ር.ሊ.ጳ. ብዛዕባ ቅልውላው ናይ ከባቢ ኣየር፥ ግዜ ከይሓለፈ ምርጫና ሕጂ እዩ

“መሬት - ይብሉ ቅዱስነቶ - ክትጥቀመላን ክትከናኸናን ይግባእ፡ መሬት ምክንኻን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብርን ግዴታን እውን እዩ፡ ነፍሲ ወከፍና እጹብ ዝኾነ ተራ ከሳልጥ ዝከኣሎ እዩ፡ ኩሉ ኣብቲ ኪደት ሓቢሩ፡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ! ምኽንያቱ መጻኢ ኣብ ሎሚ እዩ ዝሕነጽ፡ ንበይንኻ ዘይኮነ ብማሕበረሰብኣውነትን ብስኒትን እዩ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ TED እተሰምየ ዘርጋሒ ናይ ክቡራት ዋጋታት ሚሳል፡ ዓለም ሓቆፍ ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ማሕበር፥ “ንድሕሪት ምቑጻር” ብዝብል ናብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፥ ነፍሲ ወከፍና ግደኡ ከበርክት ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“እዋናዊ ናይ ዓለም ኤኮኖሚ ዘይጽወርን ዘይዘላቕን እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ግብረ ገባውን ግብረኣውነትን ህጹጽ ሕቶ ኢና እንርከብ፡ ብዙሕ ነገራትና ንኣብነት እነምርቶን ኣነህልኾን እንነብሮ ዘሎና ኣባኻኒ ባህልን ነዊሕ ዘይጥምት ርእየትናን ምዝመዛ ኣብ ልዕሊ ድኻታትን ንኣኣቶም ዘይምግዳስን ክብታ ዘይማዕርነትን ጽግዕተያን ናይ ጎዳኢ ጸዓት ምዃንን ዝብሉ ዳግም ምልስ ቢልና እነስተውዕለሉ እዋን እዩ” ነዚ ዝበሉ ቅዱስነቶም ናብቲ TED እተሰምየ - ዘይመንግስታውን ዘይመኽሰባውን ዘርጋሒ ናይ ክቡራት ዋጋታት ሚሳል ዓለም ሓቆፍ ውድብ፡ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ነቲ ኣብ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ናይ ከባቢ ኣየር ንብረትን - ማሓድሮም ኣማእኪሉ ንኽመክርን ነዚ ቅልውላው’ዚ መልሲ ንምሃብን ኣሚቱ ናብ ዘዳለዎ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ።

ቅዱስነቶም ህልው ጽንኩር ኩነት ብፍላይ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላውን ቅልውላው ማሓበራዊ - ማሓድሮን ዝብሉ ጉዳያት ጠቒሶም፡ “እዚ ኵነት’ዚ ኣብ ቅድሚ ኣገዳሲ ዝኾነ ምርጫን ኣብ ቅድሚ ዘገድስን ዘየገድስን ምርጫ ፊት የቕርበና፡ ናይ ብዙሓት ድኻታት ስቓይን ኣብ ልዕሊ ናይ ሓባር ቤትና - መሬት ዝፍጸም መጉዳእትን ዕሽሽ ኣብ ምባል ምቕጻልን ወይ ክኣ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኣገባብ ወስታና ብኹሉ ጽሕፍታቱ ንምልዋጥ ህርኩት ጻዕሪ ንኽንገብር ኣብ ዝብል ምርጫ ፊት የቕርበና” እንክብሉ እቲ ብዝተፈላለዩ ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንቲ ዝንገር ከመጽእ ዝኽእል ዕንወት ንኸየጋጥም ዝድርኽ ሕጹጽ ናይ ሓባር ጻዕሪ ኣድላይነቱ ምስ ኣብርሁ፡ ብዛዕባ ኤኮኖሚ፥ “ኤኮኖሚ ኣብ ምምራትን ምክፍፋልን ኣብ ዝብል ተግባር ክሕጸር የብሉን፡ ኣብ ልዕሊ ከባብን ሰብኣዊ ክብርን ዘለዎ ማሕታ ምስትውዓል የድሊ”፡ ኤኮኖሚ፥ ኣብ ገዛእ ርእሱን ኣብ ሜላታቱን ኣብ ትግባሬታትን መሃዛይ ክኸውን ኣለዎ፡ . . . መጻኢ ወለዶ ግምት ዝህብ ናይ መጻኢ ወለዶ ተኽእሎታት ንሓደጋ ብዘይምቅላዕ ንናይ እዋናዊ ወለዶ መልሲ ዝህብ ክኸውን ኣለዎ” ኢሎም።

“ንዅሉ ናይ ዝተፈላያ ሃይማንታት ሰዓብቲ፥ ክርስቲያን ይኹን ኣይኹን ኵሉ ሰብ ጽቡቕ ድላይ፥ እምነት ዘለዎ ክሳብ እቲ እምነት ዘይብሉ፡ ብሰናይ ፍቓዱ፡ ነፍሲ ወከፍና ብውልቅን ብማሕበርን ስድራ ቤትን ናይ እምነት ማሕበረሰብን ትካላትን ማሕበራትን ተቕዋማትን ትርጉም ዘለዎ ኣበርክቶ ክቐርቡ ዝከኣል እዩ” ኢሎም።

“ይሴባሕ” ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቶም ዘኪሮም፥ ብቐዳምነት ብዅሉ ጽፍሕታት እቲ ኣብ ማሓድሮ ዝኽሰት ዘሎ ጸገም ምስ ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ድላይ ዝተኣሳሰረ ምዃኑ ምስትዓውል ክብ ምባል፡ ንናይ ሓባር ቤትና ምክንኻን ሕንጸት - ኣብ ጭብጥታት ስነ ምርምርን ስነ ምግባራዊ መቓርቦን መሰረት ዝገበረ መደብ ሕንጸት ኣድላይነቱ ዘብርህን ብኻልኣይ ደረጃ አቲ ብዛዕባ ሃብቲ ማያትን መግብን ዝብል ሓሳብ ጠቒሶም “ዝስተይ ጽሩይ ማይ ንኹሉን እዚ መሰረታውን ኵላውን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ክኸውንን፡ እዚ ናይ ህላወ መሰረት እዩ” . . . እንክብሉ ዘብርህዎ ሓሳብ ጠቒሶም፡ ኣዕናዊ ብዘይኮነ ናይ ሕርሻ ሜላ ኣቢልካ ናይ ኵሉ መግቢ ናይ ምርካብ ዝብል መሰረታዊ ድላይ ውሑስ ምግባር . . . እዚ ኸኣ ናይ መግቢ ምህርትን ንምክፍፋልን መሰረት እዩ ክኸውን ዘለዎ” ይብሉ።

ብሳልሳይ ደረጃ፥ ናይ ጸዓት ስግረት ዝብል ኣብታ ዓዋዲት መልእክቶም ዘንበርዎ ሓሳብ ጠቒሶም፥ ብዘይ ሰጋእታ ኣሰር ሕይወት ንነዳዲ ዝብል ምርጫ ብንጹሕ ምንጪ ጸዓት ምትካእ፡ ውሑድ ግዜ እዩ ዘለና ከምቲ ናይ ስነ ምርምር ሊቃውንቲ ዝሕብርዎ፡ ነቲ ብከላ ኣየር ንምንካይ ካብ ሰላሳ ዓመት ዘይበልጽ ግዜ እዩ ዘሎና፡ እዚ ለውጢ እዚ ህጹጽ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ እዋናውን ንመጻእን ክህሉ ዝኽእል ናይ ጸዓት ሕቶ ዝምልሽ ክኸውን ኣለዎ፡ ንድኻታት እውን ኣተኵሮ ዝገብርን ነቶም ኣብ ትካላት ጸዓት ዝዓዩን ዓቢይ ግምት ዝህብ።

እዚ ለውጢ እዚ ንምድጋፍ ትካላት ነቲ ናይ ኵለንተናዊ ማሓድሮ ዝምልከት ረባሕታ ዘይምኽባር ኣወጊደን ብጭቡጥ ነቲ ናይ ለውጢ ዘላቒ ዝኾነ ረባሕታ ከኽብራን ማሕበራዊ ፍትሕን ናይ ሓባር ረብሓን ከነቓቕሕን መታን ናብቲ ሕጹጽ ዝኾነ ክደናጐይ ዘይብሉ ህርኩት ጻዕሪ ምክንኻን ናይ ሓባር ቤትና ንኸብላ ቅዱስነቶም ኣተሓሳሲቦም፥ “መሬት - ይብሉ ቅዱስነቶ - ክትጥቀመላን ክትከናኸናን ይግባእ፡ መሬት ምክንኻን ናይ ሰብኣዊ ፍጥረት ክብርን ግዴታን እውን እዩ፡ ነፍሲ ወከፍና እጹብ ዝኾነ ተራ ከሳልጥ ዝከኣሎ እዩ፡ ኩሉ ኣብቲ ኪደት ሓቢሩ፡ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ! ምኽንያቱ መጻኢ ኣብ ሎሚ እዩ ዝሕነጽ፡ ንበይንኻ ዘይኮነ ብማሕበረሰብኣውነትን ብስኒትን እዩ” እንክብሉ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መእልኽቲ ይዛዝሙ።

12 October 2020, 22:29