ሓድሽ ስሜተ ጵጵስና ኣብ ቻይና ሓድሽ ስሜተ ጵጵስና ኣብ ቻይና 

ሓድሽ ስሜተ ጵጵስና ኣብ ቻይና

ብሩኒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ዜና ማዕከናትን ሕትመትን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ በቲ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ግዚያዊ ስምምዕ መሰረት

ኣባ ቶማሶ ቸን ቲኣንሃው ኣብ ቻይና ናይ ሰበኻ ቁይንግዳው ሓድሽ ጳጳስ ኮይኖም ከምእተሰምዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓልፊ ማተዮ ብሩኒ ሓቢሮም` ኣብ መጻኢ እውን ኣብ ቻይና ንዝተፈላለያ ሰበኻ ዝመርሑ ጳጳሳት ክስየሙ ዘኽእል ኪደት ይሳልጠ ከምዘሎ የመላኽቱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ወርሒ መስከረም 2018 ዓ.ም. ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ዝተበጽሔ ናይ ክልተ ዓመት ግዚያዊ ስምምዕ ንቐጻሊ ክልተ ዓመት ከገልግል እውን ከምእተሓደሰ ክዝከር እንከሎ፡ በቲ ግዚያዊ ናይ ሓባር ስምምዕ መሰረት ናይ ቻይና ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ጳጳሳት ምስ ናይ ሮማ ጳጳስ ሱታፌ ክህልዎም ከምዝገበረን እቲ ሓድሽ ስሜተ ጵጵስና እውን ነዚ ዝምስክር ምዃኑ ዝሓበሩ ብሩኒ ኣስዒቦም፥ ሓድሽ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ቶማሶ ቸን ቲያንሆ ድሕሪ እቲ ዝተኸተመ ናይ ሓባር ግዚያዊ ስምምዕ ካብ ዝተሰምዩ ሰለስተ ጳጳሳት ሓደ ከምዝኾኑን እውን የዘኻኽሩ።

ብሩኒ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ኣብ ቅድስቲ መንበር ንናይ ወጻኢ ሃገራት ዜና ማዕከናትን ሕትመትን ልኡካን ጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፥ በቲ ዝተበጽሔ ናይ ሓባር ግዚያዊ ስምምዕ መሰረት እውን ቀጻሊ ስሜተ ጵጵስና ክህሉ ምዃኑ ሓቢሮም፥ እቲ ግዚያዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ንናይ ጳጳሳት ስሜት ዝምልከትን እዚ ኸኣ ኣብ  መንጐ ናይ ሮማ ጳጳሳን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ጳጳሳትን ኣብ ቻይና ናይ እትርከ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ሱታፌ ክህሉ ዝድግፍ ከምዝኾነ የዘኻኽሩ።

ስለዚህ ይብሉ ብሩኒ፥ እቲ ግዚያዊ ናይ ሓባር ስምምዕ ሓዋርያዊ ግብረ ኖላውነት ዘማእከለን ካላቶሊካውያን ምእመናን ቻይና ምስ መንበር ቅዱስ ጴጥሮስ ምሉእ ውህደትን ሱታፌን ዘለዎን ብናይ ሕዝባዊት ረፓብሊካዊት ቻይና ኣፍልጦ ዝወሃቦም ጳጳስት ክህልዎም ይግባእ ዝብል ምዃኑ ኣተሓሒዞም የዘኻኽሩ።

25 November 2020, 18:14