ኒስ፥ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ግዳይ ግብረ ሽበራ ዜጋታት፥ ከም ኣሕዋት ናብ ምርእኣይ ንመለስ ኒስ፥ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ግዳይ ግብረ ሽበራ ዜጋታት፥ ከም ኣሕዋት ናብ ምርእኣይ ንመለስ 

ኒስ፥ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ግዳይ ግብረ ሽበራ ዜጋታት፥ ከም ኣሕዋት ናብ ምርእኣይ ንመለስ

“ግብረ ሽበራን ዓመጽን ፈጺሙ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋንን ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕርን መጸናንዕን ስፍራ ኣብ ዝኾነ ቤት ጐይታ ክፍጸም ጽልዕን ጭካነን እዩ ዝዘርእ፡ ዓመጽ ደው ክብልን ከም ጸላእቲ ዘይኮነ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ምርእኣይ ንመለስ”

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ኣብ ፈረንሳ ከተማ ኒስ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ኖትረ ዳም ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ መልእኽቲ ኣቢሎም፥ ብኣጽንዖት ግብረ ሽበራ ኮኒኖም፡ ኣብቲ ናይቶም ፍቱዋቶ ንዝተቐተልዎም ሓዘንን ኣባይቲ ስድራ እሓብር ቢሎም፡ ሓድነት ፈረንሳ ከምእተመነዩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅድም ክብል እቲ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ከምእተፈጸመ ምስ ተሓበሮም፡ ኣብ ልዕሊ ግብረ ክፍኣት ሰናይ ክዕወትን ንክፍኣት ብሰናይ ከምዝስነፍ እውን ገሊጺ፡ ዝተሰምዖን ሓዘን መሪር ከምዝኾነን ነታ ኣብ ፈረንሳ ንእትርከብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ቅርበቶምን ጸሎትምን ገሊጾም ከምዝነበሩ የዘኻኽር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ኣብ ከተማ ኒስ እስላማዊ ኣናስር ብዘለዎ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራ ኣብ ዝተፈጸመሉ ዕለት 29 ጥቅምቲ ቅዱስነቶም ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብጹዕ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ኣቢሎም ናብ ናይ ኒስ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ኣንድረ ማርሰው ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እቶም ዝተቐትሉ እግዚኣብሔር ኣብ መንግስቱ ክቕበሎም ተማሕጺኖም ቅርበቶምን ጸሎቶምን ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ኣረጋጊጾም፡ ከምዚ ዓይነት ዓመጸይና ተግባር ብጽንዓት ኮኒኖም፡ ንመላእ ፈረንሳ ማሕበረሰብ ካቶሊክን ንመላእ ሕዝቢ ፈረንሳን ቅርበቶምን ጸሎትም እውን ኣረጋጊጾም፡ “ግብረ ሽበራን ዓመጽን ፈጺሙ ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋንን ተቐባልነት ዘይብሉ እዩ፡ ኣብቲ ናይ ፍቕርን መጸናንዕን ስፍራ ኣብ ዝኾነ ቤት ጐይታ ክፍጸም ጽልዕን ጭካነን እዩ ዝዘርእ፡ ዓመጽ ደው ክብልን ከም ጸላእቲ ዘይኮነ ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ናብ ምርእኣይ ንመለስ” ከምዝበሉን፡ ኣብ ዕለቱ ብዘመሓላለፍዎ ናይ ትዊተር ማሕበራዊ መረብት መልእኽቶም ኣቢሎም፥ “ፍቑር ሕዝቢ ፈረንሳ ነቲ ግብረ ክፍኣት ብግብረ ሰናይ ይግጠሞ” ከምዝበሉን ንጽብሔቱ እቲ ኣብ ኒስ ዝተፈጸመ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ብስልኪ ምስ ናይ ፈረንሳ ርእሰ ብሔር ማክሮን ከምእተራኸቡን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኒስ፥ ጸሎት ር.ሊ.ጳ. ምእንቲ እቶም ግዳይ ግብረ ሽበራ ዜጋታት፥ ከም ኣሕዋት ናብ ምርእኣይ ንመለስ
30 October 2020, 16:15