ምግልጋልን ዓለም ንኽልወጥ (መንግስተ ሰማይ ኣብ ምድሪ፥ ምፍቃርን ምግልጋልን ዓለም ንኽልወጥ) ኣብ ዘርእስታ መጽሓፎም የመላኽቱ፥

ዝልውጥ ሓይሊ ክርስትና

ቅዱስነቶም ኣብታ መጽሓፍ፥ ካብ ርሑቕ ዘመናት ኣትሒዙ “ናይ ክርስትና ለዋጢ ሓይሊ ካብቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክብረት ግምት ካብ ምሃብ ዝብገስ” ከምዝኾነ የመላኽቱ፡ ሓድሽን ቅኑዕን ሕውነታውን ዓለም ብዘይተሓላለኸ ኣገባብ እምነት ካብ ናይ ምንባር ሳዕቤን ዝውለድ እዩ።

ክርስትና ይብሉ፥ “ዓለም ዝለወጠ ብዓለማዊ ስልቲ ወይ ስነ ምግባራዊ ወለንተይናውነት ካብ ምንባር ዘይኮን በቲ ሞት ስዒሩ ብዝተንስኤ ኢየሱስ ሓይሊ መንፈስ ጥራሕ እዩ”።

ኵሉ እቲ ዓብይን ንእሽተይን ወሓዚ ናይ ፍቅሪ ስራሕ ንኽልተ ሺሕ ዓመታት ኣብ ታሪኽ ዝተፈጸመ ናይ ምትሕብባር ፍሉይ ምንጪ እዩ፡ ናይ ፍቕሪ ስራሕ - ሓልዮት ካብ ተመስጦን ካብ ምድናቕን ካብ ጸጋን እዩ።

ካብ ብጋሴ ኣትሒዙ ኣብ ታሪኽ ናይ ፍቕሪ ስራሕን - ሓልዮትን ንድኻታትን ነቶም ተኣፋፍያንን መበለትን ጊላዎትን ህሙማን ዝተሓረጉን ፍሉይ ቆላሕታ ዝገብር፡ ምስ ዝሳቐይ ናይ ስቓዩ ተኻፋሊ ኣብ ምዃን ዝንበር እዩ፡ ኢፍትሓውነት ዘቃልዕን ዝኹንን ብዝከኣል መጠነ ይዋጋእ፡ ምኽንያቱ ንሓደ ሰብ ምክንኻን ማለት ምስቲ ኵሉ ኩነታቱ ሓንጎፋይ ቢልካ ብምቕባል ካብቲ ዝጸቕጦን ሰብኣዊ መሰሉን ክብሩን ካብ ዝኽሕድ ኵነት ናጻ ክወጽእ ዘይሕለል ጻዕሪ ምክያድ ማለት ስለ ዝኾነ። ናይ ጸጋ ቀዳምነት ይብሉ ቅዱስነቶም ንጡፍ ናብ ዘይምዃን ኣይድርኽን፡ ብጭቡጥ ሓይልታትካ ኣበራቲዕኻ ኢፍትሓውነት ንኽትዋጋእን ብዛዕባ ኢፍትሓውነት ኣስተውዕሎ ክሰፍሕ ዝገብር ምዃኑ የብርሁ።

ካብ ግጭት ናብ ሱታፌ

ማርቲን ዩንግ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሉተራን ኣቢያተ ክርስትያን ፈደራላዊ ማሕበር ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣብቲ ዝደረስዎ መቕድም ናይታ መጽሓፍ፥ ኣብ 2016 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናይ ሉተራን ቤተ ክርስቲያን ዝኽሪ ተሓድሶ ምኽንያት ኣብ ሉንድ ኣብ ዘተኻየደ ስነ ስርዓት ተረኺቦም ዘስምዕዎ ቃል ብሓቂ ጥልቂ ምስጋና ዝግብኦ እዩ፡ “ኢየሱስ ብዘይ ብኣይ ሓደ’ኳ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን” ዝበለና ጠቒሶም፡ ንሱ እዩ ሓድነት ወትሩ ጭቡጥ ክኸውን ዝድግንን ዘበረታዓን” ይብሉ።

ኣብቲ ኣብ ሉድን ኣብ ዝተኻየደ ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ተሓድሶ ሉተራናዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ኣብ ዝተኻየደ መንፈሳዊ መደብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ተረኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት፥ “ካቶሊካውያንን ሉተራናውያን ካብ ግጭት ተላቒቖም ናብ ሓድነት ብሓባር ኣብ ጉዕዞ ምህላዎም የረጋግጹ”፡ እዚ ናይ ሓባር ጉዕዞ’ዚ ክኡል ንዝገብር ነቲ ኣቝሳልን ዘየሰማምዕ ብምዝካር ኣብ ንሓድ ሕድና ምርሕሓቅ ክህሉ ንዝገብር ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ ተመክሮ ኣሊና ነቲ ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ዘንበሮ ናይ ዕርቂ ጸጋ ነአንግድ ዝበልዎ ዘኪሮም፡ እዚ ይብሉ ዩንግ፥ ንሓድ ሕድና ሓድነት ኣሚትና እቲ ዝገማምዕ ዘይኮነ እቲ ዘቀራርበን ዘዋህድን እናጠመትና እነካይዶ ዘሎና ጉዕዞ ናይ ሓባር ህርኵት ጻዕሪ እዩ፡ ነቶም ዝተናዕቑን ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ንዛሳቐዩን ብሓባር ኣብ ምግልጋል ዝግለጽ እውን እዩ፡ ብሓባር ብኑዛዜ እምነትን ብናይ ሓባር ኣገልግሎትን ምሕረት እግዚኣብሔር ንምስክር ከምዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

25 November 2020, 18:10