ርክብ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀል ማሕበር ኣቦ መንበር

ምግምማዕ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዘስዕቦ ከቢድ ስቓይን ሓሳርን ብፍላይ ነቶም ብውግእን ዓመጽን ብምዝባዕ ናይ ከባቢ ኣየርን ትሕቲ ምዕባለን ኩነት ብዘስዕቦ ኵለ መደያዊ ቅልውላውን ሕራጐትን ድኽነትን ኢፍትሓውነትን ኣዚዩም ንሓደጋ ዝቃልዑ

ዕለት 19 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀል ማሕበር ኣቦ መንበር ፒተር ማኡረር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ኣቦ መንበር ማኡረር ካብ ቅዱስነቶም ምስ ተሰናበቱ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ከምእተራኸቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2020 ዓ.ም.  ሃገረ ቫቲካን ንወግዓዊ ምብጻሕ ንዝኣተዉ ናይ ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀል ማሕበር ኣቦ መንበር ፐተር ማኡረር ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡን ኣብቲ ዝተኻየደ ክሌኣዊ ርክብ ብወገን ቅድስቲ መንበርን ዓለም ሓቆፍ ቀይሕ መስቀልን ኣብ ኣመለኻኽታን ዕሴታትን ናይ ኣስተንፍሶን ዘሎ ጥልቂ ጥምረት ከምእተመላኸተን፡ ብፍላይ ቀይሕ መስቀል ማሕበር ንናይ ውግእን ዓመጽን ኣደዳ ዝኾኑ ኣብ ምድጋፍን ምእላይን ዘካይዶ ህርኩት ጻዕሪ ናይ ሓባር ረቛሒ ከምዝኾነን፡ ፈላላይ መናድቕ ዘይኮነ ዘራኽብ ድልድል ምሕናጽ ዝብል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድላይን ምዕዳንን ቀይሕ መስቀል ብዝተፈላለየ መዳይ ኣብ ዘሳልጦ ኣገልግሎት ዝነብሮ እውን ከምዝኾነን እዚ ኸኣ ብዘይ ኣፈላላይን ንዅሉ ሓቛፋይ ብዝኾነ ኣገባብ ዝፍጸም ብምዃኑ ምስቲ ቅዱስነቶም ደጋጊሞም ዝገልጽዎን ዝነብርዎን ጻውዒት ዝጋጠም ከምዝኾነ ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ ከምእተቃልሔ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

“ምግምማዕ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ዘስዕቦ ከቢድ ስቓይን ሓሳርን ብፍላይ ነቶም ብውግእን ዓመጽን ብምዝባዕ ናይ ከባቢ ኣየርን ትሕቲ ምዕባለን ኩነት ብዘስዕቦ ኵለ መደያዊ ቅልውላውን ሕራጐትን ድኽነትን ኢፍትሓውነትን ኣዚዩም ንሓደጋ ዝቃልዑ ተኣፋፍያንን ስደተተይናታትን ተመዛበልትን ንመሪር ጸገም ዝዳርግ ምዃኑ ኣብቲ ክሌኣዊ ርክብ ከምእተሰመረሉን ናይ ቀይሕ መስቀል ኣቦ መንበር ማኡረር እታ ቅዱስነቶም “ኵላትና ኣሕዋት” ብዝብል  ኣርእስቱ ዝደረስዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ናይ ቀይሕ መስቀል ዕዮ መርሕ ቃል ቢልካ ክትሓስባ ዝከኣል እዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

20 October 2020, 07:42